Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on September 28, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል

መበል 13 ክፋል

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሲኞር ፍራንኮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዓዱ ከሕልፎ ምስ በዓልቲቤቱ ናብ ዓዲጥልያን ስለ ዝገሸ፡ ኣብ ሰሙኑ ልደት ኮይኑ መዓሾ ዘምጽኣ ደርሆ ተሓርደት። እንጌራ ተዓዲጉ፡ ኣረቂ ምስ ለሓፉ ዝማም፡ “ትኽስ’ምበር ኢለ፡” ብምባል ኣብ ዓራት ጎቦ ኮነት። ንመዓሾ ንምርስሳን ዝኣለመቶ ተንኰል ዘይኮነ፡ ዘይለመደቶ ኣረቂ ምስ ጠዓመት ብሓቂ ፈዚዛ ነይራ። መዓሾ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢሉ ኢዱ ምስ ኣንበረላ ግን ከም ብሓድሽ ተበራበረት። ሰብነታ ከም እሳተጎመራ ተቓጸለ። ክርሃት ስጋዎ ርክብ ከም ዘይነበራ ኣብ ሽዑ በጺሓ ወሲባዊ ድሌታ ሰማይ ዓረገ። መዓሾ ኵነታታ ተዓዚቡ ኣፍኵስ ኣቢሉ ኣጡባታ ክደራርዛ ምስ ጀመረ ቀልባ ተሰወራ። ብኡንብኡ ድማ ብስጋ ተራኸቡ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ መዓሾ ሓቝፉዋ ከም ዘሎ ምስ ተዓዘበት፡ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ዘላ ኮይኑ ተሰምዓ። ልባ ብሃልሃልታ ፍቕሪ ይቃጸል ስለ ዝነበረ፡ ስምዒታ ምጽዋር ስኢናቶ “መዓሾ ሓወይ!” ኢላ ሓቘፈቶ። ክሳብ መሬት ዝጽልምት ድማ ኣብታ ጸባብ ዓራት ፍስሃ ዓሲሉዎም ኣምሰዩ።
ዝማም ድቂ ከም ዝሓዘት ኣብ ካልኣይ ወርሒ’ዩ ተረዲኡዋ። መዓሾ ፈታው ውላድ ምዃኑ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ግን ክጠልመኒ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣይሓደራን። ቅንይ ኢላ ከም ዝጠነሰት ምስ ገለጸትሉ ከም ትጽቢታ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበላ። እንታይ ምግባር ከም ዝሓይሽ ድሕሪ ምምይያጥ ከኣ፡ ጥንሳ ክሳብ ዝኸብድ ኣብ ስራሕ ክትጸንሕ፡ ድሕሪኡ ግን ካብ ስራሕ ክትሰናበት’ሞ ገዛ ተኻርዮም ምዉቕ ሓዳር ክጅምሩ ተረዳድኡ። ኣብ መበል ራብዓይ ወርሒ ጥዕና ክትስእን ስለ ዝጀመረት፡ ስራሕ ኣቋሪጻ ምስ መዓሾ ክትጥርነፍ ግድነት ኮና። ንሱ ኣይሓመቐን ኣብታ ሓዳስ ዝተኻረዩዋ ጽብብ ኢላ ገዛ፡ ዓቕሙ ዘፍቀደሉ ንእሽቶ ውራይ ድሕሪ ምውዳድ፡ ኣዕሩኽቱን ጐረባብትን ዓዲሙ ሓዳሩ ጀመረ። ናብ ኣስመራ ምስ መጽአ ብጸቕጢ ኣዝማዱ ክልተ ግዜ ተሓጽዩ ከብቅዕ፡ ብፖለቲካ ተኣሲሩ ካብ መርዓ ዝተጓናደበ ህርኩት መንእሰይ ስለ ዝነበረ ድማ ንቡር ብምፍታኑ ፈታዊኡ ዘበለ ተሓጐሰ።
ክልቲኦም ሰብ ሓዳር፡ “መዓሾ ሓወይ ዝማም ሓውተይ” እናተባሃሃሉ ንዝኾነ ሰብ ዘቕንእ ሓዳር መሰረቱ። ዓለም ዘርያቶም ግን ንነዊሕ ከስተማቕሩዎ ዕድል ኣይረኸቡን። ጥንሲ ዝማም ሻሙናይ ወርሒ ምስ ሓዘ፡ ዘይሓልፈላ ጭሩስ መስከረም ትዓውር ከም ዝብሃል፡ ብሰላም ሓሪሳ ክትጥመቕ እናተጸበየት ከላ፡ እቲ ኣብ ዓለም እትኣምኖን እተፍቅሮን እንኮ ሰብ ኣብዚኣ ነጠበ ከይተባህለ ተሸርበ። ዝማም ብጥንስታ ገፈፍ እናበለት ፈቐዶ እንዳ ፖሊስ ዓንዘር ኢላ። ክረምቲ ምድሪ ዝናብ እናወቕዓ፡ ይእትዎ ነይሩ ናብ ዝብሃል ቦታታት ኰሊላ። መዓሾ ግን ከውሒ ዝረገጸ ኣሰር የብሉ፡ ማይ ዝሰተየ ጨና የብሉ ኮይኑዋ። ቅንይ ኢላ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ ምስ ካልኣዩ ናይ ፖለቲካ ጥርጡር ናብ ሱዳን ሰጊሩ. . . ዝብል ተዋቓዒ ወረ ሰምዐት። በጋጣሚ ኣብ እዝና ኣይበጽሐን’ምበር ከሰላ ከይኣተወ ኣብ ሓፊር ዝብሃል ቦታ ምስ ካልኣዩ ብዓሶ ሞይቱ ዝብል ተባራሪ ወረ’ውን ተናፊሱ ነይሩ።
ዝማም፡ ብሰንኪ መዓሾ ምስዋሩ ዝሰዓበ ጓሂ ከይኣኽላ፡ ጥዕና ምስኣን ተደሪቡዋ ገጻ ከሰል መሲሉ፡ ንረኣይኣ ተሕዝን ፍጥረት ኮነት። ንወርሒ ዝኣክል ዝደንገጻላ ጐረባብቲ ኣለይመለይ እናበላኣ ሓሊፋቶ። ኵነታታ እናበኣሰ ምስ ከደ ግን ናብታ እንኮ ክትረድኣኒ ትኽእል’ያ ዝበለታ ሶር ካተሪና ክትብገስ ግድን ኮና። ሓንቲ ካብ ጐረባብታ ኣሰንያታ ድማ ቍልቍለት ሰኒታ ብምውራድ ክሳብ ሓወልቲ እቴገ መነን ሰለይ በለት። ብድኻም ተሰኒፋ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ቍሩብ ድሕሪ ምዕራፍ፡ ስና ነኺሳ ገፈፈ እናበለት ሶር ካተሪና ኣብ ዝነበረቶ ቦታ በጽሐት።
እታ ለዋህ ድንግል ነቲ ጸማልያ ስብነታን ብግንባራ ኰረር ዝበለ ርሃጽን ርእያ፡ “ፖቨረታ ዝማም!” ኢላ ቍሩብ ከም ተዕርፍ ድሕሪ ምግባር፡ ናብ ሆስፒታል ሒዛታ ብምኻድ ኣድላዪ መርመራ ከም ዝፍጸመላ ገበረት። ብሓኪም ዝተኣዘዘላ ቪታሚናትን ኣብ ኢዳ ዝጸንሐ ቍሩብ ገንዘብን ሂባ ድማ ብታክሲ ኣፋነወታ።
ጾመ ፍልሰታ ተወዲኡ በዓለ ማርያም ድሕሪ ምሕላፉ፡ ኣብ ካልኣይ ሰሙኑ ዝማም ፈጺማ ተኻኢላ ኣብ ዓራት ተደርበየት። ዝኣልያኣ ዝነበራ ጐረባብቲ ንርእሰን በተኻት ስለ ዝነበራ ዝገብራላ ጨነቐን። ኣብ መወዳእታ፡ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዘሎ ዘስተውዓለት ዝያዳ ትቐርባ ዝነበረት ሰብ ብታክሲ ናብ ኮምቦኒ ወሰደታ። እታ ለዋህ ድንግል ተቐላጢፋ ናብ ሆስፒታል ክፍሊ መወልዳን ሒዛታ ከደት። ዝማም ብዝተገብረላ ቅልጡፍ ረዲአት ጥዕናኣ ብመጠኑ’ኳ እንተ ተመሓየሸ፡ ተሃስያ ስለ ዝጸንሐት ግን ኵነታት ብዙሕ ተስፋ ዝህብ ኣይነበረን። ናይ ኣጋታሚ ነገር ኮይኑ ኣብ ሳልስቱ ናይ ኣጋ ምሸት፡ ማሪያ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ኣብታ ዝማም ደቂሳትላ ዝነበረት ክፍሊ ኣተወት። ምስ ዝነበረቶ ኵነታት ህላዌ ዝማም ኣይፈለጠትን። እንተ ትፈልጥ’ውን ኣመና ተቐዪማታ ስለ ዝነበረት ብዙሕ ኣይምተገደስትላን ነይራ።
ሓኪም፡ ዝማም ምስ ዘለዋ ድኻም ብንቡር ክትሓርስ ከም ዘይትኽእል ተረዲኡ ንጽባሒቱ መጥባሕቲ ክገብረላ ወሰነ። ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ግን ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ናይ ለይቲ ብሰላም ተገላገለት። በዓልቲ ተራ ዝነበረት ምኵርቲ ነርስ ኣስካሉ፡ ነታ ድኹም ትንፋስ ዝነበራ ዝማም እንታይ ከም ትገብረላ እናሓሰበት ከላ፡ ብሸነኽ ጸግዒ ናይ ዝነበረት ማሪያ ድምጺ ሰሚዓ ንዝማም ሓዲጋታ ናብኣ ሰጐመት። ቍሊሕ እንተበለት ድሮ ሕርሲ ከም ዝጀመራ ፈለጠት። ንዝማም ረሲዓ መሳርሒኣ ብምቕራብ ድማ ርብዒ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ብቐሊል ገላገለታ። ብኸምዚ፡ ነታ ብመጥባሕቲ ክትሓርስ ዝተሓስበት ዝማምን ንመሓዛኣ ማሪያን ብሰላም ስለ ዝገላገለተን፡ ሓበን እናተሰምዓ ክትድቅስ ናብ መዕረፊ ክፍሊ እናተበገሰት ከላ ዘይንቡር ድምጺ ሰሚዓ ገጻ ገልበጠት። ንዝማም ትልኽ ክትብል ስለ ዝረኣየታ ጕድለታ እናተረድኣ ናብኣ ቀረበት። ዝማም ግን ካብቲ ሓሳርን መከራን ዝመልኦ ህይወታ ንዘልኣለም ተገላጊላ ጸንሓታ።
መሬት ወጊሑ ሓኪም መጥባሕቲ ከካይድ ኣብ ምዱብ ሰዓቱ ምስ መጽአ፡ ኣስካሉ ነቲ ዘሕዝን ጸብጻብ ኣቐበለቶ። ናብ ዝማም ቀሪቡ ኣድላዪ መርመራ ድሕሪ ምፍጻም ከኣ ናይ ሞት ምስክርነት ኣዳለወ። ቀጺሉ ለይቲ ናይ ዝተወልዱ ዕሸላት ጸብጻብ መዝገበ። ሶር ካተሪና ብኵነታት ዝማም ክትሻቐል ሓዲራ ድሕሪ ቅዳሴ ደሃያ ክትፈልጥ ኣንጊሃ ደበኽ በለት። ብማዕዶ ኣብ ጐድኒ ዓራት ዝማም ብድሮኡ ዘይነበረ ዓራት ቈልዓ ምስ ረኣየት ገጻ ብሓጐስ በርሀ። ናብ ዝማም ገጻ ቍሊሕ ምስ በለት ግን ዘይንቡር ኵነታት ተዓዘበት። ነፍሳ ነጊሩዋ ርእሳ ኣድኒና ዝን ኢላ ከላ፡ ኣስካሉ ናብኣ ቅርብ ኢላ ነቲ መርድእ ኣስምዓታ።

. . . . . . . . . . . ይቕጽል
መበል 14 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 1 ጥቅምቲ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምዕሻው’ዩ ከቢድ
Next Article ከይወግሐ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?