Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on March 20, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 123 ክፋል

ካስትሮ፡ ምስ ገለ ብጾት ኣብ ዓራርብ ዝነበረ ንብረት ነስመራ ብጽፉፍ ኣገባብ ዝኣትወሉ ኵነታት ንምፍጣር ምስ ብጾቱ ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ነይሩ። ንገለ ካብቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣባላት፡ በብተራ ስድራኦም ርእዮም ክምለሱ እናፍቀደ ምስቶም ዝተረፉ ብዘይ ዕረፍቲ ሰሪሑ። ብዙሓት ካብቶም ዝኸዱ ኣብ ዝተወሰነሎም ግዜ ይመጽኡ ስለ ዘይነበሩ ግን ምስ ብጾቱ ኣብ ዓራርብ ክድንጒ ግድነት ኮይኑዎ። ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሸሞንተ እቲ ስራሕ ትንፋስ ክህብ ምስ ጀመረ፡ ንብረት ዝሕልዉ ብጾት ሓዲጉ ምስ ካልኣዩ ነስመራ ነቐለ። ቀዳም መዓልቲ ሰዓት ሓደ ድማ ብሓንቲ ዶሮና ዝተሸፈነት ቶዮታ ደበኽ በለ። ጐረባብትን ናይ ርሑቕን ቀረባን ዘመድ መዓስ ከም ዝሰምዑ ነታ ገዛ ብቕጽበት ኣዕለቕለቑዋ። ገዛ ዓቢ ውራይ እተእንገድ ዘላ መሰለት። መለስ ብወገኑ ምስ ኣቦኡ ተሓቝፉ፡ ዓሰርተ ግዜ ንሽጉጥ ኣቦኡ ክሕዛን ክተናኽፋን ዕረፍቲ ሰኣነ። መዓስ ንሱ ጥራይ፡ ንደገ ወጺኡ ናብቶም ኣብ ጽርግያ ዝጻወቱ ዝነበሩ መዛኑኡ ብምኻድ፡ “ናይ ባባ ሽጉጥ ሓዳስ’ያ፡ ጠያይታ ድማ ክበዝሕ!” እናበለ ክጀሃረሎም ትንፋሱ መሊቝ ወዓለ። እዋን ክሳብ ዝሓልፍ ድማ ምስ ኣቦኡ ኮፍ ኢሉ ወዓለ። ብኸምዚ ካብ ምሒር ታሕጓስ ዝተላዕለ ንሳልስቲ ዳርጋ ከይደቀሰ ቀነየ።

ኣብ ራብዕቱ ሰለሙን ኵነታት ስራሕ ክፈልጥ ንቤትጽሕፈት ሓይሊ ኤለትሪክ ኣምርሐ። ከዕርፍ ባህጊ’ኳ እንተ ነበሮ፡ ኣብ በለዛ ከም ዝተመደበን ምስቲ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኵነታት ድሕሪ ሰሙን ስራሕ ክጅምር ከም ዘለዎን ተነግሮ። መዋእሉ ኣዕሪፉ ስለ ዘይፈልጥ ከም ሓቂ ከዕርፍ ብሂጉ ነይሩ። ብጾቱ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸሚዶም ከለዉ ዕረፍቲ ይወሰኸኒ ክብል ስለ ዘይተራእዮ ግን ኣብኡ ንዝጸንሖ ሓደ ብጻይ ለኪሙ ጕዕዞኡ ነስመራ ኣቕንዐ። በታ ዝተዋህበቶ ቍራጽ ወረቐት መሳርፍ ክማላእ ንዕዳጋ ሓሙስ ተኣልዩ ድማ ሓርጭ፡ ሽኮር፡ ዓደስ፡ ዘይቲ ኣብ መኪናኡ ጽዒኑ፡ ኣጋ ሰዓት ዓሰርተ ገዝኡ በጽሐ።

መኪና ኣብ ኣፍደገ ገዛ ደው ኣቢሉዋ እናወረደ ከሎ፡ ሓደ ሰብ ማዕጾ ክዅሕኵሕ ጸንሖ። ገጹ ምስ ረኣዮ፡ “እሂ’ታ ሓረካ፡ እዚ ገዛውትና ደኣ ትፈልጦ ዲኻ?” ክብል እናተገረመ ሰዓሞ። በጋጣሚ ኣብ ቤትትምህርቲ ካድር ኣብ ሓደ ዙርያ እዮም ነይሮም። ኣብ ናይ ሓረካ ይኹን ናይ ጀብሃ ታሪኽ ክበጽሑ ከለዉ ድማ ዝወዓለ ይንገርካ ስለ ዝኾነ፡ ሓረካ ግለጽ ይብሃል ስለ ዝነበረ፡ ኩላቶም ኣብ ሓሙሻይ ዙርያ ካድር ዝነበሩ ደቂ ኮርሱ በቲ ገርሃዊ መልሱን ፍሕሹው ኣቀራርባኡን ኣይርስዑዎን’ዮም። ምስ ሰለሙን ግን ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ከሎ ጸጸኒሖም ይራኸቡ ነይሮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣቦይ ተኽለ ንዓራርብ ምስ ተቐየሩ፡ ቅልቅል ይብሎም ስለ ዝነበረ ጽቡቕ ሌላ’ዩ ነይሩዎም።

“ኣንታ ካስትሮ ከም ቦታ’ኳ ኣብ ከረን’የ ዘለኹ፡ ሕጂ ግን ቀደም ዝወለድኩዋ ቈልዓ ስለ ዝነበረትኒ ደሃያ ክገብር’የ መጺአ። ሎሚ ኣብ ሓደ እንዳ ዘመድ ውራይ ነይሩስ፡ እናተመሳሕኩ ከለኹ ብዘረባ ዘረባ ናይ ቀደም ዕላል    ነልዕል’ሞ፡ ሓደ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ኣዲስኣበባ ታክሲስታ ዝነበረ ወዲ ዓድና፡ ‘ጓልካ ክንዲ ሰብ ኣኺላ ሓዳር ገይራ’ላ’ ኢሉ ምስ ኣበሰረኒ፡ ጠዋሊ ካብታ መኣዲ ተበጊሰ። ኣብ ሎሚ በጺሑ ቁም ነገር ገይሩ’ምበር ሓደ ስሑው’ዩ ነይሩ። ታሕጓስ ዘይገብሮ የብሉን ንሓደ በዓል ታክሲ ዕስራ ቅርሺ ከፊለ እንሃልካ ደበኽ ኢለ፡” በሎ ናብቲ ጻህያይ ዝበዝሖ ጀርዲን እናጠመተ።

“እዚ ቪላ’ዚ ናይ ሲኞር ኤንሪኮ ከሎ ጂያርዲኔረ እናሰራሕኩ ከለኹ እየ ዝፈልጦ። ኣምላኽ ዕድመ እንተ ሂቡካ ብዙሕ ኢኻ ትርእን ትሰምዕን። ሽዑ ይትረፍ ንውሽጢ ገዛ ክኣቱ፡ ነዚ ኣታኽልቲ ማይ እናስተኹ ከም ኣጋጣሚ እንተ ዘኒቡ፡ ናብዛ ገበላ ንኽኣቱ እፈርሕ ነይረ። ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ዓርከይ ጥልያን ጎይቶት’ዮም ነይሮም። እዚ ኣታኽልቲ ግን ማይ ስኢኑ ክባላሾ ቀሪቡ። ምዃን ማይ ንሰብ ዘይተረኽበዶ ንተኽሊ ክርከብ? ህዝቢ ተዋሪዱ’ንድዩ ነይሩ። እዛ ትርእያ ዘለኻ ካብዛ ስየ ንየማን ዘላ ኣውሊዕ ባዕለይ ዝተኸልኩዋ’ያ። እዛ ኣብ ማዕዶኣ ዘላ ታህሰስ ግን ወላ ኣይዝክራን። ምናልባሽ ኤንሪኮ ብድሕረይ ዝተኸላ’ያ ትኽውን።”

ካስትሮ ዘረባኡ ክሳዕ ዝውድእ ብዓቕሊ ክጽበዮ ጸኒሑ፡ ቦታ ተጋግዩ ኣሎ ኢሉ ስለ ዝገመተ፡ ሓሳባቱ ከይደምደመ ከሎ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ፡ ኤንሪኮ ንዓዱ ክኸይድ ከሎ ነቦይ’ዩ ሸይጡሉ” በሎ።

“ሓቅኻ ኣብ ሶዳን ከለኹ ንሓደ ሓበሻ ሸይጡዎ ከይዱ ክብሉ ሰሚዐ ነይረ። ንምዃኑ ኣብዚ ካንሸሎ ንስኻ ጥራይ ዲኻ ዘለኻ?”

“ኣብዚ ቦታ ብጀካና ሰብ የሎን፡ ተጋጊኻ ከይትህሉ። ምናልባሽ ቀደም ኣብዚ ሰርቪስ ዝተኻረዩ ሰባት እንተ ነይሮም ዝፈለጥኩዎ ነገር የሎን። መን ይፈልጥ ጓልካ ኣብዚ ከባቢ እንተ’ልያ ግን ድሕሪ ምሳሕ ቀስ ኢልና ነዘን ጐረባብቲ ንሓትት። ሳላ ደርጊ ክንደይ ሰብ ድዩ ፋሕ ብትን ኢሉ፡ ኣብዚታት ኣላ እንተኾይና ግን ናበይ ክተብል ኢላ ክንረኽባ ኢና።”

“እዛ ዝብለካ ጓለይ ቅድም ኣብ ኣዲስኣበባ እያ ነይራ። ደሓር ግን ነስመራ መጺኣ ኣብ ሓደ ፋርማቺያ ትሰርሕ ነይራ ኢሉዋ። ምስ ምንዋሕ ግዜ ተጋግዩ ከይህሉ’ምበር ኣብዚ’ዩ ሓቢሩኒ። ምዃን ክንደይ ሽግር’ንድዩ ሓሊፉ፡ መን ይፈልጥ መነባብሮ ሓሲሙዋ ገዛ ቀይራ’ውን ትኸውን፡” እናበለ ደድሕሪ ካስትሮ ሰዓበ።

ንውሽጢ ገዛ ኣትዮም ኣእጋሮም ምስ ሰበሩ፡ ሮዛ ኣብ ክሽነ ጸኒሓ ንሳሎን ኣተወት። ሓረካ መልክዓ ተሓቢሩ ስለ ዝነበረ ርእይ ምሰ’በላ፡ ሰብነቱ ግንብንብ በሎ። ክስዕማ ተደናደነ።

“ሰላም በልዮ፡ ብጻይ ሓረካ እዩ፡” በላ ካስትሮ።

ድሕሪ ሰላምታ፡ ሓረካ ብድድ ኢሉ ብምትሳእ፡ “ኣቦኺ መን ይብሃል?” ክብል ተወከሳ ኣዒንቱ ተኺሉ እናጠመታ።

ሮዛ በቲ ሃንደበታዊ ሕቶኡ ተገሪማ ኣብ ዘላቶ ፈዚዛ ዝን ድሕሪ ምባል፡ “መዓሾ እዩ ዝብሃል፡” በለቶ ብውሽጣ ገለ ርሕቕ ዝበለ ዘመድዶ ኮይኑ ኢላ እናሓሰበት። ሓረካ መልሳ ክሰምዕን ሓኒቑ ክስዕማን ሓደ ኮነ። ካስትሮ፡ ብጀካ ብሳጓኡ ብስሙ ይፈልጦ ስለ ዘየነበረ ነገራቱ ምርዳእ ሰኣኖ። ሓረካ ኣብ ሰውራ ዝበለየ ኣዝዩ ቅኑዕ ሰብ ኮይኑ፡ ምስ ሰብ ሕዉስ፡ ጕርሒ ዘይፈልጥ ክነሱ፡ ሓደሓደ ግዜ ቍሩብ ዘረባ ከም ስዕር የብሎ እዩ።

ካስትሮ ጋን ተሰሪሑ፡ “እዚ ሓረካ ብጥዕናኡ ድዩ! ክሳዕ ክንድዚ ድዩ’ዚ ማህረምቱ?” በለ ብውሽጡ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ ተሰዓዒሞም ክሳዕ ዝውድኡ ከም ሓወልቲ ደሪቑ ክጽበዮም ተገደደ።

ሓረካ ነታ ጓሉ ዝመሰለቶ ሮዛ ስዒሙ ምስ ወድአ፡ ሮዛ ካበይ ከምጽኦ እየ ኢላ እናተጨነቐት ገጻ ገልቢጣ ንውሽጢ ገዛ ብምምራሕ ምሳሕ ሒዛ ተመልሰት። መኣዲ ምስ ተቐረበ ግን ሓረካ መግቢ ኣይተራእዮን። ኣኺሉዎ ንሮዛ ጥራይ ይጥመት ነበረ። “ወይጉድ!” ኢሉ ዘረባኡ ብምጅማር፡ እንጌራ እናበልዑ ታሪኽ ዝማም፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ ዘጋጠሞ ሽግር፡ ኣብ ጀብሃ ዘሕለፎ ህይወት፡ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታትን ወዘተ ዘጠቓለለ ነዊሕ ታሪኹ ኣሕጽር ኣቢሉ ዘርዘረ። ሮዛ ነቲ ታሪኽ ናብ ምስሊ ተቐዪራ ክትሰምዖ ከላ ናይ ሓጐስ ንብዓት ኣብ መዓጓጉርታ ጸረር ክብል ይርአ ነበረ። ሓረካ ታሪኹ ምስ ወድአ ብጥዑም ዕላል ዝተሰነየት ቡን ፈሊሓ ተሰትየት።

ካስትሮ ኣብ መንቀራቕሮ ከም ዝኣተወ እንስሳ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኮነ። ናብ ዝግብ ኣብ ዝመጽኣትሉ እዋን፡ ጓል መን ምዃና ክነግራ ድንዕ ኢሉ ነይሩ። ኪዳን ምጥላም ኮይኑዎ ግን ኣጽቂጡ። ኣብ ኣቑርደት’ውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ወሲዱ። ሕጂ ሮዛ ጓል ባሻይ ተስፋልደት ክነሳ፡ ሓረካ ጓለይ ክብላ እናሰምዐ ከሎ ምጽቃጥ ንባሻይ ምጥላም ኮይኑ ተሰምዖ። ምድረሰማይ ጨሪሹ ተገላበጦ። ዝሸይን ተመሲሉ ንዓይኒምድሪ ድሕሪ ምኻድ ነዊሕ ሓሰበ። ኣብ መወዳእታ ግን ሮዛ ነቦይ ረኺበዮ ኢላ እናሓሰበት ከላ፡ ኣቦኺ ነፍስሄር ባሻይ ተስፋልደት’ምበር መዓሾ ኣይኮነን ብምባል ኣብ ሓዲሽ ረጽሚ ከእትዋ ነፍሱ ምግባር ኣብዩዎ ጥራይ ዘይኮነ ሃው ዝበለ ጸድፊ ኮይኑ ተሰምዖ። ከም እትቕየሞ’ውን ተረዲኡዎ። ስለዝኾነ፡ እቲ ንመዋእል ሰቲሩዎ ዝጸንሐ ምስጢር ብምዕቃብ ባሻይ ተስፋልደት ኣብ ዘእተዉዎ ኪዳን ክጸንዕ መረጸ።

መበል 124 ክፋል ይቕጽል

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleውልቃዊ ገምጋም ደርፊ ክሊፕ፡ “ስደት”
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?