Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on February 17, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 115 ክፋል

ናብ ክትናፍቖም ዝጸናሕካ ሰባት ክትብገስ እንተ ሓሲብካ ሓንቲ ሰዓት ዓመት ኮይና’ያ ትስምዓካ። በንጻሩ ካብ እትፈትዎም ሰባት ክትፍለ እንተዄንካ ግዜ ከም ንፋስ’ዩ ዝብቈጽ። ሮዛ ድማ ሰዓት ሓደ ኣሻቡ ከም ዝኣኸለ ኣይተረደኣን። ካብ ከተማ ክሳዕ ዝወጽኡ ካስትሮን ጓልመምህርን እናሰነዩዎም ሓጺር መንገዲ ምስ ከዱ፡ እናተደናፈቐት ንኽልቲኦም ስዒማ ተፋነወቶም። ጕዕዞኦም ብሪፍ ኮይኑ፡ ብዝሒ ስለ ዘይነበሮም ክይድ ውዒሎም ኣብ መንገዲ ድሕሪ ምሕዳር ንጽባሒቱ ብእዋኖም ሓጋዝ ኣተው። ንጽባሒቱ በታ ቅድም ዝመጽኣትላ ኣረጊት ላንድሮቨር ንከረን ተበገሰት። ኣብ ከረን ዕዳጋ ወሪዳ ዘድልያ ነገራት ክትዕድግ ሓሲባ’ኳ እንተ ነበረት፡ ምናልባሽ ሺፈራው ከይርእያ ስለ ዝተሰከፈት ይትረፍ ንዕዳጋ ክትከይድ ካብ ገዛ ተንከስ ኢላ ከይወጽአት’ያ ውዒላ። ንጽባሒቱ ሰዓት ትሽዓተ ፍስሃየ ኣውቶቡስ ኣስቂሉዋ ነስመራ ነቐለት።

ኣውቶቡስ ንኽፍተሽ ኣብ ብሎኮ ከረን በጺሓ ደው ምስ በለት፡ ሓንቲ ብዒላበርዕድ ዝመጽአት ሞስኮቪች ኣብ ቅድሚ ኣውቶቡስ ተገተረት። ሮዛ ሰብነታ ተፈቲሻ ምስ ክልተ ኣንስቲ ደው ኢላ ከላ ቍሊሕ እንተ’በለት፡ ሺፈራው መነጽር ወድዩ ኣብታ መኪና ረአየቶ። ብኽቱር ፍርሒ ልባ ህርመት ወሲኻ፡ ዲጒ! ዲጒ! ክትብል ጀመረት። ውሑዳት ኣንስቲ ስለ ዝነበራ እንተ ወሪዱ ክርእያ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ነይራ። ንግዜኡ ብድሕሪ ክልተ ኣንስቲ ተኸዊላ ኮፍ ብምባል ካብ መኪና ከይወርድ ተማህለለት። ሺፈራው ግን ገለ መልእኽቲ ግዲ ነይሩዎ ካብ መኪና ወሪዱ፡ ምስ ሓደ ሓላፊ ዝመስል ዘፍጣጥ ወተሃደር ገጹ ኣሲሩ ክዘራረብ ከሎ ረኣየቶ። ብዛዕባኣ ዝሓትት ዘሎ ኮይኑ ጥራይ ስለ ዝተሰምዓ መሬት ከም ኣፍ ዕንቍ ጸበበታ። ድሕሪተን ዓበይቲ ኣንስቲ ተኸዊላ ፍርቂ ገጻ ሸፊና ክትከታተሎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዕድላ ጸቢቑ ነቲ ወተሃደር ሰላም ኢሉ ተፋንዩዎ ኣብ መኪናኡ ደየበ። እቶም ወተሃደራት ንጽርግያ ዝጋረደ ዘንጊ ምስ ኣልዓሉሉ ድማ የማን ጸጋም ቍሊሕ ከይበለ ተዓዝረ። ሮዛ፡ “ኡፍ!” ኢላ ገበታ ኣተንፈሰት። ጕዕዞኣ ክሳዕ ትውድእ ዝቐጸለ ተፍትሽ ንረኣዪኡ ዘደንጹ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ብሎኮ ኣስመራ ዘጋጠማ ተፍትሽ ካልኣይ መዓልቲ ንኸይትገይሽ ዘምሕል ነይሩ። ደጊም ሞት ከም ኣዳም ኢላ ግዲ ኾይና ግን ዓቢ ግምት ኣይሃበቶን።

ገዛኣ ክትኣቱ ከላ መለስ ወዳ ኣብ ኣፍደገ ጸኒሑ ተቐበላ። ማማ ሎሚዶ ትመጽእ ትኸውን ጽባሕ? እናበለ መዓልቲ መጽአት ኣፍደገ ክሕልው’ዩ ቀንዩ። ናይ ናፍቖት ግዲ ኾይኑ ዕብርብር ኢሉን ጸሊሙን’ዩ ጸኒሑዋ። ፍረወይኒ ግን ወላ’ኳ ከም ወላዲታ መጠን ኣይናፈቐታን እንተ ዘይተባህለ ንመለስ በይኑ ገዲፋቶ ፍታሕ ኵርኵር ኮይና ፈቐዶኡ ሄል ክትብል ስለ ዝቐነየት፡ እተን ክልተ ቕነ ከመይ’ለን ከም ዝሓለፋ ከይተረድኣ’ያ ኣዲኣ ደበኽ ኢላ።

ጽርሃ ቡን ክሳዕ ተፍልሕ፡ ደቃ ብዛዕባ ማይጨሎት ሕቶታት የዝንቡላ ነበሩ። ቡን ወሪዳ ኣወል ምስ ተሰትየት፡ “ኣኮኹም ሰመረኸ ደንጕዩዶ ሽዑ መጺኡ?” ክትብል ተወከሰቶም።

“ንስኺ ምስ ከድኪ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ መጺኡ፡ ፓስተ ኸኣ ተማሊኡልና፡” መለሰ ወዳ ንሓፍቱ ቀዲሙ።

“እሞ በይንኹም ደኣ ከይፈራሕኩም? ኣነ ደኣ ሰመረ እንተ ደንጕዩስ ክፈርሑ’ዮም ኢለ’ንድየ ተሰኪፈ ቀንየ።”

መለስ ወዳ ንፍረወይኒ ሓውቱ ቀዲሙዋ፡ “ማማየይ፡ ኣነ ወላ ሓንቲ ኣይፈራሕኩን፡” ኢሉ ኣፍልቡ ነፊሑ ብዅርዓት ክምልሰላ ከሎ፡ ፍረወይኒ ግን “ኣኮይ ሰመረ ከይመጽአ ኸሎ ወላ ሓንቲ ኣይፈርሐን። ሰመረ ምስ መጽአ ግን መለስ ለይቲ ምስ ኮነ፡ “ማማየይ!” ኢሉ ባህሪሩ። ደሓር ኣኮይ ሰመረ “ኣጆኻ መለስ፡ እንታይ ኴንካ?” ምስ በሎ፡ “ገበል’ንድዩ ክበልዓኒ ደልዩ፡” እናበለ በኽዩ። ደሓር ሰመረ፡ “ኣጆኻ! ገበል ኣይመጽኣካን’ዩ። ቀቲለዮ እየ፡” ምስ በሎ ስቕ ኢሉ። ደሓር ምስኡ ኣደቂሱዎ፡” ኢላ ብተቓውሞ መለሰት።

“ዋይ ኣነ ወደይ! እንታይ ዝኾነ ገበል’ዩ ክበልዓካ ደልዩ?’ ኢላ ሰዓመቶ።

“ሽዑ ምሸት መዓት ገባብል፡ ኣትማን፡ ዘለዋ ተፍርሕ ቪድዮ ናይ ኢንያና ጆንስ ክንርኢ ስለ ዘምሰና እዩ ባህሪሩ፡” መለሰት ፍረወይኒ።

ሮዛ ኵነታት ወዳ ኣሰኪፉዋ፡ “መለስ ቦቝባቝ ምዃኑ ክንደይ መዓልቲ ክነግረኪ’የ? ከምኡ ዓይነት ዘባህርር ቪድዮ ስለምንታይ ተርእይዮ? እንቲ ቈልዓ ወደይ ኣብ ዘይሕማሙ ከይተብጽሕለይ!” ኢላ ብንጽርጽሮት ተዛረበታ።

ናውቲ ቡን እናተላዕለ ከሎ ሰመረ፡ “እሂ’ቲ ሮዛ፡ መዓስ ደኣ መጺእኪ?” እናበለ መነጽሩ ኣውጺኡ ሰዓማ።

“ከመይ ቀኒኻ ሰመረ?” እናበለት ተሲኣ ድሕሪ ምስዓሙ፡ “ቡን ኣብ ምውዳኣ መጺእካ፡ ክቐልወልካዶ?” በለቶ።

“ኣይፋለይ ቡንስ ይኣኽለኒ። ንሕና ደኣ ብጀካ ናፍቖትኪ ደሓን ቀኒና። እንቋዕ ጥራይ ብደሓን መጻእኪ። መገሻ’ሞ ከመይ ነይሩ?” በላ። ናበይ ከም ዝገሸት ብመንገዲ መራሕ ዋህዮኣ ድሮ ፈሊጡ’ዩ ቀንዩ።

“ከምዚ ዝኣመሰለ መገሻ’ኳ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን። ናይ ካልእ ባዕሉ ምፈለጠ፡ መሃነንካ ዘጥፍእ ተፍትሽ ግን ኣሎ። ስማዕ’ስኪ፡ ካብዚ ንከረን ሓሙሽተ ሽዱሽተ ሰዓት ዝወስድ እንተኾይኑ ሰብ እንታይ ገደሶ ዝገይሽ?” ድሕሪ ምባል፡ “እሞ ሻሂ ስተ፡” ኢላ ፈርኔሎ ገፍገፍ ኣበለት።

“እንቋዕ ብሰላም መጻእኪ’ምበር ተፍትሽስ ናተይ ኢልኪ ምሓዝ’ዩ።         “ማዕረ ክንድኡ ኣይመሰለንን’ምበር ሓቅኻ፡” በለቶ። ንደቃ “በሉ ኪዱ ተጻወቱ ሕጅስ፡” ኢላ ድማ ምሉእ ታሪኽ ጕዕዞኣ ኣዕለለቶ።

*        *        *

ምዕራፍ 16 መበል 116 ክፋል ይቕጽል

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሓፈሻዊ ገምጋማዊ ጽሑፍ ምምያ 3ይ ዓመት ውድድር ግጥሚ ጕጅለ ዛራ ገጠምቲ 2016 ኣብ ፈይስቡክ ።
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?