Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on September 24, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል

መበል 12 ክፋል

መሬት ምስ ወግሐ ናብታ ኣብ ቤተክርስትያን ኮምቦኒ ንድኻታት ብምሕጋዝ፡ ከምኡ’ውን ንመንእሰያት ትምህርቲ ስፌት ክዳን ብምሃብ ፍልጥቲ ዝነበረት ሶር ካተሪና ዝተባህለት ኢጣልያዊት ድንግል ብምኻድ ሽግራ ብሰፊሑ ኣዕለለታ። ሶር ካተሪና ኣብ ኤርትራ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ከም ተራ ድንግልን ሓላፊትን ዘገልገለት፡ ጽይፍ ዝበለ ትግርኛ እትዛረብ ርህርህቲ ጓል ማሕበር ኮምቦናውያን እያ ነይራ። ነቲ ዘሕዝን ታሪኽ ዝማም ምስ ሰምዐት ኣዝያ ስለ ዝደንገጸት፡ “ድህሪ ሃደ ሰቲማና ናብ ንኢ ዝማም፡ ኖን ፓዉራ ኣነ ስራህ ክረክበልኪ፡” ኢላ ኣፋነወታ።
ዝማም ዕድላ ኣጸቢቑዎ ኣብ ሰሙኑ ምስ ሲኞር ፍራንኮ ዝብሃል ኣብ ቲራቮሎ ዝነብር ኢጣልያዊ ወናን ፋብሪካ፡ ከም ሰራሕተኛ ጽሬት ክትቍጸር ተሰማሚዓ። ንጽባሒቱ ድማ ድሕሪ ብዙሕ ታዕታዕ፡ ነቲ ዘይጠቅም ውህሉል ሕሳባ ተቐቢላ ካብ እንዳ ማሪያ ጠቕሊላ ተፋነወት።
እቲ ሓድሽ ናይ ስራሕ ቦታኣ ምብራቕ ካብ መደበር ቃኘው (መዓስከር ደንደን) ኣብ ዘሎ ከባቢ ኮይኑ፡ ንምዕራብ ዝጥምት ብዕምባባታት ዘጌጸ ግሩም ቪላ እዩ። እንዳ ማሪያ ነቲ ግሮሰሪ ሓዊስካ ጸቢብ ገዛ ነይሩ’ኳ እንተ ዘይተባህለ ምስ እንዳ ፍራንኮ ክነጻጸር ከሎ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ነይሩዎ። ዝማም ኣብቲ መጀመርያ ብስፍሓት’ቲ ቪላ ኣዝያ ዘይሰንበደት ኣይኮነትን። የግዳስ ካብቶም መርወዪት ፍትወተ ስጋኦም ክገብሩዋ ሃርጐምጐም ዝብሉ ዝነበሩ፡ ጽያፎም ዘይከተቱ ዓማዊል ማሪያ ርሒቓ ከይተሸቍረረት ብሰላም ክትነብር ስለ ዝመረጸት ኣይጸልኣቶን። እቲ ዘሕለፈቶ ከልበትበትን ሓሳረ መከራን ዝመልኦ መነባብሮ፡ ምስቲ ሓድሽ መስተርሆት ዝመልኦ ህይወት ክተነጻጽሮ ከላ ልክዕ ኣብ ገነት ዝሰፈረት ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑዋ። እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን ኣብ እንዳ ሲኞር ፍራንኮ ዝነበረ ጻዕቂ ስራሕ ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ከም ዘይነበረ ኣይትኽሕዶን’ያ። ምኽንያቱ እቲ ንጣር መንገፍ ክርከቦ ዘይድለ መስመስ ዝብል ምድሪቤት መዓልታዊ ክጸርን ክንገፍን ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰይቲ ፍራንኮ ጸጸኒሓ ብጻዕዳ መሃረብ ብምድራዝ ብግቡእ ጸርዩ ምህላዉ ትቈጻጸር ነይራ። ኣብ ርእስ’ዚ መረጼን ናይቲ መወዳእታ ዘይብሉ ነዋሕቲ መሳኹቲ ካብ መስትያት ንላዕሊ ክሳዕ ዘንጸባርቕ ምውልዋል፡ ማእለያ ዘይብሉ ክዳውንቲ ምሕጻብን ምስትራርን ሕቘኻ ዝሰብር ከቢድ ዕማም ነይሩ። ይኹን’ምበር እቲ ስራሕ ርቡሕ ደሞዝ ነይሩዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓንሳብ ስራሓ እንተ ወዲኣ ኣዋዲ ዘይብላ ክተዕርፍ ትኽእል ስለ ዘነበረት መስተርሆት ዝረኸበትሉ ናይ ስራሕ ቦታ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ብሸነኽ ጸጋም ናይቲ ቪላ ብቅሳነት ክትነብረላ እትኽእል መጠነኛ ስፍሓት ዝነበራ መንበሪ ክፍሊ፡ ካብ ናይ ክራይ ገዛ ክፍሊትን ናይ ማይን ኤለትሪክን ዋጢጥ ገላጊላታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ፈርኔሎን ፈሓምን ኣናጊፋ ብናይ ጋዝ እቶን ምግቢ ክትሰርሕ ኣኽኢላታ። ስለዚ፡ እንዳ ፍራንኮ ንዝማም ብዅሉ መዕቀኒ ሸይጣን ዘይብላ መኣዲ ነይራ።
ዝማም ኣብ ኣስመራ ራብዓይ ዓመታ ሒዛ ክተብቅዕ ናብ ስድራኣ ገንዘብ ይኹን ደብዳቤ ልኢኻ ኣይትፈልጥን ነይራ። ጨካን ወይ ነፋግ ስለ ዝነበረት ግን ኣይኮነን። በንጻሩ ብዛዕባኦም ካብ ምሕሳብ ዓዲ ውዒላ ኣይትፈልጥን ነይራ። ሓደ ሓደ ግዜ ብፍላይ ነደኣ ክትዝክር ከላ መተርኣሳ ብንብዓት ይትርክስ ነይሩ። ባህሪ ስራሓን ማሪያን ግን ምስ ሰብ ክትላለን ኣዝማድ እንተ ኣለዉዋ ሃሰስ ክትብልን ዕድል ዘይህብ ብምንባሩ ንስድራኣ ብኸመይ መንገዲ ገንዘብ ክትሰደሎም ከም ትኽእል ፈጺሙ ሓርቢቱዋ። ዕረፍቲ ሓቲታ ብኣካል ከይትኸይድ ከቶ ዝሕሰብ ኣይነበረን። ኣራዊታዊ ጭካኔ ገብረወልድ ስለ ዝረኣያ ክትሓስቦ ከላ ጥራይ’ዩ ሰብነታ ግንብንብ ዝብላ። ስለዝኾነ፡ ህይወታ ብዘይካ ሰንበት ሰንበት ናብ ቤተክርስትያን ምኻድ፡ ካብ ዝቕረበ ድኳን ዘድልያ ነገር ምዕዳግ፡ ኣብ ውሽጢ’ታ ትሰርሓላ ቀጽሪ ዝተሓጽረ ነይሩ። ዝርካቡ ናይ ዕረፍቲ ግዜኣ ድማ ላኻን ድርቅን ሒዛ በቲ ቀጢን ድምጻ፡ “ክንድዚ ሓሚመሉ ንዘይምላእ ፍቕሪ’የ፡ ከም ነጸላ ዝኣርግ ከም ቈጽሊ ሓራሪ’የ፡” ጽንሕ ኢላ ድማ፡ “እቶቡስ ተሰቒለ ንዓድና ነቒለ . . .” እናበለት ብምድራፍ መብልዕ ቍርስን ኣገልግልን ክትሰፊ ተሕልፎ ነይራ።

* * *

ኣብ መበል ካልኣይ ዓመታ ከም ኣትክልተኛ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሽማግለ ሰብኣይ ጥዕና ስኢኖም ስራሕ ምስ ገደፉዎ፡ ኣምሳያኦም መዓሾ ዝብሃል ከደራይ መንእሰይ ተኪኡዎም። መዓሾ ምስ ኣትክልቲ ኣዝዩ ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮ ሰብ ኮይኑ፡ ንኣትክልቲ ዳርጋ ከም ደቂሰብ ቈጺሩ ከዘራርቦም ዝፍትን ሰብ ነይሩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ምዱብ ስርሑ ኣብ ፋብሪካ መስተ ፈኒሊ ክነሱ፡ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ብብቺክለታ እናተመላለሰ ኣብ ስሙን ክልተ ግዜ ነቲ ዕሙር ዕምባባታትን ኣትክልትን ማይ የስትዮ፡ ይቕምቅሞን ይዅስኵሶን። ጸሓይ ብርትዕ ኣብ ዝብለሉ እዋናት ድማ ኣብ መንጎ ቅልቅል እናበለ ማይ ፊፍ ከብለሉ የምሲ። ብኸምዚ ኣብ ብርክት ዝበለ ናይ ጸዓዱ ቪላታት ኰለል እናበለ ተደራቢ ስራሕ ይዓምምን ድራር ዕለቱ ይምእርርን ነይሩ። ካልእ ጸገሙ ገዲፍካ ህይወቱ ብጽቡቕ ይኣሊ ነይሩ።
መዓሾ ማእከላይ ዝቝመቱ፡ ሰብነቱ ጽምእ ኢሉ፡ ቀጢን ገጹ ኮይኑ፡ ኣብ መበል ዓሰርተ ክልተ ዓመቱ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ካብ ዓዲ ናብ ኣስመራ ብምምጻእ ኣብ ዘጋጠሞ ስራሕ እናተዋፈረ ብጽፍሩ ዓብዩ። ሕዉስን ተዋዛይን ስለ ዝነበረ ምስ ዝማም ምዉቕ ሌላ ክፈጥር ግዜ ኣይወሰደሉን። ኣብ መበል ሳልሳይ ወርሑ ኣብ ገዛኣ ክኣቱን ሻሂ ክሰትን ጀሚሩ። ዝማም ብወገና ምስቲ ዝነበራ ጽምዋ ባህጊ ሰብ ነይሩዋ። ንመጀመርያ ግዜ እትኣምኖን ደስ ኢሉዋ እተዕልሎን መንእሰይ ስለ ዝረኸበት ድማ ድሕረባይታኣ ብዝርዝር ገለጸትሉ። ምቅርራቦም ግን ኣብኡ ኣይተሓጽረን። ከም ሓንቲ ቍልዕነታ ከይጸገበት ፈተና ዓለም ዘርከባ መንእሰይ ጸወታ ክትፈቱ ባህርያዊ ነይሩ። ካብዚ ዘተበገሰ፡ መዓሾ ሻምብቆ ማይ ሒዙ ነቶም ካብ ህይወቱ ፈልዩ ዘይጥምቶም ኣታኽልቲ ማይ ከስቲ ከሎ ኣብ ማዕዶኡ ደው ኢላ፡ “መዓሾ ርእሲ ብራሾ” ትብሎ። ንሱ ድማ ሻምቡቆ ማይ ናብኣ ገጹ ጠውዩ ማይ ገጪቡ ይሓድጋ። ንሳ ድማ፡ “ጓል ሰራይት! ጽናሕ ንዓኻ እንተ ዘይኮይነ ኣይኣነን’የ፡” እናበለት ኣእዳዉ ሒዛ ሕነ ክትፈዲ ሕጊድ ትብል። ብሓይሊ ክትዳረጐ ስለ ዘይትኽእል ግን ኣፍልባን ዝባናን ክሳብ ትጅብጅብ የጠልቅያ። ኢዱ ትነኽሶ፡ ትብሕጭሮ፡ ኣብ ምወዳእታ ከኣ እናሰሓቐት ብምህዳም ኣብ መደቀሲኣ ትዕቈብ። ብኸምዚ ንመጀመርያ ግዜ ሓቀኛ ናይ ንእስነት ህይወት ክተስተማቕርን ጥዑም ግዜ ክተሕልፍን ክኢላ።
ዝምድና ናይዞም ክልተ መንእሰያት ግን ኣብኡ ኣየብቅዐን። ካብ ምጥውዋይ ኢድን ምድጕዳግን ሓሊፉ ብዘገምታ ናብ ምትሕልላይን ምዉቕ ፍቕርን ሰገረ። ብዘይ ሓደ ነገር ኣዋርሕ’ኳ እንተ ሓለፈ፡ ኣብ ልቢ ነፍስወከፎም ፈኸም ዝብል ዝነበረ ፍቕሪ፡ ብደፋእታ ዕንጨይቲ ወሲኽካ ከም ዘንበድበድካዮ ሓዊ ናብ ብርቱዕ ሃልሃልታ ተቐየረ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ደፊሮም ብቓል’ኳ እንተ ዘየምለቝዎ፡ ኣብ ውሽጢ ኣካላቶም ባርዕ ተኻዕዩዎም ብስጋ ክራኸቡ እምብዛ ይህንጠዩ ከም ዝነበሩ ኣብ ገጽ ነፍስወከፎም ይንበብ ነይሩ። ምቹእ ኣጋጣሚ ግን ኣይረኸቡን።

. . . . . . . . . . . ይቕጽል
መበል 13 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 28 መስከረም

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሕርሲ ይርግኣለም ፍስሃ?!
Next Article ኣጆኻ ፒኮሎ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?