Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምጽንባል ዓለምለኸ መዓልቲ ድራማ ብምምራቕ ተዋሳእቲ

ምጽንባል ዓለምለኸ መዓልቲ ድራማ ብምምራቕ ተዋሳእቲ

0
By Mekonnen T. on March 30, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ትማሊ ዕለት 27 መጋቢት፡ ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር እዩ ኔሩ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ወትሩ መንእሰያት ብምስልጣን ዝነጥፍ ስነ ጥበበኛ ኤፍሬም ካሕሳይ(ወዲ ኳዳ) ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ተመሃሮ ድራማ ኣሰልጢኑ ኣመሪቑ።
እዚ ዓመት ዓመት ዘካይዶ ናይ ተመሃሮ ድራማ ምምልማል ስልጠና ወይ ትምህርቲ ንሓሙሽተ ወርሒ ዝጸንሕ ኮይኑ ኣብ መዓልቲ ትያትር ድማ የመርቕ። ትማሊ ሶኒ ድማ ከም ኩለን ዕለታት ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር ብኽብ ዝበለ ስነ- ስርዓት ኣብ ከተማ ኣስመራ ሲነማ ኣዝመራ ተጸንቢሉ።
ኣብቲ ዕለት “ሞባእ” ዘርእስታ ያታዊት ናይ መድረኽ ድራማ ቀሪባ። ብዘይካ እዛ ድራማ ብተመሃሮ ድራማ ዝተነበባ ግጥምታት እውን ኔረን። እቶም ተመሃሮ ነቲ ግጥሚ ክኾኖ ብዘለዎ ብቕዓት ብሸሎሎኪ ቅዲ ብቕዓት ኣብ መድረኽ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ምሸት ሰለስተ ግጥምታት ብፍሉይ ክእለት ኣናብባን ምውሳእን ቀሪበን። እተን ግጥምታት “ኣይሞተን መርሃዊ” ብሰለሙን ድራር ዝተገጥመት ብተመሃሪት ራህዋ ተኽሊማርያም፡ “ናብራ ጽርግያ” ዘርእስታ ብገጣሚ ኣሮን ተጻሒፋ ባዕሉ ዘቕረባን “ሩባ ዓድና” እትብል ግጥሚ መለስ ንጉሰ ብተመሃራይ ላሜክ ተወልደ ተነቢበን። ላሜክ ተወልደ ብሉጽ ተዋስኣይን ኣብ ምንባብ ግጥሚ ፍሉይ ክእለት ዝተንጸባረቐሉ ንእሽቶ ዝዕንብብ ዘሎ ተዋስኣይ እዩ። ዓሚ ከምዚ ሎሚ እውን ነታ ብስነ-ጥበበኛ መምህር ተኽለ ተኸስተ ዝተገጥመት “ናበይ ኢኻ ኣይትበሉኒ!” እትብል ግጥሚ ብብቕዓት ዘንበበ ስነ-ጥበበኛ’ዩ። ትማሊ ኣብ መድረኽ ሲነማ ኣዝመራ ነታ ብገጣሚ መለስ ንጉሰ ዝተጻሕፈት ግጥሚ ብልዑል ብቕዓት ብምቕራቡ ስልማት ተቐቢሉ።
ሞባእ ዘርእስታ ብተመሃሮ ዝቐረበት ድራማ ብኤፍረም ካሕሳይ ተደሪሳ ዝተኣልየት ኮይና ነቲ ድራማ ሓርቢትዎ ዘሎ ህዝቢ ኣስመራ ዑፍ መስቀል ኮይናቶ ኣምስያ። መድረኽ ሲነማ ኣዝመራ ኣብ ሓደ ግዜ ጥራይ ብናይ ወዲ ኳዳ ድራማ’ዩ ጾመ ልጓሙ ዝፈትሕ ዘሎ። ኣምበሳደር ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘስመዖ ቃል እዚ ናይ ድራማ ጉዳይ ብትካል ክትሓዝ ከምዘለዎ ሓቢሩ። ዋላኳ ዘረባ ኾይኑ ዝሓልፍ ይኹን እምበር ነቶም ስነ-ጥበበኛታት ግን ዓቢ ተስፋ ኮይንዎም እዩ።
ኣብቲ ምሸት ብዓለማዊ ውድብ ጥበባት ትያትር ዝቐረበ፡ መልእኽቲ ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር 2017፡ ብፈረንሳዊት ኢዛቤል ሁፐርት ዝቀረበ ጽሑፍ ብገጣሚ በየነ ሃይለማርያም ተተርጒሙ ብራሄል ተወልደ ተነቢቡ።
(ገለ ካብ ትሕዝቶ መልእኽቲ ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር 2017 ኣብ ታሕቲ ርኤ)
መልእኽቲ ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር፡ 2017
ብ-ኢዛቤል ሁፐርት፡ ፈረንሳ
ትርጉም፡ በየነ ሃይለማርያም
ከመይከ ትኾኑ? ሕጂ ከኣ 55 ዓመታት ድሕሪ ፈላሚ መመረቕታ ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር ዳግም ኣብ እዋን ጽድያ ተራኺብናባ። ሎሚ ን24 ሰዓታት መላእ ዓለም ትያትር ስለ ክጽምብል እተወፈየት መዓልቲያ። እሞ ንወደሰ ጥበብ ትያትር ክንብል ኣብዚ እንሀና።ኣብዛ መስሕብ መላእ ጉጅለታት ትያትር ዓለም ዝኾነት ፓሪስ።
ፓሪስ ከምዚ ናይ ሎሚ ዝኣመሰለ ያታታት ትያትር ዓለምና ክትጽምብለላ መጥዕም ከተማ እያ። ካብዚ ካብዛ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ብሓሳባዊ ዑደት ንጃፓን ኪድሞ፡ ተዋስኦታት ኖህ ኮነ ቡርናኩ ክትዕዘብ ይክኣል እዩ። ናይ ፐኪንግ ኦፕራን ካትሃካሊን ዘይራኸቡ ሓሳባትን ኣበሃህላታትን ድኣ ይምሰሉ እምበር ካብዚ ሓደ መራኸቢ ሓዲድ ክትዝርግሓሎም ዘይክኣል ኣይኮነን። ኣብ ልቢ ኤሽለስ፡ ኢፕሰን፡ ሶፎክለስን ስትሪንድበርግን እንተተሸሚምና ኣብ መንጎ ግሪኽን ስካንድናቭያን ክንዛውን መድረኽ ትያትር ፍቓዱ እዩ። ስራሓት ሳራ ኬንን ፒራንደሎን ኣብ ውነና ዝመላለስ እንተኾይኑ፡ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ብሪጣንያን ሓንቲኳ ዘጋይሽ የብልናን። ኣብዘን 24 ሰዓታት ካብ ፈረንሳ ንሩስያ፡ ካብ ራሲን ናብ ሞሊየር፡ ከምኡ እውን ናብ ቸኮቭ ክንመላለስ ይክኣል እዩ። አረ ኣትላንቲክ ሰንጢቕና ኣብ ሓደ ቐጽሪ ካሊፎርኒያ ኣዕሪፍና፡ ንሓደ ክመሃር በሃሊ መንእሰይ ነብሱ ረኺቡስ ስሙ ኣብ ትያትር ዓለም ከመዝግብ ክንሕግዞ ይከኣለና’ዩ።
ትያትር ንኣምር ግዜን ቦታን ስለ ዝስዕር ብሓቂ ወትሩ ለምዒ እዩ። ናይ ሎሚ ሎሚ ንብሎ ትያትር ብናይ ቀደም ቀደም ስራሓት እተጸልወ እዩ። ዋላ እቶም ክላሲካውያን ውርሻታት ከም ሓድሽ ብዝተዋሳእናዮም መጠን ተንከፍትን ዘመናውያንን ይኾኑና። ትያትር ኩሉ ሳዕ ኣብ ዑናታቱ እናተሰረተ ብዝሓለፈ እናተሃደሰ ዝነብር እዩ። ንሱ ከኣዩ ህያው ዘብሎ።
ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር እምበኣር ስቕ ኢልካ ምስ ዑደት ካልኦት መዓልታት ዝድመር ኣይኮነን። ብግሩም ዝኾነ ዓለምለኻዊ ‘ቀኖና’ ኣቢሉ ተኸታታልነት ግዜን ቦታን ክንምልከት የኽእለና። ሓሳባተይ ዝያዳ ንምጥንኻር ነቲ ትኩርን ቁጥብን ፈረንሳዊ ጸሓፊ ትያትር ጃን ታርዲዩ፡ “ካብ ሓደ ናብቲ ካልእ ጫፍ ዝነውሐ ርሕቀት’ሲ ክንደይ ኮን ይኸውን?” ንግዜ ክንዕቅኖ እንተኰንና ከኣ ርእይቶኡ” ዘልኣለማውነት ትብል ቃል ከነድምጻሲ መበል ክንደይ ጭላፍ ናይ ሓንቲ ካልኢት ኮን ትኸውን?” ብዛዕባ ግዜን ቦታን እንተኾይኑ ግን ይብል፡ “ቅድሚ ምትኻስካ ኣእምሮኻ ኣብ ክልተ ጫፍ ናይ ሓደ ቦታ ይጽመድሞ ካብኡ ኣብ ሕልምኻ ካብዚ ናብቲ ክትበጽሕ ዝወስደልካ ግዜ ቀምር። እታ ኣብ ሕልምኻ ትብል ቃል እያ ኣውራ ኣውራ ትነኽኣኒ። ታርድዩን ቦብ ዊልሰንን ደኣ በየን በየን ተራኺቦም? የብለካ። እንተተደልዩ’ውን ፍሉይነት ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር ቃላት ሳሙወል በከት ብምጥቃስ ምጥቕላል ይክኣል እዩ። በቲ ብሉጽ ቅዲ ኣጸሓሕፋኡ፡ ዊኒ ንዝተባህለት ገጸ ባህሪ፡ “ዎ— ከመይ ዝበለ ጽቡቅ መዓልቲ ኮን ምኾነ ኔሩ?” ቢሉ የዛርባ። እዚ መልእኽቲዚ ክጽሕፍ ብዝተሓተትኩ ክብሪ ተሰሚዑኒ። ብኡ ንብኡ ግን ኣብዚ ነብሲ ወከፍ ፍጻመ ዝነበረ ኩሉ ሕልምታት ትዝ ኢሉኒ። ናብዚ ናይ ዩኔስኮ ኣዳራሽ ክኣቱ ከለኹ ዳርጋ በይነይ ኣይነበርኩን ‘ተበልኩ ኣየጋነንኩን። እተዋሳእክዎም ገጸ-ባህርያት ኩሎም ምሳይ ኣለዉ። መጋረጃ መድረኽ ብዝተዓጽወ ብኡ ኣቢሎም ዝርስዑ ይምሰሉ እምበር ኣብ ውሽጠይሲ ሕቡእ ህይወት እዮም ዝቅጽሉ። ድሒረ ንእተላበስክዎም ባህርያት እንተስ ክሰንፉ እንተስ ክድምሰሱ ፓየድራ፡ ኣራሚንተ፡ ኦርላንዶ፡ ሄደ ጋብለር፡ ሜድያ መርተሚል፡ ብላንሽ ዱበዪስ — ክንደይ ክንደይሞ ክብሃሉ።እዚኦም ጥራይ እውን ኣይኮኑን ከም ተዓዛቢት ኮይነ ዘፍቀርክዎምን ዘድነቕክዎምን፡ ገጸባህርያት እውን ኣካቢቦም ኣለዉ ኣብዚ፡ በዚን ክንዲዚን ዝኣክል እዩ እምበኣር ጸግዐይ ምስ ዓለም እዩ ዘብለኒ። ጓል ግሪኽ፡ ጓል ኣፍሪቃ፡ ሶርያ፡ ቨነዝያ፡ ሩስያ፡ ብራዚል፡ ፐርሺያ፡ ሮማን፡ ጃፓን እየ። ኒወርካዊት፡ ማርሰልያዊት፡ ፊሊፕናዊት፡ ኦስትሪያዊት፡እንግሊዛዊት እውን ኣየ። በቲ ኣነ ዝውንኖ ድምርማር ባህርያት ብሓቂ ዓለምለኻዊት ዜጋ እየ። እወ፡ ስለዚዶ ኣይኮነን ኣብ መድረኽ ኣብ ትያትር ሓቀኛ ግሎባላውነት እንረክብ።

ብ1964 ኣብ ጽምብል ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር ላውረንስ ኦሊቨር “ድሕሪ ዝያዳ ሓደ ዘበን ቃልሲ ሃገረ እንግሊዝ ሃገራዊ ትያትር ከቕውም በቒዑ።” ክብል ኣበሰረ። ብኡ ንብኡ ናብ ዓለማዊ ትያትር ከዕብዮ ክሕልን ከሎ፡ ሸክስፒርሲ ንዓለም ከምዝብጽሓ ሕራይ ጌሩ እዩ ተረዲእዎ።

እዚ መልእኽቲ እዚ ንምጽሓፍ ዝሕግዘኒ ሓበሬታ ንምርካብ ሃሰስ እብል ኣብ ዝነበርክሉ፡ መልእኽቲ ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር 1962 ከመሓላልፍ እተመዘዘ ጃን ኮኽተዮ ምንባሩ ምፍላጠይ ሕጉስ ኢለ። ምኽንያቱ ደራሲ መጽሓፍ “ዳግም ዙራሞ ዓለምካ ኣብ ሰማንያ መዓልታት” እዩ። ቕዚ ኣነ’ውን ንዓለም ብኻልእ መንገዲ ከም ዝዘርክዋ ክግንዘብ ኣኽኢሉኒ።
ብ 80 ምርኢታት ድዩ ፊልምታት ኣቢለ ዜረያ። ፊልሚታት ክብል እንከለኹ ብፍላጥ እየ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ምውሳእ ፊልምን ትያትርን ሓንቲ ፍልልይ እኳ ኣይረኣየንን። ሎሚ ኣብዚ ኮይነ ክምድር ከለኹ፡ ኣነ ባዕለይ ወይ እታ ተዋሳኢት ኣይኮንኩን። እንታይ ደኣ ምእንቲ ህላዌና ክብል ትያትር ካብ ዝተገልገለሎም ሓንቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ሰባት እየ። ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ ንሕና ኣይኮናን ንትያትር ደው እነብሎ። ድሓን ይእቶ ንሱ ትያትር እዩ ንዓና ደው ዘብለና። ትያትር ሓያል እዩ። ኲናት ሳንሱር ሓሳረ መከራ ተጻዊሩ እዩ ኣማስይኡ ዝሰርር። – – –
አመስግነኩም።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዕላል ምስ ኣደይ
Next Article ዝርዝር መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን (5ይ ክፋል)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?