Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምውድዳስን ምሽምጣጥን ማሰኛታት

ምውድዳስን ምሽምጣጥን ማሰኛታት

0
By Mekonnen T. on August 5, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብመኮነን ተስፋይ

ኣቶ ነጋሽ ሳግላን ገብረመድህን ብስራትን ኩሉ ግዜ ኢዮም ንሓድሕዶም ዝወቓቐሱን ዝወዳደሱን። ኣቶ ገብረመድህን ዝያዳ ንኣቶ ነጋሽ ክብረት ይህብዎም ነበሩ። ኣብ መስሓል ወደከለ ኢዩ ኣብ ናይ መርዓ ኣጋጣሚ  ኣቶ ገብረመድህን ኣቐድም ኣቢሎም ከይዶም ኣቶ ነጋሽ ድሕር ኢሎም ከዱ።  ሽዑ ኣቶ ገብረመድህን እንታይ ኢሎም።

ትርእይዎዶ ኣለኹም ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ

ነጋሽ መጺኡ ኣሎ ደገዝማቲ

እኽሊ ደኣ ክበልዕ ኢለዮ ማይ ክሰቲ

እምበር ከይተኮሰለይ ጠያይቲ

መህደምየይ ክሕዝ በዓቲ።

*    *    *

ኣቶ ነጋሽ ሳግላ ከኣ ከምዚ ኢሎም መለሱ

ገብረይ ኣለኻ ዲኻ ገብረይ

ኣቦታትካ ክዝክር ቆጺረይ

ታሪኾም ኣለኒ ኣብ ሃገረይ

ብሰያባት ዓደይ ተማሂረይ

ኣካላተይ እንዲኻ መሓውረይ

እስትንፋሰይ እንዲኻ ጎሮረይ

ሳላኻ እንዳአለይ ከቢረይ

ታራ ሰብ እንድየ ከም ሃገረይ

መንጓድ ብዕራይ ምሃብኩኻ ኔረይ

እሞ ባዕልኻ እለዮ እቲ ሓዳረይ።

*    *     *

ኣቶ ገብረመድህን ከኣ ቀጺሎም

ኣብ ኣስመራ እንተ ተገብረ ውራይ

ብዘይ ነጋሽዶ ኣሎ’ዩ መዳራይ

ደቀምሓረ ሰገነይቲ እንተተገብረ ውራይ

ብዘይ ነጋሽ መን ኣሎ መዳራይ

ወዲ ኣቶ ብርሃን ወዲ ቦኽራይ

ወዲ መምህረይ ገብረመስቀል ወዲ ቦኽራይ

እንድሕር ሂብካኒ መንጓድ ብዕራይ

ንዓደይ ክወስዶ ሃባ ሕራይ

ክሓርሰሉ ዓጢቐ ሽራራይ

ስገም ክዘርኣሉ ኣብ ኣደራይ

ካብ ስድራኻስ ምገደዳ ስድራይ።

*    *     *

ኣቶ ገብረመድህን  ብዛዕባ ሰብ ኣስመራ ዝበልዎ፡-

ኣታ ኣስመራ እንሄልካ ጻዕዳ ዓዲ

ዓዲ እንዳበልና ኮና ዓንዲ

ሓደ ኣድጊ ምስ ሓደ ጽምዲ

ዓለም ኣሕለፍናዮ እዚ አን ከነናዲ

ቅርሺ ምህረቶም ፈረንካኦም ጉርዲ

ዓንዲ ማእከል ዝኸውን ኣኽብዲ

ከትካታይ ዘውዕል ክሳውዲ

ዓዲ እንዳበልና ደኣ ኮና ዓንዲ።

*     *     *

ንኣቶ ነጋሽ ከኣ ከምዚ ኢሎምሎም ኔሮም፡-

ነጋሽ ከኣ እንሄ ዝበለጸ

የማናይ ዝብሎ በየን መጸ

ጸጋማይ ዝብሎ በየን መጸ

ኣንበሳ ዝመስል ካብ ዱር ዝወጸ

ነጋሽ ጽቡቕ ኣለኻ ጒሓት ጒሓት ትሕጸ

ኣብ ዝተመርዓወት ትቑጸ።

*     *     *

ኣቶ ነጋሽ ንኣስንቲ ሃገረሰብ  ማሰ ዝበሉለን

ኣብ ሃገረሰብ ዘልዋ ደቂ ኣንስትዮ ሽግር ዝጸቐጠን

ክዳን ኣበጀዲድ ተዋሒጠን

ቆልዓ ሰለስተ ዓመት ተሓንጊጠን

እሞ ይዋትዊ ሰብ ዘይፈልጠን

ቅነ ጽብሓት ክህባኻ ገሊ ኡ ጥሒነን ገሊ ኡ ለንቂጠን

ኢደንን ብርከንን ተመሊጠን።

*     *      *

ንሰብ ኣስመራ ከኣ ከምዚ ኢሎምለን ኔሮም

ኣብ ኣስመራ እንሄኻ ቐጠንጠን

እንተሓለፍካ መንበር ተቐሚጠን

እንተሓለፍካ ኣብ ዓራት ኣንቀልዒጠን

ጽብቕ ጭራ ርእሲ ተመሺጠን

ክሳብ መንከሰን ተወቂጠን

እሞ ኸኣ እምብዛ ኣይተቕብጠን

እንተኸዳ መቐመጫ ኣሕቢጠን

ክዳን እንተ ተኸድና ለለዊጠን

ማርያማት ደኣ ይመስሎ ዘይፈልጠን

እንተበጻሕካስ ሓደ ኢዩ እቲ ውሽጠን።

ደጃዝማች  ረዳ ጓንጉል ምስሌነ ናይ ኣኽራን ኢዮም ኔሮም። ዓዲ ኣሕማ ኦም ዳሞ ኢዩ። ሓደ እዋን ንደጃዝማች ረዳ ዘሞኦም ሞይቶሞም ኣቶ ነጋሽን ኣቶ ገብረመድህን ብስራትን ብሓንሳብ ኣብቲ ቐብሪ ተረኽቡ። ኣቶ ገብረመድህን ከምዚ ክብሉ ኣልቀሱ፡-

ኣባጎርፊ እንዶ ኣይከፈሉ ንሃከንቲ

እውዶም ከፊሎም ንሃከንቲ

ብሓኪምዶ ይልቀም መዓልቲ

መድሃኒትዶ ኣሎ ኢዩ ናይ መዋቲ

ተማህለሉ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ

ነጋሽ ከኣ ኣሎ በዓል ሽሕ ኩሩምቲ

ብድሕሪኡ ክባርኹ ኢዮም ሊቃውንቲ።

*     *      *

ኣቶ ነጋሽ ከኣ ብድድ ኢሎም

እንታዋ ኢዩ ከይትብሉ ዓጋመ ዓዲ ግራት

ኣንታዋይ ኢዩ ከይትብሉ ዓድዋ ዓዲ ግራት

እዚ እኮ’ዪ ገብረመድህን ብስራት

ተመለሱ ዝብሎም ንሙህራት

ኩቡር ደኣ ይነብር ኣብ ኩቡራት

እምበሪ ንባዕሉ ወዲ ኣልጋ ኢዩ ወዲ ዓራት።

ኣባ ጎርፊ ቀበርኹም ባጽዕን ኣስመራን

ዘይኸዳኦ ምስ ኮና ኦቤልን ባቱራን

እንጻደፉ ገደልን ቃቑራን

እናሰረሩ ብዋዚትን ባዝራን

ካብ ኣወዳት ኣጓላትዶ ኣይሃጥራን

ጠባያተን ንሳተንዶ ኣይምቅራን

እበይተይ ረድየን ምስ ወረዳ ናብ ኣኽራን

ምስ ወለዳ ኣሰፋን ኣበራን

መድሕና ተኸለት እምበይተይ ህጥራን

ኣንተርከብና ነገርሕሰን ዑራን

ባርኹና ደኣ መማህራን።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሰንቢደ እንድየ!
Next Article ምስትምቓር ግጥሚ፡ “ካን. . !”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?