Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Wednesday, May 14, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምውድዳስን ምሽምጣጥን ማሰኛታት

ምውድዳስን ምሽምጣጥን ማሰኛታት

0
By Mekonnen T. on August 3, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብመኮነን ተስፋይ

ቀዳማይ ክፋል

ሰላም ኣፍቀርቲ ያታ ብሓፈሻ ኣፍቀርቲ ማሰን መልቀስን ከኣ ብፍላይ፡፡ እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ማሰታት ዓበይቲ ማሰኛታት ንሓድሕዶም ዝተሸማጠጥዎን ዝተወዳደስዎን ኢዩ፡፡ ኣብ ትሕዝቶ ናይ’ዚ ምሽምጣጥ ክብድ ዝበለ ቃላትን መግናሕትን ክርክብ ንቡር’ኳ እንተኾነ እዞም ማሰኛታት ንሓድሕዶም ፍቕርን ምክባብርን ከም ዝነበሮም፡ ዝተባሃሉ ተባሃሂሎም ከኣ ብሓደ በሊዖም ሰትዮም ይኸዱ ከም ዝነብሩ ዘርክቡሎም የዘንትዉ፡፡ ገለ ገለ ማሰኛታት ካብ ክቱር ፍቕርን ምትሕስሳብን ደቆም ከም ዘዋሰቡ ይዝንቶ፡፡ እዚ ከኣ መርኣያ ብስለቶምን ትዕግስቶምን ከም ዝኾነ ክንርዳእ ንኽእል። ንሕና ከኣ ካብዞም ማሰኛታት ንወርሶ ነገር ኣሎዶ᎒ ሰማዒ እንተተረኺቡ ዝውረስ ብዙሕ’ዩ፡፡ በሉ ናብቲ ምምልላስ ማሰኛታት ከብለኩም ሰናይ ንባብ።

ማሰኛ ኣቶ ሓድሽ ገብረገርግስን ኣቶ ተመልሶ ቐለተን ኣብ ኣስመራ ኣብ መርዓ ኣቶ ኣሸብር ወዲ ደጀዝማች ሓጎስ ንጉሰ ይራኸቡ’ሞ ኣቶ ሓድሽ ከምዚ ክብሉ ማሰ በሉሎም፡-

ተመልሶ ቐለተ ስርናይ ኢኹም ጓራ

ናይ ክኢላታት ኣውራ

ንማሰ ንስኹም ኢኹም መምህራ

ዓርኮም ኢኹም ንበርሀ ኣሸራ

ታሪኽ እምበር ንዓለም መን ኣሎ ዝነብራ፡፡

ጓራ ፍሩይ ዓይነት ስርናይ ኢዩ። ሽዑ ኣቶ ተመልሶ ቐለተ፡-

ኣታ ሓድሽየ ሓድሽየ ሰብዶ ክንድዚ ይኽእል ብጭልቅዑ

ምስ መን ንገድፈካ ኣለና’ሞ ምስ ቖልዑ

ተዛሪብካዮም ዘይሰምዑ

ሰለስተ ክፍሊ ተማሂሮም ዝኾርዑ

ኣቦኦምን ኣዲኦምን ሞይቶሞም ዘይነብዑ፡፡

ማሰኛ ኣቶ ሓድሽ ገብረገርስ (ምንጪ ስእሊ መጽሓፍ እዝኒ መሰታ ቐዳሞት)

* * *

ኣቶ ተመልሶ ቐለተ ኣብ መርዓ ጓል ማሰኛ ኣቶ ክፍላት ተኽለ ተረኺቦም ማሰ በሉ። ኣብ’ቲ መርዓ ሓያሎ ውሩያት ሰባት ከም በዓል ሓጎስ ሽፍታ፡መድህን ሓላይን ካልኦትን ተረኺቦም ነይሮም፡፡ ሽዑ ዝበልዎ ማሰ፡-

ኣንታ ክፍላት ወደይ ዋጽእ ኢኻ ዋጽእ

ርኢኻዮ’ዶ ኣብ መርዓኻ ሓማሴን ሰራየ ክመጽእ

ርኢኻዮ’ዶ ኣብ መርዓኻ ኣከለጉዛይ ኩሉ ክመጽእ

ሓጎስ ሽፍታ’ኳ መጺኡካ ካብ ባጽዕ

ንሓያል እምበር ንድኹም ዘይቐጽዕ

ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘውጽእ፡፡

ሓጎስ ሽፍታ ሓው ወይዘሮ ለተብርሃን ሽፍታ ኮይኑ ወ/ሮ ለተብርሃን ድማ ኣደ ስነ-ጥበባዊ ምስጉን ዘርኣይ ወዲ ፈራዳይ ኢየን። ሓጎስ ሽፍታ ንድኹማትን ጽጉማትን ዝጣበቕ ወዲ ሰብ ክብደል ክርኢ ዘይደሊ ኣዚዩ ሓያል ሰብ ምንባሩ ዝፈልጥዎ ይዛረቡ።     003

* * *

ኣቶ ኪዳነ ሕድሩ ብዛዕባ ናይ ማሰኛታት ምንእኣድን ምስሕሓልን ኣዚዩ ካብ ዘሐጉሶም ነገር ኢዩ። እዘን ዝስዕባ ስለስተ ሓጸርቲ ማሰ ሓደ እዋን ኣብ ሰገነይቲ ካብ ዘዕለሉኒ ኢየን። ኣቶ ነጋሽ ሳግላ (ነጋሽ ባርያኡ) ኣብ መርዓ ሓዎም ኣብ እንዳ ጓል ሓያሎ ማሰኛታት ዓበይቲ ዓድን ተዓዲሞም ስለዝነበሩ ነቶም ማሰኛታት ማሰ ኢሎሙሎም ኔሮም። እታ ማሰ፡-

ካብ ዓረት ዝመጹ ተመሪጮም

ካብ መዓርዳ ዝመጹ ተመሪጮም

ብሩር በትሮም ወርቂ መመወጾም

ኣብ ጋዜጣ ሰሚዕናዮ ድምጾም

ኣብ ግራማፎን ሰሚዕናዮ ድምጾም

እንቋዕ ረኣናዮ ተላይ ገጾም

ብሩር በትሮም ወርቂ መወጾም።

ግራማፎን ኣብ ሱሳታትን ሰብዓታትን ግኑን ዝነበረ ዓይነት ቴብ ኢዩ። ልክዕ ከም’ዚ ናይ ሕጂ ሲዲ ኮይኑ ግን ዓቢን እቲ መጻወቲ’ውን ኣዚዩ ገዚፍን ኢዩ። ብልሙድ ገለ ገለ ሰባት “ሸኽላ” ክብልዎ ይስምዑ ኢዮም።

* * *

መንፍዓቶም ዝረኣዩ ኣቶ በርሀ ኣሺራ ከም’ቲ ወትሩ ነቶም ካብኦም ንዝንእሱ ጀመርቲ ክርእዩ እንከለዉ ዝጥቀሙሉ መስሓሊ ቃላቶም ጌሮም ከምዚ በሉ፡-

ማሰ’ውን’ዶ ትኽእል ኢኻ ኣንታ ወዲ

ኣይ ንስኻ እንዲኻ ኣቦ ወዲ

ገዝሚ ክንህበካ ኢና ብፈቓዲ

እሽሓት ገንዘብ ክንህበካ ኢና ብፈቓዲ

ምስ ሽደነን እልፊ በራዕዲ።

* * *

ኣቶ ተመልሶ ቐለተ ድማ ንማሰ በርሀ ኣሺራ ከምዚ ክብሉ መለሱሎም፡-

ግደፍ በርሀ ተጋጊኻ ሎሚ

እዚኣ’ዶ ትደሊ ኢያ ገዝሚ

ጓል ኮሎኔል ገብረማርያም ዓቢ ዓጽሚ

ጓል ባሻይ ተመልሶ ዓቢ ዓጽሚ

ጓል ባሻይ ገብረኢየሱስ ዓቢ ዓጽሚ

ዓሰርተ ሽሕ ይኣኽለኦ ሎሚ።

ኣቶ ተመልሶ ቐለተን ኣቶ እምነቱ ተመልሶን (ወርሒ ለይቶ) ኣብ ሓደ መርዓ ምስ ተራኸቡ ተሸማጢጦም ነበሩ። ኣቶ ተመልሶ መንእሰይ ጀማሪ ማሰኛ ኢዮም ኔሮም። ኣቶ እምነቱ ግን ናብ ምእራግ ገጾም ኢዮም ዝኸዱ ኔሮም። መጀመርያ ማሰ ዝበሉ ኣቶ እምነቱ ኢዮም። እዛ ትስዕብ ከኣ ኣውሎ ኢሎም ፡-

ተመልሶ ኣንታ ወደቦይ ካሓሰ ጽሩይ ዘመድ

ወደቦይ ቐለተ ጽሩይ ዘመድ

ነዚ ማሰ’ንዶ ቀስ ኢልካ ልመድ

ንዘረባይ ኣይትምለሰሉ ሓመድ

እንተ ኣበኻ ክይትእሰር ብገመድ።

ኣቶ ተመልሶ ከኣ ከም’ዚ ዝስዕብ መለሱ፡-

ኣቦይ ወርሒ ለይቶ ግደፍ ከይትዋረድ

ሕማቕ እኽሊ ዝቐስቀሶ በረድ

ኣረጊት ብዕራይ ኣብ ተስካር ዝሕረድ

ሽደን’ዶ ኣንታ ምስ ተስታይ ይቃረድ

ማሰይን ማሰኻን ሃየ’ንዶ ሕጂ ይፈረድ።

በቲ ማሰ ዝተገረሙ ኣቶ እምነቱ ተመልሶ ወርሒ ለይቶ “ ዋእ ካብ’ዛ መዓልቲ እዚኣ ሕለፍ ኢለካ ኣለኹ” ኢሎም ንኣቶ ተመልሶ ንፉዕ ማሰኛ ምዃኖም ኣመኑሎም።

002

* * *

ሓደ እዋን ኣቶ ኪዳነ ሕድሩ ንመርዓ ናብ ኣስመራ ምስ ከዱ፡ ኣብ’ቲ መርዓ ሓደ ማሰኛ ንኣንስቲ ኣስመራ ንምምጓስ ከም’ዚ ክብሉ ኣውሎ በሉ፡-

ኣታ እዘን ኣንስቲ ሃገረሰብ ረኺብናየን ዝኸረምና

ደሮና ደሮና ይጨንዋ ክኸዳ ብቕድሜና

ኣንታ እዘን ሰብ ኣስመራ ጥዑማት ጨና።

ኣቶ ኪዳነ ሕድሩ ከኣ ከም’ዚ ክብሉ መለሱ፡-

ኣንታ ሓቂ ተዛሪብና

ዘይንኸይድ ገዛና

ሓቂ ተዛሪብኩም ኢለን እንታይ ከይብላና

ኣንስትስ እባ ኣለዋ ኣብ ዓድና

ልኻይ ተለኽየን ዓለባ ዝኽደና

ብዝበ ታህሰስ ዝዕጠና

እዋን ቆሎ ቆሎ ዝህባና

እዋን ማሕረስ ዝወፍሩ ቖልዑ ዝህባና

እዋን ማሕረስ ዝወፍራ ምሳና

ሓቅኻ ዲኻ ምስአን መዲብካየን ነዘን ተለከይቲ ጨና መና

ንእንዳ ኣባሻውል ዝብልኦ ገዛና

ንሓዝሓዝ ዕዳጋ ሓሙስ ዝብልኦ ገዛና

ኣብ ክንዲ ኩሩኹሮ ልዕሊ ብርከን ዝኽደና

ልኻይ ዘይፈልጣ እንትርፎ ባላንቲና

ምዃን’ኳ ኣደይ ማርያም ንዐአን’የን ዝፈትዋ ዝኾና

ንግሆ ንግሆ ዝወስዳላ ዕጣና።

* * *

ኣቶ ሓድሽ ገብረገርግስ ምስ ኣቶ ተመልሶ ቐለተ ኣብ ኣውቶቡስ ምስ ተራኸቡ፡ ሽዑ ኣቶ ሓድሽ ከም’ዚ ኢሎም ንኣቶ ተመልሶ ቐለተ ማሰ በልሎም፡-

ተመልሶ ቐለተ ኣፍቁዱለይ ክብል ኣውሎ

ተመሃራይ’ዶ ይዛረብ መምህር ከሎ

ዝራብዓት’ዶ ይንቅዉ ኣርሓ ከሎ

ተማምን’ዶ ይወናጨፉ ገበል ከሎ

ነብሪ’ዶ ይፍክር ኣንበሳ እንከሎ

ዛቑናይ’ዶ ይባርኽ ቀሺ ከሎ

ተመልሶ ቐለተ ዓርኪ ኣብርሃ መድህን ዘኾሎ

ስርናይ እምበር ክርዳድ ዘይቦቕሎ

ኣቶ ተመልሶ ቐለተ ከኣ ከም’ዚ ኢሎም መለሱ፡-

ሓድሽ ኣብ ኣውቶቡስ ኣይግባእን ኣውሎ

መራሕ መኪና ግልጽ ከይተብሎ

ተመልሶ ቐለተ ዝበልዖ ይኣኽሎ

ህዝቢ ከይጠፍእ ኣብዚ ዘሎ

ክሳድ የማነ ጸጋም ኣስተብህሎ

እዚ አዋን ኣይጠዓየን ዘሎ

ንሕና ዝበላዕናዮ ንስኻ ከይትኸፍሎ፡፡

ኣብ’ታ ኣውቶቡስ ገለ ናይ መንግስቲ ናይ ስለያ ኣባላት ከም ዝነበሩ ኣቶ ተመልሶ ኣስተብሂሎም ኔሮም።

ባሻይ ተመልሶ ቐለተ

* * *

ኣቶ ገብረመድህን ካሕሳይ ዝተባህሉ ማሰኛ ንበዓልቲ ቤት ኣቶ ገብረመድህን ሓጎስ በዓል ዓዲ ፍኒዕ ከም’ዚ በሉላ፡-

ማርያም ትመስል ምስ ጉልባባ

ኣዲስ ኣበባ ትኸይድ ሰኣን ዝቕልባ፡፡

* * *

ኣቶ ገብረመድህን ሓጎስ ከኣ ከም’ዚ ኢሎም መለሱ፡-

ኣንታ ወዲ ካሕሳይ ኩሉ ዝፈለጦ

በዓል ማይ ሕማቖ ኩሉ ዝፈለጦ

ሞባእ ሂቡ ሰይጣን ተሻየጦ

ዕስራ ኣንስቱ ከም ወጠጦ፡፡

* * *

ኣቶ ገብረመድህን ሓጎስ ንኣቶ ሞሳ ክፍላይ በዓል ኣኹሩር ከም’ዚ ኢሎም ማሰ በልሎም፡-

ኣንታ ወዲ ክፍላይ ኢኻ ዝያዳ

ኣንታ ወዲ ጉላይ ኢኻ ዝያዳ

ሓረሮ ትመስል ለበዳ

ትንባኾ ዝቐለብካ ከም ይሁዳ

ሒደት ዝእቶትካ እንቃዓ ዛንገዳ

ሳላ ጸናዓደግለ ተኸዲንካ ጻዕዳ፡፡

ሞሳ ክፍላይ ማሰኛ ኢዮም ኔሮም ስለ’ዚ “ሰብ’ዩ ገንዘብ ዝህበካ” ንምባል’ዮም ከምኡ ኢሎም፡፡

* * *

ሓደ መዓልቲ ንሓደ ዝጸልእዎ ሰብ ከምዚ በሉዎ ኣቶ ገብረመድህን፡-

ካብ’ዚ ኩሉ ቆራይ እጸልእ

የማን እንተ ሓዝካዮ ብጸጋም ዝሕዝ

እንተ ቐንዐ ካብ ማዕጺድ ዘይቀንዕ

ብበጠበጥ ከይዱ ከም ጅራታም ሰብ ዝበልዕ፡፡

* * *

ቀኛዝማች ምስግና ዝበሃሉ ንጉራዕ ወዶም ኣመርዕዮም ስለ ዝነበሩ ናብ ጉራዕ መርዓ ወሪዶም ምስ ባሻይ ወልድገብርኤል በዓል ድግሳ ከም’ዚ ኢሎም ተሸማጢጦም፡-

ኣንታ ወዲ ዑቕባሚካኤል ክርስትያን ነብሲ

ክርካር ዘይህብሲ

ባዕሉ ደኣ ይጓሲ፡፡

ቀኛዝማች ምስግና’ውን ሰናፍ ኣይነበሩን ከምዚ ኢሎም መለሱ፡-

ኣንታ ወዲ ርእሱ በዓል ቃንዳ ተይተይ

ኣንታ ወዲ ገብሩ በዓል ቃንዳ ተይተይ

ኣሽንኳይ ናተይሲ ይኽእል ዘይናተይ፡፡

ብላታ ደበሳይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ብዘበን ጣልያን ዝበሉዋ ማሰ፡-

ኣንታ ወዮም ደጓዑስ ቅርሽና ኮይኑ ሕሩሞም

መዓርና ኮይኑ ሕሩሞም

ወዮ እኽልና ኮይኑ ሕሩሞም

ጥልያን ጻዕዳ ብትርሽን መድፍዕን ምስ ተምተሞም

ዝደረጽወን እንጣጢዕ ከይጣዓምወን ሃዲሞም፡፡

ኣቶ ጭሮም ወዲ ኸንቲባ መዓሾ በዓል ድብድብ ንብላታ ደበሳይ ከኣ ከምዚ ኢሎም መለሱሎም፡-

ወዮ መቕደላ’ዶ ከተጥፍኦ ደሊኻ ዓቢ ዓዲ

ዓዲ ነገስቲ ዓዲ ሃጸይ’ዶ ከተጥፍኦ ደሊኻ ዓቢ ዓዲ

ወዮም ንሳቶም ደኣ ረኺብና መኻብዲ

ጣልያን ምገዝኣና ብንእሽቶ ሰልዲ ፡፡

መቕደላ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ስም ቦታ ወይ ዓዲ ኢዩ።

* * *

ማሰኛታት ኣብ ውራይ ወይ መርዓ እንተ ተራኺቦም ንሓድሕዶም ይወዳደሱ ኢዮም። ዝያዳ ከኣ እቲ ነብሱ ዘትሕት ሰብ ነቲ ሓያል ዝብሎ የመጉሶ ነበረ። ማሰኛ ኣቶ ሓድሽ ገብረገርግስ ምስ ኣቶ ተስፋማርያም መኮነን ማሰኛ በዓል ሚዔላ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ኣብ ሓደ መርዓ ተራኸቡ’ሞ ማሰኛ ኣቶ ሓድሽ ከም’ዚ ብምባል ንኣቶ ተስፋማርያም መኮነን ማሰ በሉሎም፡-

ኣንታ ተስፋማርያም መኮነን ኣብ’ዚ ኣሎ

ኣንታ ወደቦይ ወለድንግል ኣብ’ዚ ኣሎ

ወዲ ካሕሳይ ሰምዲ ኣብ’ዚ ኣሎ

መሓዛ ክፍላት ኣብዚ’ኣ ኣሎ

መሓዛ ገብረመድህን ኣብዚ’ኣ ኣሎ

ንማሰ ንሱ’ዩ ዚኽእሎ

ፈሪህና’ሞ ናበይ ክንክሎ፡፡

“ክንክሎ” ማለት ናበይ ክንእለ ወይ ናበይ ክንክወል ኢና ንምባል ኢዮም።

* * *

ኣቶ ተስፋማርያም ድማ ሓፍ ብምባል ከም’ዚ በሉ፡-

ኣነ ተስፋማርያም እኮየ ጸንዓደግለ ዝዓደይ ገምገም ባሕሪ

ኪድ ዓድኻ ኔው ሃገሪ ኔው ሃገሪ፡፡

* * *

ብድሕሪ’ዚ ኣቶ ሓዲሽ ተመሊሶም መግለጺ ነድሮምን ሕርቃኖምን ከምዚ በሉ፡-

ኣንታ ተስፋማርያም መኮነን መልሓስካ’ዶ ናብ ዘይበልካያ ከይዳ

ልደይን ልደኻን እስኪ ሕጂ ንፍቀዳ

ኣነ’ኮ ጸንዓደግለ ኣብ ከርሳ’የ ተወሊደ ካብ ከብዳ

ኣነ’ኮ ደቂ ድግና ኣብ ከርሳ’የ ተወሊደ ካብ ከብዳ

ኣከለ ጉዛይ፡ ዒናይን ሎጓይን ኣብ ከርሳ’የ ተወሊደ ካብ ከብዳ

ጫሉቕ፡ ማሉቕ፡ ፋሉቕ ኣብ ከርሳየ ተወሊደ ካብ ከብዳ

ንዓባይ ኩምሪ ክርቢትያ ተንድዳ

ንስርናይ’ዶ ትወስዳያ ዛንገዳ

ቀልጢፍካ መልሓስካ ኣግዳ

ዝትኩሳ ኣላትኒ ዝሰዳ፡፡

“ልደይን ልደኻን እስኪ ሕጂ ንፍቀዳ” ዝበሉ ኣቶ ሓድሽ ወለዶይን ወለዶኻን እስኪ ሕጂ ንጸብጽቦ ወይ ንቑጸሮ መን ካበይ ከም ዝተወልደ ሽዑ ክንፈልጥ ንምባል ኢዮም። ከም ኣገላልጻ ኣቶ ሓድሽ ዓዶም ዘርኢ ሞሲ ደኣ ይኹን እምበር ካብ ጸንዓደግለ’ውን ከም ዝውለዱ ኢዩ ዘስምዕ።

* * *

ብድሕሪ’ዚ ኣቶ ተስፋማርያም መኮነን ተጣዒሶም ከም’ዚ በሉ፡-

ሓዲሽየ ሓዲሽየ ወዲ ተመልሶ ቐለተ ኢኻ ቐንዲ

ወደ’ቦይ ወለድንግል ኢኻ ቐንዲ

ወዲ ካሕሳይ ሰምዲ ኢኻ ቐንዲ

ዝተባኣስና ከይመስሎም እዞም ዓዲ፡፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዳኒኤል ሰመረ፡ ሃብታም ተመኩሮ ህይወትን ሓይሊ-ንባብን ዝፈጠሮ ደራሲ!
Next Article ደጉዓ ህልው
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?