Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ምስ ገጠምቲ ክትላለ የብልካን” – ኦሾ

“ምስ ገጠምቲ ክትላለ የብልካን” – ኦሾ

0
By Mekonnen T. on May 27, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Bhagwan Shri Rajneesh(ኦሾ) ዝብልዎ ህንዳዊ ፍላስፋ፡ ካብ 1931-1990 ዓ.ም ኣብ መሬት ዑደት ዘካየደ እዩ። “ኣይሞተን ኣይተወልደን፡ ን60 ዓመታት ነዛ ፕላኔት ክበጽሓ እዩ መጺኡ” እዮም ዝብልዎ፡ እቶም “ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ራጅኒሽ” ዝብሃሉ፡ ንሱ ካብ’ዛ መሬት ምስ ተፋነወ ዝቖሙ ኣባላት።

ኦሾ ግጥሚ የዕበድብዶ እዩ ኔሩ። ክንዲ ዝደለኻዮ ሰላምን ሓጎስን ካብ ግጥሚ ክርከብ ከምዝከኣል እዩ ዝኣምን ዝነበረ። ግጥሚ ክትንትን ከሎ፡ ጉዳም እዩ ዝፈታትሎ። ምስ ብዙሓት ዓበይቲ ገጠምቲ ብኣካል ምስ ተራኸበ ግን፡ ገጠምቲ ክጸልእ ጀሚሩ። “ንዕኦም እንተጸሊእካዮም፡ ግጥምታቶም ከተንብብ ከለኻ ትጽሎ ኢኻ። ዳርጋ ኩሎም ከኣ፡ እቲ ኣብ ግጥምታቶም ዘሎ ጽባቐ፡ ኣብ ዕላላቶም የለን። ግጥምታት ደኣ ኣምጽኡለይ’ምበር፡ ኔው ደኣ በሉለይ ገጠምትስ” እናበለ እዩ ዘማርር ኔሩ።
“ከም ፍቕሪ ኣቢሉ፡ ግጥምታት ዝተጻሕፈሉ ዓውዲ የለን። ብዛዕባ ፍቕሪ ብዙሓት ዓበይትን ዓሞቕትን ግጥምታት ተጻሒፎም እዮም። እቲ ዝገርም ግን፡ እቶም ዘየፍቀሩ ወይ ፍቕሪ ዝስኣኑ እዮም ብዛዕባ ፍቕሪ ዝጽሕፉ። ንሓደ ነገር ምስ ሰኣንካዮ ኢኻ ብዛዕባኡ ምሕሳብ ትጅምር። ትፈላሰፈሉ፡ ትገጥመሉ፡ ትቐብኣሉ። እዞም ኩሎም ብሓያል ስእለ-ኣእምሮ ብሉጻት ናይ ፍቕሪ ግጥምታት ዝጽሓፉ፡ ስለ ዘይወነንዎ እዮም። ከይተሞኮርዎ’ዮም፡ ብግምት ወይ ብኢማጂነይሽን ዝገልጽዎ። ቅርብ ኢልካ ፍቕራዊ ህይወቶም እንተፈሊጥካዮ፣ ነቲ ግጥምታቶም ምእማን ኢኻ ትስእኖ። ሕጂ’ውን፡ ምስ ገጠምትስ ዘይምልላይ ይሓይሽ።
“ምስ ገጠምቲ – ብፍላይ ድማ ምስ እተድንቖም ገጠምቲ – ፈጺምካ ክትላለ የብልካን። ብኣካል ቀሪብካ ከተዕልሎም ከለኻ ተስፋ ኢኻ ትቖርጽ። ዲንካር ዝብልዎ ድንቂ ህንዳዊ ገጣሚ ረኺበዮ ኔረ። ንሱ ልዕሊ ዝኾነ ህንዳዊ ገጣሚ፡ እጹብ-ድንቂ ግጥምታት እዩ ዝጽሕፍ ኔሩ። ሓደ ግዜ ናብ ገዛይ ምስ መጽአ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ፈትዩኒ ፈትየዮ። ስምዑኒ፡ ንሱ እቲ ኣብ ስነ ግጥሚ ህንዲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ገጣማይ እየ ዝብለኩም ዘለኹ። ዕላሉ ቈጽለመጽሊ እዩ። ብዛዕባ ፖለቲካ ኣይተዕልለኒ እንተበልካዮ፡ ብዛዕባ ሽኮርያኡ የዕልለካ። ናይ ሽኾርያ ዕላል ግደፍ እንተበልካዮ፡ ብዛዕባ ዘይምእዘዝዎ ደቁ የዕልለካ። ‘ዲንካር እንታይ ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ!? ሰባት ካባኻ ግጥማዊ ዝኾነ ዕላል’ዮም ዝጽበዩ’ ኢለዮ። ‘እሞ 24 ሰዓታት ድየ ገጣሚ ክኸውን’ ኢሉ መሊሱለይ። ‘ጽቡቕ ኣለኻ፡ ግን 24 ገጣማይ ኣብ ዝኾንካሉ ጥራይ ምጽኣኒ። ኣነ ነቲ ዝገጥም ዲንካር’ምበር፡ ንዓኻ ኣይደልየካን እየ’ ኢለ ኣፋንየዮ። ብዲንካር ጥራይ ዘይኮንኩ፡ ብብዙሓት እየ ዲነይ ጠሊዐ! እቲ ዝኸፍአ ነገር፡ ግጥምታቶም ከተንብብ ከለኻ፡ እቲ ዕላሎም ድማ ኣብ ሞንጎ’ቶም መስመራት ኮይኑ ቅልቅል-ውጥም እናበለ ዝርብሸካ ምዃኑ እዩ። ገሊኦም ምንባብ ከይክኣልኩ ከለኹ ግጥምታቶም ዝሽምድዶ ዝነበርኩ፡ ብኣካል ምስ ረኸብካዮም፡ ተስፋ የቑርጹኻ። በቃ! ብኸም’ዚ ሰኪሐ እየ። ዘይምልላዮም ከም ፖሊሲ ወሲደዮ።”
“ሓደ ከኣ ኔሩ’ምበር ናይ ዑመር ከያም ግጥምታት ናብ ቋንቋ ህንዲ ዝትርጉሞ። ብዙሓት ናይ ዑመር ግጥምታት ተርጒሞም’ንድዮም፣ ምስ ናቱ ዝዳረግ ግን የለን። ንሱኸ እንታይ ሕማሙ መስለኩም፣ ጽቡቕ ኢኻ እንተበልካዮ፡ ጽባቐ እንታይ ማለት እዩ፡ ካብ ምንታይ ተበጊስካ ከምኡ ትብለኒ. . . እናበለ’ዩ ዘሀውትተካ። ዋላ ደሓንዶ ሓዲርካ እንተበልካዮ፡ ስለምንታይ ተገዲስካ ሓቲትካኒ ኢሉ’ዩ ክትዕ ዝጅምር። ኣታታታታታ. . . ኣብ ዝኸድኩዎ ሃገር፡ ብገጠምቲ ተሰላችየ እየ። ሕጂ ግን ምልላይ ምስ ገደፍኩዎ፡ ተኸይፈ ግጥምታት አንብብ ኣለኹ።”

ብ ኣማኑኤል በርሀ
22ግንቦት2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleትዕዝብቲ ትርኢታዊ ዕላላት በቲ ካልእ ኩርናዕ
Next Article ግጥሚ ከም መድሃኒት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?