Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስ መዕበያኻ ጥፋእ

ምስ መዕበያኻ ጥፋእ

0
By Mekonnen T. on December 20, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሓጺር ልበወለድ ዛንታ

ብክብሮም ታደሰ ስብሃቱ

2ይን መወዳእታን ክፋል

ሓረጉ ምስኡ ምምልሳስ ከምዘየዋጽኣ ስለዝፍለተጠት ዘረባ ከይወሰኸት ባዕላ ከተሕጽቦም ድንን በለት። ወዲ በሮምቦራስ ትንስእ ኢሉ፣ “ዘይግቡእ ሃቢ ደኣ ኣነ ከሕጽቦም፣ ብጥርሑ በዛ ማማይ ተጻጊምኪ ኢኺ ዘለኺ። በቃ ኮይንዋ ኣብዛ ዝባንኪ ሕንክይብ ምስ በለት። ጠይቂ ወይ ኣጎዛ ኣንጽፍ ኣቢልኪ’ዶ ኣብዚ ምድሪ ፎፎዉ ትበል ኣዉርድያ፣” ነቲ ተኞ ካብ ኢዳ ምንጥል ኣቢሉ ከሕጽቦም ድንን በለ። “ዘይመልክዑ ኣነ እንድየ ንእሽተይ። ሃባ ደኣ ኣነ’የ ዘሕጽብ” እቲ ካልኣይ ጋሻ ብድድ ኢሉ ነቲ ተኞ ከሕድጎ ፈተነ። “ብዕድመስ እወ ንኡሽተይ ኢኻ ኔርካ፣ ከይተሕጽብ ኢልካ እምበር ናይ ቀሺ ተማሂርካ። ግደፍ ደኣ፣” ኢሉ ወዲ በሮምቦራስ ከሕጽቦም ጀመረ።

ኣሕጺቡ ዉድእ ከብል ከሎ፣ ብርሃነ “ንዓይ እንኮላይ ኣሕጽበኒ!” ሃንደበት ኣዘዘ። “እዋይ ወዲ ሓፍተይን ወዲ ሓወይን ኣዉራ ንዓኻ፣” ኢሉ ነገራት ኣስደሚምዎ ከይተዛረበ ኣንጠብጠበሉ። ዉደእ ምስ ኣበለ ግን “ክንደይ’ዩ ዓመትካ?” ሓተቶ። “ሾሞንተ!” ብዘይ ነግፈረግ መለሰ ብርሃነ።

ወዲ ብላታ ትቕብል ኣቢሉ፣ “ጽባሕ ጋብር ጥቅምቲ ትሽዓተ ዓመቱ ክመልእ’ዩ፣” ነቲ ናይ ወዱ መልሲ ኣራጎዶ።

“ኣንታ ወዲ በሮምቦራስ ክንደይ ድዩ ገሩ እቲ ኣብ ኣሓ ዝወፍር ዘሎ ወድኻ?” ሓተተ እቲ ካልኣይ ጋሻ፣ ቀበጥበጥ ብርሃነ ቅጭ እናዳምጸኣሉ። “ምስ ብርሃነ ደኣ መሳቱ። እቲ ምንኣሶም’ዉን መሓስኣትን ኣምራኹንትን’ዩ ዝሕሉ ዘሎ፣” ደርጎሖ ወዲ በሮምቦራስ፣ ፍንጭሕ ይበል ኣዐርዩ ኢሉዎ ግዲ ኮይኑ ንወዲ ብላታ።

ወዲ ብላታ ወዱ ክጽረፍ ዕረ ስለዝጠዓሞ፣ “ጉስነት ደኣ ቀስ ኢሉ የርክበሉ። ንቑርን ጸሓይን ደኣ እንታይ ክህወኸሉ። ደሓር ንሕና ኩሉ ግዜ ዓሰባ ኢና ንቆጽር። ኣምላኽ ይመስገን ሽሻይ መሊኡ’ዩ ኣብዚ ገዛ፣” ዘረብኡ ከይወደአ ኣብ ሞንጎ ሓረጉ፣ “ መዓስ? ምስ ኣረገ!” ብሕቶ ኮለፈቶ። “ኣቲ ክንይደሻዕ’የ ከጠንቅቐኪ። ሽሕ ግዜ በዚ ወደይ ዝምጸኒ ኣይፈቱየ ክብልከኢ ኣይትሰምዕን ዲኺ? ጽንሒ በሊ! ድሕሪ ሕዪ’ሞ ብዛዕባ’ዚ ቆልዓ ብጩቕ በሊ ኢኺ!” ኣፈራረሓ ናይ በይኑ ዉላድ ከምዝኾነ።

ነቲ ናብ ሓረጉ ዝተወርወረ ኣሽሙር ዝረባ ዕሽሽ ኢሉ፣ “ኤእ፣ ከምኡ ኣይትበል ወዲ ብላታ ዓርከይ። ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ ይብሉ ወለድና። ሎሚ ናይ ስራሕ ልምዲ እንተዘይ ኣጥሪዩ ምስ ዓበየ ፈጺሙ ክባላሾ እዩ።”

ብርሃነ ኣብ ሞንጎ ጦብሎቕ ኢሉ፣ “እንድታደኻ ኮይነ’የ ዝባላሾ!” ተገቲሩ ጸረፎ ንወዲ ቦሮምቦራስ።

ብዉሽጡ ሕርቕርቕ ንዳበለ “ጌጋ ዝወደይ ከምኡ ኣይበሃልን እዩ” ክምዕዶ ፈተነ ወዲ በሮምቦራስ ብዉሽጡ “ስዲ!” ኢሉ እንዳተጻረፈ። ወዲ ብላታ እንዳሰሓቐ፣ “ዘይዓጅቦ እዚ ኮርዒዳ ወደይ።” በለ ብዉሽጡ ድፍረት ወዱ ሓበን እንዳተሰመዖ።

ብድሕሪዚ እቶም ኣጋይሽን ሓረጉን ጉዳይ መኣደኦም ዝዓጠጦም ክመስሉ ዋላ ሓንቲ ቃል ከየምለቑ ትም ትም በሉ።

ሓረጉ ነቲ ወለሽለሽ ዝብል ጣይታ ዓማል መሸላ፣ ንኣውደኣመት ኢላ ተመኒያ መዲድን ጓል መድዲን ኣጋጭያ ጥሒና፣ ገሚላ፣ ብመለንቀጥን ወዲ መለንቀጥን ሰብ ብድቅሱ ከሎ ለንቂጣ፣ ኣብ ሞጎጎ ኣሚቛን ላፍያን’ያ ሰንኪታቶ። ናብቲ ብድብለ ቕርጫት ተቐሪቡ ዝነብረ መኣዲ ብጭልፋ እንዳ ኣመልከተት፣ “በሉ ባርኽዎ ክጸብሖ፣” ነቲ ስቕታ ሰበረቶ።

እቲ ካልኣይ ጋሻ ትቕብል ኣቢሉ፣ “ወዲ ብላታ ባርኮ፣” ሓተተ። “እዋእ ዘይከምኡ፣ ወዲ ብላታ ደኣ ብዕድመ ካባይ ይንእስ፣ ከማይ ጩዉ ዝበለ ዓለም፣ እንተፈታሕኻስ ህልቅነት’ኮ ኣላትካ ዓርከይ፣ ግዜ ጥራይ ኣይትዉሰድ ናባኻ’ዩ ባርኮ፣” በሎ ወዲ በሮምቦራስ ተገምጢሉ፣ ኣብቲ ገዛ ካብ ዝኣቱ ንመጀምርታ ፍሽኽ እናበለ።

“ኣይግቡእን’ዩ ነይሩ፣ ግና ካብ በልኩም’ሲ፣” ኢሉ ጸሎት ድሕሪ ምድጋም፣ “ለምለም ክረምቲ ሂቡና ኢዩ’ሞ ኣብ ፍርያቱ ይተዓረቐና። እንቋዕ ናብ ሃንሰ መሰቀለ ብሰላም ኣብጻሓና። ንዓመታ ከምዚ እዋን ከይሸርፈ ከይጎረፈ፣ ብሕቡርናን ብስሙርናን የጽንሓና። ዓይንና ዝበርሃሉ ልብና ዝሕጎሰሉ ኣዉደኣመት ይግበለልና፣ ኣሜን።” ኣመስጊኑ ቆቁራስ እንጌራ ኣብ አኢዱም ዓደሎም።

ባርኾት ከይተወደአ ከሎ ብርሃነ፣ “ኣነ ካብቲ ዓጽሚ’የ ድበልዕ። ጥርሑ እንጀራ ኣይፈቱን’የ፣” ነቲ ባርኾት ዝተዓደሎ ኣብ’ቲ እግሪ መደብ ድርብይ ኣቢሉ ከዕገርግር ጀመረ። ሓረጉ መማዩን መታሮን ጥራይ ድሕሪ ምጽባሕ እና ተንሰአት፣ “ብልዑ በሉ ከርክበኩም እየ። ብርሂን ወደይ ድማ ኣብ ዉንጭሕቲ ገረ ክህበካ፣ ንዓ ናባይ፣” ዓይና ኣፍጥጥ ኣቢላ እንዳጠመተቶ።

ብርሂን መደብ መደብ ፍሑኽ እንዳበለ ኣብ ጎኒ ኣቡኡ ተሸጒጡ፣ “ኪዲ እምቢ ምስኣቶም ይሕሸኒ፣” ኢሉ ዕጭ ሓንፈፈ።

እቶም ኣጋይሽ ድንን ኢሎም ብጎቦ ዓይኖም ክጣማመቱ ከለዉ ወዲ ብላታ ኣቕለበሎም። ኣብ ክንዲ ንሶም ንሱ ተሰኪፉ ድማ፣ “ዝወደይ ኪድ ኣብቲ ዉሻጠ ምስ ኣዴኻ ብላዕ፣” ካብ ሕቑፋ ድፍእ ኣቢሉ  ኣልገሶ።

“እምቢ እምቢ፣ ኣነ ምስኣ ኣይደልን’የ። ንሳ ደኣ ኩሉ ሻዕ ተረፍ እንዲያ ትበልዕ፣” ጽዉግዉግ ኣንዳብለ ኣብቲ ድርኩኺት ናይቲ ብቖፎታት ዝተኸፍለ ዉሻጠ ከይዱ ሮፋዕ በለ። “መብልዒ ቁርሲ ገርኪ ካብቲ ዓጽምን ድሎትን ኣብዚሕ ኣቢልኪ ሃብዮ፣” ኣዘዘ ብዉሽጡ ንወዱ ምብዳሉ ሕርቕርቕ ኣንዳለ ወዲ ብላታ።

ኣብ መንጎ ነቲ ሰሓቕ ዝሓረሞ ኣውደኣመት መማቕርቲ ክኾኖ ኢሉ ግዲ ኮይኑ ወዲ በሮምቦራስ፣ “ወዲ ሓፍቲ፣ ኣሹኹትካ ኣንጭዋ ወሲዳታ፣” በሎ ንብርሃነ ሕፍረቱ በቲ ቐዳድ ስሪኡ ግዳም ወጽያ ምስረኣያ። ብርሂን መጀመርታ ሓቂ መሲልዎ ድንን ኢሉ ህላዉነታ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ኣእጋሩ እንዳ ኣከበ፣ “ቺድ ክፉእ! ኣላ ኣይወሰደታን፣” ተጻረፈ ሕፍርፍር እንዳበለ።

ሓረጉ ትቕብል ኣቢላ፣ “ስሚ ክዳን እንድዩ፣ ክልተ ወርሑ’ኮ ኣይገበረን ካብዝግዛእ። ኣብ ሓመድ ሸታሕታሕ ክብል ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ነዚ ክዳንዉንቲ ትርብዕ’ዩ ዘብሎ፣” በለት ፍሽኽታ ኣሰንያ ናብ ወዳ ክሳዳ ጠውያ እንዳጠተት።

“በሉ ወስወስ ንበል። ረቢሽኩም ዶ እዚ ቆልዓ? ኣይ ምሳይ ምቕራብ እንድዩ ለሚዱ። ኣነ ንገዛና ሓደ ወዲ ስለዝነበርኩ ኣቦይ ፈጺሙ ካብ መኣዱ ፈልዩኒ ኣይፈልትጥን’ዩ ነይሩ። ዋላ ኣብዚ ዓዲ ይኹን ኣብ ጎደቦ ኣብ መርዓታት ንወደይ ዝጸልእ ካብዚ መኣዲ ይተንስ እዩ ዝብል ነይሩ። ኣታ ወዲ! ነቦይ’ኮ ብሒም ኢላ ትዛረቦ ሰብኣይ ኣይነብረትን። ኣነ ድማ ናቱ ግዲ ለጊቡኒስ ምሳይ’የ ዝቕርቦ፣” በለ ንመጀመርታ ግዜ ከም ስክፍ ኢሉ።

እቶም ኣጋይሽ ኩሉ ነገራት ናይቲ ገዛ ኣስደመሞም። “እዋእ ከም ከመይ ድዩ? ኪድ ኣብ ዉሻጠ ምስ ኣዴኻ ብላዕ ትብሎ። ተረፍ’ያ ትበልዕ ዝበሃል ዝረባ’ሎ፣ ነዉሪ! ንዒ ደኣ ምሳና፣” ተዳህያ ንሓረጉ ወዲ በሮምቦራስ።

ንሳ ግና ስዋ ትመላልእ ከም ዘላ ኣምሲላ ኣብ ዉሻጠ ዕንክይክይ ደኣ በለት። “ደሓን ቀስ ኢለ ከርክበኩም’የ። ስራሕ ኣንስቲ ዘይዉዳእ፣” ብትሑት ድምጺ ኣመኻንያ ኣብቲ ዘላቶ ስቕ በለት።

“ዘይከምኡ ሓረጉ ንዒ ደኣ ምሳና፣” ወዲ በሮምቦራስ ኣትሪሩ ጸዉዓ።

ወዲ ብላታ፣ “ግደፍዋ እንዶ፣ ቀስ ኢላ ስራሓ ኣሳሊጣ ተርክበና። ደሓር ከኣ ቆልዑ ስለዘይብልና እዚ ተረፍ መረፍ ዝበልዖ የብሉን።” ዓሻስ ክንዲ ዝስተር መሊሱ ይግተር ከምዝበሃል መሊሱ ነቲ ዘረባ ኢደ እግሩ ኣጥፈኣሉ።

እቲ ካልኣይ ጋሻ በቲ ዘረባ ናይ ወዲ ብላታ ከም ስምብድ ኢሉ ነይሩስ፣ በተን ሒደት ድሎት ከምዝተሓንቀ ከምስል፣ እሕሕ እሕሕሕ ኢሉ ክኸዋዉል ፈተነ። ወዲ በሮምቦራስ ግን ኩሉ’ቲ ኩነታት ስዉጥዉጥ ስለዝበሎ፣ “በሉ ደሓን ንብላዕ፣” ኢሉ መሪሕዎም ክኹልስ ጀመረ።

ብርሃነ ቁርፋፍ ካብ ኣፍንጭኡ ፈርፊዑ ድሕሪ ምዉጻእ ናብ ኣፋ ከብላ ከሎ ኣቡኡ ዓይኑ ስለዝጸቐጠሉ ኣብቲ ጥቕኡ ዝነበረ ዓንዲ ማእኸል ላሕደዳ። ኣብ ፊቶም ተረፊዑ ነቲ ኣብ ሰለፉ ዝነበረ መኣዱ ረሲዑ ቀዉ’ሉ ኣፍኣፎም ክጥምቶም ጀመረ። ኣብ ነፍሲወከፍ ኩላሶ ድማ ካብታ መኣዲ ጀሚሩ ክሳብታ ዝኹልስዋ ርእሱ ላዕልን ታሕትን እናዞረ ኣዒንቶም ከንቁሮም ደለየ። ኣብ መንጎ ከይተረዶኦ እቲ ዉንጪሕቲ ሸተት ኢሉ ንቑልቁል ዝኣፉ ተደፍአ። ደርሁ በየን ከምዝጸንሓ ሸዲደን ብምእታዉ ብቕጽበት ነቲ እንጀራ ተጎናዘያሉ።

ሓረጉ “ኣታ ከት’ንዶ በለን!” ወጨጨት ካብቲ ዝነበረቶ ብድድ እንዳበለት። ብርሃነ ነተን ደርሁ ስቕ’ሉ እንዳተዓዘበ፣ መንኩቡ ጥራሕ ሰቐጥ ኣበለ። እቶም ኣጋይሽን ወዲ ብላታን ግን ብዘይዝኾነ ዘረባ ቆምጠጥ እናበሉ ናብ መኣዶም ጥራይ ኣተኲሮ ገበሩ።

ሓረጉ ንብርሃነ ሓዲሽ መኣዲ ቀሪባ፣ ነቲ ኣዕጽምቲን እንቋቁሖን ጸባቢሓትሎም ናብ ዉሻጠኣ ተመልሰት። ወዲ ብላታ ነቲ ሜላታት ድሕሪ ምዕዳል ብልዖም ቀጸሉ።

ወዲ በሮምቦራስ ሓንቲ ፍልፍላይ ሓኸለ ኣልዕል ኣቢሉ ክግህጽ ኣፉ ክፍት ከብል ከሎ፣ ብርሃነ ሃንደበት፣ “እዉይ ኣልዒልዋ!” ጨደረ።  “ኣንታ ቆልዓ ናብቲ ናትካ መኣዲን’ዶ ረአ፣” ክትገንሖ ፈተነት ኣብ ዉሽጢ ኮይና። ብምድዋ ገይራ በቲ ቦጃል ስሪኡ ኣሕሊፋ መዓኮሩ ትኹይ ኣበሎቶ።

“ኣቦይ ትቕንጥወይኒ’ላ” ኢሉ ከንፈሩ ግምጅዕ ኣበለ።

“ኣቲ ግደፍዮ እንዶ። ጉድ’ዶ ረኺበ ኣነ ምዒድካ ዘይስቆራ፣” ናይ ሕርቕርቖት ኣጓጠጠላ ወዲ ብላታ።

ከይጸንሐ ብርሂን፣ “እዉይ ነታ ናተይ ዓጽሚ ኮሊስዋ…!” ክብል ከሎ እቲ ኣብቲ ሰልፉ ዝነበረ ዉንጭሕቲ ንካላይ ግዜ ናብ ምድሪቤት ተገምጠለ። ሓረጉ ብጉያ መጺኣ ነቲ ዝተደፍአ እንጅራ ኣጸራርያ፣ ገሊኡ ነተን ደርሁ ናብቲ ገበላ ክትስንድዎ ከላ፣ ገሊኡ ድማ ነጋጊፋ ክትበልዖ ኣብ መሽረፈት ገይራ ናብ ዉሻጠ ሒዛቶ።

ወዲ በሮምቦራስ ብቕጽበት ብድድ ብምባል፣ “ንዓ ዝወደይ ተንስእ…” ብኢዱ ጎቲቱ ናብቲ መኣዶም ኣቕረቦ። “እዋይ ሕልፈት! ካብቲ ዝወዓልናዮ እምበር ከፊኡና። እንታይ ዘይገበርካ ንስኻ፣” ሕርቃኑ ደገ ከይወጽእ እንዳተቓለሰ፣ ኩምትር በለ ብዉሽጡ።

ብርሃነ ከይጸነሐ ነቲ ኣብቅድሚ’ቶም ኣጋይሽ ዝነበረ ኣዕጽምቲ መታሮን በብሓደ ክለቕሞ ጀመረ።

ወዲ ብላታ፣ “ዝወደይ ኣብ ቅድሜኻ ጥራይ’ዩ ዝብላዕ፣” ክምዕዶ ፈተነ። ብርሃነ ድማ፣ “እሞ እቲ ዓጽምን ስጋን ኣብቲ እንዲዩ መሊኡ ዘሎ፣” ሕስይስይ እናበለ መለሰ፣ ድሮ ነቲ ቆምጣዕጣዕ ኢሉ ዝነበረ ኢዱ ናብቲ ቅድሚ ናይቶም ኣጋይሽ ዊጥ እንዳበለ። “እየ ብርሂን ወደይ ዘይዓጅበካ። ቅድመይ ኣይትብል ቅድሚ ኣጋይሽ፣ ከምኡ ዘይግበር፣” ፍሽኽ እናበል ከቃባጥረሉ ርእሱ ደረዞ።

“እንታይ ገዲሹካ ንስኻኸ፣ ሃላይ!” ገጹ ጽዉግዉግ እንዳበለ፣ ኣፉ ኣትሓዞ ነቡኡ።

ብዙሕ ከይጸንሑ፣ “በሉ ርሑስ ኣውደእመት ይግበረልና። ኣየ ትሕዞ ሓረጉ። ጥዑም በሊዕና፣ ሰቲና!” ክዉድስ ፈተነ መዕጸዉ ጸሎት ክምዝረሰዖ ዘይዘከረ እቲ ጋሻ ሃለቃ።

“ኣይይይ፣ እየናይ… ” ኣዉደኣመት ምድሪ እንተስ ዘይብላ እንተስ ምርካብ ስኢናትሉ ጽሩይ ክዳን ዘይቀየርት ደኒና ነቲ ልግብጋብ ክዳና ነናሻዕ ክትከዋዉል እንዳፈተነት ኩሉፍ በለት።

ንኽወጽኡ ልዳት ትስግር ከብሉ ከለዉ፣ “ጽንሕ እንዶ በሉ። እዛ ጸሓይ መስከረም ቁሩብ ጠለስ ትበለልኩም። ኣናህብ ድማ ናይዚ ጸሓይን ዕንበባታትን ጸጊቦም  ግዲ ኮይኖም ከዕገርግሩ ጀሚርሎም’ዮም ዘለዉ። ቡን ከኣ ምገበርና፣” ኢላ ከተጽንሖም ፍተነት።

“ክንከይድ እባ፣ ወዲ ብላታ በዛ ነጸላና ወጢጡ ኣምጺኡና እምበር፣ ኣይ ኣብ ገዛ ይጽበዩና እንዲዮም ዘለዉ፣” ኢሉ እቲ ካልኣይ ጋሻ መለሰ።

“እወ ስንሱስ ሓቕኹም። ግን ኣብ ቀብሪ ዉዒለን መዓስ መዓስ ክሰርሖኦ ኢለን፣” ገጾም ምርኣይ ዘሕፈራ ክትመስል ርእሳ ኣዲኒና።

“እተን መራዑትን ኣዋልድን ኣለዋ እንድየን። በሉ ፍርያት ዘለዎ ቀዉዒ ይግበረልና። ንዓመታ ከምዚ እዋን የርእየና። የቐንየልና፣” ኢሉ ወዲ በሮምቦራስ ተመሳገነ። ሓረጉ ገንዘብኩም ኢላ ከይመለሰትሉ፣ ኣብ ዉሽጢ ገዛ ደርሁ ገልጠምጠም ስለዝበላ ግልብጥ ክትብል ከላ፣ ወዲ ብላታ ግን ዘይከምቲ ወጢጡ ዘምጸኦም ክሳብ’ቲ ዓንቀጽ ጥራይ ኣፋንይዎም ተመልሰ።

ካብቲ መንቀና ናይቲ ገዛውቲ ርሕቕ ምስ በሉ፣ ወዲ በሮምቦራስ ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ወዲ ብላታ የማዕድዎም ከምዘየለ ምስ ኣረጋገጸ፣ “ኣይበላዕ እንጀራ ጀላዕ። እዋይ ሓፍተይ! ከምዚ ሓዳርሲ ኣይሃበና።” ኢሉ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኣዕሚቑ እንዳኣተንፈሰ፣ ንእግረ መንገዱ ጸሓይ ኣበይ ከምዝበጸሐት ኣረጋገጸ።

እቲ ካልኣይ ጋሻ፣ “ምስ መዕበይኻ ጥፋእ ይብል ሕሱም ረጋማይ ዝብሉኻስ ለካ ከምዚ ምስተረኽበ’ዩ!” ዓዉ ኢሉ ኣድመጸ፣ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓዋዊል ብበትሪ ግልህ ግልህ ኣቢሉ ኣብ ኳና ተጸጊዑ እንዳሸነ።

“ምስ መዕበያኻ ጥፋእ……፣ ተነፊሕና! ናይቲ ቋሬጣ’ዶታ ኮይኑ?” ዘጠጥጥ…! ቀጸሎ ነቲ ዘረባ ወዲ በሮምቦራስ ብመዓኮሩ።

ጸሓይ ድሮ ኣንካእሲሳ ስለዝነበርት፣ እንግድዖኦም ሂቦማ ስጉሞም ወሲኾም ሽለብ ሸለብ እንዳ በሉ ንዓዲ ወዲ ብላታ ንድሕሪት ሓዲጎማ ተዓዝሩ።

ተፈጸመ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምስ መዕበያኻ ጥፋእ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?