Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስ ህያው ገጸ ባህርያት! * 3ይ ክፋል *

ምስ ህያው ገጸ ባህርያት! * 3ይ ክፋል *

0
By Mekonnen T. on December 16, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብርሃነ ገብረሂወት

3ይ ክፋል

“ትዕዝብትኻ ትዕዝብተይ፡ ሕቶታትካ ውን ሕቶታተይ እዮም ንስሪ። ክሳዕ ሕጂ ግን መልሲ ኣይተረኽቦምን ዘሎ።” ርግኦ ብኣንክሮ እናተመልከቶ ዘረባ ጀመረ። “ከምቲ ዝበልካዮ፡ ካብ ምቅሊት ዕዮኦም ዝዀብለሉ ዓይንን እዝንን ጥራይ ኣይኰኑን። መልሓስን ቈርበትን ውን ኣብ ቦታ ስርሖም የለውን። መልሓስ ንምስትምቓር ምስ ጥዕናኡ የሎን። ዝመረጾ መቐረት ክንቅርበሉ ብዘይምኽኣልና ብመጠኑ እሓዝን። ቈርበት ንዝድህስሶ ኣከባቢ ከነመቻችእ ብዘይምኽኣልና ውን ከምኡ። ደቂ ዘመን፡ ሜላ ቀይርና ክሳብ እንገጥሞም ነዊሕ ክኸዱ ምዃኖም ክርደኣና ኣለዎ። ከምዚ እንርእዮ ዘሎና ኣብ ጒዕዞ ውን ብዙሓት ግዳይ ይዀኑ ኣለዉ። ንኣፍንጫኦም ብዝስሕብ መኣዛ ጽጌ-ረዳ እንተ ዘይማሪኽናዮም ባዕልና ኢና መስከርቲ ስንፍናና ክንከውን።

“ብቀዳምነት፡ ክሕደት ኣማራጺ ከም ዘይኰነን ፍታሕ ክኸውን ከም ዘይክእልን ምግንዛብ ከድሊ እዩ። እዚ ሓደ ክሕለፍ ዘለዎ መስርሕ ምዃኑ ክንሰማመዓሉ ኣሎና። ሕብረተ ሰባት በዚ መገዲ እዚ ክሓልፉ ኣለዎም። ብኸምዚ ዝበለ ሓርጐጽጐጽ ምስ ዝሓልፉ እዮም ድማ ሓይሎም ዘርእዩ። ደጋፍን ተቓዋምን ዘይብሉ ሃገር ኣበይ ተራእዩ? ስደት ከኣ ዝነበረን ዘሎን እዩ። ሎሚ ትስደድ ጽባሕ ትምለስ። ኣብ በይንና ዘይኰነ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ተርእዮ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ስለ ዘሎ ኣባና ክህሉ ኣለዎ ማለት ግን ኣይኰነን። ብኸምኡ ክንርደኦ የብልናን። ኣብ ዓለም ክህሉ ዘይንደልዮ ነገር ብመጀመርታ ኣባና ክህሉ የብሉን ንምባል እየ። እቲ ኣገባብ ኣባና ኣይተኻእለን። ኣብ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ጥበብን ፍልጠትን ይሓጽረና ኣሎ። ምጽውዋር ኣይለመድናን። ኩልና ከኣ ንነብስና ናይ ሓላፍነት መዓርግ ለጢፍናላ። ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ከኣ ‘ኣንስቲ እንተ በዝሓ ጻሕሊ የሕርራ’ ኰይኑ ነገሩ። ሞያና ዘረባ ጥራይ ኰይኑ። እምበር ደጋፍን ተቓዋምን ምዃን ኣበይ ይተርፍ? ዘይንፈግ መሰል ዜጋታት’ዩ ድማ። እንተ ተኻኢሉስ ኣይጽላእን። ካብ ክልቲኡ ኣብ ሓዲኡ ምህላው መን ከልአ? እቲ ዝጽላእ ልሕለሐ ምክብባር ምስ ዝነግስ እዩ። ደጋፊ ዲዩ ተቓዋሚ? ኣብ ዝደመቐሉ ዲዩ ላንጋ ላንጋ? እናበልና ክንወናጀል ዕዮ ሃገርን ህዝብን ተወንዚፉ ምትራፉ የሕንኽ። ነቶም ናይ ሓባር ረቛሒታት ናበይ ኢና ንድርብዮም ዘሎና? ነንሓድሕድና ክንማጐትን ክንተሃናዀትን ንዝመት ከይንህሉ ምስትውዓል የድሊ። እዚ ብንስሪ ዝወረደ ሓሳብ ቀሊል ብዘይምዃኑ ኣድህቦ የድልዮ። ኣብዚ መዳይ ዘለና ርድኢትን ትዕዝብትን ከነካፍል ጽቡቕ ይመስለኒ። ጉዳይ ተበለጽቲ ሕማማት ከይረሳዕና ሕጂ ውን ሕማምና ነለሊ።” ርግኦ ሓውሲ መደረ ዘረባኡ ደምደመ።

ቤት ናብ ኣዳራሽ ተቐይሩ ኣጀንዳ ኣዕተበ። ርግኦ ዘይወግዓዊ ኣላይነት ዝተረከበ ይመስል። ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎም ርድኢትን መርገጽን ንኸቕርቡ ድማ በብሓደ ዕድል ሃቦም።

“’ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ’ ንዝብል ምስላ ተኸቲለ፡ ብስመን ተመሲጠ ሃሰው ዝበልክወን ፖለቲካውያን ምንቅስቓሳት ይዂና ሲቪክ ማሕበራት ብዙሓት እየን። ኣስማተን ዝፈጥሮ ባህታ መለክዒ የብሉን። ኣብ ውሽጠን ምስ ኣተኻ ግን የስገድግዳኻ። ምስ ስመን ዘይቃደዋ ኰይነን እየን ዝጸንሓ። ዘይምጥቃሰን ይምረጽ። ካብቲ ዘገርም ብሓደ ኣባል ቈይመን ብሓደ ኣባል ጥራይ ዝንቀሳቐሳ ፖለቲካውያን ውድባት ይኹና ሲቪክ ማሕበራት ውሑዳት ዘይምዃነን እዩ። ገሊአን ድማ ናይ ስድራ ቤታት እየን። ኤርትራዊ ደም ይኹን ኤርትራዊ መንፈስ ዘይብለን ውን ኣይተሳእናን። እዚ ንዘሎ ዘይምትእምማን እዩ ዘርኢ። ማዕረቲ ምስ ህግደፍ ዘለወን ምትፍናን እየን ነንሓድሕደን ውን ዝተፋነና። እዚ ድማ መፍቶ ህግደፍ ምዃኑ እዩ። ደሓር ንለይቲ በቚለን ወይ ሓሪረን ስለ ዝሓድራ ኣለዋ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ እትምስክረለን ኣይኰናን። ስለዚ፡ ሂወት ዘለዎ ኣማራጺ ሓይሊ ኣለና ኣይብልን እየ ብወገነይ።” ሰየሞም ኣተንፈሰ። “ህግደፍ ከኣ ንድኽመቱ ባዕሉ’ዩ ዝምስክር። ኣብቲ ዝጥቀመሉ መራኸቢ ብዙሃን ንመልከት። ንልዕሊ 23 ዓመት ንነብሱ ምስ ስርዓት ደርግ እናነጻጸረ’ዩ ዝልፍልፍ። ሕሰብዎ። ‘ምስቲ ዝጭቑነኩምን ዘሳቕየኩምን ዝነበረ ስርዓት እንተ ኣወዳዲርኩምኒ ‘ኣነ እበልጽ’ ክብል ንባዕሉ ኣሪጉ። ‘ቀረብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ እዋን መግዛእቲ ምስ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ብዕጽፊ ወሲኹ’ እናበለ ዝምድር ስርዓት’ዩ ዘሎና። ካብ ህግደፍ ዝኸፍእ ሕማም የሎን። እዚ ዘይተጓሕፈ መን ክጐሓፍ? ግን መተካእታ ይኹን ኣማራጺ ሓይሊ ከኣ የሎን። ኩሉ ወዮ እኳ ኰይኑና።” ተስፋ ቈረጸ።

“በቲ መዓልታዊ ዝቐድሖ ምንቅስቓሳቱ ክመዝኖ ክፍትን እንከለኹ እዚ ሕብረተ ሰብ ንባዕሉ ሓሚሙ እዩ ዘሎ። ሕምቀት ናይዚ ወለዶ ክንሸፋፍን ሞዅ እንተ ዘይበልና ጽቡቕ እዩ። ብግልጺ ክንዛረብ ዘይስተር ሕመቕ እዩ ዘለዎ። ኣቦታትና ድግድጊት ተዓጢቖም ክማጐቱ ውዒሎም፡ ንምሸቱ ሳርማ ስዋ ወይ ፊያስኮ ሜስ ኣውሪዶም፡ ዋንጫ ወይ ብርለ ጨቢጦም እዮም ወጃዕ እናበሉ ክሰትዩ ዘምስዩ ነይሮም። ናይ ቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ናይ ወግዒ ኣብ እንዳ ወግዒ እዮም ዝገብርዎ። እቲ ክማጐቱዎ ዝውዕሉ ኣብ ናይ ምሸት ጸወታኦም ቦታ የብሉን። ኣብ ሓጐስን ሓዘንን ውን ጦብሎቕ ኣይብሎምን። ንኹሉ ነናቱ ይህብዎ። ይኽእልዎ ነይሮም። እንተ ንሕና ኣይከኣልናዮን። ከም ናይ ኣቦታትና ዝበለ ጭውነት ሎሚ ኣበይ ኣሎ? እዚ ዘሎ ወለዶ፡ ምስ ደጋፊ ሻሂ ኣይሰትንዶ ምስ ተቓዋሚ ሰላም ኣይበሃልን እንታይ ቊንቊኛኡ እዩ? ቤት ጸሎት ደጋፊዶ ቤት ጸሎት ተቓዋሚ እናበልካ ጽውያ ኣሎ? የሕፍር። ከመይ ዝበለ ማሕበራዊ ግስርጥና እዩ ወሪሩና ዘሎ ኣይፈልጥን። ድንቁርና ዘዕወሮ ወለዶ ኰይኑ እስመዓኒ።” መስትያት ትዕዝብቱ ኣስዓበ። “ብዓይኒ ታሪኻዊ ሓቅታትን ክውነታትን ክዕዘቦ እንከለኹ እሞ ከኣ ዝኸፈአ እዩ። እቲ ዓባየይ ካብ መወዳእታ ሱሳታት ክሳብ መጀመርታ ሰማንያታት ናይ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዘሕለፈቶ ቃንዛ እዩ ዝረኣየኒ ዘሎ። ናጽነት ክደልዩ ዝወፈሩ ደቃ ኣብ በረኻ ተጣሊሞም፡ ነንሓድሕዶም ክዳመዩ ርእያ መዓንጣኣ ዝሓረረትሉ እዋን። ንሱ ሓሊፉ እናተባህለ ነደይ ከኣ እነሆ ሎሚ ኣረኻኺቡላ። ክልተ ደቃ ክዳመዩ ኣብ ቅድሚ ዓይና ትርኢ ኣላ። ደቃ ነንሓድሕዶም፡ ካብ ዳርባ ቃላት ክሳብ ዳርባ ሓዊ በጺሖም። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ንስርን ማዕበልን እንዕዘቦ ዘሎና እዩ። ውርሻ ዲዩ ጽሕፍቶ ኣይፈልጥን። ኣደይ ከም ዓባየይ ትኽእሎ ዲያ ኣይትኽእሎን እንድዒ። ትወጾ ዲያ ኣይትወጾን እዝጊ ዋናኣ። ምስ ግዜ ዝረአ እዩ። እቲ ክውንነት ግን ከምዚ እዩ ዘሎ። ታሪኽ ይደጋገም ኣሎ። ካብ ታሪኽ ዘይመሃር ሕብረተ ሰብ ኣጋጢሙና ከም ዘሎ ዘማትእ የብሉን።” ስኽሕክሕ እናበሎ ተዛረበ።

“ከምዚ ኩላቶም ዝበልዎ እዩ።” ወሰኸ መቓልሕ።

“ወላ እኳ ኣብዚ ክትብልዎ ዝጸናሕኩም ብኸፊል ይኹን ብምሉእ ዝሰማማዕ እንተ ዀንኩ፡ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ኣሎኒ። ኩልና ኣእዳውና ናብቲ ዘሎ ስርዓትን ተቓወምቱን ኢና እነወጣውጥ ዘሎና። ብዘይካ ንስሪ፡ ዛጊት ናብ ነብሱ ዘመልከተ የብልናን። ንሕናኸ እንታይ ኣበርኪትና? ንጹሃን ክንከውን እንገብሮ ምምጽዳቕ ረብሓ ከም ዘይብሉ ምሕባር ዝውንዘፍ ኰይኑ ኣይረኸብኩዎን።” ርግኦ እንደገና ከማእዝኖም ፈተነ። “ሃገር ባዕልና ኢና ናብ ዕዳጋ ነውርዳ ዘሎና። ድፍረት ኣይትቑጸሩዎ፡ እዚ ስርዓት ተጠሊሙ እምበር ኣይጠለመን። ኣብ ምኽሳሱ ላሕ ኣይንበል። ሽግርና ረጽሚ ትጽቢትን ክውንነትን ዝፈጠሮ እዩ። ሸውሃት ኣዕቢና ተጸቢናዮ፡ ምስ ሸውሃትና ዘይመጣጠን ከኣ ኣጋጢሙ። ኣይተጻወርናዮን ኣይተቐበልናዮን። ናብ ክሲን ወዲ ክስን ከኣ ኣቲና። ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ከምዚ እንገልጾ ዘለና ካብ ኰነ፡ እንታይ ክግበር ይከኣል ናብ ዝብል ንምጻእ። ዝጋነን ፍልልያት ኣሎና ኣይብልን። ጸገምና ጸገም ኣፈታትሓ ግርጭት እዩ ዘሎ። ፍልልያት ክንዲ ምጽባብ ከነግፍሕ ጥራይ ኣውጊሕና ነዕርቦ ኣሎና። እዚ ከኣ መጋደዲ እምበር ትርጒም የብሉን። ምፍዋሱ ግን ከቢድ ኣይኰነን።” ኣቃሊሉ ተዛረበ።

“ንምንታይ ግን ኣጋይሽ ኰንኩም ትቐርቡ? ሕማምና ፈሊጥና እኮ ኢና ፈውሲ ንደልየሉ ዘለና። ሕቶ ብሄራትን ኣውራጃታትን መልሲ ከይረኸበ ጉዳይና ኣይፍታሕን እዩ። ዝተጸቕጣ ብሄራት ኣለዋ። መሰል ብሄርነት ዝተነፍገን ውን ኣለዋ። ሓርነተን፡ ማዕረነተንን መሰለንን ክረኽባ ኣለወን። ቃልስና መበገሲ ዘይብሉ ቃልሲ ዘይምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ወጽዓ ዘበገሶ ቃልሲ እዩ። ዝተዳህካ ኣውራጃታት ኣለዋ። ክርህወን ኣለዎ። እዚ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ዘሎ ዞባዊ ቅርጺ ፈሪሱ ናብ ናይ ቀደም ኣውራጃዊ ኣቃውማ ክምለስ ኣለዎ። እዚ ድማ ብቃልሲ ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ጉዳይ ባንዴራ ብተመሳሳሊ መዕለቢ ክግበረሉ ኣለዎ። እዛ ዘላ ባንዴራ ንህግደፍ እንተ ዘይኰይኑ ንህዝቢ ኤርትራ እትውክል ኣይኰነትን። ሕጽር ብዝበለ ህግደፍን ኣሰራቱን ካብዛ ሃገር ተማሒዎም ክጠፍኡ ኣለዎም። ስልጣን ናብ ዋናታቱ ክምለስ ኣለዎ። እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ብደም ይኹን ብዕላማ ኤርትራውያን ኣይኰኑን። ብምሉኦም ትግራዎት እዮም። መን ካበይ ከም ዝዀነ በብሓደ ክዝርዝሮም እኽእል እየ።” ማዕበል ብነድሪ ገዓረ።

“ከመይ ዝበለ ሹኲሹኳ ዲዩ ሒዙና? መን መሓዊ መን ተመሓዊ ክሳዕ ሕጂ ኣይበርሃለይን ዘሎ።  ኣብ ዑና ኣተሓሳስባታት ዘሎ ሕብእብእ መኣስ እዩ ከብቅዕ? መቸም፡ ዑና ኣተሓሳስባ ከይተጸርገ ዝዓነወ ህድሞ ክንደየናይ ከይህነጽ። ተመላላእቲ ስርዓታት ናይ ሓደ ኣካል፡ ‘ኣንጭዋ ደገን ኣንጭዋ ገዛን’ ተበሃሂሎም እንተ ተፈኻኸሩ ብላሽ እዩ። ካብ ብደረጃ ብሄር ብደረጃ ሰብኣውነት እንተ ተሓስበ እንታይ ክሳራ ኣለዎ? ካብ ብደረጃ ኣውራጃ ብደረጃ ሃገር፡ ኣህጉር፡ ዓለም፡ ኣድማስ እንተ ኣመንና ካብ ምንታይ ንተርፍ? ባንዴራ ትቀየር ኣይትቀየር እንታይ  ለውጢ ኣለዎ?  እዛ ሕብሪ ዝተለኽየት ጨርቂ፡ መለለዪ ካብ ምዃን ሓሊፋ፡ ካብ ጨርቂ ብምንታይ ትፍለ? ኣተሓሳስባናንን ኣረኣእያናን እዩ ክልወጥ ዘለዎ። ስለምንታይ ብሕብሪ ሓሳባት ክንወዳደር ዘይንፍትን?  ማዕበል፡ ሓረግ ወለዶታት ንምንታይ የገድሰካ ኣይፈልጥን። ንምንታይ ንሰብ ብኣተሓሳስባኡ፡ ኣረኣእያኡ፡ መትከሉ ዘይትመዝኖ? ብብቕዓቱ ዘይትግምግሞ? እቲ ኣፍካኸ ክንደይ ይመልኣልካ! ምድጋሙ ኣድላይነት ኣይነበሮን ግን ከምቲ ትብሎ ከም እትበሃል ንምዝኽኻር፡ እዞም ትግራዎት እትብሎም ዘለኻ ሰበ-ስልጣንን ደገፍቶምን፡ ንዓኻ ውን ተመሊሶም ከዳዕ፡ ጠላም፡ ዓጋመ፡ ወያነ፡ ኣንድነትን ካልእን ከም ዝብሉኻ ኣይትፈልጥን ኢኻ ማለት ዲዩ? ነዚ ትብሎን ዝብልዎን ገዲፍና ብመሳልል ኣተሓሳስባ ናብ ደረጃ ምርድዳእ ክንድይብ እንተ ንፍትን ምሓሸ። ግዜ ኣይነጥፍእ። ክንረዳዳእ ከም ዘይንኽእል እንተ ተረዳዲእና ውን ሓደ መዕለቢ እዩ። ዝነብሕ ይነብሕ፡ እቲ ዝምርሽ ከኣ ይምርሽ። ካብዚ ጨምለቕለቕ እዚ ኣውጽኡና በጃኹም። ኣብ እንዳ ሰብ ኢና ዘሎና።” መነጸር ኣንጸርጸረት። ዝባኸነ ግዜኣ ይረኣያ ነበረ።

“ተላኢኽኪ ዲኺ መጺእኪ? መበጻጽሒት! ካብ ንስሪ እኮ ከፊእክኒ። ንናይ መን ዕላማ ኢኺ ተነኣእሲ ዘለኺ? ኣፍኪ ዘይትሕዚ! ወያነዶ ዓጋመ እንተ በሉኒ ኣይግድሰንን’ዩ። ዝበሉ እንተበሉ፡ ኢሎም እዮም ዝተርፉ። ኣነ ጽሩይ ኤርትራዊ ምዃነይ ኣይጠራጠርን እየ። ክንደይ ኣዲኣ ትደርቕ እያ በጃኻ…. ቀፋጽ!”

“ማዕበል፡ ጸርፊ ንጸራፊኡ’ዩ። ብዛዕባ ድርቅናይ ይጽሓልና። ናይ ምብጽጻሕ ውን ሸለል ንበሎ። ከምኡ ዝገብር እዩ ከምኡ ዝነግር። ከምቲ ‘ኢሎም እዮም ዝተርፉ’ ዝበልካዮ፡ ኢልካ ከም ትተርፍ ዘይምፍላጥካ እዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። ኤርትራዊ ብዛዕባ ምዃኑን ዘይምዃኑንከ መን ኣሎ ዝጠራጠር? ኣኺሉና ክኢላታት ምጽራይ ዓሌትን ዓሌታውያንን ኴንና ተርሪፍና? ካብኡ ንውጻእ እዩ ዘረባይ። ኣበይ ግን ይርደኣካ ንስኻ?” መነጸር ተመዓተቶ። “ምጽልላምን ምቁልላብን ከይገደፍናዮ ዘረባና ዝዓርፍ ኣይኰነን። ንፍርሒ ብትብዓት፡ ንሓሶት ድማ ብሓቂ ገኒዝና ክንዛረብ እንተ ደኣ ኴንና፡ ፈውስና ንምርካብ ዘድክም የብልናን። ልዛዮም ዘይጸረጉ ዓበይቲ ቈልዑ፡ ኣይኰነንዶ ክመርሑ፡ ክምርሑ ዘጸግሙ እዮም ክንመርሕ ዝብሉ ዘለዉ። ‘ሕማቕ ዘበን ብዓል ጋዕሳ ኣለዋ’ ዲዩ ዝተባህለ? ሕማሞም ሕማም ስልጣን እምበር ቅንጣብ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን የብሉን። ኣካይዳኦምን ኣዘራርባኦምን እኹል ምስክር እዩ። በዚኦምን ከምዚኦምን ዲዩ ህዝብን ሃገርን ክድሕን? ብኣንጻሩ ክንደይ ለባም፡ ክመርሕን ከብርህን ዝኽእል ርእሱ ኣድኒኑ ብጓሂ ሓሪሩ ይሓድር ኣሎ።” ርእይቶኣ ናብ ኩሎም ኣቕነዐቶ።

“ንምዃኑ ብብረት ዝፍታሕ ጉዳይ ዲዩ ዘሎና?” ንስሪ ሕቶ ኣበገሰ።

“በቲ ዝርደኣኩም እንተ ዘየረዲእናኩም ደኣ ብዓል ንስኻ ኣበይ ክትሰምዑ!” ማዕበል ብትዕቢት መለሰሉ።

“ምርጫኻ ከኽብረልካ ድሉው እየ። እቲ ውጽኢት ግን ባይታ’ዩ ዝፈርዶ።” ንስሪ ኣፍኣመሉ።

“ትምጕት ሓዲርና መዛዘሚ እንተ ዘይገበርናሉ ክሳራ ምዃኑ ኣይተርፎን። ዝተኻዕወ ክንሓፍስ ንኽዕዎ ዘሎና ይበዝሕ። ቂም ኣብ ኩርምትና ቀርቂርና ለይቲ ምውጋሕ ይኣብየና ኣሎ። እቲ ፍታሕ ኣብ ሕድገት እዩ ዘሎ። ጽድቂ ኣብ ንስሓ ሰላም ኣብ ሕድገት እየን ዝርከባ። እንተ ዘይኰይኑ መዋእልና ኣብ ሓጥያትን ኲናትን ኢና ክንነብር። ካብ ዕሽነትናን ድንቁርናናን ዘገላግል ቤት ትምህርቲ ሕድገት ምምስራት የድሊ ኣሎ። ሕድገት ንላመድ። ካብዚ ንላዕሊ ዝዛረቦ የብለይን። ወደሓንኩም።” መነጸር ተበገሰት።

“ወዲእና ኢና መነጸር። ብሓደ ክንወጽእ ኣይትተሃወኺ።” ርግኦ ንኽትጸንሕ ተማሕጺኑ፡ ናብቲ ክብሎ ዝደለየ ኣበለ። “ግዜ ዝኸደ ይመስል ኣሎ። ክንደይ ስራሕ ገዲፍና ዝመጻእና ውን ስለ ዘሎና ንሎሚ ኣብዚ ይኣኽለና። ሕጂ ውን ንነብስና ክንፍትሽ እየ ደጊመ ክላቦ ዝደሊ። ዘዝስመዓና ኢልና ኣሎና። ከምዚ ዝዕዘቦ ዘለኹ ረስንና ኣብ ጥርዙ እዩ ዘሎ። ዝመጽእ ሰሙን ክንቅጽል ኢና። ኣብ ህድሞና ንራኸብ። ክሳብ ሽዑ ሰሰናዩ ንኹልና።” ነቲ ዝሓደረ ክትዕ መዕጸዊ ገበረሉ።

ከም ዝተቐበልዎ ዘስምዕ ድምጺ ናይ ኩላቶም ብሓባር ተሰምዐ። ኣካይዳኦም ከም ኣመጻጽአኦም ነበረ። ኬድና ዘይብሉን በዚ ከይዶም ከይበልክዎምን ካብ ገዛይ ተሰወሩ። ደርፊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ግን ገና ትቕጽል ነበረት።

4ይ ክፋል  ይቕጽል . . . . . .

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?