Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስጢራዊ ጋዜጠኛ

ምስጢራዊ ጋዜጠኛ

3
By Mekonnen T. on May 16, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ተሞልሶ

ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሕለፍኩዎ ምስጢራዊ ስራሕ ጋዜጠኝነት ክጽሕፍ ካብ ዝሓስብ ዳርጋ ሽዱሽተ ወርሒ ሓሊፉ። ብጕዳይ ፖለቲካ ድሕሪ ምእሳረይ ጭፍራ ህግደፍ ኣንጻር ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ግፍዒ ዘጋልጸሉ ዕድል ብሃንቀውታ እጽበ ነይረ። ገና ኣብ ቤትማሸርቲ ከለኹ ጭፍራ ህግደፍ ነቲ ክጥጥዕ ጀሚሩ ዝነበረ ውልዶ ናጻ ፕረስ ክዓግቶ’ዩ ዝብል ግምት’ውን ኣብ ልበይ ሓዲሩ ኣይፈልጥን። ኣብ 1998 ኣብቲ ህግደፍ ቀዳማይ ወራር ኢሉ ዝጽውዖ ኵናት ዳርጋ ኩላተን ጋዜታታት ብሕቲ ኣብ ውድዓዊ ኵነታት ተመርኵሰን ይጽሕፋ’ኳ እንተ ነበራ፡ ዳርጋ ንመንግስቲ እናደገፋ’የን ዝጽሕፋ ነይረን። ዝኾነ ጋዜጣ ሻርነት ከይሓዘ ጽሒፉ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ጋዜጣ ህላዌኡ መብቅዐ፡ ኣዳላዊ ናይቲ ጋዜጣ ድማ ከዳዕ ተባሂሉ ምተዳጐነ ነይሩ።

ብዝኾነ ኣብ ግንቦት 2000 ሰራዊት ኤርትራ ካብ መዛግቡ ተደፊኡስ ሓደ ሲሶ መሬት ኤርትራ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝብል ሰበር ዜና ተፈንዩ።  ሽዑ ኣብ ቤትማእሰርቲ ጸጸራት ኮይነ ቢቢሲ ምስ ኤርትራውያን እሱራት ኵናት ዘካየዶ ቃለመሕትት ክሰምዖ ከለኹ፡ እታ (ድምጺ ሓቂ) ተባሂላ እትጽዋዕ ኤሪቲቪ ወይ ድማ ድምጺ ሓፋሽ ብዛዕባቲ ኵናት ንፈውሲ ማሕላ’ውን ሓንቲ ቃል ኣየተንፈሳን ኣጽቅጥ ኣቢለን። ጭፍራ ህግደፍ ንስዕረቱ ናይ ምሽፋን ፈተነ ልሙድ ኣሰራርሓኡ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኹ ግን ሓንሳብ ጥራይ ከም ገለ መሊቛቶ ኣብ ወርሒ ክልተ 1992 ድምጺ ሓፋሽ፡ “ሰራዊት ጸላኢ ማዕበል ብማዕበል ንመዛግብ ሰራዊት ኤርትራ ድሕሪ ምጥቅዑ ንባድመ ክቈጻጸር ክኢሉ” ዝብል ድምጺ ብተደጋጋሚ ኣቃሊሓ። ነቲ ዜና ዝሰማዕና እሱራት ኣዝዩ ደንጸወና። ኣብቲ መጀመርያ ነእዛንና ክንኣምነን’ኳ እንተ ሸገረና ክልተ ሰለስተ ግዜ ምስ ተደግመ ግን ክንኣምን ተገዲድና።

ሳዕቤን ናይቲ ሳልሳይ ወራር እናተባህለ ዝጽዋዕ ኵናት ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝነበረ ኣብ መሪሕነት ጭፍራ ህግደፍ ሓደ ዓቢ ነቓዕ ፈጢሩ። እቶም ንጽገና ዝጠልቡ ዝነበሩ ሚኒስተራትን ገለ ኣባላት ባይቶን ብዛዕባቲ ኵናት ገምጋም ክግበር ጠሊቦም ኢሰያስ ኣፍወርቂ ግን ዕጭ ሓንፊፉ። ከም ሳዕቤን ድማ ነተን ሽዑ ዓምቢበን ዝነበራ ብሓትውያን ጋዜጣታት ንግጉይ ኣመራሓን ፖሊሲን ናይ ኢሰያ ንምቅላዕ ክጥቀሙለን ጀሚሮም። ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ቃለመሕትት ክገብራሎም ስለ ዝጀመራ ኣንጻር ጭፍራ ዝነበረ ድጕል ተቃውሞ ዝያዳ ክንህር ተራእዩ። ብሓጺሩ እተን ብሕታውያን ጋዜጣ ናይቶም ለውጢ ዝሓተቱ ሚኒስተራት ወይ ጕጅለ 15 ቀንዲ ማዕከናት ዜና ኮይነን።

ገለ መዓልታት ድሕርቲ ሳልሳይ ወራር እናተባህለ ዝጽዋዕ ካብ ቤትማእሰርቲ ጸጸራት ብዋሕስ ወጺአ። ውጽእ ምስ በልኩ ድማ ብርዒ ስም ተጠቒመ ናጽነተይ ከስተማቕር ክደሊ ባህርያዊ ነይሩ። እቶም ናጻ ፕረስ ተፈቒዱ ኢሎም ብዘይ ናይ ብርዕ ስም ብምጽሃፎም ግዳይታት’ቲ ጨካን ጭፍራ ዝኾነኡ ሰባት ኣመና’ዮም ዝደንግጹኒ። ሓደ ካብኣቶም እቲ ዝፈትዎ ዓርከይ ናጻ ጋዜጠኛን ምኵር ሰኣላይን ስዩም ጸሃየ ነይሩ። ስዩም ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ክፍሊ ሃንደሳ ተመዲቡ እናሰርሐ ከሎ ናጻ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮ ንኡስ ቡርጅዋ ተባሂሉ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኣትዩ ከም ዝነበረ እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ ኣብ ጋዜጣ ዓንቀጻት ክጽሕፍ ከሎ ንድሕነቱ ክብል ብሓቀኛ ስሙ ከይጽሕፍ አጠንቅቖ ነይረ። እንተኾነ፡ “ስዩም፡ ካባይ ክትመሃር ኣለካ። እዚእእቶም ኣራዊት ስለ ዝኾኑ ምድጓን’ዩ ስርሖም ኣይምሕሩኻን’ዮም” ክብሎ ከለኹ፡ “ካብ ምእሳር ሓሊፎም እንታይ ከይገብሩ፡” ዝብል መልሲ ይህበኒ ነይሩ። ብርግጽ ኣብቲ ግዜ’ቲ ንሱ ይኹን ካልኦት ጋዜተኛታት ንልዕሊ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት ሰብ ኣብ ዘይርእዮም ቦታ ክዳጐኑ’ዮም ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ክቕልቀል ዝሕሰብ ኣይነበረን። ኣብ ጥቓ እንዳ ሉፓኖ ኣብ እትርከብ ባር ገደም ቢራ እናሰተና ኣዕልል ድሕሪ ምምሳይና ኣብ ሰሙና ከም ዝተኣስሩ ጽቡቕ ገይረ’የ ዝዝክሮ።

ናብ ነጥበይ ንምምላስ፡ ሰሙን ስዩም ድሕሪ ምእሳሩ ካብቲ ፍሉይ ቤትፍርዲ እናተባህለ ዝጽዋዕ ዘይሕጋዊ መጋባእያ መጸዋዕታ መጽኣኒ። እቶም ብዛዕባ ፍትሕን ሕግን እንዶ ዘይብሎም ሰባት፡ እቲ ቀንዲ መእሰርየይ ዝነበረ ፖለቲካዊ ክሲ ስለ ዝፈሸለ ብሸለልትነትን ቍጠባዊ ሽርሕን ወንጂሎምኒ። ቀንዲ መእሰርየይ ኣባል ህግደፍ ምዃን ስለ ዝኣበኹን ንወደይ ድማ ንመዘከርታ ሙሴ ተስፋንኪኤል (ኣብ 1973 ኣብ ህሓሓኤ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ዘለዓዓለ) ኢለ ሙሴ ስለ ዝበልኩዎ እዩ ነይሩ። ብዝኾነ፡ ነቲ ዝተረፈኒ ሸውዓተ ወርሒ (ብድምሩ ኣርባዕተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን) ወዲአ ድሕሪ ምውጽአይ ብዕድል ኣብ ወንገቦ ሺፒን ኤንድ ቻርተሪን ዝብል ትካል ስራሕ ጀሚረ። እቲ ትካል ሓንቲ መርከብ ዝውንን ኮይኑ፡ እታ መርከብ ኣብቲ ክቡር ስም ዘለዎ ናይ መራክብ ደረጃ ዝውስን ብስም ዲኤንቪ (DNV ማለት Det Norske Veritas) ዝብሃል ኖርወጃዊ ትካል ዝተመዝገበት እያ ነይራ። ኣቐዲሙ ከም ዝተገልጸ እቲ ትካል ዓርኪ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝኾነ ዳዊት ብርሃነ ዝውነን’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣቶ ዳዊት ብርሃነ ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ሓቲቱ ዝነብር ዘሎ ዜጋ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ወንገቦ ምስራሕ ንዓይ ብብዙሕ ነገራት’ዩ ጠቒሙኒ። ምኽንያቱ፡ እቲ ትካል ንዝበዝሕ ሰብ ንብረት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ይመስሎም ስለ ዝነበረ ነቲ ክወቕዖ ዝደለኹ ናይ ምስጢራዊ ጋዜጠኝነት ዕላማ ከም ውሑስ ቦታ ወይ ደጀን ከገልጊለኒ ክኢሉ።

እቲ ካልኣይ ንምስለይ ዝቐየሮ እወታዊ ነጥቢ በዅሪ መጽሓፈይ ሮዛን ሰሌን ነይራ። እታ መጽሓፍ በጋጣሚ ኣብ ወንገቦ ሺፒን ስራሕ ምስ ጀመርኩ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ዝተሓትመት ኮይና፡ ገንዘባዊ ዓቕሚ ስለ ዘይነበረኒ ኣሕታሚ እቲ ብህግደፍ ዝውነን ኣሕተምቲ ሕድሪ ነይሩ። እታ መጽሓፍ ከም ቅጽበት ብኣንበብቲ ክትፍቶ ከላ ብሰንካ ናብ ቤትጽሕፈት ህግደፍ ክመላለስን ምስ ሓላፊ ባህላዊ ጕዳያት ህግደፍ ዘምህረት ዮሃንስ ክራኸብን ባህርያዊ ነይሩ። ብኸምዚ ድማ እቶም ጸይቀዕሉላት ናይ ጸጥታ ሰባት ከም ናቶም ሰብ ክወስዱኒ ቀሊል ነይሩ። ኣብ ቲቢኤረ ብድምሩ ሰለስተ ግዜ ቃለመሕትት ስለ ዝገበርኩ ድማ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ከም ኣማኒ ህግደፍ ክወስደኒ ባህርያዊ ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ ወንገቦ ሺፒን ንህደፍ ብብርዐይ ከጥቅዓሉ ዝኽእል ምቹእ መዝገብ (ድፋዕ) ከም ዝነበረ ክፍለጥ ይግብኦ። ህግደፍ ንህዝቢ ሓቀኛ ሓበሬታ ምሃብ እቲ ከም ዝኸፍአ ዕንወት እዩ ዝቘጽሮ፡ ምኽንያቱ ንህዝቢ ቅኑዕ ሓበሬታ ምዕጻው ከም ቀንዲ መትከሉ እዩ ዝወስዶ።

ኣብ ወንገቦ ሺፒንግ ናይ 24 ሰዓት ስልኪ ኣልቦ (ዋይርለስ) ኢንተርኔት ቅልጡፍ ኣገልግሎት ስለ ዝነበረና፡ ንመርበብ ሓበሬታ ዓዋተ መዓልታዊ ብተገዳስነት’የ ዘንብባ ነይረ። ኣብ መጀመርያ ምስ ሓላፍቲ ዓዋተ ክራኸብ ኣብ ዝፈተንኩሉ ግዜ ግን ገለ ቴክኒካዊ ጸገማት ኣጋጢሙኒ ነይሩ። ምኽንያቱ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሃንደበት ከም ጋዜጠኛ ብወለንታ ክሰርሕ ክብሎም መታን ናይ ኢመይል መልእኽቲ ምስ ሰደድኩሎም፡ ‘እዚ ድማ ሓደ ክጻረፍ ዝደለየ ኣባል ህግደፍ’ዩ፡’ ዝብል ጥርጣረ ግዲ ኣሕዲሮም ንመልእኽተይ ጸማም እዝኒ ሂቦሞ። ትም ኣይበልኩን ደጊመ መልእኽቲ ምስ ሰደድኩሎም ሳልሕ ዩኑስ ብእወታ መለሰለይ። ድሕርዚ ብንጽህና ከገልግል ዝደሊ ናይ ሕልና እሱር ዝነበርኩ ሰብ ከም ዝኾንኩ ምስ ሓበርኩዎ ንዓመታት ከም ንፋለጥ ኴንና።

ካብ ሽዑ ጀሚረ ድማ ሌተነንት ተስፉ ኪዳነ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ምስጢራዊ ጋዜጠኛ ኮይነ። ምሉእ ዘይጕዱል ኣገልግሎት ኢንተርኔት ስለ ዝነበረኒ ነቲ ስራሕ ብዕቱብ’የ ተተሓሒዘዮ። እቲ ዝጽሕፈሉ ዝነበርኩ ቦታ ኣዝዩ ህዱእ ኮይኑ፡ ላፕቶፕን ዩኤስቢን ድማ ነይሩኒ። ነቲ ክጽሕፎ ዝደሊ ዜና ኣብ ብርግኣት ኣብ ላፕቶፕ ጽሒፈ ከብቅዕ ድሕሪኡ ኣብ ዩኤስቢ ኣስጊረ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ከይኣተወ ከሎ ነቲ ዜና ናብ ዓዋተ እሰዶ። ንጽባሒቱ ኣብ ገጻት ዓዋተ ኣብ ኣኼባ ህግደፍ ዝተባህለ፡ ወይ ድማ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ዘጋጠመ ፍጻሜ ቃል ብቓል ይሰፍር። ምስጢራዊ ጋዜጠኛ ምኳን ግን ማይ ሞት ፍርዲ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ከም ምኻድ’ዩ ዝቝጸር። ብዝኾነ፡ እናተሸቝረርኩ ንክልተ ዓመትን ፈረቓን ዓዋተ ንኣነብታ ነቲ ሓቀኛ ህሉው ኵነታት ኤርትራ ክተንጸባርቕ ክኢላ። ድሒረ ግን ሚኒስተር ዜናን ፕሮፓጋንዳን ናይቲ ስርዓት ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ፡ ካብ ኤርትራ ዜና ዝተሃላልፍ ዘሎ ሰብ መን ምዃኑ ክፈልጥ ስለ ዘይከኣለ፡ ገለ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ጥርታረ ኣሕዲሩ። ምንጪ ናይቲ ዘተሃላለፍ ዘሎ ዜና ንምርካብ ድማ ንገለ ኣባላት ዜና ፓስዎርድ ናይ ኢመይሎም ክህቡዎ ከም ዘገደዶም ምስ ሰማዕኩ ኣዝየ ሓዚነ። ገለ ካብኣቶም ክእሰሩ ከለዉ ገለ ድማ ከም ዝሃደሙ’ውን ተወርዩ ነይሩ። ኣብ ኤርትራ ብወግዒ ዝግለጽ ነቲ ስርዓት ዝወቅስ ዜና ስለ ዘየሎ እዩ’ምበር፡ ጋዜጠኛን ተዋሳኣይን ጳውሎስ ኪዳነ ንሱዳን ክሰግር ከሎ ሞይቱ ተባሂሉ። በቲ ስርዓት ከም ዝተቐትለ ዝዛረቡ ሰባት’ውን ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ምስጢራዊ ጋዜጠኛ ምዃን ኣዝዩ ክቡር ዋጋ እዩ ዝኽፈሎ። ኣነ ክኸውን እኽእል ወይ ንስኻ ኣዝዩ ሓደገኛ ዕማም’ዩ።

ኣብ 2008 እቲ ኵነታት ኣዝዩ ተኣፋፊ እናኾነ ስለ ዝመጽአ ክሽቍረር ጀሚረ። ርግጽ’ዩ ማንም ብዛዕባይ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን፡ ነቲ ስራሕ ክቕጽሎ ግን እምብዛ ክኸብደኒ ጀሚሩ። ዘይርጉእን ሓራቕን ክኸውን ድማ ጀሚረ። በዓልቲቤተይ ጠባየይ ይቀያየር ከም ዘሎ ክትዕዘብ’ኳ እንተ ኸኣለት፡ እንታይ ከም ዝወረደኒ ክትፈልጥ ግን ከቢድ ነይሩ። ገለ ካብቲ ጠባያተይ፡ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ’ቲ ስርዓት ብእወታ ካዛረብ እንተ ሰሚዐ ብነድሪ ምቅዋም ነይሩ። ሓደ ምሸት ኣብ ባር እስጢፋኖስ ምስ ሓደ ሰብ እናዕለልና ከለና ሓደ ሕውስ ዝበለና ሰብ ንስርዓት ህግደፍ ክውድስ ምስ ሰማዕኩዎ ምስኡ ርሱን ክትዕ ጀሚረ። እቲ ምሳይ ዝነበረ ሰብ መታን ክዕገስ ብእግሩ ክትንክፈኒ ጀሚሩ። ኣነ ግን ኣይሰማዕኩዎን ኣብ እዝኒ ህግደፍ እንተ በጺሑ ከእስረኒ ዝኽእል ቃላት እዛረብ ነይረ። ኣብ ካልእ ምሸት ክልተ ቢራ ሰትየ ብታክሲ ንገዛይ እናኸድኩ ከለኹ ዋና ታክሲ ንሕጽረት ነዳዲ ዝምልከት ዕላል ምስ ጀመረ ንስርዓት ህግደፍ ጭርግፍ ጭርግፍ ኣቢለዮ። ከምዚ ዓይነት ነገራት ምስ ገለ ሰባት ቢራ ክሰቲ እንተ’ምስየ እዩ ዘጋጥም ነይሩ። ስለዚ፡ ስግኣተይ እናዛየደ ክመጽእ ግድነት ነይሩ። ሓደ መኦኣልቲ ግን ሓደ ብደገ ዝመጽአ ተኣሲረ ከም ዝነበርኩ ዝፈልጥ ነባሪ ሽወደን ዝኾነ ሰብ ዕላል ምስ ጀመርና ብዘረባ ዘረባ፡ መንግስቲ ብመንገዲ ቴለኮሙኒኬሽን ኢመይላት ክኸፍት ከም ዝኽእል ሓቢሩኒ። ድሕሪኡ ምስጢራዊ ጋዜጠኛ ኮይነ ነዊሕ ክቕጽል ከም ዘይክእል ብምግንዛብ ምቹእ ግዜ ከለኒ ክወጽእ ኣለኒ ኣብ ዝብል ውሳኔ በጺሐ።

ሕጂ ድሕሪ ኣስታት ሸውዓተ ዓመታት ዓሊ ዓብዱ ሌተነንት ተስፉ ኪዳነ እናተባህለ፡ ምስጢራዊ ጋዜጠኛ ዓዋተ ብምዃን From The Belly of the Beast (ካብ ውሽጢ ከብዲ ኣራዊት)ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዜና ዘተሓላልፍ ዝነበረ ንሱ ምዃኑ ምስ ጸሓፈ ግብረ መልሲ ክጽሕፍ ወሲነ። ዓሊ ዓብዱ ንምስጢራዊ ስራሓት ጋዜጠኝነት ከቢድ ዋጋ ከም ዝኸፈለሉን ምስ ኢሰያስ ቀንዲ መጋራጨዊኡን ካብ ሃገር መዀብለሊኡ ምኽንያት ንሱ ከም ዝነበረን’ውን ሓቢሩ። እቲ ሓቂ በንጻሩ ስለ ዝኾነ ግን ተወሳኺ መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ዓሊ ዓብዱ እቲ ቀንዲ ተጻባኢ ናይ ናጻ ፕረስ ብምዃን ዋና መጋበርያ ኢሰያስ ከም ዝነበረ ኵሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ከምኡ መበሊኡ ግን ሌተነንት ተስፉ ኪዳነ ሞይቱ እዩ’ሞ ዝብድሃኒ ሰብ የሎን ዝብል ግምት ኣሕዲሩ ይኸውን። ናጻ ፕረስ ኤርትራ ግዳይ ዓሊ ዓብዱ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ንዑኡን ከይሰገዱ ብንጽህና ብሞያኦም ክሰርሑ ብምፍታኖም ኣደዳ ማእሰርትን ስቓይን ኮይኖም።

ንምድምዳም፡ ነዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት ነቶም ብርሃን ሽግ ናጻ ፕረስ ሃልሃል መታን ክትብል ህይወቶም ዘወፈዩ ጋዜጠኛታት ንምዝካር ኢለ ከም ዝኾንኩ እናሓበርኩ፡ ሓንቲ መዓልቲ ካብ ውሽጢ ናጻ ኤርትራ ኣፍልብና ነፊሕናን ካብ ዝኾነ ተጻባኢ ሓይሊ ከይሰጋእናን ክንጽሕፍ ከም ዝኾንና ርግጸኛ እየ። ንእግረ መንገደይ ግን ነፍስወከፍ ጋዜጠኛ ንመራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ብምግባር፡ ነቶም ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮ ዝሳቐዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ክፈትሖም ኣበርቲዖም ክሰርሑ ጻውዒት ከቕርቡን እምሕጸን። ናጻ ፕረስ ንዘልኣለም!!!

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleወግዓዊ ጽንብል
Next Article ኤርትራዊ ክንድምንታይ መሬት’ዩ ዘድልዮ?
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

3 Comments

  1. bahlbi on May 16, 2015 6:39 pm

    Jigna

  2. Anonymous on May 17, 2015 1:05 pm

    😈

  3. Ande Berhane on May 17, 2015 2:32 pm

    እስቲፍ ጽቡቕ ስራሕ ጅግና የቐንየልና

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?