Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, June 8, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስትምቓር ግጥሚ “የቐንየለይ ወርሒ”

ምስትምቓር ግጥሚ “የቐንየለይ ወርሒ”

0
By Mekonnen T. on August 20, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብኣማኑኤል በርሀ

ኣርእስቲ ፡ የቐንየለይ ወርሒ
ደራሲ ፡ ብርሃነ ገብረሂወት
ቅዲ ፡ ኣዘንታዊ
ግዜ ፡ 2013

ንግጥሚ “የቐንየለይ ወርሒ” ፈለማ ምስ ኣንበብክዋ ኣዘንታዊት ምዃና በሪሁለይ። ደሓር ድማ ኣብ’ዛ ግጥሚ ዘሎ ገጸ ባህሪ መን’ዩ? እቲ ግርጭትከ ምስ መንን ስለምንታይን ኢዩ? እቲ ዛንታ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ይዓልብ? እቲ ምከናኸ መዓስን ኣበይን ኢዩ? ዝብሉ ሕቶታት ምእንቲ ክንጽሩለይ ደጋጊመ ኣንቢበያ።

ኣብ’ዛ ግጥሚ ብዘይካ’ቲ ኣዘንታዊ፡ ንጸሓይን ወርሕን ዘይተነጸሩ ደመኛታት ኣዘንታውን ሓዊስካ ኣርባዕተ ገጸባህርያት ኣለዉ። ኣዘንታዊ ብመልክዕ ምስ ወርሒ ዝገብሮ ዝርርብ’ዩ ዛንታኡ ዝነግር። ኣዘንታዊ ካብ’ቶም ምኽንያት ግርጭቶም ዘይተገልጹ ደመኛታቱ ተሓቢኡ ክጓዓዝ’ዩ መደቡ። እንተኾነ ግን ጸሓይ ንመሬት ኳዕ ኣቢላ መሕብኢ ምስ ከልኣቶ፡ ምስ ደመኛታቱ ከምዝወገነት ሓሰባ። ጸሓይ ምስ ተኸወለት ከኣ ንሱ’ውን ካብ ደመኛታቱ ተኸዊሉ ጒዕዞኡ ጀሚሩ። ናበይ?

እቲ ግዜ ድሕሪ ጸሓይ ዕራብ’ዩ። እቲ ዝጓዓዘሉ ዘሎ መንገዲ ድማ ብመሰናኽላት ዝተመልአ። ጸሓይ ጠንቂ ናይ’ቲ ዛንታ’ኳ ኣንተኾነት፡ ካብ’ቲ ዛንታ ቀልጢፋ ተወንዚፋ’ላ። በታ መጓጅምቱ ዝኾነት ወርሒ ድማ ተተኪኣ’ላ። ድሮ ግን ነቲ ጒዕዞ ወርሒ ከይወጽአት ከላ’ዩ ጀሚርዎ ጸኒሑ። ኣብ’ቲ እሾዂን ተኾርባን ዝመልኦ ጒዕዞ ክጋደል’ዩ ጸኒሕዋ – ንወርሒ። ብርሃና እናለገሰት ድማ ምስኡ ክትደናገጽ ጀመረት። ክሳብ ኣጋ ጽሓይ ብራቕ ከኣ ኣብ ጒዕዞኡ ኣሰንያቶ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ ሞንጎ ኣዘንታውን ወርሕን ዝተኻየደ ዝርርብ ናይ ደቓይቕ ኮይኑ፡ እቲ ጒዕዞ ድማ ካብ ድሕሪ ጸሓይ ምዕራባ ክሳብ ኣጋ ምብራቓ ግዜ ወሲዱ ማለት’ዩ። እቲ ዛንታ ከኣ እቲ ጒዕዞ ኣብ ምዕራፉ ከይበጽሐ ይዛዘም።
እቶም ደመኛታቱ ደሓን ዋላ’ውን ኣይገለጹ፡ እቲ ገጸ ባህሪ ግን መወዳኣታኡ ኣብ ምንታይ ዓለበ? ዋላ’ኳ እቲ ጒዕዞ ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ እንተኾነ፡ ገና ግን ካብ ገጽ እቶም ደመኛታቱ ኣይተኸወለን ዘሎ። ስለ’ዚ ሕጂ’ውን ተሓቢኡ ውዒሉ ምሸት’ዩ ነታ ዝተረፈቶ ሓጻር ጒዕዞ ክቕጽላ ማለት’ዩ።
ጸሓይ ግን ንመደብን ሓሳባትን ናይ’ቲ ገጸባህሪ ኣይትፈልጦን’ያ። እሞ ከመይ ኣቢሉ ደኣ ስለ ዘይተኸወለትሉ ጥራይ ምስ ደመኛታቱ ከምዝጸግዐት ይኸሳ’ሎ? ራእይእይ እንታይ ምዃኑ ከይፈለጠትከ ከመይ ኣቢላ ራእይኡ ንምድብዛዝ ክትብገስ ትኽእል። ከውሊ ይደሊ ከምዘሎ’ውን ክትፈልጥ ኣይትኽእልን’ያ። እቲ ምንታይሲ፡
“ጸሓይ ከዳዕ እታ ዘይጸሓየይ
ንዝባነይ’ምበር ዘይትፈልጦ ውሽጠይ” ካብ በላ፡ ንዝባኑ ብምርኣይ ጥራይዶ ራእይኡ ክትፈልጥን ኣንጻር ራእይኡ ክትቃለስን ትኽእል? ውሽጡ ክሳብ ዘይፈለጠቶስ፡ ብገርሃ ደኣ ስርሓ ክትሰርሕ ኢላ ምስ ወፈረት በዲላቶ ትኸውን’ምበር፡ ምስ ደመኛታት ከም ዝተመሓዘወት ዘኽስሳ ጭብጢ የልቦን። እታ “ዘይትፈልጦ ውሽጠይ” ትብል ናይ ኣዘንታዊ ሓረግ ጥራይ’ኳ ናጻ ከተውጽኣ ትኽእል’ያ።
እቲ ገጸባህሪ ኣብ ኣመና ሕማቕ ህይወት’ዩ ኔሩ። መዓልቦኡ ይጸብቕ ኣይጸብቕ ብዘየገድስ ድማ ካብ ገጽ ደመኛታቱ ክርሕቕ ጥራይ’ዩ ኔርዎ። ነዚ ህይወት’ዚ ከኣ ብግሩም ኣበሃህላ ጌሩ፡ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ይገልጾ።
“ንምስለይ ኣብ ጸላም ቀቢረ
ኣሰረይ ኣብ ከውሒ ኣንቢረ
ይብጽሓዮ ኣይብጽሓዮ
ጒዕዞይ ፈሊመዮ።”
ዋላ ተኸዊሉ ካባኦም እንተርሓቐ’ውን፡ “ኦሮማይ” ኢሎም ዘዕርፉ ደመኛታት ኣይኮኑን ገጢሞምዎ። ኣሰር ኣሰሩ ስዒቦም መከራ ከስዕብሉ’ዮም። ስለ’ዚ ድማ ከውሒ ከውሒ ክረግጽ ተገዲዱ። ክሳብ ኣብ’ዚ ዘሎ ዛንታ ወርሒ ስለ ዘይትፈልጦ’ዩ ዘዕልላ ዘሎ። ብድሕሪኡ ግን ምስኡ’ያ ክትጓዓዝ ሓዲራ። ስለ’ዚ ሕድሮኡ ኩሉ ብዓይና ስለ ዝርኣየቶ ካብኡ ምንጋር ኣየድልያን’ዩ። እንትርፎ ምስጋና ካልእ መብርሂ እንታይ ይባቑጠላ? ምስኻ ትጒዕዝ ንዝሓደረ፡ እቲ ጒዕዞ ከመይ ከምዝነበረ ከተዕልሎ እንተዄንካ፡ ምናልባት ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብመልክዕ ዝኽሪ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ሽዑ ንሽዑ ገና “ቻው” እናተበሃሃልካ ግን ቃላቱን ዝርዝር እቲ ብዓይኑ ዝርኣዮ ጒዕዞን ከመይ ኣቢልካ ትነግሮ!? ምስኡ ተዐልል ዘለኻ ኣምሲልካ እቲ ዛንታ ንኻልኦት ንምንጋር እንተተደልዩ ድማ፡ ኩሉ ብመልክዕ ምስጋና ጥራይ ክኸውን ምተገብአ።
“ባሕሪ ልቦናኻ ናበይ ገይሹ
ብዘይክየድ ትኸይድ ክንደይከ ትዕሹ
ይመልሶ ኣይመልሶ
ተገሪምክስ ደርቢኽለይ ሕቶ”
ብዛዕባ ዝሓተተቶ ሕቶ፡ ኣግርሞታ፡ ለውሃታ ከዋግዓ እንተደልዩ፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ “ትዝክሪዶ?” ብዘስምዕ ቃና እንተዝኸውን ኣእማኒ ምኾነ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ በይኑ ኮይኑ’ዩ ብመንፈስ ምስ ወርሒ ዘዐልል ዘሎ ከይንብል ድማ፡ ገና ካብ ትርኢት ደመኛታቱ ከምዘይተኸወለን ኣብ ጒዕዞ ከምዘሎን በዘን ኣብ መዛዘሚ ዘለዋ ነግሕታት ነጊሩና’ሎ።
“ጒዕዞይ ኣብ ምኽታሙ ጸሓይ ትድሀ’ላ
ምሳይ ድያ ክትውግን ወይስ ከም ኣመላ
ክትርህርህ ክትጭክን ሕጂ’ውን ክመዝና
ደሓን ወዓሊ ወርሒ ምሸት የራኽበና።”
እዛ ካልኣይቲ ነግሒ፡ ገና ካብ መፈንጠራ ደመኛታቱ ከምዘይወጽአ’ያ ትገልጸልና። “ደሓን ወዓሊ” ይብላ ካብ ሃለወ ድማ ፊተ-ፊት ይዛራረቡ ከምዘለዉ ይገልጸልና። ልዕል ኢሉ ግን፡ “እናተለቃሕኪ ኔርኪ ተለቅሒ” ኢልዋ ኔሩ። ምስኡ ካብ ሃለወት ደኣ ሕጂ’ውን እኳ ትልቃሕን ተለቅሕን ኢያ ዘላ’ምበር፡ “ኔርኪ” ዘብል የብላን። ካብ’ታ መሓዛ ደመኛታቱ ዝኾነት ጸሓይ ብርሃን ምልቃሕ እንተተቋርጾ ደኣ ኣብ ቅድሚኡ ኣይምርኣያን።
ነታ ክትደናገጸሉ ዝሓደረት ወርሒ፡ ኣብ ኣጋ ጽሓይ ብራቕ፡ ጒዕዞኣኡ’ውን ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ ተመሳጊኑ ስለ ዝተፋነዋ’ሞ፡ ኣጋውላ ጸሓይ’ውን ገና ምስ መን ከምትውግን ስለ ዘይተፈልጠ፡ እቲ ዛንታ ይወዳእ ኣይወዳእ፡ እቲ ዝርርቦም ግን ተወዲኡ’ሎ። ካብ ዛንታን ገጸባህርን ፍንትት ኢልና ብወገን ጥበብ ገጣማይ ምስ እንዕዘባኸ?
እዛ ኣዘንታዊት ዝኾነት ግጥሚ፡ ጻት ንጻት ብመልክዕ ሰባውነት (personification) ዝቘመት’ያ። እዚ ባእታ’ዚ፡ ምስ ሰባት ብምብህሃል ክትገልጾ ንዘይክኣል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ተመራጺ ጥበብ’ዩ። ብዘይካኡ’ውን፡ ካብ’ቲ ልሙድ ምስ ሰባት ዝግበር ዝርርብ ልሙድ ዝርርብ ወጺእካ መለሳ ንኽትፈጥርን ኣንባቢ’ውን መለሳ ንኽረክብን ስለ ዝሕግዝ ጽባቐ ይፈጥር’ዩ። ኣብ’ዛ ግጥሚ፡ “ብጎቦታትን እሾኽን ሰጊረ፡ ብሓገዝ ወርሒ ጌረ፡ ኣብ ኣጋ ምዝዛም ጒዕዞይ በጺሐ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ንወርሒ ከም ሰብ ኣዝራሪቡን ምስኣ ተዛሪቡን ናይ በይኑ ኩርናዕ ክፈጥር ክኢሉ’ሎ።
ካልእ ኣብ’ዛ ግጥሚ ዘሎ ባእታ ምትዕብባይ (overstatement) ኢዩ። ምግናን፡ ምትዕብባይ፡ ምድምማቕ. . . ስእለ ኣእምሮ ኣብ ምፍጣር ልዑል ተራ ስለ ዝጻወቱ፡ ንግጥሚ ጽባቐ ካብ ዝህብዎ ጥበባት’ዮም።
“ኣንቃዕሪርካ ንዝጥመት ዓቐብ
ዝተርፎ ዘይብሉ ሰማይ ንኸርክብ
ተደፊእካ ንዝጥመት ቁልቁል
ካብ ክትወርዶ ክትዘሎ ዝቐልል።”
ኣብ’ዚ እቲ “ግጥሚ ተዛራቢ ቅብኣ’ዩ” ዝብል ኣበሃህላ ብዝግባእ ተተርጒሙ ንረኽቦ። ምስሊ ናይ’ቲ ዓቐበ-ቁልቁለት ቅጅል ይብለካ። ኣብ’ዛ ግጥሚ ዘለዉ ቀመማት ስእለ-ኣእምሮ፡ እቲ ገጸ ባህሪ ክልሕጸጽ፡ ክብሳዕ፡ ክደሚ፡ ክቑንዞ፡ ኣብ እሾኽ ከንከራሩ. . .ኮታ መከራኡ ክጸግብ ከሎ ብስእሊ ኣርእዮም ምስኡ ከም ትደናገጽ ይገብሩኻ። ንዘይጭበጥ ነገር ምስ ክውንነት ኣመሳሲሎም ዝገልጹ ከም “ባሕሪ ልቦናኻ ናበይ ገይሹ. . . ፡ ጨርቁ ከምዝደርበየ ልቦናይ ደርብየ” ዝብሉ ኣበሃህላታት ድማ፡ ምስ’ቲ ኣቐዲምና ንፈልጦ ስለ ዘተኣሳስራልና፡ ቅልጥፍ ኢለን ናብ ውሽጥና ዝኣትዋ’የን።
ብሓፈሻኡ እዛ ግትሚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ናይ ሓሳባት ምግርጫው ዝፈጥሩ ሓረጋት ቀምቂምካ፡ ብዙሓት ባእታታት ግጥሚ ሓቊፋ ስለ ዝቘመት ጽባቐኣ ብግዜ ዝድወን ኣይኮነን።11923197_663437867124850_4506987560031401783_n

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article መሐንቀቐይ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?