Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስትምቓር ደርፊ ተሓምበለ

ምስትምቓር ደርፊ ተሓምበለ

0
By Mekonnen T. on October 15, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣርእስቲ ደርፊ፡ ተሓምበለ
ደራሲ ሕደማ፡ ኣብርሃም ኣፈወርቂ
ዝተዘርግሓትሉ፡ 2006 ዓ.ም

ተሓምበለ፡ ኣብ ንግደት ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝካ፡ ብከበሮ እናተመራሕካ፡ ፍቕርኻን እምነትካን መብጽዓኻን እትገልጸሉ ወግዒ ወይ ጸወታ’ዩ። እቲ ወግዒ ብመንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ዝጽወት’ኳ እንተኾነ፡ ዓበይቲ እናቐለሱ ደቀንስትዮ ድማ ወሰነን ሒዘን እናደረፋን እና’ጣቕዓን የሰንይዎም። ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ድማ ኩሎም ይሳተፉ። ኣርእስቲ ናይ’ዛ ደርፊ “ተሓምበለ” ምዃኑ ከኣ፡ ከሎ ገና ጥምረትን ፍቕርን ዝጽውዕ ወይ ዝገልጽ ምዃኑ ይእንፍተልካ።
ሓደ ሕደማ መእተዊ፡ ዝርዝር ወይ ቀንዲ ዛዕባን መደምደምታን ሒዙ እንተ ተበጊሱ፡ ስጡም ዋሕዚ ንኽህልዎ ይሕግዝ። እዞም ሰለስተ ኣካላት ንጹራት እንተ ዘይኮይኖም ግን፡ ማይ ቤታት ወይ ነግሕታት እንተ ተገላበጡ’ውን ናይ ትርጉም ፍልልይ ኣይህልዎምን። ኣብ ብዙሓት ናይ ትግርኛ ሕደማታት ከም ዝርኣይ ’ውን፡ ዋላ ገሊኦም ማይ ቤታት ነጢርካዮም’ውን ዝጎድል ነገር ዘየለ ይኸውን። እዚ ድማ እቶም ሰለስተ ኣካላት ብንጹር ከየቖምካ ካብ ምብጋስ ዝመጽእ ድኽመት’ዩ። እዛ ሕደማ ኣብ’ዚ መዳይ ከመይኮን ትኸውን? መጀመርታኣ መእተዊ ክኸውን ይበቅዕዶ?

ንሓዋሩ ከይንውጻዕ፡ ከይንኾን መፍቶ ጓና
ዕብየት ክንጎናጸፍ ዓቕሚ ክህልወና
ብስዉር ሰንሰለት ፍቕሪ ተራኸቡ ኢላ ኣዴና
ብደም ብሉጻት ደቃ ቃል እተዉለይ ኢላትና።

ብሉጻት ደቃ ዘወፈየት ገጸባህሪ ተሃኒጻ’ላ። ብዘይርአን ዘይድህሰስን ሰንሰለት ተጣሚሮም ክነብሩ ድማ፡ ነቶም ዘለዉ ደቃ ብስም ዝሓለፉ ኣሕዋቶም ቃል ክኣትዉ ተማሕጺና’ላ። እታ ኣደ ግን ንረብሓኣ ክትብል ኣይኮነትን ቃል እተዉ ትብል ዘላ። ደቃ ዕብየት ንኽጎናጸፉን መፍቶ ጸላኢ ወይ ጓና ኮይኖም ኣብ ወጽዓ ከይነብሩን ምእንቲ’ያ። ፍቕሪ፡ መሰረት ኩሉ ዕብየትን ቀጻልነትን ምዃኑ ድማ ንደቃ ትምዕድ ኣላ። እቲ ኣብ ኣርእስቲ ዝተፋእመ ኩርናዕ ድማ ኣብ’ዚ መእተዊ፡ “ፍቕሪ” ብዝብል ቃል ተነጺሩ ንረኽቦ። ኣብ’ዛ መእተዊት እታ ኣደ፡ “ተሳኒኹም ንክትነብሩ ቃል እተዉለይ” ኢላ’ላ። ዝቕጽል ማይ ቤት ነዛ ቀዳመይቲ ብኸመይ ክሰጥማ’ዩ? ምስ ተመለሰ ኢዩ ድማ እትግባእ መእተዊት ድያ ኣይኮነትን ዝንጸር።

ሓላል ቤት ደቂ ጽንዓት ብርሃን ክንኩልዓላ
ውሑዳት ግን ብርኩታት ከክንዲ ሽሕ ክንኮነላ
ኣብ ዝኸድናዮ ክንሰምር ምሒልና ጥሒልናላ
ኣብ ነንገብሮ ክንዓስል ኢና ተመባጺዕናላ።

እታ ኣደ: ምእንቲ ክጥዕሞም ተፋቂሮም ክነብሩ ሓደራ ኢላቶም። ደቃ ድማ ከም’ቲ ዝተላበወቶም ኣብ ሓደ ክዓስሉን ሰሚሮም ክነብሩን ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዓኣ’ውን ብርሃን ክኹልዑላ ምዃኖም ቃል ኣትዮሙላ። ንውሑድ ቁጽሮም ብፍቕሪ ከሰስኑ ድማ ምሒሎም ኣለዉ። ምስኣ ይሃልዉ ዋላ ኣብ ካልእ ይሃልዉ፡ ኣብ ዘዝኸድዎ ሰሚሮም ክነብሩ ምዃኖም ምሒሎም ጥሒሎም። እዘን ክልተ ማይ ቤታት ፡ ኣብ ሞንጎ ኣደን ውሉድን ዝግበር ዝርርብ መሲለን ብምቕራብ ስጡምነተን ኣውሒሰን ኣለዋ። ክሳብ ሕጂ፡ ንዝሃበቶም ሓደራ ክትግብሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ኣለዉ። እሞ ተግበሩዶ ጠለሙ? ዝብል ሕቶ’ዩ መልሲ ዘድልዮ – ስጡምነታ እትዕቅብ ሕደማ እንተኾይና።

ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ከይትባኽን
ዘዝበርሀት ሽምዓ ከይትቕህም
ዘዝበቖለት ተኽሊ ከይትቕምርር
ዘዝነቐለት ክእለት ከይትዳኸም፡
ንላዘብዶ ኣለና ንመኻኸር
ንሰምርዶ ኣለና ንተሓናገር?

እዛ ማይ ቤት፡ ምስ ሕልናኻ ክትተሓታተት ካብ ዝቕጽል ማይ ቤታት ናይ’ዛ ደርፊ ከም እትባተኽ’ያ ትገብረካ። ኣደ ንዝተላበወቶ ቃል ኣቲና ኢና’ሞ፡ “ኣብ ቃልናዶ ጸኒዕና ኣለና?” ዝብል ሰፍ ዘይብል፡ ምስ ሕልና ፊተ-ፊት ዘፋጥጥ ሕቶ’ያ ሰንዚራ ዘላ። “ሓደራ’ዞም ደቀይ ተሳኒኹም ንበሩ፣ መፍቶ ኣባይ ከይትኾኑ ብፍቕሪ ተኣሳሲርኩም ንበሩ፣ ብስም ደም ኣሕዋትኩም ቃል እተዉ” ንዝበለት ፈቃር ኣደ፣ “ኣብ ዝኸድናዮ ሰሚርና ክንነብር ኢና፣ ብርሃን ክንኩልዓልኪ ኢና” ኢልካ ተመባጺዕካ፣ ኣብ’ቲ ንጓና ዘርብሕ ምጉጅጃልን ምቅርሓንን ነብሰ ፍትወትን ኣቲኻ፡ ሰንሰለት ፍቕሪ በቲኽካ ዲኻ ትጓዓዝ ዘለኻ ወይሲ ኣብ መብጽዓኻ ኢኻ ዘለኻ ምስ ሕልናኻ ገምጋም ንክትገብር ጻውዒት ተቕርብ ኣላ። እዛ ማይ ቤት’ውን ከም’ታ ኣደ ጻውዒት ኣቕሪባ ድያ ከተስቅጥ ዋላ ንትግባረ መብጽዓ ዝሕግዝ ምኽሪ ወይ ኣንፈት ኣብ ምርካብ ትሕግዝ’ያ?

. . . ኣተሓሳስባና እንተሃብቲሙ
ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኣኽቲሙ።
ድኽነትሲ ይብዳህ’ዩ ኣተሓሳስባ’ዩ እቲ ፈልሲ
ፍቕሪ’ንድዩ ሕመረቱ መሪር ናይ ምንባር ቃልሲ
ኣየ’ወ ነዛ ጽባሕ ሓመድ ዝበልዓ ነብሲ።

ኣተሓሳስባ’ዩ ዝርምስ ዘገስግስ። ኣተሓሳስባ’ዩ ዘሀብትም ዘድኪ። ኣተሓሳስባ’ዩ ዝበርሀት ሽምዓ ዘየቕህም፣ ዝበቖለት ተኽሊ ዘጠጥዕ፣ ዝተጠርየ ክእለት ዘዐቢ፣ ንኹሉ ዘማእዝን ኣተሓሳስባ’ዩ። ቃልሲ ህይወት ብፍቕሪ’ዩ ዝብዳህ። ስለ’ዚ፡ ናብ’ታ ልዕሊኣ ዘላ ማይ ቤት ዝሓተተቶ ሕቶ ንምምላስ፡ “ኣተሓሳስባይ ከመይ ኣሎ? ብፍቕሪዶ እመላለስ ኣለኹ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ ኢዩ ዘድሊ። ትላዘብን ትመኻኸርን እንተ ዘይሃሊኻ፣ ሓወይ ሓብተይ ትብል እንተ ዘይሃሊኻ፣ ብፍቕሪ ትጓዓዝ እንተ ዘይሃሊኻ፣ ነቲ ዝምሓልካዮን ዝጠሓልካዮን ክትዝክር ትቕስብ ኣላ እዛ ማይ ቤት። ግን ብንጹር እንታይ ግበሩ’ያ ትብል ዘላ እዛ ሕደማ?

ኢድ ንኢድ ጠሚርና ንዝለል
ንህይወት ክንገብራ ድምቕቲ – ተሓምበለ
ኢድ ንኢድ ዓቲርና ንዕሰል
ዓቕምና ኣብ ዓውድና ክውሕዝ – ተሓምበለ
ተሓምበለ ንበል ደቂ ጽንዓት
ተሓምበለ ንበል ደቂ ኤረ።
ኣብ’ዚ ፍኑው ናዕታ ተጠቂማ፡ “ተሓምበለ” ብእትብል ቃል’ያ እትተኣሳሰር። እታ “ተሓምበለ” ትብል ተደጋጋሚት ቃል ድማ፡ ነቲ ፍኑው ናዕታ ብቐሊሉ ከምዘይስትብሃል ትገብሮ።
እታ ብኣደ ተወኪላ ዝጸንሐት ሃገር ምዃና ዘየጠራጥር’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ’ዛ ማይ ቤት ግን ብንጹር ተደርጒሑ ንረኽቦ። ዓቕምና ኣብ ዓውድና፡ ክእለትና ንገዛና ምእንቲ ከነውዕሎ፣ ተሳኒናን ተፋቒርናን ንንበር ድማ ትብል።

ዕሰሉ ደቂ ጽንዓት ኣይትስኣኑ
ህይወት ኣይምቅርን’ዩ ንስኹም ዘይብሉ። ብምባል ድማ ትዛዝም።

እዛ ሕደማ ሓይላ ኣብ መልእኽታ’ዩ። ሓደራ ትብል፣ ተምሕል፣ ኣካይዳኻ ትፍትሽ፣ ትመክር፣ ኣኣብ ዘለኻዮ ኮንካ ብሰንሰለት ፍቕሪ እንተ ዘይተኣሳሲርካ ህይወት መቐረት ከምዘይብላ ድማ ትመክር። ንሓዋሩ ተወጺዕካ ምንባር’ውን ኣሎ ብዓቢኡ – ፍቕሪ እንተ ጎዲሉ።
ተሓምበለ ንምባል ብኣካል ኣብ ሓደ ቦታ ምህላው ኣይኮነን ኣገዳሲ። “ስዉር ሰንሰለት ፍቕሪ”፡ ከምኡ’ውን “ኣብ ዝኸድናዮ ክንሰምር” ዝብላ ሓረጋት ድማ ነዚ የብርሃ። ኣብ ዝሃለኻ ሃሊኻ፡ ብፍቕርን ልዝብን እንተ ዘይትነብር ኴንካ፣ መፍቶ ጓና ኢኻ ድማ ትብለና።
ኣብ’ዛ ሕደማ ዘለዉ ኣበሃህላታት ኣዝዮም ዝውቱራት’ዮም። እቶም ተመሪጾም ዘለዉ ቃላት ግን ብትኽክል ምስ’ቲ መልእኽቲ ዝዋሰቡ’ዮም። ቃላት ድማ ስለ ዘብለጭለጩ ዘይኮነ፣ ኣብ ግቡእ ቦታኦም ምእታዎምን ዘይ ምእታዎምን’ዩ ናይ መቐረት ፍልልይ ዘምጽእ።
እዛ ሕደማ መእተዊኣን መውጽኢኣን ፈሊጣ ስለ ዝተበገሰት፡ ነቲ ክትብሎ ዝደለየት መልእኽቲ’ውን ትኽ ብትኽ ስለ እትብሎ(ባህሪ ሕደማ ከምኡ ስለ ዝኾነ)፡ ካብ ኣርእስቲ ሒዛቶ ዝነቐለት ድቂ ሓሳብ እና’ማዕበለቶ ክትመጽእ ጸኒሓ፡ ኣብ መዛዘሚ ድማ ግቡእ መኽፈፊ ጌራትሉ’ላ።
ድኽነትሲ ይብዳህ’ዩ ኣተሓሳስባ’ዩ እቲ ፈልሲ፡ ብሩኽ ቅነ።

ኣማኑኤል በርሀ
ጥቅምቲ 2015

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleስኣን ጓሳ !
Next Article ገጣሚ፡ ንገጸባህርያቱ ብቋንቋኦም እምበር፡ ብቋንቋኡ ከዛርቦም ኣይግባእን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?