Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስትምቓረይ ንግጥሚ “እቲ ካልእ ዓረር”

ምስትምቓረይ ንግጥሚ “እቲ ካልእ ዓረር”

0
By Mekonnen T. on August 10, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብፍቕረይ የማን

ኖርወይ

እቲ ካልእ ዓረር

ኣብ ከካናለና ማዕዶ ማዕዶ

ከይቅድመኒ ከይቅድሞ

ነገር ወተሃደር ክንተሓላሎ፡

ኣብታ ረፋድ

እንታይ ከም ዘርኣዮ

ምንባሩ ኣብ ተጠንቀቕ ረሲዑዎ።

መሪሩዎ መስለኒ ናብራ ድፋዕ

ጽዋእ ሞት ብሂጉ ንኽድፋእ፡

ወጺኡ ካብ ሰፈሩ

ኣብ ፊተይ ተገቲሩ

ኣወናዊኑኒ

ከም ዓጋዜን ንሃዳኒ።

ኣዕንቂረ

ሓበርቲ ኣወሃሂደ

ኣነጻጺረ

ኣብ ደረቱ ጸሚደ፡

ክምልዕሶ

ዓረር ከዀልሶ

ትንፋሰይ ሓቢአ

ትንፋሱ ከሕልፎ፡

እታ ቃታ

እናበልኩ ክስሕባ፡

ዘልሓጥታኡ

ኣወዳድቓኡ

ብደም ተዓሊሱ

ኣብ ባይታ ተሰጢሑ፡

ምስ ቀረጽኩ ምስሊ

ምስ መጸኒ ስእሊ፡

ነታ ቃታ

ምስሓባን ምግዳፋን

ስኢነ ምውሳን፡

ኣብ ነግ ፈረግ

ወሲዱኒ ሓሳብ

ከየብሎ ጠረግ።

ሓሲበ…

ንነብሰይ እናረኣኹ ኣብ ነብሱ

ንመንፈሰይ ኣቐሚጠ ኣብ መንፈሱ፡

ስለ ሕልምታቱ

ስለ ናፍቖቱ።

ሓሲበ’ወ

ቃታ ቅድሚ ምስሓብ

ብዛዕባ’ቲ ዝወሰዶ ሓሳብ፡

ሰጢሑ ኣብ ቃልዕ

ዘገደዶ ሂወቱ ክርስዕ።

“ጎበዝ ብዓል ሕልሚ

ሽደን ብዓል ትልሚ

ምስ ነፈርካ ዘይትዓልብ

ኣብ መገሻ ሓሳብ እትጋልብ፡

“እተስፈልል ደኣ እትዝህልል

ነብሰይ ንኽብድል

እትህበኒ ዕድል፡

ንስኻዶ ትምነን ኣንታ ገንሸል

ንዓኻዶ ሓዊ ንዓኻዶ ዓረር!”

ኢለዮ ብውሽጠይ፡

ከንቅጾ፡ ከቃብጾ

ኣደኡ ክትቀብጾ

ከምዘይኣሰርኩሉ ተመኪሐ

ስለ ጸላኢየይ ብልቢ ራህሪሀ።

ኣሰላሲለ ድሕሪ ሞቱ፡

ምሱል እንተ ዀይኑ

ከይትምእምን ኣሚኑ፡

ከይዝኽትሙ ደቁ

ከይጕህዩ ወለዱ፡

እንተ ዘይመሲሉ፡

ስለ’ታ ኣፍቃሪቱ

ስለ ትልምታቱ፡

ብውርግሪግ ተኸሊለ

ብሓሳብ ደንዚዘ

ኣብ ሓሳብ ጥሒለ።

ድሕሪ ሰም-ሰም ግን

ድሕሪ ምፍራስ ‘ተንሽን’

ተሰዊሩ፡ ናበይ ከም ዘበለ

ካብ ፈተነ ከኣ ድሒነ

ደሓን ይእቶ እንቋዕ ተኸውለ።

ብርሃነ ገብረሂወት

(02/08/2015)

ማይቤታት እዛ ግጥሚ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ከይተመርኮሰ፡ ግዳ ዝደሓረ ነቲ ዝቐደመ እናገለጸ ብዝፈጥርዎ ስእለ ኣእምሮ ፍሉይ ጽባቐን ሓይልን እዛ ግጥሚ ከርእዩኒ ክኢሎም ኣለዉ። ኣብ ዝበዝሑ ማይቤታት ዝርከቡ ቀዳማይ ምስ ሳልሳይ፡ ካልኣይ ምስ ራብዓይ ነግሒ እናተኣስሩ ዝፈጥርዎ ህርመት ግን ከም ፍሉይ መለለዪ ምረኣኹዎ። ኩሎም ማይቤታት ብኸምኡ ክህነጹ ይኽእሉ ምንባሮም ምስ ኣስተብሃልኩ ከኣ ክፍጠር ዝኽእል ዝነበረ ጽባቐ ኣተሃራሪፉኒ። ፈጠራ ንጻዕሪ፡ ጻዕሪ ብዓቕሊ ነቲ ዘይሃጓፍ ግን ዝያዳ ምልኣት ዝፈጥር ስራሕ መምጽእዎ ኢለ ይኣምን።

ምስሊ ክልተ ኣብ ኣንጻር ሕድሕድ ዝርከብ ድፋዓቶም ኣዝጊቦም፡ ሂወት ሕድሕዶም መን ቀዲሙ ወሰደ ዘቋምቱ ዘለዉ ወተሃደራት ሒዛ ዝተሃጸት ግጥሚ “እቲ ካልእ ዓረር”፡ ነቢብካ ምስ ወዳእካያ ኢያ ብዛዕባ ወተሃድራት ዘይኮነ ኪንኡ ትዛረብ ከምዘላ ትነግረካ። ሽዑ፡ ናብ ኣርእስታ ተመሊስካ ኣየናይ ዓረር ደኣ ኢልካ ክትሓስብ ትግደድ፡፡

ኣብ ሰብ ሰርሖ ናይ መሬት ድፍዓት ዘይኮነ፡ ኣብ ብናይ ሓሳብ ፍልልይ ክኸውን ይኽእል ወይ ካልእ ዝተፈጥሩ ድፍዓት ውሽጦም ዘዝገቡ ወተሃደራት ትደሊ። ሓደ ነቲ ካልእ ብሓሳብ ከዕንዎ። ኲናት ሓሳብ ብቓላት ወይ ብተግባራት። እቲ ዝረቐቐ ኲናት፡ ኣእምሮ ምዕናው ምዃኑ ዝተገንዘቡ ተዋጋእቲ ዘለዉዎ ኲናት።

“ኣብ ከካናለና ማዕዶ ማዕዶ

ከይቅድመኒ ከይቅድሞ

ነገር ወተሃደር ክንተሓላሎ፡

ኣብታ ረፋድ

እንታይ ከም ዘርኣዮ

ምንባሩ ኣብ ተጠንቀቕ ረሲዑዎ።”

ቀዲሙ ዝተፈጥረ ረጽሚ ምንጋር የድሊ ኔሩ ዶ ኣይነበረን? እንታይ ዝመንቀሊኡ ኲናት እዩ? ኣብዛ ግጥሚ ክካተት ምኸኣለ ዶ? ……ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት እናተቐላቐሉኒ፡ ምስሊ ክልተ ወተሃደራት ግን ተፈጢሩ ዶ ኣይተፈጥረን ኣብ ዝብል ቴክኒካዊ መዳይ ጥራይ እየ ከድህብ መሪጸ። እወ ተፈጢሩ ምስ በልኩ ግን ከም ኣብ ድፋዕ ዘለዉ ወተሃደራት መንፈሶም ብምግላጽ ዶ ኩነታቶም ክንገር ምተኻእለ እሞ ይተሓለለዉ ከምዘለዉ ካብ ክንገረናስ ካብ ኩነታቶም ጥራይ ምፈለጥና ክብል ደልየ። ኣቲ ክኸውን እቲ ግን ኣብዚ ውን ኣብ ድፋዕ ዘለዉ ወተሃደራት ክርእስ ኣይተጸገምኩን።

ኣዘንታዊ ናይዛ ግጥሚ ባዕሉ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት እዩ። ብማዕዶ ንዝሪኦ ዘሎ ጸላኢኡ ኣኣምሮኡ ክፍትሽ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። ከመይ ጌሩ ደኣ እዩ “ምንባሩ ኣብ ተጠንቀቕ ረሲዕዎ” ዝብል ዘሎ? ኣብ ዝሰዓበት ማይቤት እስከ ንርአ። ምናልባት ወጊኡ ማሪኹዎ ከይከውን እሞ ድሕሪ ዝርርቦም ዶ ኣብ ተጠንቀቕ ዘይምንባሩ ኣውኪእዎ ይኸውን?

“መሪሩዎ መስለኒ ናብራ ድፋዕ

ጽዋእ ሞት ብሂጉ ንኽድፋእ፡

ወጺኡ ካብ ሰፈሩ

ኣብ ፊተይ ተገቲሩ

ኣወናዊኑኒ

ከም ዓጋዜን ንሃዳኒ።”

ኣይማረኾን። ተኲስሉ ድዩ ኣይተኮሰሉን ውን እንድዒ። ‘መሪርዎ መስለኒ’ እናበለ ዘይርግጽኛነቱ ይገልጽ ኣሎ። ከመይ ደኣ እሞ ምግርጫው ይፍጠር ኣሎ? ኢለ ክሓትት ምስ ደለኹ ናብ ኣርእስቲ ክምለስ እየ ተገዲደ። “እቲ ካልእ ዓረር”። ሓጺናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቑ ወተሃደራት ዘይኮኑ፡ ዝፋለጡ፡ ሕድሕድ ሂወቶም ዝናበቡ ብናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣብ ነናይ ውሽጦም ድፍዓት ዝዓረዱ፡ ኣድህቦኦም ሓደ ብናይቲ ካልእ ሓሳብ ከይሰዓር ዝተሓላለዉ እምበር፡ ቀዳምነቶም ሓደ ነቲ ሓደ ምዕናው ከምዘይኮነ ጌረ ክርድኦ ተገዲደ። ዘይፍትሽዎ ግን ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ሓደ ነቲ ካልእ ክምንክሎ ተኽእሎ ምህላዉ ግዳ ይረኣየካ።ምኽንያቱ፡ ቀዳምነቶም ሕድሕድ ምቅትታል እንተዝነብር ቀዳማይ ሸለልትነት ናይቲ ካን ድፋዑ ወጺኡ ኣብ ቃልዕ ዝተገተረ ወተሃደር ሂወት ብዓረር ተመንኪላ ምሃለወት። ኣይኮነን ግን። ‘ተወናዊኑ’ ጥራይ። ምናልባት ናብ ነብሰይ ዘይመጸኒ ኢሉ ሓሲቡ ይኸውን። ምክልኻል ቀዳምነት ዝሃበ ይኸውን። እንታይ ወሰነ? ኣብ ናይ ሓሳብ ግርጭት ምዕናው ዶ ናብ ሓሳብካ ንኸተርዕም ከትእምን ምቅላስ፡ መኖም እዩ ዝቐልልን ዝኽብድን?

“ኣዕንቂረ

ሓበርቲ ኣወሃሂደ

ኣነጻጺረ

ኣብ ደረቱ ጸሚደ፡

ክምልዕሶ

ዓረር ከዀልሶ

ትንፋሰይ ሓቢአ

ትንፋሱ ከሕልፎ፡”

ምትሕልላው ይኣኽለና፡ ኣቃቢጸዮ ከዕርፍ ዝበለ እዩ ዝመስል። እንታይ ኮን ከርእየና እዩ? ኣእምሮኡ ዝዓነወ ዜጋ ዝፈጥሮ ሽግር ካብዘይ ምርዳእ ዶኾን እዩ ኣብ ክንዲ ክትኣምን ወይ ከተእምን ምፍታን ኣብ ምትዕንናው ዝውዕል ወዲ ሰብ? መምስ ፍልልያትካስ ተጸዋዊርካ ይንበር እንድዩ።

“እታ ቃታ

እናበልኩ ክስሕባ፡”

ህህህህ!!! እንታይ ተረኽበ? ካልኦት ቀዲሞሞ? ኢዱ ይህብ ከምዘሎ ምልክት ጌሩ? ወዲቕካ ወይስ ኣብ ዓይንኻ ሃመማ ዓሊቡ ኣኮላሊፉካ? ብዙሓት ወጠርቲ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮይ መጺኦም።

“ዘልሓጥታኡ

ኣወዳድቓኡ

ብደም ተዓሊሱ

ኣብ ባይታ ተሰጢሑ፡

ምስ ቀረጽኩ ምስሊ

ምስ መጸኒ ስእሊ፡”

ሰብኣውነት! ክፉእ ክርኢ ዘይደሊ ሰብኣውነት። ኣእሞሮኡ ዝዓነወ ሰብ ክፈጥሮ ዝኽእል ሕብረተ ሰብኣዊ ሽግር ኣብ ግምት ዘኣተወ ሰብኣውነት። ዕረፍቲ ኣእምሮኡ ዝደለየ ሰብኣውነት፡ መስለኒ፡

“ነታ ቃታ

ምስሓባን ምግዳፋን

ስኢነ ምውሳን፡

ኣብ ነግ ፈረግ

ወሲዱኒ ሓሳብ

ከየብሎ ጠረግ።”

እምበር ከ፡ እቲ ዘለዎ ኣነ እንትዝህልዎ፡ ስንፍንኡ ስንፍናይ እንተዝኸውን፡ ኣብ ድርብ ስዕረት። ብነብሰይ ንነብሰይን ብጸላእየይን ክሰዓር!

“ሓሲበ…”

ድሮ ይሓስብ ከምዘሎ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ላዕሊ ተቐሚጡ እናሃለወ፡ ዳግማይ ‘ሓሲበ’ ክብል ካብ ጽባቐ እዛ ግጥሚ ኣውጺኡኒ። ተቓሊሰ ግን ቀጺለ። ከምቲ ተቓሊሱ ምስ ሕልንኡ ዝቃለሶ ዘሎ። እዛ ቃል ግን ተምጽኦ ምስባር ሓሳብ ይኹን ካልእ ጸገም እኳ እንተዘይሃለወ፡ ብዘይምህላዋ ዝፍጠር ሃጓፍ ውን ስለዘየሎስ ንዓኣ ኣውጺኤ እየ ነቢበያ እዛ ግጥሚ።

“ንነብሰይ እናረኣኹ ኣብ ነብሱ

ንመንፈሰይ ኣቐሚጠ ኣብ መንፈሱ፡

ስለ ሕልምታቱ

ስለ ናፍቖቱ።”

ድሮ ብምስሊ ወተሃደር ዝተወከለ ናይ ሓሳብ ተዋጋኢ፡ ከምዝኾነ ወተሃደር ካብ ስድርኡ ዝረሓቐን፡ ብናፍቖት ዝልሎን፡ ኣብ ሕልሚ ናይ ድሕሪ ውትህድርና ዘሎ ሂወቱ ዝነብርን ክኸውን ጽቡይ ነገር እዩ። ኣዘንታዊ ንባዕሉ ውን ዝነብሮ ዘሎ ሂወት ብምዃኑ ከኣ ብቐሊል ኣብ ኣእምሮኡ ጸላኢኡ ዘሎ ኩነታት ከንብብ ኣይተሸገረን። ዝተርፍ ናይ ሕልና ጉዳይ ጥራይ እዩ።

(ምስሊ ሂወት እዞም ሕድሕና ክንተሃናኾትን ክንተዓናኖን ክንዓኑን እንውዕል ኤርትራውያን ቅጅል ኢሉኒ ኣብ መንጎ)

“ሓሲበ’ወ”

ገጣማይ ዝፈጠሮም ምስልታት ንጹርን ተምሳጥ ዝፈጥርን ስእለ ኣእምሮ ክፍጥሩ ዓቕሚ እናሃለዎም ንምንታይ ኣብ ዝያዳ መግለጺታት ክኣቱ ይደሊ እንድዒ። ሓንሳብ ዝፈጠሮ ሓሳብ ኣብ ዋሕዙ እንከሉ ዳግማይ ‘ሓሲበ’ወ’ ኢሉ ምድማቑ ምስ ተምሳጠይ ተመሰጡ ዘስምዕ ምትእትታው ገጣማይ ኮይኑ ይስመዓኒ ንዓይ። ጥራሕ ዘይኮነ ግን ኣብ ዋሕዚ ዛንታ ዝህልዎም ኣበርክቶ ዘይርአ ቃላት ምውሳኾም ዝያዳ ቃላት ካብ ምቑጻር ሓሊፉ ዘምጽኦ ፋይዳ ኣይረኣየንን ኣነ። ንቕርጺ ግጥሚ ኣብ ክንዲ ብቓላት ብዓይኑ ብዝርአ ክፍተት ኣብ መንጎ ማይቤታት ወይ ካልኦት ምልክታት ከም (……… –) ዝኣመሰሉ ጌርካ ነባቢ መላሊሱ ብምምንባብ እቲ ዝተረፈ ዝመስለካ ቃል ግን ከኣ ሓሳብ ክምልኦ ክትሓድጎ እዩ ዝሓይሽ። ምስ ናጽነት ነባባይ ምጭራት ጌርካ ውን ክሕሰብ ይከኣል እዩ። ኣብዛ ግጥሚ ግን እዞም ዝጠቕሶም ዘለኹ ቃላት ከይሃለዉ ውን ምልእቲ እያ። ዋሕዚ እቲ ሓሳብ ይኹን እታ ግጥሚ ኣብ ንባብ ብዝፍጠር ዜማ እዩ ዝመልእ።

ግዳ ከመይ ገበሩ?

ዘነጻጸረ ወተሃደር (ኣዘንታዊ) ኣብ ሓሳቡ ይጋልብ። ኣብ ኣእምሮ መጻርርቱ ክኣቱ ይፍትን። ውድቀቱ ይረኣዮ። ብሓሳብ የዘራርቦ። ሕልምታቱ የዘክሮ። ውድቀቱ ከርእዮ ይደሊ። ተጋግዩ ናብ ጌጋ ይመርሖ ምህላዉ ውን ይነግሮ። ተገዲዱ ኪኖ ነብሰ ምክልኻል ናብ መጥቃዕቲ ክኣቱ ሕልንኡ ከምዘይገብረሉ የዘንቱ።

ኣብዚ ኣዘናትዋ ዝረአ ነብሰ ቅልስ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ከርኢ ዓቕሚ ዘለዎ ምስሊ ተፈጢሩ ኣሎ። ኣብዚ እዩ ከኣ ገጣሚ ዝፈጠሮ ሓይሊ ኣዘናትዋ ደሚቑ ዝረኣየኒ ዘሎ።

“ቃታ ቅድሚ ምስሓብ

ብዛዕባ’ቲ ዝወሰዶ ሓሳብ፡

ሰጢሑ ኣብ ቃልዕ

ዘገደዶ ሂወቱ ክርስዕ።”

ብዛዕባ እቲ ግዳይ ዓረር ንምዃን ተቓሊዑ ዘሎ ወተሃደር ውን ትሓስብ። ግድን ግን ነቲ ‘ካልእ ዓረር’ ምዝካር የድሌካ። ነብሱ ክርስዕ ዘገደዶ ኩነታት እንታይ እዩ? ክትብል ትግደድ? ኣብዛ ግጥሚ ክንገር ምተኻእለ ዶ?

“ጎበዝ ብዓል ሕልሚ

ሽደን ብዓል ትልሚ

ምስ ነፈርካ ዘይትዓልብ

ኣብ መገሻ ሓሳብ እትጋልብ፡”

ኣጸቢቑ ዝፈልጦ መጻርርቲ ምዃኑ፡ ብዓል ሕልምን ሕልምታቱ ብትልምታት ንምትግባር ዝኸይድ ምንባሩን ኣዘናትውኡ የነጽር ኣሎ። ብህልኽ ድዩ ብኻልእ ምስ ነደረ ምዕጋስ ምእባዩ ውን ወሲኹ የርእየና። ኣበየናይ መገሻ ሓሳብ እዩ ግን? ኣብ ሕነ ክኸውን ኣይክእልን። ቀዲሙ ዝተፈጥረ በደል ብዘይ ምህላዉ። እንታይ ደኣ? ኣብ ክትስዕር ጥራይ ምድላይ፡ ከተእምን ጥራይ ምህቃን? ዳግማይ ንሓሳባትካ ዘይምኽላስ? ኣብ ህውተታ? ኣብ ብዙሕ ሓሳብ ክኸውን ይኽእል ግዳ ትኹረት ዘይብሉ ሓሳብ ምዃኑስ ድሮ በቲ ንዓረር ምቅልዑ ተጋሂዱ እዩ።

ነብሰ ግርጭት ዝዓበለሎ ሓሳብ ምዃኑ ውን በቲ እናሻዕ ዘርእዮ ምስፍላል(ሰንከልከል ምባል)ን ምዝህላል(ዕርበተ ሕልና)ን ክንርድኦ ንኽእል ኢና። እዚ ስለዘንበበን ዝተረድአን ከኣ እዩ ኣዘንታዊ ምስ ሕልንኡ ዝቃለስ ዘሎ። ባዕሉ ምስ ነብሱ ንዝዋጋእ ዘሎ ሰብ እንተዳገምኩዎ እንታይ ክረክብ እየ ይብል ኣሎ።

“እተስፈልል ደኣ እትዝህልል

ነብሰይ ንኽብድል

እትህበኒ ዕድል፡

ንስኻዶ ትምነን ኣንታ ገንሸል

ንዓኻዶ ሓዊ ንዓኻዶ ዓረር!”

ኢለዮ ብውሽጠይ፡”

ኮነ ተባሂላ እኳ ብቐሊል ዘይትኣምን፡ ርእያ ውን ምቕባሉ እትሽገር ወላዲት ጥራይ እያ። ንሞት ውሉዳ። ንጥፉእ ውሉዳ ከምዘይትቐብጽ ንምርኣይ “እዛ ሬስኡ እኳ እንተዘምጽኡለይ ሲ ምቐበጽኩ” እትብል ወላዲት።

“ከንቅጾ፡ ከቃብጾ

ኣደኡ ክትቀብጾ”

ክብል ከሎ ኣዘንታዊ፡ ሕራነ መንፈሱ ጥራይ ኣይኮነን ዘርኢ። ክፍኣት መጻርርቱ ዝፈጠሮ ጽልኣት ውን በጨቕ ይብል እዩ። ብኣደ ምንጽጻሩ ንሓይሊ ሕራነኡ ወይ ጽልኡ ጥራይ ዘይኮነ ዝኽርን መዘከርታን ዘይገድፍ ኣጣፍኣ ከጥፍኦ ከምዝደሊ ይዛረብ ኣሎ። ግርጭት ስምዒትን ሕልናን ውን ጥርዞም ከምዝበጽሑ ይረኣዩ።

ኣብ እዋን ግርጭት ሕልናን ስምዒትን፡ ንእሽቶ ናይ ምሕሳብ ዕድል እንተተረኺባ ሕልና ክስዕር ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ገጣማይ ነዚ ከርኢ ዝደለየ መስለኒ። ዝያዳ ግን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክትወስዶ ዝሓሰብካ ስጉምቲ ኣብ ነብስኻ ኣምጺእካ ምስእትርእዮ ዝፍጠር ዘይስገር፡ እንተሰገርካዮ ከኣ ኣባኻ ዝፈጥሮ ዘይምቓሳን ከርኢ ዝደለየ ይመስል።

“ከምዘይኣሰርኩሉ ተመኪሐ

ስለ ጸላኢየይ ብልቢ ራህሪሀ።”

ርህራሀ! ኣይንጸላእን ንነብሱ እምበር፡፡ ብሓሳብ ድሕሪ ምውዳእ ኲናት ከይዱ። ዝማእመና መርዑ፡ ዝዘኽተሙ ቆልዑ፡ ኣብ እህህታ ዝነብሩ ወለዲ ተራእየሞ። ኣብዚ ከኣ ዝያዳ ሰብኣውነቱ ዝርአ። ናይ ሓሳብ መጻርርቱ ምስ ኣዕነዎ ዝፍጠር ምስሊ። ስድራኡ ዝረስዐ፡ ዘይረብሕ ምስሊ ተራእይዎ ይኸውን፡፡

“ኣሰላሲለ ድሕሪ ሞቱ፡

ምሱል እንተ ዀይኑ

ከይትምእምን ኣሚኑ፡

ከይዝኽትሙ ደቁ

ከይጕህዩ ወለዱ፡”

ናብ ኩሉ ዘይበጽሐ መንእሰይ እንተኾነስ፡ ድሕሪ ውድቀት ሞራሉ ክንደየናይ ብፍቕሪ ከይሓስብ። ካብ ገዝኡ ዘውጽእዎ ሕልምታት፡ መደባት መጽኢኡ ክንደየናይ ከይዝክሮም። ኣቐንዛዊ እዩ።

ኣዘንታዊ ኣብ ጉልባብ ጸላኢኡ ንነብሱ እዩ ዝርእያ ኔሩ፡፡ ፍቕሪ ስድራኡን ሕልሚ መጻኢኡን። ንሱ ብጥዕናን ብስላም ምስዘይህሉ ብስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ምስ ዝሰዓር ዝፍጠር ምስሊ ስድራቤቱ ይቐርጽ ነይሩ። ከንቱነት መጻኢ ሂወቱ ተራኡዎ። ኣግነብኒቡ።

እንተ ዘይመሲሉ፡

ስለ’ታ ኣፍቃሪቱ

ስለ ትልምታቱ፡

ብውርግሪግ ተኸሊለ

ብሓሳብ ደንዚዘ

ኣብ ሓሳብ ጥሒለ።

ኣብ ሓሳብ እንከሎ ግን ዕላማ ምንጽጻሩ ተበቲኑ። ዕምቆት ሓሳቡ ክትግምቶ’ውን ኣይትኽእልን። ክሳብ ዘነጻጸረሉ ወተሃደር ናበይ ከምዘበለ ክርእዮ ዘይክእል እዩ ብሓሳብ ገይሹ። ንባዕሉ ብዓረር ጸላኢኡ ክምንከል ይኽእል ኔሩዶ? ዝብል ሕቶ ውትፍ ኢሉኒ።

“ድሕሪ ሰም-ሰም ግን

ድሕሪ ምፍራስ ‘ተንሽን’

ተሰዊሩ፡ ናበይ ከም ዘበለ

ካብ ፈተነ ከኣ ድሒነ

ደሓን ይእቶ እንቋዕ ተኸውለ።”

ዶስ ጸላኢኡ’ውን እቲ ኲናት ዒፍ ኢልዎ ድፋዑ ገዲፉ ከይዱ? ከምኡ እንተኾይኑ እዚ ኣዘንታዊ ክገልጾ ዝጸንሐ ስምዒት ኣብቲ ካልእ ወተሃደር  ኔሩ እዩ ማለት እዩ። ክልቲኣቶም ተገዲዶም ኣብ ዝኣተዉዎ ኲናት እዮም ኔሮም፡፡ ኣዘንታዊ ኣብ ነብሰ ምክልኻል ዘድሃበ ኲናት ተጸሚዱ ምንባሩ የርኢ ስለዘሎ ግን መጻርርቱ ብኻልኦት ተገዲዱ ኣብ ኲናት ኣትዩ ኔሩ ከይከውን ትብል። ዝፍለጥ የለን። ኣብዛ ግጥሚ ‘ውን ምፍላጡ ኣገዳሲ ኣይኮነን።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleእቲ ካልእ ዓረር !
Next Article ምዕራፍ 7
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?