Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስሊ ነብሰይ

ምስሊ ነብሰይ

0
By Mekonnen T. on February 16, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣብ 4ይ ዓመት ውድድር ዛራ ገጠምቲ፡ ናብ ውድድር ካብ ዝተላእካ 42 ግጥምታት ካልኣይ ዕውቲ ግጥሚ ተሸላሚት $200 ዶላር ዝኾነት ዮሃና እንቋዕ ሓጎሰካ ገጣሚ ።
ምስሊ ነብሰይ
ኣብ ንጹፍ ኣጎዛይ፣
ኣካለይ ኣብ ገዛይ
ኣለኹ ከምሻሙ………።
የግዳስ መንፈሰይ ገሪዙ፤ሕልናይ እናገዓዘ፤
ተበገስ ዝብለኒ ዝሓዘ ምስ ሓዘ
ዘይቆጻጸሮ ካብ እዘይ ዝወጸ
ኣሎኒ ሓሳባት ዝመጽእ ምስ ግዜ።
ሓሳብ ተጓዓዚ ሓሳብ ተመርቃፊ
ሸለው ዘብለኒ ካብ ጽንፊ ናብ ጽንፊ
ኣድኪሙ ኣላህሊሁ ዝበኒ መዕረፊ
ኣብቲ በሪኽ እምባ ኣብቲ ገምገም ጸድፊ።
ኣብቲ ጉዕዞ ሓሳብ፣
ጓል-ሓሳብ ቖንጪለ፤
ስለ’ዛ ነብሰይ ሓደ ሕቶ ኣልዒለ
ከመይ’ቢሎም ሰባት “ጽቡቕ ኣሎ” ዝብሉ፤
ምስለይን ስእለይን ከየነጻጸሩ።
ኣብ መረጽየን ሰማይ ኣዒንተይ ተኺለ
ሃሰው እንተበልኩ ምስለይ ከለሊ አለ
ስእለይ እምበር ኣይረኸብኩን ምስለይ
ንውሽጠይ ዝገልጽ ዓይነይ ዝመልኣለይ።
ደገይ እናረኣየ እቲ ሰብ ዝብለኒ
ገለ ግበር እና’ለ ምስ ደፋፋኣኒ
ጉዕዞይ ኣወንዚፈ ክጸንሕ መሪጸ
ስእለይ ከሳንዮ ንምስለይ ቀሪጸ።
ሽዑ……
ካብቲ ገምገም ጸድፊ ምሒር
ተመጢጠ
ኣብቲ ህዋ, ሰደቓ ኣቐሚጠ
ንደበና ከም ጭቃ ኣምበራ ኣብኩዐ ኣብዒጠ
መበቆል ፍረ-ገጸይ ብወጅሀይ ኣርቢሐ
ንምስለይ ዝውክል ኣካል ሰብ ሰሪሐ።
በቲ ሓደ ……..
ቁመና ኣካለይ ግርማ ዝዓሰሎ
ማራኺ ጽባቐ መልከዐይ ወለሎ
ርኹብ እንተሉኒ ዕድሉ ኣብ ግንባሩ
ስኡን እንተሉኒ ካብ ኢዱ ድራሩ
……………..ብዘየገድስ።
በቲ ኻልእ……
ኣብ ሰንፈላል ኮይነ ወጋሕታ ዝጽበ
ብሰብ-ሰርሖ ጸገም ዙርያይ ዝተኸበ
ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ
ጸግዒ ዝሰኣንኩ ብዘይካ ፈጣሪ።
መሊሰ ከኣ……
ዕቱብ ገጸይ ዝድሀ ብስቕታ
ድነ-ሕሰም ዝቐድድ ፍሽኽታ
ግናዕ ኢደይ ዘርጊሐ ንሰላም
ተስፋ ተዓንጊለ ብህድኣት ዘሳጉም።
እዚ’ዩ ምስለይ፣
ምስለይ ምስሊ ዓደይ፤
እዚ’ዩ ስእለይ ፤
ስእለይ ስእሊህዝበይ፦
ኢለ……..!
ክብገስ ተበልኩ ግዝዐይ ጠቅሊለ፥
እቲ ዘይገልጾ ክሓብኦ ዝደሊ
እቲ ዘሕለፍክዎ እቲ ናይ ትማሊ
ኣብ ዓይነ-ሕልናይ ዝብል ቅጅል ቅጅል
ምስልኻ’የ ይብለኒ’ሎ ከዊልካ ዘይክወል።
ብ ገጣሚ ዮናስ ገብራይ ምነይ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleናይ መወዳእታ ንብዓት
Next Article ናብ ዛራውያን: ጦብላሕታ ዳንነት !
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?