Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መጽሓፍ “መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ 2015” ፣ ማእከል ልዝብዶ ክርክር፧

መጽሓፍ “መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ 2015” ፣ ማእከል ልዝብዶ ክርክር፧

0
By Mekonnen T. on December 9, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሳልሳይ ክፋል

ብፍስሃየ ኪዳነ (ወዲ ፖሊስ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ)

  1. ላህመታዊ ትዕዝብቲ ኣብ ዕምቈት ትሕዝቶ፡-

4.1 ብቕዓት ባእታታት ትሕዝቶ መጽሓፍ፡-

ብኣጠቓላሊ፡ ጥምዓዊ ዳህሳስ (Superficial Survey) ትሕዝቶ መጽሓፍ “መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ” ዳርጋ ብሓጺር ተተናኺፉ ኣሎ። ምናልባት፡ ብፍላይ ኣብ ውሽጣ ተሓቝፎም ዝርከቡ ባእታታት ሰዋስው (Grammar Ingredients) ሕልፍ-ሕልፍ ኢልካ ምድህሳሶም’ውን ነቲ ዝተዋህበ ጃምላዊ ገምጋም ዝያዳ ከሀብትሞ ይሕግዝ ይኸውን’ዩ።

ኣብ ፈላሚ ትሕዝቶ ኣዛ ብኣቶ ተክአ ተስፋይ እተዳለወት መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 1-23፡ እቶም ክልተ ክፋላት ስርዓተ-ዘረባ (Parts of Speech) ተሳስዮም ኣለዉ። መጀመርያ፡ ካብ ኣድማሳዊ ስርዓተ-ኣከፋፍላ ሰዋስው ብዘይ ረሓቐ መንገዲ ሸሞንተ ክፋላት ስርዓተ-ዘረባ (ስም፡ ‘ክንድ-ስም’፡ ቅጽል፡ ግሲ፡ ተወሳኽ-ግሲ፡ መስተዋደድ፡ መስተጻመር፡ ቃለ-ኣጋንኖ) ብግቡእ ተቐሚጦም ኣለዉ። እቲ ዘይልሙዳት ኣሰያይማን ጊንጢ ቃላት ምዝውታርን (Eccentrism) ግን ሓንሳእ ካብዚ ምስ ፈለመ፡ ኣብ ምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፍ ሓሓሊፎም ተዘሪኡ ይርከቡ። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ክብደት ቃላትን ኣምራትን እንተላይ ባዕዳውያን ቃላት ኣምሓርኛ ብምዕሮ የጓንፉ። ብዓቢኡ፡ በዓል ኣባ ማቴዎስ ሓጎስ (ሰዋስው ትግርኛ፡ 1955) ከይተረፉ ዝተጠቕምሉ ኣጸዋውዓ ክንድ-ስም ይኹን ዓንቀጽ (ግሲ) ቦታ ስኢኑ ወይ ብቃላት ኣምሓርኛ ተጀሊሑ ትረኽቦ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ህግሓኤ ከም ወካሊ ውድብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስሩዕ ምርምርን መጽናዕትን ትካላት ቋንቋን ክኢላታት ሰውራን ካብ 1976 ዝተኣታተወ፡ በብእዋኑ እናተኸለሰ ድማ ክሳብ ሕጂ ከም ቅቡል ተራዒሙ ዘሎ ገለ ኣምራት ሰዋስው (Grammar Terms)’ውን ብፍላጥ ተቐይሩ ትረኽቦ። ምናልባት፡ ዛጊት ብካልኦት ካብ ዝፈረዩ መጻሕፍቲ ቋንቋ ሰዋስው ትግርኛ’ውን ነዚ ስምምዕ’ዚ ክጥሕስ ኣይደፈረን። ደራሲ ተክአ ተስፋይ፡ ከም ክኢላ መጠን ነዞም ኣምራት’ዚኣቶም ንምቕያር ምኽንዩነት (Justification) እንተለዎ ድማ፡ ኣብ ውሽጡ ክሰትሮ ኣይምተገብአን። ንኣብነት ኣብ መጽሓፍ ኣባ ማቴዎስ ሓጎስ (ሰዋስው ትግርኛ፡ 1955) ንግሲ “ዓንቀጽ”፡ ንመስተዋደድ “ወሳኒ መሳርዕ”፡ ንመስተጻመር “ጠራፊ መሳርዕ”፡ ንተወሳኽ ግሲ “መስሓቢ መሳርዕ”፡ ንቃል-ኣጋንኖ ድማ “ኣመልካቲ መሳርዕ” ተባሂሎም ተሰምዮም ኣለዉ።

ብልክዕ ርግጽ ንምዃን ግን፡ ገለ ኣብነታትን መርትዖታትን ካብ ትሕዝቶ መጽሓፍ ምፍኣም ዝጽላእ ኣይኮነን። ብቁጡብ ኣዘራርባ፡ ስርዓተ-ዘረባ ኣብ ክንዲ ምባል “ናይ ንግግር ክፍሊ”፡ ክንድ-ስም (Pronoun) ብ“ተወላጠስም”፡ “ግኡዝ ጾታ” ብ“ኣጓጉል ጾታ”፡ ረባሕታ (ስርዓተ-ኣበዛዝሓ/Plural) ብ“ድርብ”፡ “ተሰልባጢ ተወላጠስም”፡ ምሉእ-ሓሳብ (Sentence) ብ“ዓረፍተነገር”፡ ተርታዊ ቅጽል ብ“ኣርከናዊ ቅጽል”፡ “ኣገባብኣ”፡ “ስውያ ንግግር”፡ “መደረኛ” ወዘተ ዝኣመሰሉ ንክትውሕጦም ዝስርንቑ ኣምራት ሰዋስው ብብዝሒ ተዘውቲሮም ይረኣዩ። ብርግጽ፡ ሓደ ክኢላ ሓደ ዓውደ-ፍልጠት ካብ ብቕዓት ምርምሩን ብልህነቱን ተበጊሱ፡ ንገለ ኣሰያይማ ኣምራት (Concepts) ከመሓይሽ ዝተሓለወ መሰል ኣለዎ። ይኹን’ምበር፡ ካብ ካልኦት ተመራመርቲ ንምንታይ ይፍለ ኣሎ ግን ብቑዕ መርትዖን ትንታነን ከቕርብ ይግባእ። ደራሲ ንዝመረጾ ኣሰያይማ ኣምራት ዘካፈሎ መብርህን ጭብጥን ክሳብ ዘይተረኽበን ዘየእመነን ድማ ዕዮኡ ኣብ ምልክት ሕቶ ኪኣቱ ግድን’ዩ።

ካብዚ ሰጊሩ ናብ “ግሲን እዋን ግሲን” ይሓልፍ። ብፍላይ ጥቕምን ኣጠቓቕማን ግሲ (Verb) ንተጠቃሚ መጽሓፍ ንምርዳእ ቀሪቦም ዘለዉ ኣብነታት እኹላት ኮይኖም ኣይትረኽቦምን። ካብዚ ሰጒምካ ኣብ ክፋል “እዋን ግሲ (Tense) ትቕጽል። ደራሲ፡ ን“እዋን ግሲ” ዝምልከት ቅድመኡ ብትግርኛ ንዝተደርሱ መጻሕፍቲ ቋንቋ ከም ዝመርመረ ይገልጽ። ኣብ መጽናዕቱ፡ “… ‘እዋን ግሲ’ ካብ ካልኦት ባዕዳውያን ቋንቋታት ብፍላይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ብምቕዳሕ ንምግራሑ ተፈቲኑ፤ እንተኾነ፡ ዝኾነ ቋንቋ ናቱ ሕግን ወግዕን ስለዝኽተል፡ ንቋንቋ ትግርኛ’ውን ኣሉታዊ ሳዕቤን ከየኸተለ ኣይተረፈን…፤” ዝብል ነቕፌታ ሓዘል ሓሳባት ኣስፊሩ ኣሎ። ቀጺሉ፡ መለለዪ ቋንቋ ትግርኛ ንመዳርግቱ ካልኦት ቋንቋታት’ውን መታን ኪሕግዝ ን‘እዋን ግሲ’ ብናቱ መንገዲ ክትንትን ይፍትን። ይኹን’ምበር፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ፡ ን“ግዝያት ግሲ” ብሸሞንተ ክፋላት ዝኸፍል ትንታነ ከይረዓመ ይሓልፎ። ደራሲ ተክአ ተስፋይ ስለምንታይ ክርዕሞ ኣይመረጸን መርትዖን መብርህን እንተዝምልእ ሓጋዚ ምኾነ። ኣብ መጻሓፉ ቀሪቡ ዘሎ ትንታነ ‘እዋን ግሲ’ ድማ ጥልቀትን እኹል መብርሂ ኣብነታትን ዝወሓዶ ኮይኑ ትረኽቦ። ዋላ እቲ ምስ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዘሎ ‘ፍልልያትን ተመሳሳልነትን’ ንምውድዳር ዝቐረበ መነጻጸሪ (analogy)’ውን ብፍላይ ንህጻናትን ትሑት ዝደረጃኦም ዓበይትን ኣዕጋቢ ኮይኑ ኣይትርእዮን።

ብሓፈሻ፡ ንካልእ ኩል ዕሽሽ ኢልካ፡ ደራሲ ከም ቃሕታኡ ከርዕሞም ዝህቅን ዘሎ ባዕዳውያን ቃላት ኣምሓርኛ ግን መባእታዊ ሕቶ ከልዕል ግድን ኮይኑ ይረኣየካ። ዋላ ኣብቶም ብከም በዓል ደረስቲ ኣቶ ኣዲ ገብረ (ሽወደን፡ 1989)፡ እንተላይ መጻሕፍቲ ሰውራን ሚ/ትምህርትን ንቀንዲ ‘ክፍልታት ዘረባ’ ዝኾኑ ኣምራት ብ‘ክንድ-ስም’፡ ‘ምሉእ-ሓሳብ’  ወዘተ እናተጠቕሙ ካብኣቶም ማሕዲግካ ንሓድሽ ወለዶ ብ‘ተወለጠስም፡ ዓረፍተነገር’ ወዘተ ክትምህሮ ምፍታን ግን ምስ ግዜን ሓንጎልን ደቂ-ሎሚ ንምሰማማዕ ከሸግር ይኽእል’ዩ። ብተወሳኺ፡ ብቕዓት ክብደት ዘለዎም ኣምራት ብዘየገድስ፡ ኣንባቢ ብቐሊል ከጽንዖን ኪመልኮን ዝሕግዞ ኣሰያይማ ክምረጽዶ ኣይምሓሸን፧ ምናልባት፡ ደራሲ “ንግግር” ዝብል ቃል ደራሪቡ ንክመርጽ ዝደረኾ፡ ካብ “ነገረ” ዝብል “ሱር-ግሲ” ዝፈለሰ ስም’ዩ ኢሉ እንተሓሲቡ፡ ‘ንግግር’ ንባዕላ እንተላይ ንኣምሓርኛ ትውክል ቃል ስለዝኾነት፡ ንእዝኒ ይኹን ንትምህርቲ ቍሩብ ይኹርክሕ’ዩ። ኣቶ ኣዲ ገብረ፡ “ክፍልታት ቃላት (ዘረባ)” ዝብል ዝመቕለለ ስያሜ ኣቐዲሞም ክንሶም፡ ንክልተ ቋንቋታት ዘንጸባርቕ ኣከራኻሪ ቃል ወጊድ ክብሃል ኣይምተጸልአን።

ምናልባት፡ ምንጪ ቋንቋ ትግርኛ ግእዝ’ዩ ካብ ዝብል ስነ-መጐት ነቒልካ፡ ዓሌት ወይ ክዳን ትግርኛ ንኪለብሱ ብተዘዋዋሪ ይምጐት እንተሎ ግን፡ ዘይከም ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ ካብ ግእዝ ንዝወርሶም ቃላት ብናቱ ቅርጺ ከርዕሞም ይርአ’ዩ። ቋንቋ ኣምሓርኛ ግን፡ ንቃላት ግእዝ መልክዕ ከይቀየረ ኪልቃሕ ተስተብህል (ንኣብነት ትምህርት፡ መጻህፍት፡ ወድ፡ መላእክት ወዘተ ግእዝ ክንሶም፡ ብህየቶም ከም ኣምሓርኛ ተወሪሶም ንርእዮም)።

ብሓፈሻ፡ ቋንቋ ትግርኛ ከም ስድራ-ቤት ቋንቋታት ግእዝ መጠን ናይ ገዛእ-ርእሱ ስርዓተ-ነጥቢ ዝውንን ምዃኑ ካብ ካልኦት ቋንቋታት’ውን ይፍለ ይኸውን’ዩ። እዚ ኣብ ግምት እንተእቲና ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ዘሎ “ምልክት ሕቶ (ትእምርተ-ኣንክሮ) /፧/” በጺሕና ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ክነእትዎ ኣይግባእን። ስለዚ፡ “ኣማስያኡ ወይ ትእምርተ-ኣንክሮ (?) ፈረንጂ  (እንግሊዝኛ) ወይ ድማ ንሰለስተ ነጥቢ ከም ትእምርተ-ኣንክሮ (፧) ኪረዓም ኣለዎ” ዝብል ተወላዋሊ መርገጺ ደራሲ፡ ንመንነት ስርዓተ-ነጥቢ ቋንቋ ትግርኛ ንድሕሪት ስለዝመለስ፡ ከም መርገጺ ኪጸንዕ ኣይግባእን።

ብሓቂ፡ ብዙሕ ኣከራኻሪ ነጥቢ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ መጽሓፍ ‘ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ’ “ናይ” ዝብል መስተዋደድ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ከይዛየደ እምብዛ እንተቐርጠወ ’ውን ኣይምተጸልአን። ብዛዕባ’ዚ፡ ደራሲ ተክአ ተስፋይ ንካልኦት ኪምህር’ምበር፡ ካብ ካልኦት ዚጽበዮ ምኽሪ’ውን ከም ዘየድልዮ ርዱእ’ዩ። ንምዝኽኻር ጥራይ ዝኣክል ግን፡ ኣብ ሓደ ሓረግ ወይ ምሉእ-ሓሳብ “ናይ” እንተ ኣዕለቕሊቑ፡ ዋላ’ኳ ንትርጒም መልእኽቲ ጽልዋ ኣይሃልዎ፡ ንመቐረትን ላዛን ጽባቐ ቋንቋ ግን ኣየጥዕምን። ምናልባት፡ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ተዘውቲሩ ዘሎ “ናይ” ግን እንተላይ ኣብ ኣርእስትታት (“ናይ ሓባር ስም”፡ “ናይ እኩብ ስም”፡ “ናይ ረቂቕ ስም”፡ “ናይ መጠን ቅጽል”፡ ናይ ሕቶ ቅጽል”…)’ውን ስለዝበዝሐ፡ ኣርእስቲ ሓጺርን መሳጥን ኮይኑ መታን ኪቕመጥ ብሓጺሩ “ስም ሓባር”፡ “ስም እኩብ”፡ “ረቂቕ ስም”፡ “ቅጽል መጠን”፡ “ቅጽል ሕቶ” ወዘተ ምባልዶ ኣይምሓሸን ንምባል’ዩ (ንኣብነት ናይ ህዝቢ ትካል ኣብ ክንዲ ምባል ብሓጺሩ ‘ትካል ህዝቢ’ ስለዝሓጽር)።

ካልእ፡ ኣብ ምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፍ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን’ ኣቶ ተኪአ ተስፋይ ንኣጠቓቕማን ፍልልያትን ብ“ከ/ኸ፡ ቀ/ቐ” ዝቑሙ ቃላት (ከም “ቅርሺ/ቕርሺ”፡ “ቃላት/ቓላት”፡ “ቋንቋ/ቛንቋ”፡ “ከምዚ/ኸምዚ”፡ “ካብዚ/ኻብዚ፡ “ከልቢ/ኸልቢ”…) ብጥንቃቐ ተዘውቲሮም ትርእዮም። ምናልባት፡ “እቲ “ከ/ቀ” ኮይኑ ዝተርፈሉ ወይ ናብ “ኸ/ቐ” ዝቕየረሉ ትንታነ” ኣብ ካልኦት መጽሓፍቲ ይኹን ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ’ውን ኣብ ትሕቲ “ኣጠባብቓ ላዛ ትግርኛ” ዝብል ንኡስ-ኣርእስቲ ብመጽናዕቲ 19-20 ክፍለ-ዘመናት ዝጸንዐ ምዃኑ ይውካእ። ይኹን’ምበር፡ ዳይናሚካዊ መስርሕ ቋንቋ ንባዕሉ ብፍላይ ዳርጋ ብዝበዝሑ ተጠቀምቲ ተደጋጊሞም ንዝዝውተሩ ቀወምቲ ቃላት ብስምምዕ ኪቕይር እንታይ ጸገም ይፈጥር፧ ብፍላይ፡ ኣብ ቋንቋ ወይ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት መትከላት ይኹኑ ሕግታት ኣብ ተደጋገምቲ ተርእዮታትን ስምምዓትን ተመርኲሶም ስለዝኽለሱ፡ ንለውጢ ይተዓጻጽፍ’ዩ። ብካልእ ኣበሃህላ፡ ፊደላት “ከ-ቀ” ደኣ’ዩ ናብ “ቐ-ኸ” ዝወራረሱ’ምበር፡ ኣብ ትርጉም ቃላት (“ቅርሺ-ቕርሺ”፡ “ካብቲ-ኻብቲ”፡ “ከኣ-ኸኣ”፡ “መካይን-መኻይን” ወዘተ) ለውጢ ክሳብ ዘይሃለወ፡ ንሓደ ቃል “ብጉራማይለ መልክዕ” ክትግልገለሉ ንጽባቐ ጽሑፍ ዝድውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንብዝሒ ቃላት ትግርኛ’ውን ንከይጅልሖ ወይ ንከይነፍሖ (inflation) ስክፍታ ክፈጥር ይኽእል። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መስርሕ ጽሕፈት (ጽሑፍ)’ኳ ንክትሓስብን ንክትእርምን ዕድል ስለዝህብ፡ ንምቁጽጻሩ ኣይእግምን ይኸውን። ኣብ ፍኑው ዘረባ ግን፡ እዚ ዕድል’ዚ ስለዝሰኣን፡ ብጥብቂ ንክትክተሎ ኣሸጋሪ ይመስል። አረ ገለ ቃላትሲ (ከም ካብዚ፡ ከምዚ፡ ከልቢ ወዘተ) ብግብሪ ኪመጽኡልካ ኣሸገርቲ ኮይኖም ይረኣዩኻ። ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ነዚ ብደቂቕ ንምጽጻይ’ውን ንጥንቃቐ ይኹን ንሃልኪ ተወሳኺ ጻዕሪ ኣየጥፍእንዶ፧ በዚ መጠን፡ ክብሪ ላህጃታት ከባቢታት ከይተጋህሰ፡ ብፍላይ ኣብ ጽሑፍ ብከመይ ኪተሓዝ ይግባእ ገና ብዘመናዊ መጽናዕቲ ኪበስል ዝግባእ ኮይኑ ይረኣየካ። ኣብ ፍኑው ኣዘራርባ ግን፡ ንፈኵስን ተሪርን ዓሌታት “ከ-ቀ” (ኸ-ቐ) ከም ልምድና ይኹን ምሁራዊ ርቀትና ንኪዝውተር፡ ኪሕሰበሉ ይከኣል’ዩ። ብዝተረፈ፡ ሓንሳእ ዝጸንዐ ወይ ዝጸደቐ ሕግታት ቋንቋ ደረቕ ኮይኑ’ዩ ዝቕጽል ዝሰረቱ በዳሂ መርትዖ ንጽገናዊ ለውጢ ኪኣስር ኣይግባእን። ብሓጺሩ፡ ባይታ ይኹን መራኸቢ ልሳናት ሃገርና’ውን ደጊም እዚ ሕጊ’ዚ ንከይጸንዕ ኣርሒቑ ተሳዒሩ ምህላዉ ክንግንዘብ ክንክእል ሓደ ኣማራጺ እማመ’ዩ። ምናልባት፡ እዚ ክርክር’ዚ ንደራሲ ተክአ ተስፋይ ጥራይ ይቐርብ ከም ዘየለ ግን ብሩህ ኪኸውን ይግባእ።

4.2 ክብደትን ልዝበትን ኣጠቓቕማን ቋንቋ፡-

ከም ርዱእ፡ ቋንቋ ኣገዳሲ መራኸቢ ሰኪዔት ርክብ ምዃኑ ዝስሕቶ የልቦን። ኣብ ዝኾነ ዓውደ-ንጥፈትን ፍርያት ምህርትን ዓይነታዊ ብቕዓት ንዝኾነ ተጠቃሚ ዓሚል እምብዛ የገድስ’ዩ። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ብቕዓት ዓውደ-ርክብ ደቂ-ሰባት’ውን ብቅርጹጽነትን ውርጹጽነትን ዝጥቀምሉ ብቕዓት ቋንቋ ይምዘንን ይውሰንን። ካብ ዓጺቕ ኣጣቓቕማ ቋንቋ ልዝበት ዝዓሰሎ ቋንቋ ምሒር ይፍቶ። ብተመሳሳሊ፡ ቅርጡውነትን ጥበብን ዝሕመርቱ ቅዲን ውሕልነትን ስርዓተ-ርክብ ሰባት ወትሩ ንዓወት ይመርሕ። ስለዚ፡ ይትረፍዶ ኣብ ኣፋዊ ዘረባ (Verbal Speech)፡ ኣውራ ብጽሑፍ ዝግበር ስርዓተ-ርክብ ግን ሰላብን ማራኽን ኮይኑ ኪቐርብ ጻዕርን ውሕልነትን የድልዮ’ዩ።

ታሪኽ ቋንቋታት ምስ እነስተብህል፡ ቃላት ሓደ ቋንቋ ኪውለድን ኪመውትን’ውን ንምልከት ኢና። ኣብ ሓደ መድረኽ ክሰርሕ ዝጸንሐ ቃላትን ኣበሃህላታትን ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ድሕሪ ዝተወሰነ መድረኻት ከም ዝበለየ ይቑጸር። ንኣብነት፡ እቲ ንሓያለ ስነ-ጽሑፋት ዓለም መሪሕ ኣስተዋጽኦ ዝነበሮ ህብብ እንግሊዛዊ ደራሲ ዊሊያም ሸኪስፒር ስግር ንኣድማሳዊ ስነ-ጽሑፍ ዓለም ንቕድሚት ምድፋኡ፡ ንቋንቋታት ዓለም ንምብርባር’ውን ክሳብ ሕጂ ዓቢ ጽልዋን ኣሰርን ኣለዎ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ዘመነ ዊሊያም ሸኪስፒር ዝዝውተር ዝነበረ ቃላትን ሓረጋትን ድሕሪ ግዜ ካብ መዓላ እናተሰወረ ክመጽእ ተራእዩ። ኣብ ዘመነ ዊሊያም ሸኪስፒር ይኹን ድሕረኡ ዝነበረ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ከበድትን ዝተሓላለኹን ቃላትን ሓረጋትን ይዝውተሩ ነይሮም። ብፍላይ ካብ 1960ታት ክሳብ መጨረሽታ 1980ታት ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ውሩያት ኣፍሪቃውያን ደረስቲ ከም ንጉጊ ዋቴንጎን ቺነ ኣቺቨን’ውን ክብደት ዝነበሮ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ይቕጽሉ ከም ዝነበሩ ናይ ሽዕኡ እዋን መጻሕፍቶም ህያው ምስክራት’ዮም። ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ግን ንሓድሽ ወለዶ ንምርዳኦም ከትዕቡ ስለዝተራእዩ፡ መጻሕፍቶም ብፈኵስን ቀሊልን ቋንቋታት (Simple Literature) ይድገሙ ኣለዉ። ስለዚ፡ ካብ ከበድትን ዝበለዩ ኣበሃህላታትን (Old Clitches) ምርሓቕ ግዜ ዝጠልቦ ዘሎ ኣማራጺ ምዃኑ ድማ ነስተብህል።

ኣብ መጽሓፍ ‘ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ 2015’ ኣድቂቕና እንተተመልከትና’ውን ብከበድቲ ቃላትን ዝተሓላለኹ ምሉእ-ሓሳባትን ዝተነድቀት ትመስል። ብፍላይ ንመምሃሪ ወይ ንመወከሲ ዝዓለመ ድርሰት ካብዚ ኣበራት’ዚ ማሕዲጉ ኪቐርብ ዝሓሸ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ከርሲ መጽሓፍ ካብ ዝተዘውተሩ ከም፡ “… ትግርኛ ፍሉይ ላዛን ቅሻረትን ኣለዎ፤ ብጨያፍ ኣንደበት ከይትንባህ፤ …ተኻቲቱ ይርከብ፤…ዝተዋህበ ኣከዋውማ ተሰሪዑ ኣሎ፤…ግሲ ዘይበ ተጠቒሱ እነሆ፤ …ከም መብኢ ይዝውተር፤…ተመሳሳሊ ኽትሞ’ዩ ዚኽተል፤…ዚስዕብ ዝግጅት የድሊ፤…ግብታዊ ሓሳባት ብምእካብ….፤ ልዩነት…” ዝብሉ ገለ ሓረጋትን ዝተሰመረሎም ቃላትን እንተሪእና፡ ኣሻባኻ ንክትርድኦም ኣጸገምቲ ኮይኖም ትረኽቦም። ምናልባት፡ ኣብ ዝበዝሕ ኣንባቢ ኣብ ንጡፍ ዕዮ ክውዕሉ ዘይጸንሑ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ከበድትን ሓደስትን ቃላት (Passive Words)) ብፍላይ ኣምራት ንምብራህ ተዘውቲሮም ከጓንፉኻ ከለዉ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ክልሰ-ሓሳባዊ መግለጺታትን ኣምራትን ንምርዳእ ትጽመድ፡ መሊሶም እቶም ቃላት ከም ተደረብቲ ኣምራት ንኣእምሮኻ ይገዝኡ። ምናልባት፡ ሓደ ደራሲ ሓደስቲ ቃላት ንምምሃር ከም ዕላማ እንተሒዝዎ’ውን፡ ንኣምራት ብፈኰስቲ ቃላት ድሕሪ ምብራህ፡ ንዘይስገሩ ቃላት ግን ብመንገዲ ኣብነታት ብምሉእ-ሓሳብ ኣሰኒዩ ከስዕቦም ተመራጺ ጥበብ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ብፍላይ ገለ ካብዞም ቃላት’ዚኣቶም ብህየቶም ኣምሓርኛ ብምዃኖም ድማ ክምረጹ ኣይምተገብአን።

በዚ መንጽር፡ ካብ ትሕዝቶ’ዛ መጽሓፍ’ዚኣን ካልኦት ኣቐዲሞም ዝፈረዩን ድርሰታት ከም እንግንዘቦ፡ ደራሲ ተክአ ተስፋይ ብመርገጺ ደረጃ ምናልባት ከብድቲ ወይ ሓደስቲ ቃላት ምዝውታር ብዕላማ ይንቀሳቐሰሉ ከይከውን ትጠራጠር። ብዝኾነ ግን፡ እዚ’ኳ ንኣኡ ዝግደፍ ጉዳይ እንተኾነ፡ ዝኾነ ፍርያት ድርሰት ንዓማዊል ኣንበብቲ ንምዕጋብ ክሳብ ዝኾነ፡ ንባህጎምን ሃረርታኦምን ንምምላስ ወጢንካ ክብደትን ፍኹሰትን ቋንቋኻ ክትመዝስን ተጸላኢ ኣይኮነን። ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ደራሲ ንሓሳባቱ ይኹን ንመልእኽቱ ብቋንቋ ስለዝሸይጥ፡ ጽባቐን ፍዂሰትን ዝጥቀመሉ ቋንቋ ምስትኽኻል ዝያዳ ንደረቕን ረቂቕን መኸሰቡ ወሳኒ ተራ ይጻወት። ስለዚ፡ ቃናን ላዛን እንተላይ ንጹርነት ትሕዝቶ ቋንቋኻ (tone and succincty) ብፍላይ ኣብ መምሃሪ መጽሓፍ ሰዋስው ትሰኹዖ ቃላት ልዝበትን ፍዂሰትን ኪለብስ ምኽሪ’ውን ዘድሊ ኣይኮነን።

ብሓጺሩ፡ ኣብ ሃገርና ብፍላይ ኣብ ‘ቋንቋ-ኣደ’ ኩሎም ቋንቋታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ድማ ብፍላይ ዝካየዱ መጽናዕቲ ስርዓተ-ቃላትን ኣቃውማኦምን (morphplogy) ይኹን ኣነዳድቓ ቃላትን ሓረጋትን (syntax) እምብዛ ስሕዋት እዮም። ምናልባት’ውን ዝፈታተኑ’ምበር፡ ዝካየዱ መጽናዕትታት’ውን ኣለዉ ክብሃሉ ኣይከኣልን። ምናልባት፡ እዚ መጽናዕታዊ ሕጽረት’ዚ ድማ ንድኽነት ፍልጠት ቃላት ይጸሉ ይኸውን። ካብዚ ዝነቅል፡ ከበድቲ ቃላት ዝጎብእዎም ድርሰት ንምንባብ ንጸልእ ኢና። ስለዚ፡ ደረስቲ ስነ-ቋንቋ ነዚ ድኻም’ዚ ቀስ ኢልካ ንምምላእ ደኣ’ምበር፡ ዝያዳ ንምርሓብ ክንህቅን ኣይግባእን። እንተተኻኢሉ፡ ንኣንበብቲ ከበድቲ ወይ ሓደስቲ ቃላት በብቕሩብ ንምልምማድ ብጥበብን ሜላን ክንዕጠቐሉ ግን ኣይምተጸልአን። እዚ ሓሳብ’ዚ፡ ብፍላይ ንደራሲ ጥማዕ ኣመት ንምሃብ ደኣ’ምበር፡ ሓድሽ መልእኽቲ’ውን ኣይኮነን።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?