Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን ብቕድመ-ተኸተል (2ይ ክፋል)

መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን ብቕድመ-ተኸተል (2ይ ክፋል)

0
By Mekonnen T. on March 9, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

AMAN TEKESTE W.

 

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ ዓንቀጽ፡ ኣብ ኤርትራ (ከተማ ምጽዋዕ) ቤት-ማሕተም ብ1867 ከም ዝተተኽለ ተሓቢሩ ነይሩ። ከምዚ ይኹን’ምበር፡ ብቛንቋ ትግርኛ ንመጀመርያ ግዜ ዝተሓትመ መጽሓፍ፡ “ወንጌል ቅዱስ ናይ ጎይታናን ናይ ምድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ”  ብደብተራ ማቴዎስ እዩ። እዚ ኣርባዕተ ወንጌል ዘጠቓልል መጽሓፍ ክርስትያን፡ ኣብ 1836 ተተርጒሙ ተጻሒፉ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብ1866 ኣብ ባስል – ስዊዘርላንድ ዝተሓትመ፡ ፋልማይ መጽሓፍ ኣብ ታሪኽ ቋንቋ ትግርኛ እዩ።

እዚ ኣብዚ ዓንቀጽ ዝዝረበሉ ዘሎ ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ ሕትመት (Publications) ደኣ’ምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ብራናታት ዝተጻሕፉ ዘጠቓልል ኣይኮነን። ዝኾነ ምድንጋራት ክኽሰት የብሉን። ከም ኣብነት፡ ናይ መጀመርያ ጽሑፋት ትግርኛ፡ ኣብ ሎጎ-ሳርዳ ዝተረኽበ፡ ብዛዕባ ስርዓተ-ሕጊ እንዳ’ባ ኮይኑ፡ ናይ 13 ክፍለ-ዘመን እዩ። ብድሕር’ዚ ዘመን ክሳዕ ኤውሮጳዊ ምትእትታው፡ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ነይሩ እዩ።

 

II) መጽሓፍቲ ሃይማኖት (ካብ 1866 ክሳዕ 1982)

 

 *- ካብ 1866 ክሳዕ 1933” ተሓቲሞም ዝተዘርግሑ፤

 

140) “ወንጌል ቅዱስ ናይ ጎይታናን ናይ ምድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ” – ደብተራ ማቴዎስ – (1866)

141) “ትምህርቲ ክርስትያን” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1892)

142) “ናይ ደቂ ማርያም መጽሓፍ” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1897)

143) “ሓጺር ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ” – ቀሺ ተወልደመድህንን ቪንክዊስት ካርልን – (1899)

144) “ኣርባዕተ ወንጌል” – ቀሺ ተወልደመድህንን ቪንክዊስት ካርልን – (1900)

145) “ወንጌል ቅዱስ፡ ናይ ጎይታና መድሓኒና ዮሱስ ክርስቶስ” – ስዊዲናዊት ሚስዮን – (1900)

146) “ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1901)

147) “ጽብቕቲ ሞት ንምርካብ ምእንቲ ምስንዳው ዝናገር” – ኣባ ኣንጀሎ ዳሮን ፒልዮነ – (1905)

148) “ሓጺር ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1907)

 

149) “መዝሙር ሰላም” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1907)

150) “ወንጌል ቅዱስ እየሱስ ክርስቶስ ወ ግብረ ሃዋርያት” – ኣባ መልኣከ ኣሮን – (1907)

151) “ሓዲሽ ኪዳን” – ቀሺ ተወልደመድህንን ቪንክዊስት ካርልን – (1909)

152) “ትምህርቲ ክርስቶስ” – ቀሺ ተወልደመድህንን ቪንክዊስት ካርልን – (1910)

153) “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰረቱ ትምህርቲ ክርስትና” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1910)

154) “ኣርእስቲ ስብከት 2ይ ዓመት” – ኤሪክሶን ኣላ – (1911)

155) “ብርሃን ይኹን፣ ስብከት ዛንታ ምዕዶ ንህዝቢ ኢትዮጵያ” – ኤሪክሶን ኣላ – (1912)

156) “ኣውሊ ብጊሓት” – ኤሪክሶን ኣላ – (1912)

157) “መግለጺ ሓቂ” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1912)

 

158) “ሕጽር ዝበለ ስብከት ወንጌል ናይ ሰንበትን ዓበይቲ በዓላትን” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1912)

159) “መግለጺ ሓቂ” – ቀሺ ዘርኣጽዮን – (1912)

160) “መጽሓፍ ምዕዶ፡ ምዕዶን ቅኔን” – ኣባ ገብረስላሴ – (1913)

161) “ብጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እመን” – ኤሪክሶን ኣላ – (1913)

162) “መዝገብ ክርስትያን ነንመዓልቲ ዝንበብ ስብከት” – ኤሪክሶን ኣላ – (1914)

163) “ናይ ክርስትያን ትምህርቲ” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1914)

164) “ጸሎት ትእዛዝ፡ ዓቢ ትምህርቲ ክርስቶስ” –ቤ/ማ ፍራንቸስካና – (1919)

165) “ንእሽቶ መኽፈቲ መጽሓፍ ቅዱስ” – ሃለቓ ተወልደመድህን ገብሩ – (1919)

166) “ቅዱስ ታሪኽ እንካብ ብሉይን ሓዲሽን ኪዳን” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1922)

 

167) “መዝሙር ሰላም” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1923)

168) “ሓዲሽ ኪዳን (2ይ ሕታም)” – ወንጌላዊት ሚስዮን – (1925)

169) “መንገዲ ክርስትያን” – ቢንያም ዮሃንስ – (1926)

170) “ነቶም ዘራእቲ ቃል እግዚኣብሔር” – ዳንሰን ኣክሳል – (1927)

171) “ልቢ ወዲ ሰብ” – ተወልደመድህን ገብሩ – (1927)

172) “ወንጌል ቅዱስ፡ ናይ ጎይታና ዮሱስ ክርስቶስ ዮሓንስ ዝጸሓፎ” – ወንጌላዊት ሚስዮን – (1927)

173) “ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢሚታስዮ መጽሓፍ” – ካምፒስ ቶማስ – (1932)

174) “ብሓጺር ቃል እተጠቅለለ ናይ ክርስትያን ትምህርቲ” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1933)

 

*- ካብ 1933 ክሳዕ 1954 ዝተሓትሙ፤

 

175) “ሓጺር ቅዱስ ዛንታ” – ወንጌላዊት ሚስዮን – (1934)

176) “ክርስቶስ ምእንቲ ምምሳል” – ካምፒስ ቶማስ – (1936)

177) “ዕቅብተ ግዜ፡ ዘውእለቱ ወዳልወ ሰዓታት ወዕላታት (ዘይደልየኒ ኣይሓዘኒ ይብል ግዜ)” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ – (1938)

178) “ህልውና ኣምላኽ” – ተወልደመድህን ገብሩ – (1939)

179) “መዝሙር ሰላም፡ ሰፊሕ ሕታም” – ስዊዲናዊት ሚስዮን – (1940)

180) “መዝሙር ዳዊት” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1941)

181) “ትንቢት ኢሳይያስ” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1941)

182) “መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ ኣሎ” – ዑቕባዝጊ ገብረሚካኤል – (1942)

183) “ትምህርቲ ብዛዕባ ሂወት ክርስቶስ” – 7ይ መዓልቲ ኣድቨንትስ ሚስዮን – (1943)

 

184) “መጽናዕቲ ትምህርቲ ሰንበት” – ኣድቨንቲስት ሚስዮን – (1943)

185) “ንኡስ ትምህርቲ ክርስትና” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ – (1944)

186) “ሓድሽ ኪዳን” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢትዮጵያ – (1945)

187) “ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1945)

188) “ናይ ቅዱስ ምስጢር ተኽሊል ምስራቓዊ ሕጊ ቀኖና” – ተወልደመድህን ዮሴፍ – (1945)

189) “ናይ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ዘርኢ ሓደ ሓደ ነገራት” – ተኽለሃይማኖት /ኣባ በዓል ዓድዋ – (1945)

190) “መዝሙር ጽዮን” – ኣድቨንቲስት ሚስዮን – (1949)

191) “ብሉይን ሓድስን ኪዳን” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢትዮጵያ – (1949)

192) “ቅዱስ ታሪኽ እንካብ ብሉይን ሓዲሽን ኪዳን” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1949)

 

193) “ትምህርቲ ሃይማኖት ክርስትና /ብሓጺር ቃል” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1950)

194) “ወንጌል ቅዱስ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1950)

195) “መዝሙር መንእሰይ” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1950)

196) “እዚ ኣጸቢቅካ ሕሰብ፡ ኣስተንትኖ ወንጌል” – ቤ/ማ ኣርቲግራፊኮ ኤርትርያ – (1950)

197) “መጽሓፍ ቅዳሴ” – ማሕበር ሃዋርያት – (1950)

198) “መልእኽቲ ሓዋርያትን ናይ ኢዮቢሉ ጸሎታትን” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢዮሱስ – (1950)

199) “ማና ጸሎታት” – ደቂ ኣቡነ ብሩኽ ማሕበር ስታውያን – (1950)

200) “ትምህርቲ ክርስትያን፡ ቃል እግዚኣብሄር ብሕቶን መልስን” – ስዊድናዊት ሚስዮን – (1950)

201) “መግለጺ ወንጌል ዮሓንስ” – ወንጌላዊት ሚስዮን – (1953)

 

202) “ቅዱስ ታሪኽ” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1953)

203) “መጽሓፍ ጸሎት” – ቀሺ በርሀ ወልደማርያም – (1954)

204) “መጽሓፍ ምግባር ሰናይ” – ኣባ ፍሊጶስ – (1954)

 

*- ካብ 1955 ክሳዕ 1966 ዝተሓትሙ፤

 

205) “ሓጺር ገድሊ ቅዱስ ባርናርዶስ ክለርቨ” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ – (1955)

206) “ዓቢ ትምህርቲ ክርስቶስ (4ይ-7ይ ክፍሊ ዝመሃሩ)” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ – (1956)

207) “ረዲኤት ካብ ኣምላኽ” – ጸጋይ ይስሓቅ – (1956)

208) “ካብ ኣርሙኝ ሳልሳይ ዳዊት” – ብርሃነ መስቀል ዓንዶም – (1956)

209) “ማና ንደቂ እግዚኣብሄር” – ስዊደናዊት ሚስዮን – (1957)

210) “መሰረት ኣሚን” – ተኽለማርያም መርሃጽዮን – 1957

211) “ኢየሱስ ፍኖት” – ዑቅባ ቴዎድሮስ ገብረኣምላኽ – (1957)

212) “ሒደት ጥቅስታት ካብ ሓንቲ ንእሽቶ መጽሓፍ” – ተወልደመድህን ገብሩ – (1958)

213) “ንእሽቶይ ስርዓተ ቅዳሴ” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1959)

 

214) “ዋልታ ሃይማኖት” – ገብረሚካኤል ገብረሂወት – (1959)

215) “ቅዱስ ሉቃስ ዝጸሓፎ ወንጌል” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢትዮጵያ – (1960)

216) “መንፈሳውያን ምስጢራት፡ ብዛንታታት ምሳሌታትን” – ኣብርሃ ርበቱ – (ዕለተ ሕትመቱ ብልክዕ ኣይነጸረን)

217) “መርሐ መእመናን ዘተዋሓዶ ቤተ ክርስትያን” – ቀሺ በርሀ ወልደማርያም – (1962)

218) “ትጽቢት ደቒ-ሰብ” – ባሃኢ መንፈሳዊ ጉባኤ – (1962)

219) “መንገዲ ክርስትያን” – ባይሩ ዑቅቢት – (1962)

220) “እምነት ባሃኢ” – ባሃኢ መንፈሳዊ ጉባኤ – (1963)

221) “ሓድስ ህይወት ንኹሉ” – ኣይነጸረን (ኰኾብ ጽባሕ ቤት ማሕተም) – (1963)

222) “መንፈሳዊ ሕግን ስነ-ስርዓትን” – ማሕበር ሃዋርያት – (1963)

 

223) “መሰኻኽር ጀሆቫ ሓደስቲ ደቂ ኣርዮስ” – ኣባ ኣጎስጢኖስ ተድላ – (1963)

224) “ንስኻትኩም ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ኢኹም – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1964)

225) “እግዝኣብሔር ምሳኻ እዩ” – ክፍለማርያም ማንካሪኒ – (1964)

226) “ጽድቅን ሰላምን” – ብሩኽ ወልደጋብር – (1964)

227) “ሰማዕታት ካታከምባ” – እምባዩ ሃብተዝጊ – (1964)

228) “ንግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ከፍርስ” – ዑቕባዝጊ ስዩም – (1964)

229) “ምዕባይ ህዝቢ እግዚኣብሔር” – ኮሚቴ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣስመራ – (1965)

230) “መዝሙር ምስጋና” – ማሕበር መንእሰይ ፍኖተ ብርሃን – (1965)

231) “መሰረት እምነት ክርስትያን (2ይ ሕታም)” – ወንጌላዊት ሚስዮን – (1965)

 

232) “ማና ንደቂ እግዚኣብሄር፡ ካብ ጽሑፋት ማርቲን ሉተር” – ስዊድናዊት ሚስዮን – (1965)

233) “ረዲኤት ካብ ኣምላኽ” – ጸጋይ ይስሓቅ – (1965)

234) “መለኮታዊ ቅዱስ ቁርባን” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ – (1966)

235) “መጽሓፍ በዓላት ማርያም” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ – (1966)

236) “ባሕሪ ሓሳብ” – ኣብርሃም ጸገዝኣብ – (1966)

237) “ዕረፍቲ ብማቴዎስ” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢትዮጵያ – (1966)

238) “ሰባት ይፈልጥዎ ደኾን ይኾኑ” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1966)

 

*- ካብ 1967 ክሳዕ 1982 ዝተሓትሙ፤

 

239) “ኣታኽልቲ ጽጌረዳ ቆላ ጽገ ድንጉላት” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1967)

240) ምሕረት ብማሪቆስ፡ ናይ ጎይታና ቅዱስ ማርቆስ ዝጸሓፎ – – (1967)

241) “ቃላት ሕይወት፡ ኣብ ልዕሊ ንባባት ሰናብቲ ዝግበር ኣስተንትኖ” – ክፍለማርያም ማንካሪኒ – (1967)

242) “ቅዱስ ማርቆስ ዝጸሓፎ ወንጌል” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1968)

243) “ቅዱስ ሉቃስ ዝጸሓፎ ወንጌል” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1968)

244) “ቅዱስ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ወንጌል” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1968)

245) “ቅዱስ ወንጌል” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1968)

246) “ቅዱስ ታሪኽ” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1968)

247) “መሰረት ሃይማኖት” – ቀሺ እምባየ ሃብተእዝጊ – (1968)

 

248) “ኣንጦንዮስ ህዝባዊ ቅዱስ” – ካቶሊካዊት ምስዮን – (1968)

249) “መሬት ኢኻ ናብ መሬት ክትምለስ ኢኻ” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1968)

250) “መን ኢኻ ንስኻ” – ጳውሎስ ተስፋዝጊ – (1968)

251) “ስነ-ምግባር” – ጳውሎስ ተስፋዝጊ – (1968)

252) “መንፈሳዊ ስልጣነ” – ኣባ ተስፋልደት ኣባይ – (1969)

253) “መጽሓፍ ጸሎት (3ይ ሕታም)” – ክፍለማርያም ማንካሪኒ – (1969)

254) “መዝሙር ዳዊት መሓላይ ነብያት ጸሎት፡ እግዚእትነ ማርያም” – ፍስሓጽዮን ዑቕባጋብር – (1969)

255) “ካበየናይ ቤተ ክርስትያን ኢኻ” – ምስግና ገብረመድህን – (1969)

256) “ንብስራት፡ ዝቐለለ ናይ ምንባብ መንገዲ (3ይ መጽሓፍ)” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኢትዮጵያ – (1971)

 

257) “ኢዮብ፡ ናይ ስቃይ ትርጒም” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢትዮጵያ – (1971)

258) “ኣንጦንዮስ ሊቀ ወንጌል” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1972)

259) “ዋልታ ሂወት” – እዝራ ገብረመድህን – (1972)

260) “ንናይ ዲያብሎስ ውዲት ክቡር መድሃኒ” – መም/ ክፍሉ ገብረመስቀል – (1973)

261) “ናይ ዓለማውያን ማሕበር ናይ ቤ/ክ ተስፋ” – ኣባ ተወልደመድን ብርሃነ – (1973)

262) “ጸሎት ንዋም” – ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና – (1973)

263) “መጽሓፍ ምሳሌ” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢትዮጵያ – (1973)

264) “ሓጎስ ብሉቃስ” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢትዮጵያ – (1974)

265) “ብመጀመርታ ናይ ዓለም ኣፈጣጥራ ታሪኽ” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኢትዮጵያ – (1974)

 

266) “መዝሙር ህይወት” – ፊንላንድ ሚስዮን – (1974)

267) “ፈታው ሓውነት ፍራንቸስካና” – ቤት ማሕተም ትምህርቲ ፍራንቸስካና – (1974)

268) “መጽሓፍ ትእዛዛት ኣጽዋማት ብዘመነ ብሉይን ሓድሽን፡ መቅድመ ባህረ ሓሳብን ጸሎትን” – መንእሰይ ማሕበር ሃዋርያት ፍረሃይማኖት – (1975)

269) “ንጸሊ!” – ሓው የማኑ ጀሃይ – (1975)

270) “ኣርእስቲ ሓጢኣትን መንፈሳውያን ሓይላትን” – ኣባ ሃብተማርያም ዓዲ ዑመር – (1975)

271) “ማርያም ዘዓብር ፋጥማ” – ኪዳን ተስፋማርያም – (1976)

272) “ሰላም ብዮሓንስ” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢትዮጵያ – (1976)

273) “ትምህርቲ ስርዓት ጸሎት ስግደት” – ቀሺ በርሀ ወልደማርያም – (1976)

274) “መጽሓፍ ጸሎት ምስ ስርዓተ ቅዳሴ (2ይ ሕታም)” – ቀሺ በርሀ ወልደማርያም – (1977)

 

275) “ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ፡ 1ይ ክፍሊ” – ተወልደመድህን ጸጋይ – (1977)

276) “ሓድሽ መንገዲ ንኣንበብቲ” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢትዮጵያ – (1977)

277) “መንፈሳዊ መተሓሳሰቢ” – ኣባ ኤልያስ ፍስሃ – (1977)

278) “ተዳሎ ንትንቢት ኣሞጽ” – ቀሺ እምባየ ሃብተዝጊ – (1978)

279) “ሕጂ እውን ክርስትና – ተኽለዝጊ ዑቕባጊዮርጊስ – 1978

280) “ናይ ዓለማውያን ማሕበር ተቕዋም” – መም/ ሃብተ ዘርአ – (1978)

281) “መንገዲ ዘልኣለማዊ ህይወት” – ዘይተፈልጠ – (1978)

282) “ሓጺር ታሪኽ ክርስትና” – ጴጥሮስ ገብረስላሴ – (1978)

283) “ንሕጻናት ዝተዘንተወ ሂወት ኢዮሱስ” – ኣልባኒ ኣንጀሎ ኣስትፋው ማሲም – (1978)

 

284) “ናይ እስልምና ሃይማኖት መሰረታዊ ሕግታት” – ኣብራር ኢብራሂም ሓሰን – (1978)

285) “ኣደ ብርሃን ተወልዳ” – ኣባ ኤልያስ ፍስሓ – (1979)

286) “ታሪኻዊ ሓበሬታ ንተማሃሮ ሓዲሽ ኪዳን” – ብላይ ጆን – (1979)

287) “መጽሓፍ ቅዳሴ፡ ስርዓት ቅዳሴ ምስ ኣኩቲተ ቁርባን ቅዱሳን ኣቦታትና” – ዘይነጸረ (ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና) – (1980)

288) “ቅኑዕ ፍትሒ” – ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢትዮጵያ – (1980)

289) “ናይ ዓለማውያን ጸዋዕታታት ጸሎት (ቊጽሪ 5)” – ጀርማና ሰማሩጋ – (1981)

290) “መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት መልእኽታት ጴጥሮስ፡ ካልኦት ሓዋርያት፡ ራእይ ዮሃንስ” – ኣባ ጢሞቴዎስ ተሰማ – (1981)

291) “ህልውና ስላሴ ዘልኣለም፡ ስላሴ ዘለዓለም ህልዋን እዮም።” – ሓድሽ ገብረመድህን – (1981)

292) “ሃይማኖት ዘእንበለ ገብረ ምውቲ ይእቱ” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1982)

 

293) “ትእዛዝ ለቅድስት ቤተክርስትያን ማሕደረ መለኮት” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1982)

294) “ተግባራዊ ቃል ወንጌል” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1982)

295) “ዓሰርቱ ቃላት” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1982)

296) “ጥምቀት ክርስትያንን ሜሮንን” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1982)

297) “እናገልገልካ ምጽባይ” – ተኽለዝጊ ዑቕባጊዮርጊስ – (1982)

298) “እቲ ቅኑዕ ሃይማኖት” – ከቢረ ሙሳ – (ዕለቱ ዘይተነጸረ)

299) “እተን ሰለስተ መሰረታት ምስ መርትዖታተን” – ሸኽ መሓመድ ቢን ሱለይማን ኣተሚሚ – (ዕለቱ ኣይነጸረን)

 

መዘኻኸሪ፤ ድሕሪ ፈደረሽን ዝተሓትሙ መጽሓፍቲ፡ እቲ ዓመተ-ሕትመት ተጠቒሱ ዘሎ፡ ከምቲ ወግዒ ቤተ-ክህነት፡ ግእዛዊ ኣቆጻጽራ እዩ።

 

መወከሲ፥

  • https://africantriangle.com
  • መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣብርሃም ነጋሽ
  • Eritrean Books (facebook page)

 

08/03/2017

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን ብቕድመ-ተኸተል (1ይ ክፋል)
Next Article “ወይዘሮ ኢለን ዘ ሃዘጋ፡ ኣብ ሸሞንተ መጋቢት እንክዝክራ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?