Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መዝገብ ወዲ-ባጽዕ እንኪግንጸል

መዝገብ ወዲ-ባጽዕ እንኪግንጸል

0
By Mekonnen T. on April 22, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

AMAN TEKESTE W.

ሎሚ ሚያዝያ 22፡ 1990 እዩ። ሰዓት 6 ድ.ቐ. ብምዃኑ፡ ካብ ዓቢ ሓወይ ሰሪቐ ንዘምጻእኩዋ ብሽክለታ ምስ መታዓብይተይ መድሃኔ ኮይነ ንኺንጻወተላ ተሰማሚዕና ኢና። ምስ መዳ መዛኑ ኢና። ኣብ ለካቲት 10/ 1990 ተጋደልቲ ንባጽዕ ቅድሚ ምሓዞም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንፍራቸስኮ (ባጽዕ – ጥዋለት፡ ብእንዳ ሶራ እንጽውዖ ቤ/ት) ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት መማህርቲ ኢና።

“መዳ፡ ዋላ ቸቹንኴ ጅሮ ናብቲ ብሎኮ በጺሕና ንምለስ። ፍራቴሎ ከኣ ጁው ከየብለኒ፣ ቀልጢፈ ከይረኣየኒ ክመልሳ ኣለኒ፡” በልኩዎ። ብልምዲ ‘ብሎኮ’ እንብሎ ከባቢ ሲነማ ኣይዳ፡ ኣዝዩ ገፊሕ መስቀላዊ ጽርግያ ኢዩ፣ ክንዲ ሜዳ ኩዕሶ ይኸውን። ናይ ክልቴና ገዛውቲ ካብዚ ብሎኮ ናይ ሚእቲ ሜትሮ ኣቢሉ ርሕቀት ኣሎዎ።

“ቤላ! ብመን ትጀመር ቢምቦም-ባክስ ዶ ንግበረላ?! ግን ድሓን ንስኻ ጀምር፡” በለኒ መድሃኔ።
ዋላ’ኳ ብዙሓት መታዓብይቲ እንተ ሃለዉ ምስ መድሃኔ እምባየ ብሓንሳብ’ዩ ውዕሎና። ኣብ ቤ/ት ይኹን ኣብ ገዛውትና ብሓንሳብ ንጻወትን ነዕልልን፣ ካልእ ሳልሳይ ኣይንውስኽን። እዚ እዋን ማለት፡ ድሕሪ ለካቲት 1990 ግን ተጋደልቲ ንባጽዕ ስለ ዝሓዙዋ፡ ነፈርቲ ኲናት ቀጻሊ ስለ ዚዝንብያ፡ ብድሕሪ’ቲ ኪመጽኣሉ ዘይክእላ ሰዓታት ዕራርቦ ኢና ተራኺብና እንጻወት።

ብሸነኽ ጸጋምና፡ መወዳእታ ሰሙን ጾም ኣርብዓ ብምንባሩ፡ ኣዴታት ገዛውትና ኣብ ኣፍደጌታተን ኮይነን ገሊኤን ሕንኲሮ፡ ጣይታ፡ ቅጫ … ወዘተ. ይዓያ ኣሎዋ። ብየማንና ክሳብ’ቲ ብሎኮ ተር ዝበላ ከባቢ ዕስራ ገዛውቲ፡ ገሊኦም ስድራ ኣብ ደገ ማይ ረብሪቦም ሻሂ፡ ቡን ይሰትዩ። ገሊኦም ድማ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣሎዉ። በታ ብሽክለታ ብናህሪ ነዘን ገዛውቲ እናሓለፍና፡ ኣነን መድሃኔ ዓርከይን ሰሰለስተ ግዜ ብሎኮ በጺሕና ተመሊስና።

“እውይ መዳ … ኣብቲ እንዳ ላምባ ዘሎ ሪጋ ክበዝሕ! እንቋዕ ሎሚ ሪጋ ኣይከድና፡ ክላ ምዃን ከምኡ’ዩ።”
“ማራ ‘ስከ! ብዓል ባባ ኩሎም’ቶም ኣሰብኡት ኣብቲ እንዳ ቺፍ-ኣየለ ቡን ይሰትዩ ኣሎዉ፡ ርኢኻዮምዶ፧”
ከባቢ 6፡17 ድ.ቀ ሪጋይ ኣኺሉ ነታ ብሽክለታ ‘ከብላ’ እናተዳለኹ ከለኹ፥ “ኣርከበ! ኣርከበ ወደይ ነዓ’ሞ፡ ንዓ ቅጫ ክህበካ። ነዛ ሓፍትኻ ድማ ሓዘለይ፡ ኣብዚ እግረይ ሕልኽልኽ ኢላ ምስንካት ከሊኣትኒ።” ዝብል ዘረባ ኣደይ ሰማዕኩ።
“ኣንቲ ማማ እጻወት ኣሎኹ። በረካን ኣኽሊልን ኣሎዉ ምሽ፧ ንሶም ዘየጻውትዋ፧!” ሓውሲ ምሽክንክን እናበልኩ መለስኩላ።
“ንዓ እንድየ ዝብለካ ዘለኹ! ሓሲቡልካ ኢዩ ግዲ፧! በረካን ኣኽሊልን ከኣ ደቂሶም ኢዮም ዘሎዉ፡” በለትኒ። ዝህባ ካልእ ምኽኒት የብለይን። ዕድለይ እናማረርኩ፡ ሓሪቐ ክትኮስ ደልየ። ነቶም ኣብ መንጐይ ኣብ መንጐ’ዛ ፊዮሪ ዝስማ ሓብተይን ዘሎዉ በረካን ኣኽሊልን ዝብሃሉ ኣሕዋተይ “ድሓን ይተስኡ’ሞ ጉንዲ እዝኖም ጅው ከብሎም’የ” ሰሚዓትኒ ድያ ኣይሰምዐትንን ኣይፈለጥኩን፡ ቀስ ኢለ’የ ተዛሪበ። እታ ብሽክለታ ንመዳ ዓርከይ እናሃብኩ፥ “እሞ መዳ፡ ክሳብ ዝምለሰካ ንስኻ ኣብላ፡ ኣነ ናብ ማማ ክኸይድ።” ናብ ኣደይ ገጸይ ከድኩ።

ኣነ ነታ ሚሚ ሓዚለ እሩሩ እናበልኩዋ፡ መድሃኔ ድሮ ክልተ ጅሮ በጺሑ መጺኡ። ካባይ ቊሩብ ሜትሮታት ተፈንቲቱ ዘረባ ጀሚሩ፥ “እሞ ኣርከበ፡ ንስኻ ምስ ሓፍትኻ ጽናሕ፡ ኣነ ከብጽሓ ክኸይድ …” ዘረብኡ ከይወደአ፡ በዚ መጺኣ ዘይበልናያ ኲኽኽኽኽኽ ………….… ሂምምምምም……!
ዚመሊሕ ስሕለት ነትጒ ….. እዝነይ ኣጽሚሙ ….. ልበይ ኣርዒዱ ….. ብርከይ ኣሕሚቚ …. ኣነ ተጸፊዐ ናብዚ ባይታ ….. ሓብተይ ናበይ ነፊራ ኣይፈልጥን፡ ጎረረይ ተለኪቱ ኣዒንተይ ምስ ተኸፍታ ……. ጒሁር ፈሓም ካብ ሰማይ ድሮ ወዲቊ ……. ክንዲ ጎቦ ዝኸውን ባርዕ ፈጢሩ ………. እሳተ-ጎመራ …… እናረኣኹዎ ንኹሉ ረምምም ኣቢሉ።
ክንዲ መኪና ጎጎሲዑ ይውርውር ናብ ብምሉኡ ……….. ባልባል ዚብል ሓዊ፡ ብጸሊም ደበና ተጎልቢቡ …… ክንዲ መጐጐ ኣደይ ዚኸውን ካብቲ ባርዑ ……. ኣብዚ ጥቃይ ዱብ! ኢሉ ዓሊቡ።
ኣፍንጫይ በቲ በድኒ ጨንኡ ተዓቢሱ፡ ዓይነይ ከፊተ ከባብየይ እንደገና ምስ ተዓዘብኩ …… እቲ ብዚንጎን ጣውላን ዝተሰርሐ ገዛውትና ኩሉ ጎልጎል ኮይኑ … እንዳ’ቦይ ኣስገዶም፡ እንዳ’ቦይ ሳልሕ …. በብሓደ ጠረብረብ… ኢሎም ክወድቊ እርእዮም ኣሎኹ።

‘ጸጥ’!

ሃንደበት፡ ብርቱዕ ኣውያት ኣንስትን ጫውጫውታ ቈልዑን ሰሚዐ ኣዒንተይ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ንጐኒ ሸነኽ ምስ መለስኩዎ፡ ብምልኦም ጐረባብትና ኣብ ባይታ ወዲቈም ገሊኦም ብደም ገሊኦም ብጠዋሉ ተሸፊኖም ….. ኣብዚ ጥቃይ ብደም መርኣዪ ዘይብላ ፋጥማ ጐረቤትና ተሰጢሓ ኣለለኹዋ። ፋጥማ ንብዓል ሳዕድያን ኣፍራሕን መጻዉተይ ኣዲኦም እያ ……. ኣብ ጥቃ ፋጥማ፡ ኣፍራሕ ጓላ ከም ዝበሰለት ኮሚደረ ኣካላታ በቲ ጋዝ በሻዕሻዕ ኢላ፡ ካብ ዓንካሪኣ ንታሕቲ መርገጺ እግራ ተመልዒሱ … ትውጭጭ ..…. ካብኣ ርሕቕ ኢሎም ኣብ ትሕቲ ዓርኮብኮባይ፡ ብዓል መን ምዃኖም እንድዒ ተዓጻጺፎም ተጐንቢዮም ወዲቖም ርኤዮም …….. ማማ ሓረጉ’ያ መስለኒ በቲ ማዕዶ ንሓደ ዝወደቐ ወዲ – ተመስገን’ዩ ዚኸውን … ሰለስተ ግዜ ተመላሊሳ ርእሱ ቀቀሊዓ የማናይ ኢዳ ኣብ ርእሳ፡ ጸጋማይ ኢዳ ኣብ ድሕሪኣ ዓጺፋ ተልቅስ ኣላ …… ኣብቲ ማዕዶ ኣብ ጽርግያ ሰማያዊ ክዳን ዚገበረ ብደም ዝጠልቀየ ቀሺ “ማይ እንዶ ኣስትዩኒ ‘ዞም ደቀይ …. ማይ …. ማይ” …

‘ገሃነም ኣቲና ማለት ኢዩ እዚ ጸሊም ነበልባል …’ ሓሳበይ ከይወዳእኩ ከለኹ፡ በዚ መጺኦም ዘይበልኩዎም ሰብኡትን ዓበይቲ ኣወዳትን ዚንጐታትን ጣዋሉን ብሊኮትን እናልዓሉ ዚሞቱ ሰባትን ቊሱላትን ኣልዒሎም ናብቲ ዘለኹዎ መገዲ ከቀምጥዎም ጀሚሮም ……….. እልፊ ኣካላት ኣብ ቅድመይ ተዛሕዚሑ ገጸይ ናብ’ቲ ማዕዶ ዝነበረት ሆቴልና ምስ ጠመትኩ፡ ሙሴን ክፍሎምን ዓበይቲ ኣሕዋተይ ብጉያ ናባና ገጾም ይመጹ ኣሎዉ።
ካብቲ ወዲቐዮ ዝነበርኩ ባይታ ንኽትስእ ፍሕትሕት ምስ በልኩ .. መዳ ዓርከይ ጸቂጡኒ ብምንባሩ ምስ ኣለኹዎ … ገለ ክፋል ኣካሉ’ምበር፡ ካልኡ ሰኣንኩዎ። ኣንፈጥፊጠ “ኣኣኣኣ …..” ንኣውያት ኣፈይ ክፊተ ከይቀጸልኩ፡ ሓደ ካብቶም ኣሕዋተይ መጺኡ “ኣርከበ…! ኣርከበ….!” እናበለ ኣልዒሉ ኣተሲኡኒ። ደው ምስ በልኩ፥ “ሙሴ ሓወይ ሙሴ ሓወይ፡ ኣብዚ ከባቢ ኣላ ፊዮሪ” ኢለ ኣዒንተይ ምስ ኣዘርኩ፡ ርኤያ። ናብታ ሚሚ ምስ ከድና፡ ኣፋን ነብሳን ብሓመድ ተሸፊና ጸኒሓትና። ናብቲ ዓቢ ሓወይ ተመራሪሕና ምስ ከድና፡ ነቶም ኣብ ዓራት ደቂሶም ዝነበሩ’ሞ በቲ ምንቅጥቃጥ ናይቲ ነትጒ ካብ ዓራቶም ወዲቆም ብዓራት፡ በለፎን፡ ከረዴንሳ፡ ተጸቂጦም ዝነበሩ በረካን ኣኽሊልን ኣልዒሉ ኮፍ ኣቢልዎም ጸኒሑና። ማማ ግን የላን። “ኣብቲ ኮይና እንጀራ ትስንክት ነይራ፡” በልኩዎም። ነርባዕቴና ኣብዚ ጽንሑ ኢሎም፡ ክልቲኦም ክደልዩዋ ከዱ።

 

“ዋይ ደቀይ! …… ዋይ ደቀይ ….. ዋይ ዋይ ….. ኡኡኡይይይ!”
“ኣላህ ዎ ኣክባባባርርር …. ኣላህ ዎ ኣክባር … ዳ ርያ ….. ያ ኣላህ …. ያ ረብ ዳ ርያ …. ያለጢፍ” – ድምጺ ኣንስትን ኣቦታትን ገዛውትና ንእዝነይ በሓቶ።

ተጋደልቲ፡ መካይን ቶዮታን ኦራልን ሒዞም ብምምጻእ፡ ነቶም ሁሩማት ብቶዮታ፡ ነቶም ምውታት ድማ ኣብ ኦራል ጸጺዒኖም ይወስድዎም ኣሎዉ። እቶም ሰብኡት፡ ጌና ዚንጎታት፡ ጠዋሉ፡ ብሊኮቲ እናቀልዑ ሰባት የውጽኡ ኣሎዉ ክሳብ ሕጂ።
እቶም ክልተ ኣሕዋተይ ንሓንቲ ሰበይቲ የልዕልዋ ኣሎዉ … ‘እወ ማማ እያ። ተሃሪማ ድያ ወይስ ሃለዋታ ጠፊኡ?!’ ራዕዲ ኣተወኒ፣ ከብደይ ዝሑው ኢሉኒ። ኣተሲኦማ። ‘ኡፍፍፍ … ኣይተሃርመትን ኣላ’። ናባና ገጾም መጺኦም። ኣደይ መሬት እናጠብጠበት “ኣንታ ፈጣሪ፡ ካን! ካን! … ዋይ ኣነ ደቀይ፡ ዋይ ኣነ ደቀይ …” ገለ ትብል ኣላ።
ናይቶም ኣብቲ ሆቴልና ዘሎዉ፥ ኣቦይ፡ ዮርዳ፡ ጆኒ ኩነታት ኣይፈለጥኩን። መዳ እንታይ ኢዩ ዝበለኒ፡ ኣቦይ ምስ ኣቦኻ ኣብቲ እንዳ ቺፍ-ኣየለ ካፌተርያ…?

“ባባ ኸ ባባ?!”

“ደሓን’ዮም ኩሎም።” ኢሉ መለሰ ክፍሎም ሓወይ። ክልቲኦም ነርባዕቴና ርእስናን ካልእ ኣካላትናን ፈትሾሙና። እዚ ኹሉ ሰብ ወዲቚ፡ ብተኣምር ሓደ’ኳ ካባና ብናፓልም ዝነደደ ወይ ብስክጆ ክላስተር ዝተሃርመ ኣይጸንሐን።
ኣብ ኣፍደገ ገዛና ግን ከም ቈጽሊ ረጊፎም ተዛሕዚሖም ዚነበሩ በብሓደ ክለዓሉ ጀሚሮም። ብማዕዶ፡ ኣካላታ ብምሒር ምንዳዱ ከለልያ ዘይከኣልኩ ሰበይቲ፡ ኣብቲ ደቂሳቶ ዝነበረት ዓራት ኮይና ሓሪራ፡ ምስ ዓራታ ኣብ ኦራል መኪና ጽዒኖማ ርይእዮም ኣሎኹ።

“ተስኡ እንድያሞ ንውሽጢ ድፋዕ ንእቶ።” እቲ ዓቢ ሓወይ ንኹላትና መሪሑና ናብታ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ባባ፡ ኣብ ውሽጢ ካንሸሎና ሰሪሕዋ ዝነበረ ዓማቚ ድፋዕ ኣተና። ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይ፡ ነፈርቲ ደርጊ ከም ዘይመጻ ስለ ዝተመኰርና ኢና ካብዚ ድፋዕ ቅድሚ ሰዓት ዝኸውን ከም ኩሉ ሰብ ዝወጻእና። ኣይጸንሐን ዓቢ ሓወይ ክፍሎም፡ ንዓና ምስ ሙሴ ገዲፉና ናብቲ ሓደ ገዛና ማለተ ናብ ሆቴል ገጹ ክኸይድ ርኣኹዎ።
ስእልታት’ዚ ፍጻመ እናተቐጀለኒ፡ ክዛረብ ኣይከኣልኩን። ኢደይን ከናፍረይን እናንቀጥቀጠ ምዕጋስ ኣበየኒ። ኣብቲ ፊተይ እቶም ሰለስተ ደቂ 1፡ 3፡ 5 ዝዕድሚኦም ኣሕዋተይ ፊዮሪ፡ ኣኽሊል፡ በረካ ንማማ ከቢቦማ ረኣኹ። ማማ ክሰምዖ ዘይክእል ንላዕሊ እናጠመተት ተህተፍትፍ ነበረት።

መዳ ዓርከይ ንርእሰይ ብሒትዎ።

‘…..መዳ ሓወይይይ …! – ብሽግለታ ንከብላ ከኣ ሪጋይ እያ ነይራ – እዋይ ባባ መዓረይ ካብቲ እንዳ-ቺፍ-ኣየለ ተመሊሱ ዶ ይኸውን ንሆቴልና – ጆንን ዮርዳን ከ ብሂወት ይህልዉ ዶ – ስለምንታይ ግን? ኣንቲ ማርያም ጥዋለት፡ ስለምንታይ? – እቲ ጻዕዳ ሰብኣይ ክንዲ ቁሱላት ዝሕግዝ ብቪድዮ ምስኣል ዓቢዎ ማለት ድዩ ….’

ኣብ ከቢድ ሕልሚ ክህሉ’ሞ፥ ‘ኣንታ ኣምላኽ ኣበራብረኒ፡’ በልኩ ብውሽጠይ። እቲ ሰንሰለታዊ ስእልታት እናተመላለሰ ምኻድ ምስ ኣበየኒ ግን ሓቂ ምዃኑ ኣመንኩ።
እቲ ከቢብ ጸሊም ሲኦል ትኪ፣ ረማዕማዕ እቲ ገዛውቲ፣ ዚተመሽለጡ ቈልዓ ሰበይቲ፣ ኣብ ለልዕሊ ጠረብረብ ኢሎም ክወድቚ ዝረኣኹዎም እንዳ’ቦይ ኣስገዶም፡ እንዳ’ቦይ ሳልሕ፣ ብደም ዝተሸፈነት ፋጥማ፣ እግሪ ኣፍራሕ፣ ኣደ ተመስገን ንተመስገን ሰለስተ ግዜ ርእሱ እናቀልዓ፣ ማይ’ባ ኣስትዩኒ ‘ዞም ደቀይ ልመና’ቦይ ቀሺ፣ ሸበድበድ ሰብኡት፣ ተኸፊሉ ዝወደቐ መዳ ዓርከይ፣ ናብ መኪና ዝስቀሉ ቊሱላትን ምውታትን፣ ኣብቲ እንዳ ነዳዲ ሪጋ ጌሮም ዝነበሩ፣ ኣብቲ ካፈተርያ እንዳ ቺፍ-ኣየለ ዝነበሩ …. እዚ ሰንሰለታዊ ስእሊ ከም ፊልም እናተራእየኒ ህልውናይ ተቋጻጺርዎ።
ሚግ ደርጊ ድሌታ ሰሊጡ
ሰብ ከም ቈጽሊ ረጊፉ
ኩሉ ባይታ ዘቢጡ!

 

እዚ ሰንሰለታዊ ስእሊ እናተደጋገመ፡ ድቃስ ጠለመኒ።

********
ቀቅድሚ’ዚ ብደብዳብ ቅብጸት ዝፍለጥ ደብዳብ ኣብ ህዝቢ ባጽዕ፣ ‘ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ’፡ ባጽዕ ንምቊጽጻር ዝነበረ ደብዳብ፤
እልፊ መዳፍዕ ክወድቅ ትርእዮ /ኣየናይ ካብ መን ከተለልዮ?! /ኣቤት ከብድኻ ሓቊፍካ ትጽልዮ!
ተጋደልቲ ብድሕሪት ብታንክታት ሂምም…! ረምም…! /ወተሃደራት ደርግ ብመራኽብን መዳፍዕን ቡምም..! ዱብ.. ዑብ… ረምም…! /ህዝቢ ኣብ መንጐ ተቐርቂሩ /ብቅድሚት ረመጽ ጓህሪ /ብጐኑ ነበልባል ከም ማዕበል ባሕሪ /ስሕለት ደርጊ … ስሕለት ተጋደልቲ /ብላዕሊ ሓዊ ዘዝንባ ነፈርቲ! /ሽዑ’ዩ መዓት ብመዓት እናክደጋገም /ግዜ ደው ኢሉ ኮይኑ ዘልኣለም! /ኣየናይ ናይ መን ከተለልዮ /ስጋ ፋሕ ኢሉ ብዝኸድካዮ!
ዘይሓልፍ የለን … ሓሊፉ /መጺኦም ጋምባለ ዝወደዩ ንጒዓት /ዘውደቚ መግዛእታዊ መዓት
“ኣሎዎም ከኣ! ብቅንዕና ዚመርሕ ዚዳንን /ዘልምዕ ንዝጠፍአ ብሓውን ብዲንን” ምስ ተባህለ
ድምጺ ዋይዋይታን ቊዘማን /ተቐይሩ ብዕልልታን ምኡዝ ዜማን። ሽዑ’ዩ ኣዋልድን ኣንስትን ባጽዕ፥ “ይዕልላ’ለዋ’የ … ይዕልላ’ለዋ’የ ………….. ኣደ’ዘን መናእሰይ ይዕልላ’ለዋ’የ” ኢለን ደጋጊመን ዘሚረን።
********
ውሑዳት ናይ ቃላት ምስትኽኻል እንተዘይ ኮይኑ፡ ኩሉ ብ2008 ብስግረ-ዶብ ንሱዳን ምስ ሰገርኩ፡ ኣብቲ ካምፕ ኣብ ዳያሪ ዝመዝገብኩዎ’ዩ። ኣብ ካምፕ ሱዳን ኮይነ ነዚ ምምዝጋበይ፡ ገለኹም ገሪምኩም ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣስመራ’ኳ እንተ ነበርኩ፡ ምስ ሓደ ዓርከይ ንሱዳን ብመኪና ንምስጋር – ካብዚ ዝተደብደበ ገዛውቲ ባጽዕ ብምንቃልና እዩ። እቲ ዝዓበኹሉ ኩትምያ፣ ነቲ ምሳይ ዝተደብደበ ህዝቢ ባጽዕ፡ ራሕሪሐዮ እወጽእ ብምህላወይ፣ ቅድሚ ምብጋስና ዝነበረት ለይቲ – ምሉእ ለይቲ በቲ ዝኽሪ ዘበገሶ ክነብዕ ብምሕዳረይ ከይደቀስኩ’የ ተበጊሰ – ንሱዳን።

በዚ ከቢድ ደብዳባት ጥራይ ኣይሓለፈሉን። እተን መዋእለን ዝጸለያን ዝተማህለላን፣ እተን ዝተደብደባ ስድራቤታት፣ እተን ድሕሪ ምሕራር ባጽዕ ዝዓለላ ዝሳዕስዓ ኩለን ተበቲነን’የን። ዝነበረን ማሕበረ-ኮማዊ ኣቋውማ ተበቲኹ፡ ገዛውተን ፈሪሱ፡ ብሓጺሩ ኩልንትነአን በሪሱ። እቲ’ኳ ብቅንዕና ዚመርሕን ዚዳንን፡ እቲ’ኳ ጻድቅን ብዓል ሓቕን ዝብልዎ ዝነበሩ መራሒ ውድብ፡ ነተን ውጻእ መዓት ኣንስቲ ይተዓለማ – ብረት ይዕጠቃ ኢሉ ወሲኑ። እተን’ኳ ዝተደብደባ’ሞ ድሓር ዝዓለላ፡ ብረት ዓጢቀን ጋም-ማን ይብላ ኣለዋ ኣብቲ ኣደባባይ ባጽዕ። እተን’ኳ ካብ ማህጸነን ዝወጹ ናብ ቡሬ፡ ባዳ፡ እግሪ-መኸል፡ ባድማ ከይዶም ከም ሸዊት ዕፉን ዝተጠብሱወን ኣዴታት! እቲ ስርዓት፡ ተተሓሒዝዎ ንዕንወት ውልቀ ሰብን ስድራቤታትን፣ ብርሰት ቊጠባን ማሕበራዊ ቅርጽን። መሬት ባዲሙ፡ መንእሰያትን ቈልዑን ንስደትን ዘይውዳእ ከርተትን ተፈሪዱ። እዚ ስርዓት ዘርኣዮን ዚገብሮ ዘሎን ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ዜጋታቱ ግን ካብ ልብን ኣእምሮን ደቂ ባጽዕ ዘይሃስስ ግህሰት ሰብኣውነት ኢዩ። ካብቲ ደርጊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ባጽዕ ዝበደሎ ዝኸፍእ በደል ኣብ ርእሱ ክፍጸም እርኢ ኣሎ።

እዚ ጽሑፍ፡ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብቲ እዋን ደብዳባት ዝሞቱን ሕጂ ዝከላበቱን ዘሎዉ ቤተ-ሰብ ዘቢሄረ ባጽዕ ድዩ ኣይኮነን፧! እንድዒ። ምናልባት ነቶም መተዓብይተይን ዘዕበዩንን ስድራቤታት፡ ካብቲ ነዊሕን መሪርን ቃንዚኦም ከናግፎም ዓቕሚ ብዘይ ምርካበይ፡ ስንፍናይን ውድቀተይን እናዘዘሉ እህሉ። ህዝቢ ባጽዕ፡ ብደርጊ ከም ዕንጨይቲ ክነድድ ተፈሪዱ። ህዝቢ ባጽዕ፡ ነቶም ብቈጽልን ዕልልታን ዝተቐበሎም ተጋደልቲ፡ ቀደውቱ ኮይኖም ኣይጸንሑዎን። እዚ ስርዓት ብዝከኣል መጠን ከፍርሶ ዝኽእል ሓያል ማሕበረ-ኮማት ኣፍሪሱ፣ ገዛውቶም ኣፍሪሱ፣ ንመንእሰያታ ከም ሸዊት ዕፉን ኣብ ኲናት ጠቢሱ፣ ንዝተረፉ ከም ዝስደዱን ኣብ በረኻታት ኤርትራ ከም ዝኽርትቱን ገይሩ። ባጽዕ ዝተረፋ የብላን።
ነገር ግን ነዞም ሕጂ መንግስቲ ህግደፍ ንምቅያር ዝንቐሳቀሱ ዘሎዉ ውድባት፡ ማዕረ ክንደይ ኪኣምኖም ኢዩ፧! ዶስ ህዝቡን መሬቱን ገሊሉ፡ ብስምምዕ ዶ እናበር ‘ኸውን፧!

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleፈሪሐልኪ
Next Article ግጥሚ ትግርኛ፡ ግዳይ ብርዑ ነናይ ዘውተረ ጸሓፊ !
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?