Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መርዓት ዘይብሉ ሕጽኖት!

መርዓት ዘይብሉ ሕጽኖት!

0
By Mekonnen T. on May 20, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Tsegay Mehari

ኣብቲ ኣብ ዘመነ ” ናጽነት” ዝትሃንጸ ካብ መቓብር ሃብታማት ዘይንእስ ሸላታት ማይ ስርዋ፡” The Icarus Ajenda” እትብል መጽሓፍ የንብብ ነበርኩ። milos varak ዝተባህለ ካብ ቀንዲ ጠባያት ታ መጽሓፍ ኣብ ግዜ ሶቬት ሕብረት ካብ ችኮዝላቭክያ ሃዲሙ ናብ ኣሜርካ ዝኸደ ነበረ። ኣብ ሓደ ስርሒት ነብሱ የላሊ ነበረ ሞ፡ ከምዚ በለ ፡ቃል ብቃሉ፥
…I came from a country
Whose goverment is stolen
From the people!. ሸቕ ኣበለኒ ውሽጠይ ሻቡ። ልክዕ ከማይ ድማ በልኩ።
እንሆ ኣብዚ ቅንያት ድማ እታ መንግስነታ ካብ ህዝባ ዝተሓድገ ሃገርና ” በዓል ናጽነት ” ከትብዕል ብሩር ዶ ወላ ምሩር ትብል ኣላ። መንዩ ናጽነት ከብዕል። እቶም ግኡዛት ኣኻውሕን ጽርግያታትን!? ናጽነት ኣብ ዘይብሉ ኸ እንታይ ማለት’ዩ በዓል ናጽነት? ” ናጽነት የማያውቁ ናጽነት ኣውጪ” ኢሉ’ሎ ተስፋየ ገብረኣብ ኣብ መጽሓፍ። ከምዚ ናትና ማለት ኮ ዩ። ናይ ካልእ ከይጉድሎ ከይሸራርፎ፡ ናተይ ዛንታ ሂወተይ ኣብ “ናጽነት” ነዚ ይመስል።
ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ቲ እግዚኣብሄር ከም ሰብ ተፈጢረ ከም ሰብ ክነብረሉ ዝሃበኒ ዕድመ ኣብቲ ከም ሰብ ተፈጢርካ ከም ሰብ ዘይንበሮ ጎዳጉዲ ማይስርዋ ኣባኺነዮ። ምእሳረይ ዘይኮነስ ኣታኣሳስራይ ወትሩ የስተንትኖ። ሓደ ምሸት ከምቲ ልሙድ ዕላል ውሽጢ ሒዙኒ እንከሎ ከምዚ እትብል ግጥሚ ገጠምኩ።

ዝጎየሉ ግዜ እናጎየየ
ዳሓን ኩን ኢለዮ ተኾርምየ
ኣይደንገጸለይን!
ጎኒጹኒ ተዓዚሩ
ሕብራዊ ክታም
ኣብ መሰመር ሂወትይ ኣምቢሩ።

በዛ ግጥሚ ጌረ ናብቶም ኣብ ዘመነ” ናጽነት” ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ዕድሚኦም ኣብ ዘመነ “ናጽነት” ኣብ ዝተሃንጸ ጎዳጉዲ ዘባኸንዎ ዜጋታት ዘከርኩ። ኣብ ጎነይ ዝነብሩ ሸላታትን ኮንቴነራትን ፌሮ ኣብ ኢደ እግሮም ከም ኣምባር ዝተሸለሙ መናብርተይ ናይ ቲ ሂወት ኣሰተንተንኩ። ምስትንታን ሒዙኒ ሃጽ በለ። ምስትንታን ፈጠረ ኣስተንትኖ። እቲ ጽቧቅ ነገሩ ብውሽጥኻ ከተስተንትን ሰብ ዘይቆጻጸሮ ጉዕዞ ውሽጢ ምንባሩ’ዩ። ኣብ ዘመነ ” ናጽነት” ዳግማይ ዝሰንከሉ ስንኩላን ” ናጽነት” ኩድም በሉ ኣብዚ ቅድመይ። ደቆም ብሰንኪ ታ ” ናጽነት” እትብሃል ስግረዶብ ብምኻዶም ደቆም ስኢኖምስ፡ ደርሆኹም ውን ትኹን ሸይጥኩም ሓምሳን ዕጽፉን ሸሕ ክፈሉ ዝተባህሉ ናፍቕትን ሕራነን ኣብ ገጸም ዝንበብ ወለዲ ኣብ ፊተይ ቆይሞም ምእላይ ኣበዩኒ። እዚኦም እቶም ብጸሎትን ብጉልበትን ንሳላሳ ዓመት ነታ ” ናጽነት ” ዘምጽኡ ወለዲ ዮም።

ነቲ ሞት ተሳሊመ ፡ ከም ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ኣብ ዘመነ “ናጽነት” ብገመድን ፌሮን ዝተሰቐልኩዎ፡ ኣሰተንተንኩ። ኣብ ዝመነ ኣፓርታይድ ኳ ኣብ ሽድሽተ ወርሒ ንማንዴላ ዝፍቀደሉ ዝነበረ ናይ ምጽሓፍ ደብዳቤ ናብ ስድርኡ፡ ኣብ ቲ ኣብ ዘመነ” ናጽነት” ካብ ኩሉ ብግዴታ ተወሺበሉ ዝነብረሉ ዝነብረኩ ጎዳጉዲ ማይስርዋ ግን ንዓመታት ጭራም ደብዳቤ ዘይላእኾ ሂወት ኤርትራዊ ኣብ ዘመነ” ናጽነት ” ኣስተንተንኩ። ክንደይ ሞ ዘየስተንተንኩ። እታ ግጥመይ ኣዕረፈትኒ።

ገሊኡ ሃሳስ ገሊኡ ድሙቕ
ገሊኡ ዝርገም ገሊኡ ዝምረቕ
ገሊኡ ዘጨክን ገሊኡ ዘበቑቡቕ
….ክንደይ ሞ ክብሎ
ኣብ ውሽጠይ ኣብ ደገይ
ዕደመይ ዝኸተሞ።

ኣብዚ ኣዕረፈኩ። ክንደይ ሞ ዘይስተንተንኩ ኣብቲ ኣብ ዘመነ ” ናጽነት” ብናጽነት ኣልቦ ነጻ ጉልበት ዝተሃንጸ ባዓትታት ማይ ስርዋ ተኾርምየ።

እንታይ ማለት’ዩ ግዲ ናጽነት? ናጻ ምዃን ድዩ ወላ ካልእ ትርጉም ዩ ዘለዎ? ናይ ኣበይ ዘላ ናጽነት’ ዮም “በዓል ናጽነት” እናበሉ ታቱላ ሒዞም ለለ ዝብሉ ዘለው። መርዓት ዘይብሉ ሕጽኖት !!!

እንሆ ሕጂ ድማ ኣብዚ ” ናጽነት” ደልየ ዝተሰደድኩሉ ሃገር ኮይነ የስተንትን ኣለኹ። እቶም ኣብ ዘመነ” ናጽነት” ኣብ ዛንታ ውን ኣምቢብዮ ዘይፈልጥ ኣብ ሲናይ ዝተሓርዱን ኣካሎም ዝተሸጡን ኣንሀዉ ኣብዚ ቅድመይ። ኣረ ከመይ ጌረ የ ካብዚ ኣስተንትኖ ክእለ። ፍጹም ኣይክኣልን’ዩ። ኣዒንቲ ሕልናና ንካልኢት ውን ኣይታኸስን ዩ። ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ኣብ ሳሃራን ንቡር ቀብሪ ዘየረኸቡ፡ ኣብ ዘመነ’ዛ ” ናጽነት” እትብሃል ዘላ ሂወቶም ዝሰእኑ ህጻናትን ዓበይትን ዜጋታት ህልም ኢለ ኣለኹ። ለካ ሞት ነቲ መዋት ዘይኮነስ ነቲ ዘሎ’ዪ ቀታሊ። ኣሳቓዪ። ኣሰቆርቋሪ። ኣብዚ ኩነተ ኣእምሮ ኣለኹ ኣብዚ ካልኢት።
ነቶም ቅድሚ ሰሙናት ኣብዚ ዘመነ “ናጽነት” ኣብታ ሕጂ ገጣሚ ዮሃንስ ኣብራሃም ” ኣብ ግንባራ ባንዴራ ኣሲራ፡ኣብ ሕምብራት ደቃ ኣሲራ” ዝበላ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ማእከል ኣባሻውል ብተመልከተለይ ብዓረር ኣሕዋቶም ዝተዛሕዝሑ መንእሰያት ብሕራነ ይዝክሮም ኣለኹ። ትማሊ ዝተደርመም ኣራእስ ሎሚ ክስዕስዕ ክርእዮ ከለኹ፡ እንታይ ዓይነት ሕማም መንፈስ ሓሚምና ከም ዘለና ኤርትራውያን ጽውጽዋይ ይኾነኒ።ኣብ መርዓት ዘይብሉ ሕጽኖት እንነብር ዘለና ህዝቢ ምዃና ቃንዛ ልቢ ይፈጥረለይ።

ኣብዚ ዚ ዘመነ” ናጽነት” ብዳግማይ ሄረዶስ ዝተሳደደት ቤተክርስትያን ኣብ ቅድመይ ስለዝቆመት ክጻወሮ ዘሸግረኒ መንፈሳውን ስጋውን ቃንዛ ስለዝፈጠረለይ ፡ናይ ሎሚ ኣስተንትኖይ” መርዓት ዘይብሉ ሕጽኖት” ኣብዚ ክዛዝሞ።

22፥30 17 ግንቦት 2016
ቡደን ስዊድን።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመዋዕልቲ መዝገብ
Next Article ግንቦት ወደስመራ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?