Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መርሃዊ

መርሃዊ

0
By Mekonnen T. on June 20, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ካብ መሬቱ
ኣብ መሬቱ
ናብ መሬቱ፡

ኣብ ምድረ በዳ ጎልጎል
ኣብ ኣኽራናት ገደል
ብሓመድ እምኒ ተጸቒጡ
ዋላ የጽቅጥ ብድቃስ ተዋሒጡ
መዓስ’ዩ ሞይቱ መርሃዊ?

ዝወለደቶ ማህጸን ኮሪዓ
ዝደቀሰላ መሬት ጠጢዓ
ዝናፍቕዎ ኣሓት፡ ኣሕዋት
መላእ ሕብረተ-ሰብ ቀረባ ርሑቓት
ሳልኡ! ሳልኡ! ሳልኡ! እናበሉ
ኣብ ጐደና ሓርነት ሸናዕ ክብሉ
ንሱዶ’ይኮነን ህያውነት መርሃዊ!

ኣይመሽመሸን!
ጨው ሰሊና ኣይበልዖን ኣዕጽምቱ
ኣይማጠጐን!
ቀዝሒ ሮራ ኣይጨደዶን ቈርበቱ፡
ምስ ጠሉ እዩ ዘሎ ደሙ
ናብ መትንታትና ልሒሙ!

እነሀና’ንዶ ንወሳወስ
እንተ ዝመውት ደኣ ዘይንልዅሰስ
እነሀና’ንዶ ንርኢ ነስተውዕል
እንተ ዝመውት ደኣ ዘይንዓውር።

መርሃዊ ሞይቱ ዝብል ደኣ መንዩ
ካብ ንፋስ ሓርነት ዘየዳምጽ ደሃዩ።

ርግጽ!
በብራኹ እንተ ዘይኬድና
በዒንቱ እንተ ዘይተመሪሕና
ቃሉ ብዘይምኽባር
ብጕዑ እንተ ወዲቑ ፍረና
ብህርፋነ ስልጣን
ብኣድልዎ ወገን
ረሲኣን ኴንና ምስ እንነዓዓቕ
ንጸላእቲ ምስ እንፈጥር ፈቓቕ
ሞተ ማለት ሽዑ’ዩ መርሃዊ
ብኣርባዕተ መኣዝን ተጠሊዑ ዘእዊ።

እንተ ዘየለ፡
ተወሃሂድና
ዋልታ ሓድነት ገቲርና
ቃሉ ምስ ዘይነዕብር
ሳቮያ እንተልና ንህንጸት ሃገር
ሎሚ ኣይሞተ፡ ጽባሕ ኣይመውት
መርሃዊ
ህያው’ዩ ዘልኣለማዊ።

ሰለሙን ድራር

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቃል ሰማእት  
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?