Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መልእኽቲ ጥበብ ናብ ሰዓብቱ

መልእኽቲ ጥበብ ናብ ሰዓብቱ

0
By Mekonnen T. on June 21, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

ብርሃነ ገብረሂወት

ሰንኮፍ እምነትኩምን ኣካይዳኹምን እርእዮ ኣለኹ። ሕግታተይ እናተጣሕሰ፡ ክብርታተይ እናተጋህሰ ሱቕ ክብል

ኣይመረጽኩን። ቁጥዐይን ስምዕታይን ንምግላጽ እነሆ መልእኽተይ እሰደልኩም። እዚ መልእኽቲ ዝበጽሖ ነቶም ዘይበጽሖም

ይንገርን የብጽሕን።

ኣቱም ምስሉያት፡ እሙናት ኣገልገልተይ መሲልኩም ንኽትረኣዩ እትገብርዎ ጸደፍደፍ እዕዘቦ እየ። ግናኸ ሕጉስ ኣይኰንኩን።

ቀዳማይ ትእዛዘይ እንታይ ምዃኑ ኣይትፈልጡን ዲኹም? ኣይትስረቑ ኢለኩምዶ ኣይበልኩኹምን? ፍርደይ ጨካንን

ዘየናሕሲን’ዩ እሞ ወይልኹም። ካብ ነንሓድሕድኩም ሓሊፉኩምሲ፡ ኣብ ሪቐይ ካብ ዝኣተወ ምህርቲ እናኣምጻእኩም

ክትጥብሩኒ ኣይትፈትኑ። ብሕጓ ተመኹሊኹም እተውጽእዎኸ ንምንታይ? ኣነ ጥበብ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ክንዲ

ትስተሩ ኣይትገተሩ፡ ተበላሺኹም ነቲ ምሩጽ ምህርቲ ኣይተበላሽዉ። ናይቲ ክርዳድ ምህርትኹም ከይኣኽለንስ ሕማም

ደግሲ ኣይትወስኹለይ። ሕመቕኩምን ድኽመትኩምን ማዕረ ሕፍረትኩም ስተሩ።

ኣቱም ድዉያት ኣእምሮ ቁሩብዶ ኣይትበራበሩን! ኣቱም ሰብ ልሙሳት ኣእዳውን ድፉናት ልቢን ቁሩብዶ ኣይትነቕሑን?

ኣቱም ዘመውቲ ቁሩብዶ ሕንከት ኣይትፈልጡን? ንቑጥዐይ ኣይተብእስዎ እብለኩም ኣለኹ። ክሳብ መኣስ ኢኹም

ዘይውላድኩም ውላድና እናበልኩም ከተሕቁፉኒ? ዘይውሉድኩም ንምንታይ በሃግኩም? መኻናት ምዃንኩም ንምንታይ

ኣሚንኩም ዘይትቕበሉ? ዘይጠነስኩሞ፡ ዘይሓረስኩሞ፡ ዘይሓዘልኩሞ፡ ዘይሓንገርኩሞ፡ ዘይጸዓርኩምሉን ዘይደኸምኩምሉን

ሒዝኩም ልዳተይ ኣይትዃሕኩሑ። ውሉድ ጠቢባን፡ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን’ዩ እሞ ኣይተራኽስዎ። መን ንመን ወሊዱ

ዘይፈልጥ ኣይኰንኩን። ወዲ መን’ዩ መጻጕዕ ወዲ መን’ዩ ጥዑይ ኣይተኸወለንን። ሕጂ ውን እብለኩም ኣለኹ፡ ካብ

መንፊትኩም መንፊተይ ይጸብብ። ዕዳጋ ውርደት ኣይትምረጹ።

ኣቱም ኣብ ውርሻን ህያብን እትኣምኑ ወይልኹም። ጥበብ ቀዳሞት፡ ውርሻ ንዳሕረዎት ወለዶታት እምበር ንህሉው ወይ

ንውልቀ ሰባት ኣብ ዓንቀጻተይ ኣይተፈቕደን። ንህያብን ውርሻን ዝምልከቱ ዓንቀጻተይ ውን ግሉጻት ኣይኰኑን። መኣስን

ንመንን ከም ዘውርሶ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጥ። ንምንታይ ደኣ ብሂወት እንከለዉ ንዋናታቶም እትምንጥልዎም? ንምንታይከ

ናይቶም ብሂወት ዘየለዉ ጠምጠም ክትብልዎ ሓረኹም? ንሳቶምሲ ንዓይ ኣውሪሶምኒ እዮም ከይዶም። ልዕለይ

ክጣበቐሎም ዝኽእል ሓደ እኳ የሎን። ንምንታይከ ስጋኦም ከይፈረሰን ኣዒንቶም ከይነቘረን ንውሉዶም እትቀዳደሙሎም?

ዘኽታማት መሲሎም ዲዮም ዝረኣይኹም ወይሲ ሓልዮትኩምን ርህራሄኹምን ኢኹም ከተንጸባርቑ ትፍትኑ ዘለኹም?

ኣእምሮኹም ገና ዕሸል ምህላዉ ኣስተውዒለ ኣለኹ። ዋናታቶም፡ ኣስከሬኖም እምበር ክታሞምን ድምጾምን ኣይተቐብረን።

ወላ ነቶም ዝሓመቑ ስራሓቶም ልዕሊኦም ከተጸብቕዎም ከም ዘይትኽእሉ እፈልጥ’የ። ማይ ጸባ ካብ ልግዐ ክበልጽ ኣበይ

ርኢኹም? ብኽብረትኩም ኣእዳውኩም ኣክቡ እብለኩም ኣለኹ። መቓልሕ ኣይትኹኑ እብለኩም ኣለኹ። ፈቲናዮምዶ ደስ

ኢሎምና እንተዘይበልኩም ይሓይሽ። ሱቕ እንተ በልኩም ከምሕረልኩም’ዩ እሞ ምኽኒት ኣይተብዝሑ። ብጥበብን ቅድን

ዋናታቶም ደኣ ፍተዉዎምን ኣድንቕዎምን እምበር ዘይብጽሓኩም ኣይብጽሓኩምን’ዩ። ቁጥዐይን ፍርደይን ጨካንን

ዘየናሕስን’ዩ እብለኩም ኣለኹ።

ኣቱም ንሰረቕቲ ብጣቕዒት እተበራትዑ፡ ብጎዞሞ ከይክትክተን ኣእዳውኩም ኣክቡ። ኣቱም ብሆይሆይታ እተስክሩዎም

ኣፍኩም ዕበሱ። ንሕፍረቶም ብመጋረጃ ድንቁርናኹም ኣይትኸውሉሎም። ንሰራቒ ሰራቒ በሉዎ። ሌባ ሌባ እንተ በልኩሞ

ሉባ ሉባ ዝበልኩሞ ከይመስሎ ቋንቋኹም ኣነጽሩ።

ኣቱም ካብ ሰብኣውነት ወጺእኩም ኣብ ዳሳት ፖለቲካ እትለሃዩ ዘለኹም፡ ኣቱም ሰነፋትን ግብዛትን ወይልኹም! ነቲ

ብድሕረኹም ዘሎ ጥጅእ ዘይተስተውዕሉ ንምንታይ? ዕርቃን መን ክትሽፍኑ ኢኹም ክትነብሩ? ብድፋዕ ጓይላ እተዝምትዎ

ዘለኹም ሕልምታት ኣብ ዝባንኩም ምህላዉ ፍለጡ። ብመንጽር ተጋጊኹም እተጋግይዎይዎን ተታሊልኩም እተታልልዎን

ክሓተኩምን ክፈርደኩምን እየ። ካባይ ዝዓቢ ጸግዒ የብልኩምን እሞ ጸግዒ ኣይትድለዩ። ንወጮ ካብ ወጮ ከተብልጹ ኢደ

ቤዛ ኣይትኹኑ ኢለ እግስጸኩም ኣለኹ። ራኢኹም ኣርእዩ፡ ንዓለምኩም እምበር ንዓለም ካልኦት ኣይተሳስዩ እብለኩም

ኣለኹ።

ኣቱም “ተሰማዕቲ ኢና እሞ ኣብ መድረኻት ወጺእና ከነስምዕ” እናበልኩም፡ ብሓይሊ መጉልሕ ድምጺ እትግዕሩ ዘለኹም

ተኣርነቡ። ካብ ብልሒ ሴፈይ ከም ዘይተምልጡ ብቁጠዐ እብለኩም ኣለኹ። ንሴፈይ ኣብ ጐረሮኹም ከም ዘውዕሎ

እነግረኩም ኣለኹ። ነታ እተቃልበልኩም ልቢ ክደፍና፡ ነተን ዝጸናጸናኹም ኣእዛን ውን ከጽምመን እየ። ኣብ መገዲ ዝወግሖ

ዝብኢ ኴንኩም ከይትተርፉ አሰምዕ ኣለኹ።

ኣቱም ንለቘታ ከብድኹም ክትብሉ ብስመይ እትዕሰቡ፡ ኣቱም ብዘይሰራሕኩሞ ዝና እትጽበዩ፡ ኣቱም ደገምትን ቀዳሕትን፡

ኣቱም ብስመይ እትሽቅጡ ወይልኹም! ካብ ሓደ ቀንጪብካ ካብ ሓደ ቀንጢብካ ከም ዘይከውን ገና ኣየስተዓልኩምን።

ብነበልባል ሓዊ ከም ዝቐጽዓኩም ሕጂ ውን እብለኩም ኣለኹ።

ኣቱም ቈፎ ተስፋኹም ዝነገፍኩም ኣይትልብሙንዶ? ካብ ዘይብልካዶ ይወሃብ’ዩ። ከውሒዶ ምህርቲ ክህብ ርኢኹም

ትፈልጡ ኢኹም? ክሳብ መኣስ ኢኹም ሕጊግ ክትብሉ? ተስፋ ቈሪጽኩም ንሰባት ተስፋ እተቝርጹኸ ንምንታይ? ኣብ

ጸቢብ ርእስኹም ንኹሉ ኣይተጻብቡዎ። ሞራል ዘየስንቕ ስራሕ ኣብ ውሽጥኹም ቅበሩዎ። ኣነ ጥበብ እብለኩም ኣለኹ፡

ዓቕሊ ጽበትኩም ኣብ በይንኹም ይዅን።

ኣቱም ድፉናት ኣእምሮ፡ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ጸላም ከይገናሕኩም ንመን ኢኹም ከተብርሁ? ስነ ጥበብ’ዩ ጸሓይ ሕብረተ

ሰብ ንሕና ከኣ ጩራታቱ እናበልኩም እትውክኹ፡ በየናይ እንዶኹም? ጸላምዶ ብጸላም ይደምቕ’ዩ? ኣነ ጥበብ እብለኩም

ኣለኹ፡ ኣቐዲምኩም ንውሽጥኹም ኣንጽሁን ኣብርሁን። እቲ ብርሃን ካብ ውሻጠኹም ይጀምር ኢለ ኣለኹ። እቲ ንውሽጡ

ዘድምቕ’ዩ ንኸባቢኡ ዘድምቕን ካብ ርሑቕ ዝጥመትን። ኣብ ግዜ ጸላም፡ ቁልዒ ውን ካብ ርሑቕ ዝረአ እኳ እንተ ዀነ ካብ

ምግጋይ ሓሊፉ ንኸባቢኡ ዝኸውን ኣይኰነን። ቅሂሙ ከም ዝጠፍእ ከቶ ኣይትስሕትዎን ኢኹም። ኣብ ውሽጡ ሓይሊ

እንተለዎ ግን ክጕህር ዓቕሚ ኣለዎ። ድኑስ ሓይሊ ኣለኒ እንተ በለ ግን ትርጕም የብሉን እብለኩም ኣለኹ።

ዓቕሚ ከም ዘይብልኩም እብለኩም ኣለኹ። ኣዋድቓ ቃላትኩም፡ ኣቀማምጣ ብራሽኩም፡ ኣቀራርጻኹም ጉዕ ጉዕ ይሽትተኒ

ኣሎ። ይጸይቑ፡ ይላመዱ ዝብል ድልየታተይ ኣነነት ኣሰዊዱ እዕዘቦ ኣለኹ። ኣብ ፈተነታትኩም ትዕቢት፡ ጽልኢ፡ ቅንኢ፡

ምንዕዓቕ እዕዘብ ኣለኹ። ኣቱም ንብርዕኹምን ብራሽኩምን ኣብ ጐድኒ ብረት ኣሰሊፍኩም፡ ንውግእን ግጭትን፡ ንጽልእን

ቅርሕንትን እተውዕሉ ዘለኹም መሳወርቲ ወይልኹም። ንዓኻትኩም እየ ኣቱም ስንኩላት ኣእምሮ! ኣነ ጥበብ መተሓቛቘፊ

እምበር መናቘቲ ኣይኰንኩን እብለኩም ኣለኹ። ንሰላም ዘይቀውም ውጽኢት ጥበብ ኣብ መዛግብተይ ቦታ ከም ዘይብሉ

ደጊመ እእውጀልኩም።

ኣብ መዝገበይ ክትኣትዉ፡ ሓዲሽ ሓሳብ ኣመንጭዉ። ሓዲሽ መገዲ ሃንድሱ። ዝና ክትረኽቡ ሓዲሽ ብልሓት ኣተኣታትዉ።

ኩሉ ዝኽእሎ ወይ ካልእ ዝበሎ ሒዝኩም ልዳተይ ኣይትዃሕኵሑ። ቅርጺ መንነትኩም በቲ እትስርሕዎ ስለ ዝቐውም

ኣዋድቓ ከይተኽፍኡ ኣይትዃንይዎ። ኣይትመሳሰሉን መሲልኩም ኣይትሕደሩን። ኣነ ጥበብ አሰምዕ ኣለኹ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?