Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, May 11, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሕምምቲ መዓኰር

ሕምምቲ መዓኰር

0
By Mekonnen T. on November 26, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ከም’ታ…..ኣብነት ክትከውን

ንሰብ ልዕሊ ኽፍኣት ጽባቐ ክገዝኦ

በቲ’ውን ነቲ ቤት

ኣብ ዓመቱ ብሪሓን ክትነስዖ፣

ብዘይ ስፍሪ ዝውሕዝ ቈላሕታን

ካብ ነብሳን ትንፋሳን ዘፍኖ ሃገግታን

ኣብ’ቲ መናፊት ከይደፋፍኡ

እና’ሳሰየቶም ተኣኒና

ብጠለብ መለኮት – ጽባቐ

ቅርጻን ኵሉ-ምላን

ከይበቐቐ ዘርኢ ረቂቕ ተኸዲና፤

ክንደይ ምኩሕ ሃሃዲና

ኣዒንቲ ክትጨዊ ዓዓፊና

ኣብ ስቡሕ መድረኽ

ቀብዘርዘር ምባል ዘምሕረላ ጐርዞ

ጐርዞ ውድድር ቍንጅና፤

ንምንታይ ድየ ተሃኒነ ክርእየኪ ወትሩ

ሕቶ ዘይደልየሉ?

ዓይነይ ብዘይካኺ ስለዘይመልኣሉ

ልበይ ብድሕሬኺ ሰብ ስለዘይብሉ።

እንታይ ኢኺ ግን….

ናበይ ኢኺ ትኣትዊ ትወጺ

ተቕለውልዊ ካብ ሕቝፈይ ክትነፍጺ!?

በሊ ባህ ይበልኪ!

ምስ ተዓዘቡኒ

ወግሐ-ጸብሐ ከም ዕዋኖ

በዚ ’ናዃሕኳሕኩ ካንቸሎ-ኻንቸሎ

በቲ ክደልየኪ ኣንጐሎ-ኣንጐሎ፣

ናበይ ከም ዝዀንኪ’ንድዒ

ህዱእ ንፋስ እና’ናወጽኪ

“ሽ….ሹብ!” እትብልዮም ብዘይ ወግዒ

ትሓንንዮ ርእዮም ዝበሉኺ ስምዒ፤

“ናበይ’ያ ትሕምበብ ከም መንኰርኰር

እዛ ኾፍ ትኸብዳ – ሕምምቲ መዓኰር!”

እምበኣር ንስኺ

ክትከዲ……ክትከዲ

ኣነ ከም ኣመለይ

ከናዲ……ከናዲ

ሽግር ከም ምዃኑ ናይ ፍታሕ መንገዲ

ሓሳብ ጎፍ ኢሉኒ

ክትቅየሪ ዘኽእል – ኮፍ ምባል ክትለምዲ።

ፈውሱ ንዘይርከብ

ሓኪም ንዘይዓይዮ

ሓድ-ሓደ ግዜ

ንዘይጭበጥ ሕማም፡ ሕማም’ዩ ዘሕውዮ።

ስሙ፡ ትርጉሙ

ዓቂቡ፡ ተሰኪሙ

ዘንተእለት ጸኒዑ ከም ዝነብር ሓወልቲ

ኣፍቂሩ ዘይርብርብ ካብ ኰንኩ

ዘይሰድድ ዝሓዞ – በዓል ዛርቲ፤

ከምኡ ድማ

መቐረት ኮፍ ምባል መታን ክትብህግዮ

ቂምታ መዓኰር ውን ክተስተንትንዮ፤

ርህሩህ ጌታ ስለዝሰምዓኒ

ታቦቱ ጠፍጢፈ እንተ ለሚነዮ

ጽንቅቕ እንክብለኒ እቲ ዝምነዮ

“ያላ ዕጫኺ’ልዕሊ” ’ተዝብለኪ

መግሊ’ንጭዋ ዶ ምሓሸትኪ ኦሞሮድዮ!!?

ቦኽረ ገብረየሱስ

ሰነ 2015

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ኣነን እታ ናይ ኣረቂ ቦርሳይን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?