Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ሕመቕ ዘንቀሎ ድጕዓ

ሕመቕ ዘንቀሎ ድጕዓ

0
By Mekonnen T. on March 3, 2015 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ቴድሮስ ኣብርሃም

ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ መንበር ኣውቶብስ ኣጕሲጠዮ። እቲ ኣብ’ቲ መንበር ብኾፉ ዝሕርንኽ ዝነበረ መንእሰይ፡ ሰንቢዱ ተበራቢሩ ክሳዱ ጠውዩ ጠሚቱኒ። ኣነ’ውን ሽዑ ምስኡ ሰንቢደ ተበራቢረ። እቲ መንእሰይ፡ እቲ ዘጋጠመ ሕልሚ ግዲ ኰይኑ ተሰሚዕዎ፡ ናብ ድቃሱ ተመሊሱ። ኣነ ግን ኣብ ህልም ዝበለ ሓሳብ መሊሰ ጋሊበ፣ ኣብ ጕዕዞ ኣውቶቡስ ወትሩ ብሓሳብ ጭልጥ ምስበልኩ’የ።

መንቀሊ ተግባረይ መርሚረ ኣይወዳእኩን። ወስታታት ኣእዳወይ ከይተረድኣኒ ኣብ ገለ ሽግር ከይእትወኒ እምበር፡ ኣብ ኢደይ ንዝወርድ ሃስያስ ባዕለይ ዘምጻእኹዎ’ዩ ኢለ ምተቐበልኩዎ ነይረ። ቀንየሉ’የ፣ ከይተረድኣኒ ጣውላን መንደቕን ከጕስጥ። ምስ ኰነ’ዩ ዝርድኣኒ እምበር፡ ከይኰነ እንከሎ ንምውጋዱ ምፈተንኩ። መንቀሊኡ ሓሳብ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ጥርጣረ ኣሎኒ። ኣውቶቡስን ባቡርን ድማ ዳርጋ ካልኦት ገዛይ ኰነን ብምህላወን፡ ብሓሳብ ከይመጠቕኩ ዉዒለ ኢለ ንነብሰይ ዘተባብዓሉ መዓልቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ይመጽእ ይኸውን’ዩ ኢለ ኣይኣምንን።

ኣብ’ዚ ዓዲ ባዕለይ መኪና ክዝውር እንተ ጀሚረ ግን፡ ብሓሳብ ምስላል ከወግዶ እኽእል’ዶ፧ ብሰሩ ከይኰነ ኣይተርፍን ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ብዙሓት መሓዙተይ ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ ዝሓለፉዎ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና ብሓንሳብ ክሓልፎ እንከለኹ፡ ነቲ ግብራዊ ፈተና ግን ዘይተዓወትኩሉ። መርማሪ ንስቶክሆልም ዝወስድ ኣውራ ጐደና ተዓጸፍ ኢሉኒ ከብቅዕ፡ ነቲ መእለዪ ገዲፈ ሃፍ ኢለ ዝተመርቀፍኩ።

ይገርም’ዩ፣ ወላዲየይ ብሓደጋ መኪና ንሓዋሩ ካብ ዝተፈለየኒ መዓልቲ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ናይ መኪና መርመራ ምግባርይ — ስጊንጥርነትን ባጫን ዝሓዘ ፍጻመ’ዩ ኰይኑኒ። መጥፍኢ ህይወት ኣቦይ ዝዀነት ሓጺን ፈሪሐ ንህይወት ርእሰይ ኣድኒነ ክገጥማ ዓይነ-ሕልናይ ኣይተቐበሎን። እዛ ገባሪት እከይ ዝዀነት ሓጺን፡ መዕበይተይን ህይወት ወላዲየይን’ያ ነይራ። ልዕሊ ክልተ ሲሶ ህይወቱ ብዘይካኣ ካልእ ነገር ኣብ ኣእምሮኣኡ ኣእትዩ ኣይፍልጥን። እሞ ብኣኣ ምጥፍኡ ኣፍቂራቶ’ዶ ክብል፧ ወይስ ከምዚ ኵሎም መጸናንዕተይን መሓዙተይን ዝብሉዎ፡ ‘ኣምላኽ ወዲኡዎ፣ ኣምላኽ ዝጸሓፎ’ዩ. . .’ እናበልኩ ነብሰይ ከዐሹ፧

እዞም ኣበሃህላታት ንሕቶታትይ ዝምልሱ ኰይኖም ካብ ዘይረኽቦም ሓጺር እዋን ኣየሕለፍኩን። ቍዛመ ሕልናይ ዘጠልቂ ንብዓት ኣይተረኽቦን። ከይድጕዕ፡ ሃይለ ቢዘን ዝደጕዓለይ እናዀምሳዕኩ ጥርዚ ዝበጽሐ ሃቐናይ ይርዅመሽ። ብሰሙኑ ነናሻዕ ኣናደገምኩ ኣብ መናድቕ ኣእምሮይ ዝሰመርኩዋ ድጕዓ ሃይለ ሕጂ’ውን ኣይገደፈትንን፤

ድጕዓ ስደት (ቍጽሪ 3)

1

መሊኸዮ ነይረ’የ ንብዓት ተኣኒንካ፡

ንጽል ድርብ ጀለምታ ተጠሊዕካ።

ሓቚፈ ዝረርዎ ምስና’ግረይ ረምታ፡

ንዓይ ኮይነ ንኻልኦት መሰነይታ።

ድምጽ’ውን ነይርዎ መታሓፍስቲ፡

ንቋደሶ ንቀባበሎ ምስ መቋዝምቲ።

2

ሓድሽ ብልሓት መሊኸ’ብዚ ዘለኹዎ፡

ተጎልቢበ ዘፍስሶ ኣንቃዕሪረ ዝኽዕዎ።

ግና ኣይከም ናይዓደይን ዘዋራዚ፡

ሕንኵኽ’ሉ ነጻፊ ተዘቊቑ ወሓዚ።

ህሩግ ዝብል ስግለት’ሎ መዐጠሊ፡

ዘርሞ ዘትርፈካ ከታሪ መንጣሊ።

እዞም ቃላት ሰርሲሮም ውሽጠይ’ኳ እንተ ኣተዉ፡ ከም’ቲ ባዕሎም መስኪሮምዎ ዘለዉ፡ መዐጠልቲ ዝበዝሑዎ ህላወይ ጠርዚ ኣብጺሑ ኣየወደኦምን። ነሲዖም ዘፍ ከብሉኒ ተመንየ፡ ባህጊ ኣምባሂቘ ተሪፈ። ከምቲ በየነ ሃይለ ዝብሎ ቈዘምቲ እምበር መላቐስቲ ብምውሓዶም፡ ኣሪስቶትል ዝብሎ ካተርሲስ ሕልሚ ኰይኑኒ።

ሓሳበይ ኣዚረ ንድሕሪት ምስ ጠመትኩ፡ እታ ቅርሲ ህይወት ቤት ማእሰርቲ ወላዲየ ዝዀነት መሰንቈ ተራእያትኒ። እቲ ሓባጥ ሕቖኣ ምስ’ቲ ልሙጽ ቡናዊ ኮምፔስታቶ፡ ነቲ ሓርፋር ህይወት እስሪቤት መመሊሱ ተጕልሓለይ። ምሸት ተዛንዩ ጥሪምሪም እናበላ፡ “ንጉሰ ንጉሰ”ን “ሃንስ ወዲ ዘሞ”ን ዝብላ ደርፊታት ክደግመን እንከሎ፡ ኣዒንተይ ኣብ’ተን ኣብ ቀላጽሙ ንሓዋሩ ዝተዀደማ በሰላታት ፊሮ ቤት ማእሰርቲ ዓሊበን ክፈዛ ትዝ ኢለናኒ። ብመግረፍቲ ቅርጾም ዝቐየሩ ኣጻፍሩን በሰላታት ዝፈጠሩ ከብዲ እግሮን ብቅብኣት መለስለሲ ሸቢጡ ንመዳቕሶ ክሓልፍ፡ እናነባዕኩ ኣብቲ ፈላልዩና ዝነበረ ሓጹር ቤት ማእሰርቲ ልጥፍ ኢለ ክሕቈፎ ክፍትን ቅጅል ይብለኒ። ንጭሕሙን ትካዘ ኣዒንቱን፡ እቲ “ልጁን ልቀቀው ባክህ” ዝብል ቀጢን ድምጺ ጓለንስተይቲ ፖሊስ ካብ ኣእምሮይ ኣይሓኸኾን። እዛ ቅርሲ፡ ከም የማነ ሓወይ መሊኸ ኣየዛረብኩዋን። ንሱ’ውን ቀዲሙ ብምሕላፉ፡ እዛ ቅርሲ ንሓዋሩ ቅርሲ እትዀነሉ ግዜ ፈጢሩላ።

ናይ ድሕሪት ጠመተይ ኣብ’ዚ ጥራይ ኣይሕጸርን። ንእመነተይ ኣብ ኰንቱነት ህይወት ከዊሑ ንሎሚ ብጥርጣረ ክርእያ ዳግማይ ማዕጾ ከፊቱለይ። ሞትን ህይወትን ሰብ፡ ብጸጸር ጸወታ ገበጣ ኣምላኽን ሰይጣንን ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ኢሉ፡ ከይኣስሓቐኒ ኣይተረፈን። ነቲ ፍጹም እዮብ፡ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ሰይጣን ክሳቐ ምፍቃዱ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እምነት ዘይኰን ክንዲ ፍረ ኣድሪ ጥርጥራ ዘድሊ ምዃኑ ካብ ዘማእከሉኒ ሰባት ዝተገንዘበ ዘይምህላዉ ከየሕሰበኒ ኣይተረፈን። ‘ኣምላኽ ዝፈቐዶ’ዩ’ እትብል ሓረግ መመሊሰ ኣዀምሲዐ፡ ጥርጣረ እምበር እመነት ንኸኻዕብት ኣይሓገዘትንን።

ነቲ ኣልበርት ካምዩ ዘላለየኒ ሓሳብ ከንቱነት ህይወት፡ ስላቮ ዢዢክ’ውን ስለ ዝደረዓለይ፡ ከምቲ ደራሲ ዳኒኤል ተስፋይ ሓደ እዋን ዝበሎ ቅዱስ መጽሓፍ ገዛእ-ርእሱ ሓሊኹ ኣብ ቅድመይ ጻሕ ኢሉ ክወድቕ ብምርኣየይ፡ ክድንግጸሉ እምበር ክኣምኖ ካብ ዝኸብደኒ ግዜኡ እይሓጸረን። ካብ ደጒዑ ወይ ኣላቒሱ ዝነስዓኒ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ዝእዝዘለይን መንእሰያት ሰራዊት መዘምራን ምብዝሖምን እናክዕዘብ፡ ክሳብ ክንደይ ድኻም ኣእምሮ ዘጥቀዖ ወለዶ ከቢቡኒ ምህላዉ አስተውዕል። ድኻም ልቢ ሃንደበት ከም ዘቃብጽ ወትሩ ክንደግም፡ ድኻም ኣእምሮ ብሰላሕታ ንኸንቱነት ህይወት ከይስተውዓልና እናኣስሓቐ ዘጥሕል ውሕጅ ምዃኑ ዝዘንጋዕና ምብዛሕና ደጓዕትን መላቐስቲን’ውን ዘይጸፍዪዎ መስበርቲ ህይወት ምዃኑ ምርዳእ የድልየና ኣሎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓዘቕቲ ኣእጋሩ ምስ ተሸኽለ ምጽኦታት ኣኺሉ ዝብል፡ ድጕዓ ኤርምያስ ጥራይ ምፍላጡ ደጒዕካ ኣይትጸግበሉን። ካብ ኣደራዕ ዮርሳሌም ብዝኸፋኡ፡ ቈልዑን ኣረጋውያንን ዝተራዕትሉ ገደናታት ከምኡ’ውን ጐራዙን ኣጓብዝን ዝተሰየፉሉ ኣእላፍ ፍጻሜታት ዓለም ክፈልጥ ዘይደሊ፡ ድኻም ኣእምሮ ኣልሚሱዎ ምህላዉ ንግንዘብ። ነዞም ሓቅታት ታሪኽ ክጸውር ዘይክእል ድኹም ኣእምሮ፡ ድጕዓን መልቀስን ነቒሶም ዘይውድኡዎ ኣእሻዅ ዝጐበኦ እዩ።

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንምንባር፡ ከንቱነት ህይወት ምቕባል ግዴታ እዩ። ምቕባሉ ስለ ዝኸበደና፡ ንዅሉ ዝወርደና ኣደራዕ ብሓንቲ ናይ ቍዘማ ምኽኒት — ፍቓድ ኣማላኽ’ዩ ኣናበልካ — ምጥቕላሉ ግን ድኻም ኣእምሮ ንህይወትና ኣርኪሱ ኣበስኒዉ’ዎ ምህላዉ ዘይምዝንጋዕ። ካብ ቍዘማ ንምህዳም፡ ዘዕቍበና ድጕዓን መልቀስን ኣሊሽካ ምርካብ ልዕሊ ኣእዊኻ ዘፍ ምባል ምዃኑ ምዝካር ከድልየና እዩ።

ከም ቈልዓ ምኒንን ቍዘማን ገዲፈ፡ ከም ወሓለታት መላቐስቲን ደጓዕቲን ክእለት ምስ ሓጸረኒ ግን ወስታታት ኣእዳወይ ኣብ ሽግር ኣእትዮምኒ ነይሮም። ብሓሳብ ነፊጸ ጋልቢተይ መዕረፊ ምስ ሰኣንኩሉ፡ ሕጂ’ውን ሃይለ ደሓን ይእቶ መዕረፊ ደጒዕለይ፤

ድጕዓ ስደት (ቍጽሪ 4)

ስደት ብሩኽ

ሰናይ የርግጾ

የጽንዓዮ ብሩኩ

የብዝሓዮ ጥበቡ

መሪቐ ንመራቒ

ዝህበሉ ምኽንያት

ስለ ዝቐየሮ

ፍልጠታዊ ስተምህሮ

ዝብል ዝነበረ

መንገብገብ የድልዮም

ንኹሎም ነፋሮ

ግና ኣነዃ ለኹ

ሓሳብ ጸይረ

ዓዲ ሲኢነሉ

ዓውዲ መራገፊ

ዝነፍር ዝህውትት

በዓል ኣልቦ-ክንፊ

ከም’ቲ ኣሪስቶትል ዝጸውዮ ካታርሲስ ዝፈጥረለይ ድጕዓ ክሳብ ዝጽሕፍ፡ ነዚ ሕመቐይ ዘንቀሎ ፈርካሽ ድጕዓ ምድጋም ይሕሸኒ መስለኒ። እምበር ክንፊ ኣልቦ ነፋጺ ሓሳብሲ፡ ወስታታት ወሲኹ ኣብ ጸገም ከየእተወኒ ክጥንቀቕ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleየቐንየለይ ወርሒ
Next Article ጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?