Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ሓጺር ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ዓንዶም

ሓጺር ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ዓንዶም

0
By Mekonnen T. on August 6, 2020 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብመኮነን ተስፋይ

መበቆል ዓዱ ጸዓዘጋ ኮይኑ ብ 21 ሓምለ 1924 ዓ.ም ኣብ ካርቱም ሱዳን ተወሊዱ።

ዝተማህሮ ዓይነት ትምህርትን ደረጅኡን

ናይ ኣሜሪካ ወንጌላዊት ቤት ትምህርቲ ካርቱም

ኮለጅ ካምቦኒ ኣስመራ

ቅዱስ ጊዮርግስ ወታሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ካርቱም

ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ካብ ዝርከብ ሃዋርድ ዩኒቨርሲ ብ 1ይ ዲግሪ ተመሪቑ

ዝበጽሖ ደረጃ ስልጣን

ኣዛዚ ሳልሳይ ክፍለሰራዊት ሰራዊት

ላዕለዋይ ኣዛዚ ልኡኽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኮርያ

ወታሃደራዊ ልኡኽ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ

ኣብ ኦጋዴን ምስ ሶማል ኣብ ዝተኻየደ ኩናት ንሰራዊት ኢትዮጵያ መሪሑ ተዋጊኡ ብዘመዝገቦ ዓወት ከኣ “ኣንበሳ ምድረበዳ” ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂቡዎ።

ኣባል ባይቶ ኢትዮጵያ ኔሩ፡

ኣብ ናይ ሃይለስላሴ ካቢነ ምኒስትራት ናይ ሚንስተር ምኽልኻል ስልጣን ሒዙ ኔሩ፡

ኣማን ዓንዶም ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ወሪሩ ምስ ሓዛ ኣብ ሱዳን ምስ ዝነበረ ሰራዊት ሃይለስላሴ ተጸንቢሩ ድሒሩ’ውን ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተጸንቢሩ ቅልጡፍ ምዕባለን ልዑል ወታሃደራዊ ብቕዓትን ከርኢ ጀመረ።

ኣብ ኩናት ኦጋዴን ዘመዝገቦ ኣንጸባራቂ ዓወታትን ዝናን ጀግንነትን ጀነራል ኣማን ዓንዶም ሰማይ ክዓርግ ጀሚሩ።

ስም ኣማን ዓንዶም ሰማይ ክዓርግ ዝተዓዘበ ንጉስ ሃይለስላሴ ንኣማን ዓንዶም ካብ ስልጣኑ ኣደስከሎ።

ኣብ 1974 ዓም 120 ኣባላት ዝሓዘ ካብ ኩሉ ሰራዊት ዝተዋጽኡ ካብ ሻለቃ (ሜጀር) ንታሕቲ መዓርግ ዝነበሮም ኣዘዝቲ ወታሃደረት ኣብ ዘቖምዎ ደርጊ ዝጽዋዕ ኮሚቴ ወይ ጉጅለ ንሃይለስላሴ ካብ ስልጣኑ ምስ ኣውረዱዎን ምስ ኣሰሩዎን ህዝቢ ኢትዮጵያ ምእንቲ ክቕበሎም ንዝናን ክብርን ጀነራል ኣማን ዓንዶም ንምጥቃም ከም ኣቦ ወንበር ደርግን ፕረዚደንት ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ኮይኑ ክመርሖም መሪጾሞ። ይኹን እምበር እቲ ስልጣን ስማዊ ከም ዝነበረ ዝተገንዘበ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ንኹሉ ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ክነቕፎም፡ ሃገር ብኮምቴ ክትመሓደር ከም ዘይትኽእልን ክዛረቦም ጀሚሩ። ከም ጸሓፊ ናይ ደርጊ መንግስቱ ሃይለማርያም ስለዝነበረ ከኣ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ብዘይ ኣፍልጦ ደርጊ ዝኾነ ይኹን ውሳኔ ክውስን ይኹን ክእዝዝ ከም ዘይክእል ኣፍሊጦሞ ነበሩ። እዚ ይኹን እምበር ካቢነ ሚንስትራት ኣቑሙ ክመርሕን ክእክብን ጀሚሩ ነበረ።

ደርግን ጀነራል ኣማን ዓንዶምን ቀንዲ ዘይሰማማዖም ጉዳይ

  • ብዝሒ ኣባላት ደርጊ 120 ኣዚዩ ብዙሕ ከም ዝኾነን ኣብ ክንዲ 120 ናብ 14 ዝባላቱ ኮሚቴ ወሪዱ 7 ካብ ወታሃደራዊ (መንግስቱ ወሲኽካ) 7 ከኣ ካብ ሲቪል መሪጽካ ንሱ (ጀነራል ኣማን ዓንዶም ዝመርሖ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም
  • ኣብ ጉዳይ ኣፈታትሓ ሽግር ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕ
  • ኣብ መቕጻዕቲ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ንግስነት ሃይለስላሴ ነበር

ጀነራል ኣማን ዓንዶም ደርጊ ብዝሃቦ ስልጣን ናብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ ኣብ ሜዳ ቺቸሮ ካብ ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ከይተረፈ ዝመጸ ህዝቢ ዝተኣከቦ ታሪኻዊ መደረ ሂቡ።

ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደ ፍታሕ ክሳብ ዝመጽእ ካብቲ ዝነበሮ ድፋዓትን በረኻታትን ኣብ መዓስከራት ክእከብ ትእዛዝ ሂቡ። ምስ ሓያሎ ዓበይቲ ዓዲ ብምርኻብ ንደቕኹም ሓድነት ግበሩ ማለት ጀብሃን ሻዕብያን ተዓረቑ በልዎም ብምባል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ርክብ ሻለቃ መንግስቱ ሃይለማርያምን ጀነራል ኣማን ዓንዶምን ዝያዳ ዝሓርፈ ድሕሪ ዑደት ኣማን ዓንዶም ናብ ኤርትራ’ዩ። ደርጊ ካብ ኤርትራ ዝመጾ ጸብጻብ ዑደት ኣማን ዓንዶም ኣጠራጣሪ ከም ዝነበረ’ዩ። በዚ ድማ ደርጊ ኮሚቴ መዚዙ ተስፋየ ወልደሳልሴ ናይ ደሓር ሓላፊ ደህንነትን ኮለኔል ናብ ኣስመራ ሊኢኹ ኣማን ዓንዶም ዘኸተሎ ዕንወትን ዝፈጠሮ ሽግርን ኣጽኒዑ ከም ዝመጽእ ጌሩ።

ጸብጻብ ተስፋየ ወልደስላሴ ኣብ ኣኼባ ደርጊ ምስ ቀረበ ጀነራል ኣማን ዓንዶም “ሓሳዊ ቀጣፊ” ብምባል ንተስፋየ ወልደስላሴ ጸሪፉ ነቲ ኣኼባ ገዲፉዎ ከይዱ።

ድሕሪ’ዚ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ኣካይዳ ደርጊ ስለዘይተዋሕጠሉ ን ኣባላት ደርጊ ካብ ስልጣን ንምእላዮም ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ርክብ ጀሚሩ ገለ ክፋል ኣሃዱታት’ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከንቀሳቕስ ፈቲኑ እንተኾነ እቲ ርክብ ብበዓል ተስፋየ ወልደስላሴ ስለዝተጠልፈ ብቑልጡፍ ንመንግስቱ ተሓቢሩዎ።

መንግስቱ ንብምሉኦም ኣባላት ደርጊ ኣብ ኣኼባ ጸዊዑ ንመንበር ጀነራል ኣማን ዓንዶም ናጻ ገዲፉ ምስ ሻለቃ ኣጥናፉ ኣባተ የማንን ጸጋምን መናብር ብምሓዝ ብሕርቃን ኢዱ እናዋዛወዘ ጎበዝ ወዮ ኣሚንና ስልጣን ዝሃብናዮ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ብሕማም ኣመኽንዩ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ምእታው ደው ካብ ዘብል መዓልታት ጌሩ ድሒርና ከም ዝበጻሕናዮ ግን ሓሚሙ ዘይኮነ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ ተንኮል’ዩ ዝኣልመናሉ ኔሩ በዚ ከኣ ምስ ሓደ ሓደ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብምርኻብ ንዓና ከደምስሰና ከም ዝሓሰበ ፈሊጥና ኣለና ክብል ን ኣባላቱ ሓበረ። ዝበዝሑ ኣኼበኛታት ነቲ ጉዳይ ሓድሽ ስለዝነበሩ ሱቕ መሪጾም፡ ገለ ኣባላት እቲ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ኢሎም። ገለ ድማ ኣማን ዓንዶም ክእሰር ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ምስ ሃቡ መንግስቲ ብሕርቃን ከንፈሩ እናቀንጥቀጠ ንሕና ንብሎ ዘለና ብጭብጢ ዝተሰነየ እዩ እንድሕሪ ኣይን ኣምንን ኢልኩም ምስ ጀነራል ግዛው ዝተገብረ ዝርርብ ተቐዲሑ’ሎ ከነስማዓኩም ብምባል መንግስቱ ቴብ ከም ትውላዕ ገበረ።

ኣብቲ ዝርርብ ኣማን ዓንዶም ነቶም ካብ ሻለቃ ንታሕቲ መዓርግ ዝነበሮም ኣባላት ደርጊ እዚኦም መዓኮሮም ብግቡእ ሓቢሶም ዘይክእሉ ሰራዊት ሃገር ክመርሑ ኣይክእሉን’ዮም ዝብል ዘረባ ስለዝተሰምዐ ኣብቶም ኣባላት ቁጠዐ ኣለዓዓለ መንግስቱ ድማ ድልየቱ እንተፈጺሙ ተቓውሞ ከም ዘይገጥሞ ኣረጋገጸ።

እቲ ኣኼባ እናተኻየደ እንከሎ ታንኪ ከይተረፈ ዝዓጠቑ ሰራዊት ናብ ገዛ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ተላኢኾም። ብ 23 ሕዳር 1974 ዓም ጀነራል ኣማን ዓንዶም ኢደይ ኣይህብንብምባል ከም ዝተታኾሶም ይፍለጥ ኣማውትኡ ግን ነብሱ ድዩ ቀቲሉ ዋላ ብተኹሲ ተቐቲሉ ንጹር ኣይኮነን።

ድሕሪ ምቕታል ጀነራል ኣማን ዓንዶም ሽዑ ለይቲ እቶም 60 ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ጀነራላትን ሃይለስላሴ ነበር ብሞት ክቕጽዑ ደርጊ ወሲኑ ብኡ ንብኡ ድማ ተረሺኖም።

ክምስሑና ዝሓሰቡ ቆሪስናዮም

ድሕሪ ሞት ጀነራል ኣማን ዓንዶም ሕጂ’ውን መንግስቱ ኣቦ ወንበር ደርግን መራሒ ኢትዮጵያን ካብ ደርጊ ወጻኢ ከነምጽእ ኣለና ብምባል ነቶም ኮሚቴ ስለዘእመኖም ነቲ ስሙን ክብሩን ሰማይ ዝዓረገ ብሪጋዴር ጀነራል ተፈሪ ባንቴ ኣብ ክንዲ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ሸይሞም ስርሖም ምስ ጀመሩ ሕጂ’ውን መንግስቱ ምስ ተፈሪ ባንቴ ስለዘይተቓደወን ኣብ ብርቱዕ ህልኽ ስለዝኣተወን ከይቀደሙና ክንቅድሞም ኣለና ብምባል ንብሪጋዴር ጀነራል ተፈሪ ባንቴ ምስ ካልኦት 6 ሰበ ስልጣን ኣብ ሓደ ረፍዲ ካብ ኣኼባ ኣውጺኡ ኣረሸኑዎም። ሽዑ ኢዩ ድማ መንግስቱ “ንምሳሕ ክገብሩና ዝሓሰቡ ንቑርሲ ጌርናዮም” ኢሉ ዝተዛረበ።

ጀነራል ኣማን ዓንዶም ከም ወታሃደር ተባዕ፡ ብመምርሒ ዝኸይድን ብሕጊ ዝግዛእን ሰብኣዊ ክብሪ ዝፈልጥ ሩህሩህን ብሃይማኖት ተኾስኩሱ ዝዓበየን ሰብ’ዩ ኔሩ።

ጀነራል ኣማን ዓንዶም በዓል ሓዳርን ኣቦ 4 ቆልዑን ኔሩ።

መወከሲ ጽሑፍ እምነቱ ተስፋይ ብቋንቋ እንግሊዝ ካብ ዘዳለዎ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ዓንዶምን ፍቕረስላሴ ወግደረስ ካብ ዝጸሓፎ እኛ እና ኣብዮቱ ካብ ዝብል መጽሓፍን

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት
Next Article እንዳ ደጊያት ባህታ ሓጎስ በዓል ሰገነይቲ
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?