Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Wednesday, March 11, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሓደ ዝኽሪ

ሓደ ዝኽሪ

0
By Mekonnen T. on September 17, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ካብታ ቤተይ ናተይ ስድራ

ዝወጻኹላ…!
ዶብ ክሰግር ካብ ኤርትራ
ኣብ ኣውቶቡስ ተሳፊረ፣ ከምዛ ጋሻ
ተመሲለ፣ “ጋሻ ዓሻ!”
ተበጊሰ ንኽሰግራ፣
ንሓንቲ ጸሎት
ንሓንቲ ምርጫ
ወይ ክነጥር
ወይ ክነጥራ
ኣምላኽ ሓጊዙ
ኣምላኽ ፈትዩ
በጺሐ ከኣ።

ሽዑ፣ ቅድሚ’ቲ ምብጋሰይ
ኮፍ ኢለ፣ እንከለኹ ኣብታ ኵርሰይ
ዝመጹኒ ሓደ ሰብኣይ
ካብ ኣውቶቡስ ናብ ኣውቶቡስ
ብደርጓስ ምርኵስ
‘ናደየቡ፣ “ስለ ማርያም!” ዝብሉ
ሳንቲም ወዲ ሳንቲም፣ ‘ናማእረሩ
ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ዝናበሩ
ይርከቡ/ ኣይርከቡ
ከም ሻሙ፣ ጨቐም ዝብሉ
ዘኪረዮም…!!
ኣቦይ ሃይሉ ገብራይ
መዋዓልቲ ጸሓይ
ልመናኦም ሰማይ፣
“ኣሓተይ/ ኣሕዋተይ
ደቀይ፣ ደቂ ደቀይ
‘ዓይኒ ፈዚዛ
ብርኪ ደንዚዛ
ከብዲ ጎቢዛ…!’
እዝጊሄር ይሃብኪ ‘ዛ ጓለይ
እዝጊሄር ይሃብካ ‘ዚ ወደይ!”
ምስ በሉ ኣቦይ ሃይሉ
‘ቲ ሰብና ኣብ ቀረባ እንደኣሉ
“ኣየ! ‘ዛ እርጋን ውርደት
ኣብዘይ ብልካ ውላድ መዋረዲት!”
ምስ ኣዳመጹ፣
‘ቶም ዝህቡ፣ ‘ቶም ዝተዅቡ።

ኣቦይ ሃይሉ
ክብል ዶ’ሞ በሉ፣
“ውሉዱስ ኔሮምኒ፣ ‘ዝጊ ዝሃበኒ
ሂቡ ደኣ ከልኣኒ ‘ምበሪ
ከይገደፈ ምቕሊ።
ሰለስተስ ወሊደ
ክልተ ‘ዝጊ ወሰደ
ኣብቲ ዝሓለፈ እዋናት
ኣመኽንዩ ወራራት።

ኣሎ ከኣ ሓደ
ስሙ ዓንደ
ከምቲ ዓንዲ ዝተዓንደ
ልምናይ ዘስሕቖ
ምምስሐይ ዘሕርቖ
ምህላውስ ኣሎ
ግን ከም ዘይ ‘የሎ
ኩርማጁ ዘንወሐ
ሰብ ዘሰክሐ
ገዛ ‘ናኳሕዅሐ
ደም ዘንብዐ
ኣሎ…!

ኬድና…! ደኣ፣ ኬድና…!
መረረና/ ከይደርጓሕና
ታሃና/ ከይወድኣና
ዉሉድና/ ከይመጹና
ኣይሓሚና/ ኣጸቢቕና
ኣይረጊምና/ጨኪና ቀቢጽና
ክሉ ግዳ፣ ልሳንና ንዕጾ
ከይንኸውን መፍቶ ማዕጾ።”

ምስ በሉና’ሲ
‘ካብ ሓዘን ከርሲ
ካብ ቝረኛ ማእሲ’
የድሕነና እናበልኩ፣
እሓስብ ኔረ፣ ብዛዕብኡ
ዶብ ክሳብ ዝሰግራ
እና’ግረመለይ ቍንቍኚኡ።
ሎሚ…!
ድሕሪ ነዊሕ ግዜ
ዝኽረይ ከይፈዘዘ
ዘኪረ ኣቦይ’ሃይሉ
ብህይወት ዶ ይህልዉ…!?
ወይስ ከይዶም፣ ንዓዲ ‘ዝጊሄሮም
ወይ ከም ሰቦም፣ ባሕሪ ተሳጊሮም
እናበልኹ፣ አስተንትን እድጕዕ ኣለኹ።
***
10/9/2015
ኤልዳና ተስፋማርያም

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ” ኣይመጻን፣ የለዋን ተዓጽየን’የን። ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?