Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሓደ ሓደ መኣረምታ ኣብ መጽሓፍ “እዝኒ መሰታ ቀዳሞት”

ሓደ ሓደ መኣረምታ ኣብ መጽሓፍ “እዝኒ መሰታ ቀዳሞት”

0
By Mekonnen T. on November 1, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሰላም ተኸታተልቲ ዛራ ጥበባት፡ ንሎሚ ሓንቲ ጽሕፍቲ ሒዘልኩም ቀሪበ ኣለኹ። እዛ ጽሕፍቲ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ ወዲ 75 ዓመት ኣቶ ዘርኡ ተሰማ ሓጎስ ዝተላእከትለይ እያ። ኣቶ ዘርኡ “እዝኒ መሰታ ቀዳሞት” ትብል መጽሓፍ ናይ ማሰ ወጽያ ኣላ ምስ ሰምዑ ናብ ኣሚሪካ ደዊሎም ከምዚ ትብል መጽሓፍ ስደዱለይ ብምባል ነዛ መጽሓፍ ብመንገዲ ፈልጥቶም ኣቢሎም ካብ ኣማዞን ከም ትእዘዘሎም ብምግባር ኣብ ኢዶም ከም ትበጽሕ ጌሮም። ነታ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባብ ድማ እዚ ዝስዕብ መኣረምታን ገለ ኣብቲ መጽሓፍ ክወጽእ ዝነበሮ’ሞ ኣነ ዘየካተትክዎ ነጥብታት ብዓቢ ተገዳስነት ጽሒፎም ሰዲዶምለይ ኣለው። ነዚ ዝጸሓፉለይ ጽሑፍ ብዘይ ገለ መኣረምታን መወሰኽታን ከም ዘለዎ ናብ ኣናባቢ ከቕርቦ ዝኽእል እንተኾይነ ፍቓዶም ምስ ሓተትኩ፡ ሰባት እንተንበብዎ ሕጉስ ከም ዝኾኑ ሓቢሮሙኒ። ብመሰረት ፍቓዶም ከኣ እንሆ ናባኹም የብሎ። ሰናይ ንባብ !!

ዘርኡ ተሰማ ሓጎስ (ኣብ 2014 ዕድመ 75)

2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ኣብ ገጽ 255 ዒጥባኖ ተባሂሎም ዘሎዉ ሰብኣይ ኣኸስቲኖም ኢዮም ነይሮም ስሞም ድማ ኣቦይ መብራህቱ ኢዮም ዝበሃሉ ነይሮም። ፍሉጥ ማሰኛን ኣልቃሳይን ክእ ኢዮም ነሮም፣ ዓዶም ዓዲ ሕሾ ሽመዛና ከባቢ ሰንዓፈ ኢዩ። እቶም ዝጸርፉዎም ዘሎዉ ድማ ብላታ ጠዓመ ኢዮም ዝበሃሉ ኣረገን ቤት መጣዕ ኢዩ ዓዶም። ኣቦይ መብራህቱን -ኣቦይ ሃብቱን ኣቦይ ጭሮምን ኣዕሩኽን ቀንዲ ደገፍቲ ደጊያት ባህታን ኢዮም ነይሮም። ብላታ ጠዓመ ድማ ንራእሲ ስብሓት ኢዮም ዝድግፉ ነይሮም። ደጊያት ባህታን ራእሲ ስብሓትን ኣንጻር ኢዮም ነይሮም።. ስለዚ ራእሲ ስብሓት ንደጊያት ባህታ ከገብሩ ንኤርትራ ክወሩ ኢዮም ዝዳሎዉ ነይሮም። እዞም ሰለስተ ኣዕሩኽ ምስ ብላታ ጠዓመ ኣብ መርዓ ኢዮም ተራኺቦም። ሽዑ ኣቦይ ሃብቱ ብከምዚ ዝስዕብ ማሰ ንብላታ ጠዓመ ወቒሶምዎም።

ጣዕሙ ከመይ ኢኺ ጣዕሙ

እንታይድኣ ኣስናንኪ ተጓህሚሙ

ጎይቶትኪ ያኢ ይሓስቡሎዉ ንኤርትራ ክሃርሙ

ንገርዮም ሕማቕ ሓሳብ’ዩ ሕማቕ’ዩ ሕልሙ

ኤረ ንገሪዮም ንኤርትራ ምህራም ከይሓልሙ

ኤረ እንተደልዮም ንትግራዮም ይደርገሙ

እንተደልዮም’ውን ንዓደምሓራኦም ይደርገሙ

ወይዞም ሓነቕቲ ኣኽላባት በላዕቲ ደማሙ።

ከምኡ’ውን ኣቦይ ጭሮምን ኣቦይ መብራህቱን ምስ ደጋገሙዎም ኣቦይ ጠዓመ ሓሪቖም እታ “ ዕጥባኖ”  ትብል ማሰ ኢሎም።

ኣቦይ መብራህቱ ከኣ ፣-

ኣታ ኣነ ድኣ ኮይነ ሕሉፍ ምዖ

ኣነ ድኣ ኮይነ’ምበር ሕሉፍ ምዖ

ንማሰ’ዶ ኣስላማይ የድምዖ

ኢሎም መለሱሎም ይበሃል።

ኣብ ገጽ 266 ጭፍን ተባሂሎም ዘሎዉ ሰባእይ ባሕሪነጋሲ ጨፈና ሃይሉ ሓዎም ንባሕሪነጋሲ ደበና ( ማለት ሓውቦኦም ንቀናዝማች ሃይለማሪያም ደበና ኣብ ገጽ 89 ጠቒስካዮም ዘሎኻ) ኢዮም። ፍሉጥ ሹመኛ 7 ሎጎ ዝነበሩ ኮይኖም ብልግሶምን ጣዕሞምን ህዝቢ ይፈትዎም ስለ ዝነበረ ( ጭፉን) ኢሉ ይጽውዖም ነይሩ።

ኣብ ገጽ 207 እታ ቀለሙ ዝተባህለት ኣድጊ ናይ ኣቦሓጎይ ከንቲባ ሓጎስ ኢያ ነይራ። መልቀሳይ ድማ ኣቦይ ወለድንግል ኢዮም። ከንቲባ ሓጎስ ኣልቅሰላ ኢሎም ምስ ኣገደድዎም ኣልቂሶሙላ። ዳሓር ግን ምስ ኮረዩሎም ( ኣንታ ጎይታና ከንቲባ እዚ ኩሉ እትገብሮ ሓይልስ ነቶም ደቂ ደቅኻ ኣይትሓስበሎምን ድኻ ) ምስ በሉዎም ኣነ ኣባስበር ደቂደቀይ እንተሕሚቐን ያሒት ጨው ይጽዓኑወን ኢሎም ይበሃል።

ተወሳኺ

1.ኣቦይ ጭሮም ሓያል ማሰኛን መልቀሳይን ኢዮም ነይሮም። ሓደ እዋን ሓነይታ ወለንኪኤል ዝበሃሉ ሓያል ሰብኣይ ኣብ በረኻ ብጸላእቲ ይቕተሉ’ሞ ( ዓደነጎ ኣብ ዝተባህለ ቦት ዓዲ ኢሮብ’ዩ) ከምዚ ክብሉ ኣልቂሶም። ( እቶም ሰብኣይ ኣያ ሎቱ ኢዩ ነይሩ ሳጓኦም። )

ከመዓልካ ኣያ ሓንታ ሎቱ

ሓወይን ዘማይን ክሌታቱ

ቀተሉኻዶ በዓል ኮንቶ መንቱ

ኣይሕመም ኣይሙት ዳኣምበር ዒንዳ ስብሃቱ

ጽባሕ’ንካ ሕነኻ ፈድዩ ይኣቱ።

ቀጺሎም ከኣ፣-

ፈኸራኹም ሓኒናይ ጋማለ

ስም ኣሓኹም ጋማዓሳማለ

ጽንዓት ይሃብኩም ኢሎሙኹም ሙሉኣት ወደከለ።

እቶም ቤተሰብ ድማ ንወደከለ ስብሕቲ ሕረዱሎም በሉ። እንተኾነ ኣቦይ ጭሮም ንበይኖም ስለ ዝነበሩ ፣በዝሑ ወደከለ ወሓዱ ወደከለ ሃብዎም እታ ስብሕቲ ተባህለ። ኣቦይ ጭሮም ነታ ስብሕቲ ኮኪቦም ንመስሓል ኣምጽኡዋ፣ ኣባኡ ድማ ሙሉኣት ወደከለ ዝእከቡሉ ባይቶ ተክፍኒ/ደግፍኒ ዝበሃል ባይቶ ስለዘሎ ዓበይቲ ወደከለ ተዓዲሞም ተሓሪዳ ተበልዔትይበሃል፣

2 ኣብ ዓዲ ግራት’ዩ ዝበሃል፣ ሓደ ሰብኣይ ንወዱ “ሱባጋድስ” ኢሉ ስም ኣውጸኣሉ’ሞ እቲ ቆልዓ ኣብ ዓመቱ ሞተ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ዝስዕብ ኣልቀሰ ይበሃል፣-

ገረዝጊሃር ከይብሎ ከም ሓውቦታቱ

ገረኪኣል ከይብሎ ከም ኣእኮታቱ

ገረማሪያም ከይብሎ ከም ኣሓቱ

ወደየ-ወደየ ሽሙ ከቢዱዎ ደኣ ይኾነን ሞይቱ።

እዚኣ ኣብ እዲስ ኣበባ ተጋሩ ኣዕሩኽተይ ዝነገሩኒ ኢያ፣

( ደጊያት ሱባጋድስ ናይ ከባቢ ዓጋመ ኣመሓዳሪ ዝነበሩ ኢዮም)። ዝኸበርካ ወደይ ኣቶ መኮነን ተስፋይ በራኺ ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝጠቐስኩዎ ኣነ ይጠቅም’ዩ ዝበልኩዎ ጽሒፈ ኣሎኹ እንተኾነ ዝጠቅምን ዘይጠቅምን እትፈልጦ ንስኻ ስለ ዝኾንካ እቲ ክኸውን ዘሎዎ ንዓኻ እሓድጎ ኣሎኹ።

እንታይ ከም ዝገበርካ ግን መልሲ ስደደለይ። ነዛ ጽብቕቲ መጽሓፍ ብምጽሓፍካ ደጊመ ደጋጊመ አመስግነካ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?