Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Wednesday, June 18, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሓመድ ድበ ኣርዓዶም

ሓመድ ድበ ኣርዓዶም

0
By Mekonnen T. on February 7, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሓጺር ዛንታ

መለስ ንጉሰ

“ደሓንዶ ኣይኮንና ኢና፡ ዝተረበሽኻ ትመስል?” ሓተትዎ።

“ሞት ኣር ዓዶም ኣይሰማዕካን ዲኻ?” ብሕቶ መለሰ።

“ቅድሚ ኩሉ ቀባራይ እምበር!” መለሱ ኣቶ ባህልቢ።

“እሞ ደኣ ስለምንታይ ዘይቀበርካ?” ብጠጠዉ ሕቶ አዝነበ።

“ቀቢረ ቅድሚ ሰበይ’ኳ ድኣ፡”ብትዕኑን ኣዘርዝርባ።

“መዓስ ኢኻ ትቐብር?ካብቲ ቀብሪ እግረይ ከይነገፍኩ’ኮየ መጺአካ።”

አቶ ባህልቢ ፍሽኽ በሉ። አማኔኤል በቲ ፍሽኻት ተገረመ።ዓርኩ’ዩ ቀቢሩ። ኣብ መዓልቲ ቀሪ ዓርኩ ፍሽኽታ ካብ ኣቶ ባህልቢ አይተጸበዮን። ቀቢረ ምብሎም’ውን ደንጸዎ።

“ኮፍ እስከ በል፡” ቅንዕ ኢሎም አዘዙ። ኣማኔኤል ኣብቲ ዘመልከቱሉ ኮፍ መበሊ እናተቐመጠ፡ “ቀቢረ’ዲኻ ዝበልካ?” በሎም ።

“ እወ !” ምስ በሉ ኣዝዩ ደንጸዎ። ኣብቲ ቀብሪ ብርግጽ ኣይነበሩን። ብሕልናኡ ናብቲ ቀብሪ ተመለሰ።

…………. ሓሽከት ቀባራይ ተኣኪቡ ነበረ። ሞት ኣራዓዶም ንብዙሓት ኣሰንቢዱን ኣርዒዱን’ዩ። ሞት ፍጽምቲ ሓቂ ግን ዘይትልመድ ነገር ኮይኑ፡ ንጨካናት ወሲዳ ንርሁሩሃት’ውን ዘይትንሕፍ ን ኣራዓዶም’ውን ጸው ዓቶ። ፈላጢ ኣር ዓዶም ዘበለ ከኣ ሰንቢዱ ቀቢሩ።

ኣር ዓዶም መንኮርኮር ህይወቱ ተቖጽያ ኣዋድቓ ፈረስ ምስ ቀደቐ ገለ ብን እስነቱ ገለ ኸኣ ብኹልፈት ጉዕዞኡ ሰንቢዱ። ኣማኒኤል’ውን ሓደ ካብ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱ ፡ ኣብቲ ቀብሪ ዊዒሉን ር ዒዱን’ዩ። “ኣር ዓዶም ናተይ ሞዴል’ዩ” እናበለዩ ዝጎዓዝ ነየሩ። ጉዕዞ ኣራዓዶም ተኾሊፋ ናብ መቓብር ምስ ኮነ ከኣ’ዩ፡ ዓለም ሰንካፍ ምኳና ዝተሰወጦ።

“ቀብሪ’ኳ፡ ሓመድድበ ናይቲ ዝሞተ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሌላ ህሉው ቀባሪ ምስ መቓብር’ውን’ዩ፡” አብቲ መካነ ምቓብር ኮይኑ ኣስተንተነ። ኣርዓዶም ዝተቐበረሉ መካነ መቓብር ዝተፈላለዩ ቀባሮ መሊኡ ነበረ። ዘፍጣጣትን ዕቡራትን ሰባት ኣዒንቶም ናብቲ ጋህ ኢሉ ዝነበረ ጎዳጉዲ ሊኢኾም፡ ኣእዳዎም ንድሕሪት ጠውዮም ይ ዕዘቡ ነበሩ። ሰባዊ ሕልናኦም ኣብ መንዶ ህላወን ዘይህላወን ዘሎ ሃለዋት ተሸሚሙ ነበረ። አዒንቶም፡ “ኩሉ ሰብ ናብዚ አ’ዩ” ዝብል ዘሎ ኪመስል ቆውታኡ ኣይገደፈን። እቲ ሓቀኛ ዓቐን ወዲ ሰብ መቓብር ከኣ ከም ትዕኑን ኣርሓ ሕዛ እቲ፡ “ኣነ እየ ሓያል” ትብል። ሓይሊ ዘይብሉ ወዲሰብ’ውን ሰዕረቱ ኣብ ቅድሚ’ታ ጉድጓድ ተኣመነ። ኣራዓዶም ብዘይ ዘረባ ናብ ጉድጓድ።

ኣብ ሞንጎቲ እኩን ቀባሪ ንኣቶ ባህልቢ ኪረኽቦም አይከአለን። ኣቶ ባህልቢ ን ኣማኒኤልን ኣር ዓዶምን ብ20 ዓመታት ዝመርሕዎም በዓል ሽበት፡ ጉጁም መባህልቱ እዮም። ናብራን ዕድመን ዘለቦሞም፡ ትኽ ዘይበለ ይበተኽ በሃሊ፡ ዓርኪ ኣማኔልን ኣረዕዶምን እዮም። ብኸምዚ ምኽንያት’ዩ ድማ ኣብ ቀብሪ ኣርዓዶም ብዘይ ምርካቦም ዝተገረመ። ሞት ዓር ዓዶም ይትረፍ ንዝፈልጦ ንዘይፈልጦውን ዘሰንበደ ሞት’ዩ አብ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመቱ እዩ ሃንደበት ዓሪፉ።

ኣማኒኤል ናብ ቤት ኣቶ ባህልቢ ሹዑ ንሹዑ ምስ ኣምረሐ ኣራጢጦም ጸኒሖሞ። ምስ ጠመቶም ንባዕሉ ሰጋእ በለ ዝገሹ መሲልዎ ነይሩ። “እንተዝነብር ምቐበረ፡ጭሩ ከይተረፈት እያ ቀቢራ ዝብል ሓሳበዩ ነይርዎ። ብኽም ኡ ድማዩ ታሃንፊፉ ዝኸዶም። ቀቢረ ምስ በሉ ግን ደንጸይዎ።

“መዓስ ቀቢርካ?” ተገሪሙ ሓተተ።

“ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ቀቢረ፡ ካል አይ ሎሚ አይቀብርን’የ ቀብሪ ሓንቲ’ያ !”

ዓይኒ ኣማኒኤል ካብ ንቡር ንላዕሊ ፈጠጠ። ኣቶ ባህልቢ ዓይኒ ዓይኑ ኣይጠመትዎን። ዘረባ ሰው ኣቢሎም ናብ መሬት ደኒኖም ነበሩ። ኣማኒኤል እንታይ ከም ዝብል ሓርቢትዎ ሕቶ ክሓትት ተሃንደደ ።

“ሰብ ክንደይ ግዜ ድዩ ዝመውት?” ኣጓውላ ሓሳቦም እንተረኸበ ኢሉ’ዩ። ኩሉ ግዜ ርክቦም ናይ ሕቶን መልስን እዩ። አብዛ ጉዳይ ሞት ኣር ዓዶም ግን ዘይተጸበዮ መልሲ እዩ ጊኒፍዎ።

“ሰብ ሓንሳብ ይውለድ ሽሕ ግዜ ኸኣ ኪመውት ይኽእል! ሓንሳብ እንተቀቢርካዮ አብ መበል 999 ግዜ ሞቱ ዘኽይድ የብልካን፡” ምስ በልዎ ልክ ዕ ከም ሞት አርዓዶምድቦላ ኮኖ። ኣዒንቱ ብንባዓት ምቕይሐን ከይኣኽለን፡ዘይገመቶ ዘረባ ኣቶ ባህልቢ ስለ ዘሰንበረን፡ ናብ ዕንጕለ ተለወጣ።

“ይርድኣኒ የለን!” በለ። ክንድቲ ዝጠቐስዎ ቁጽሪ ከቢድዎ ነበረ። ኣቶ ባህልቢ ግን ብምግራም ኣማኑኤል ኣይተገረሙን። ተግባራት ኣር ዓዶም ኣብ ሕልናኦም ኣና መጸ ኣናወጾም፤፡ ደሞም ፈሊሑ ሕርቃን ክትል በሎም እናፈለጠ ዝፈጸሞ እከይ ተግባራት ዘከሩ።

“ንሱ ግን ይርድኦ ነይሩ’ዩ! ነብሱ አብ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመታት ካብ ጉዝዋ ናብ ዑከት፡ ካብ ሓረሽ ናብ መፍለስ፡ ካብ ጠበቕ ናብ ሓርገጽ ቀያይርዎ’ዩ። ሕጂ ንሳኽ ንግዝዋ ዲኽ ንዕኮት፡ ሓረሽ ዲኻ ንመፍለስ ቀቢርካ እንተበሉኻስ ንመን ቀቢረ ትብል?” ተመሊሶም ሕቶ ኣዝነብሉ ኣማኑኤል ነገራቱ ደንጸዎ፡፤ ዝፈጸሞም ተግባራት ብመርቶዖ ከሰንዮም ሓሲብዎ ኣይፈልጥን ። ነገራት ኣቃሊሉ እዩ ዝርእዮም።

“ኣነ ንኣርዓዶም ኢየ ቀቢረ፡” ፈጥ ፈጥ እናበለ መለሰ። ዘረባኦም ከርዕዶ ጀመረ።

“ኣርዓዶም’ሲበል ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት’ዩ ሞይቱ! ሰብ ሞት ዝበሃል እንታይነቱ ቀቢሩ ብኻልእ ምስሊ ክርአ ኪጅምር እንከሎ’ዩ። ኣርዓዶም ምስ ሞተ ጥራይ ኣኳ ብዙሕ ግዜ ተቐያይሩ እዩ። ንስኻ ሕጂ ንመን ቀቢርካ።

“ኣብቲ ቀብሪ በይነይ ኣይነበርኩን፣ ሽሾ ቀባሮ ኔሮም። ሞት ኣርዓዶም ቅድሚ 10 ዓመት ነይሩ እንተ ዝኸውን ኩሉ እቲ ቀባሪ ብሓደ ክጋገ ኣይምኸኣለን! ንስኻ ጥራይ ኢኻ ዘይቀበርካ፣ ገብረን ሃብተን እዉን ቀቢሮም እዮም፣” ንኽልተ ኣዕሩኽ ኣቶ ባህልቢ ዝነበሩ ብምጥቃስ ተኸላኸለ። ኣቶ ባህልቢ ካልኣይቲ ፍሽኽ በሉ።

“ገብረን ሃብተን ደኣ ኣለዉ ድዮም?! ቅድሚ 5 ዓመታት’ዶ ኣይሞቱን! እቶም ምዉታት ነቶም ዝሞቱ ይቐብርዎም ዝተባህለስ እምበኣር ብዓይነይ ርእየዮ። ግርም! ብዝሒ ቀባሮ መዓስ የገርም፣ ካብቶም ንሶም ንሶም ዝሽትቱ እቶም ሰብ ማስኬራ እንዶ ኣይበዝሑን! ዕኮት ክትክውን ዝደለየት ግዝዋ እንተ ሞተት፣ መፍለስ ክኸውን ዝደለየ ሓርሽ እንተ ቀበረ ከመይ የገርም? ኣብዛ ዘለኻያ ዓለም ካብቶም ደንጊጾም ዝቐብሩ እቶም ፈሪሆም ዝቐብሩ ብኻዕበት ከም ዝበዝሑ ኣየስተውዓልካን ዲኻ? ‘ወዲ ንጉስ ኪመውት ቅበር፣ ንጉስ ኪመውት ዓዲ ወዓል’ እኳ ዝብሉ! ቀባሮ በዚሖም ኢልካስ ‘ኣርዓዶም ሎሜ’ዩ ሞይቱ ክትብለኒ! ኣርዓዶም ደኣ ንጉስ እንተ ርእዩ ንዘይፈልጦ ቋንቋ ከም ሰማዒ ርእሱ ዝንቕንቕ፣ ጠበቅ ኮይኑ እንተ ኢልካዮ ሓርገጽ ዝቕርየ በዓል ክልተ ሳንቡእ እንድዩ። ነፍሲሄር ካብ ዝበሃል ሎሚ 10 ዓመቱ! ባህልቢ ንልቡ ዝሰምዕ ደእ ነፍሲሄር ሞይቱ ኢለስ ምስ ነፍሲሄራት ኮይነ ኪቐብር ተጸቢኻኒ? ኣማኑአል ዘረባይ ትሰምዖ ጥራይ እምበር ኣይተዳምጾን ግዲ ኢኻ?” መደረጋሕ ዘረባ ሰንደዉሉ። ኣማኑኤል ንኣቶ ባህልቢ ክታረኾምን ክብድሆምን ኣይከኣለን። ቅድሚ’ዛ ዕለት ብዙሕ ዕላላት ኣዕሊሎም ኣለዉ። ዕላሎም ሰሚዑ ብተምሳጥ እወ ኢዩ ዝብሎም። ሰብ ከምነፋሒቶ ኪቀያየር ርእዩ’ዩ። ፍጥረቱ ቀይሩ ካልእ ፍጥረት ኪኸውን ግን ኣየስተውዓለን። ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ ድማ’ዩ ትም ኢሉ ኪሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ ንዘረባኦም ዝተቓወሞ።

“ኩሉ ኣብ ከብድኻ ጌርካ እንተ ቀበርካስ እንታይ ትኸውን?” በሎም።

“ኣነ ደኣ ወላሓደ ኣይከውንን’የ፣ ኣነ ምሳኻ ኣብቲ ሓመድ ድበ እንት ዝውዕልእዚ ዝዛረበካ ዘለኹ ኣይምተዘርበን፣ ንስኻ ድማ መገዲ ኣርዓዶም ምሓዘካ!። ምስ በልዎ ቀው ኢሉ ድሕሪ ምጥማት፣ “ኣርዓዶም ከይሓመመ ሞይቱ ጸኒሑ ምስ ተባህለ ዘይሰንበደ ኣይነበረን። መን ቀቲልዎ ዘይበለ ኣይነበረን። ባህልቢ ግን ኣይዓጀበካን ካብ እዝግስ ዓርክና’ዩ ቀብሩ ዓዲ ክንውዕል? በሎም ጸጽቡቑ ኣናተራእዮ። ልቢ ኣቶ ባህልቢ ግን ኣብ ሞት ኣርዓዶም ኣይራህረሀትን።

“እቲ ከይሞተ እንከሎ ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ? ሽዑ ደኣ ሰብ’ዩ ነይሩ እንዶ ኣይበልኩኻን። ካብ ሰብ ናብ ካልእ ኣራዊት ምስ ተለወጠ ግን መግቢና መግቡ ኣይነበረን። መስተና’ውን ከምኡ። ኣርዓዶም ዘርብሖ ዘርብሖ ጥራይ ይኹንበር ዋላ ፍትሒ ኣብ ጥፍሒ ትእቶ ኩባዕ ዝዘልል፣ ንመንገዱ ከጽሪ ንመንገዲ ኣርብዓ እሾዅ ዝዘርእ እንድዩ ነይሩ። ግን ሓቂኻ ኣብቲ ሓመድ ድበ ዝበልካዮ ወየ መድለየ ሓቅኻ ወየ መድለየ።

ኣርዓዶም’የ ኣርዓዶም’የ ሞትካ’ዶ ኣርዓዶም

ወዲ ሓሞት ጎሲኻስ ዓርኪ መራሒ ከብዶም

እቶም ዝነገሱ መልሓስ እሞጭቊሮም

ብእንካ ሃባ ከብዶም ኣእርፊሮም

እነዉኳ ሎሚ ሬሳኻ ቀቢሮም

ኣርዓዶም’የ ንእከይ ብጠምጠም ዝሰተየ

ሓሞት ከየጥረየ ሽንፍላ ዘጽረየ

ብኣኻሞ መን ዘየእወየ

ወየ ወየ ወየ…………………

ምበልኩሉ! …….. ቀታሊኡ መንዩ ዝበላክዮ ከኣ ፍትወት ነብሲዩ ቀቲልዎ።

ኣማኑኤል ዝያዳ ካልእ መዓልቲ ድሕሪ ሓመድ ድበ ኣርዓዶም ብዙሕ ነገር በርሃሉ። ‘ኣርዓዶም ድሕሪ ሞቱ ከፊኡ’ በለ ብውሽጡ ነብሱ ክፍትሽ እዉን እንደገና ናብ ነብሱ ተመልሰ።

“ኣርዓዶም ቀደምዩ ሞይቱ ……ዝሞቱ ቀቢሮሞ…..ኣነኸ ኣለኹ’ዶ?” ነብሱ ሓተተ “ኣማኑኤል ኣለኻ’ዶ? ከምታ ሰብ ኴንካ ዝተፈጠርካያ ኣለኻዶ?”

ነብሱ ግን ልክዕ እንታይነታ’ያ ነጊራቶ። ኣብ ሓጺር ህሞት ንኽውንነቱን ነቲ ዝሰምዖ ዘሎን መዚኑ ክውስን ጸገሞ። ካልኣይ ሓመድ ድበ ኮይኑ ተሰምዖ። ንኣርዓዶም ብሓደ ግዜ ክኹንኖ ኣይደለየን።

ብውሽጡ፣ “ንዝሞተ ሰብሲ ክንድዚ ዘለፋ?” ብምባል ኣብ ገጹ ምልክት ሕርቃን ኣርኣየ።

“ሰብ ናብ መፍለስን ሓርገጽን ይለወጥ ኣይለወጥ እቲ ካልእ ሰብ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ምልዋጥ ከይገደሶ። ብዛዕባ ነብሱ ዘይሓስብ? ኣነ መንየ ዘይብል። ኣብ ቀብሪ መፍለስን ሓርገጽን ዓዲ ዝውዕልከ ንምንታይ?” ብሕቶ ጠመቶ። ኣቶ ባህልቢ ገጾም ይዛረብ ብምንባሩ ኣማኑኤል ኣይቀጸለን ። ኣብ ቅድሚኦም ፈላጥን ለባምን ክትመስል ምፍታን ነገር ምብራዕ’ዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ትም በለ። ኣቶ ባህልቢ ናብ ገጽ ኣማኑኤል እናጠመቱ፣ ገና ኣብታ ‘ኣይቀበርካን’ ትብል ዘረባ ሸንኮለል ይብል ምህላዉ ኣስተውዒሎም፣

“ሰብ ቅድሚ ንበድኒ ምዉት ናብ ጉድጓድ ምቕባሩ ፣ እከይ ተግባራቱ ምስ በድኒ ብጻዩ

እንተ ዝቐብሮ ቀብሪ ትርጉም ምሃለዎ። ሰብ ምስ ግዕዘይምዕዘዩን እበሳኡን ንዓለም ዘበርከቶ ፍጡር ሓመድ ደብዩ እንት ተመልሰ እንታይ ለውጢ ክፍጠር ይኽእል? ንዝሞቱ መመሊሱ እንተ ቀበረ ንኣረመነንቱ ግን እንተ ዘይቀበረ፣ ‘ቅበሩ እነበለ ታቱላ እንተ ነፍሐ እንታይ ጣቋ ኣለዎ?” ኢሎም ጠመቱዎ።

“ንፈተውቱ ጽንዓት ይሃብኩም ክትብል ኔሩኳ!” ኣማኑኤል ተዛረበ።

“ንመን ኣታ!? ነቶም ብውጺኢት ኣበሳኡ ዝነገሱ ዋላስ ነቶም ስጋኡ ንኸጻዕዱ ሕልናኦም ዝቐተለሎም ፍጡራትን ? ንመን ጽንዕእት ይሃብኩም ክብል? ኣነ ደኣ ንሕልና ንጹሃት ምስ ቀተለ ንዑኡ ደብየ ንዕኦም ጽንዓት ይሃብኩም ኢለ እንድየ ቀደም። ባህልቢ ልቡ ከይኣዘዞ እግሩ ፈልከት ኣይብልን’ዩ። ንመፍለስ መፍለስ ንሓርገጽ ከኣ ሓርገጽ ይቕበሮ በሃሊ’ዩ። እቲ ሓቀኛን ጽሩይን ሰብ ኣብ ማይ ይእቶ ኣብ በንዚን፣ ኣብ ኣልኮል ይእቶ ኣብ ዘይቲ ፈጺሙ ዘይብለል። ልክዕ ከም ዑንቊ ክኸውን’ዩ ዘለዎ፣” ብምባል መለሱ።

ኣማኑኤል ከምዛ ኣብ ቤት ባህልቢ ዝዓረፈ ኮይኑ አትሰምዖ። ፍጥረት ሰብ ኪንዮቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ጨብረቕረቕ ህይወት፣ ቅርበት ቅርኒብ ዓይነት ሰጊሩ፣ ኣድማስ ሕልና ዝትንክፍ ብራኸን ዕምቆቱን ከም ዘሎ ኣስተውዓለ።

ኣማኑኤል ኣብ መዓልቲ ሓመድ ድበ ዓርኩ ዘይሓሰቦ በርቂ ባህልቢ ስለ ዝገጠሞ፣ ካባኡ ንንየው ክዛረብ ኣይመረጸን። ኢዱን ሕልናኡን ከጽሪ ዝተሃወኸ ኪመስል ብተብተብ ናብ ቤቱ ኣምረሐ።

መለስ ንጉሰ

 

ምንጪ፦ ዕዉታት ሓጸርቲ ዛንታታት ፌስቲቫል ኤርትራ 2008

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?