Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ህንዲ፡ “ሳቲ” ምቅጻል ወይ ርእሰ ቅትለት መበለት

ህንዲ፡ “ሳቲ” ምቅጻል ወይ ርእሰ ቅትለት መበለት

0
By Mekonnen T. on December 3, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መኮነን ተስፋይ
እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ዛንታ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስቲ ወዲ ሰብ በጺሑዎ ዘሎ ምዕባለን ብኡ መጠን ከኣ ጓል ኣንስተይቲ ማዕርነታ ኣረጋጊጻ መሰላ ኣኽቢራ ኣብ ትኸደሉ ዘላ እዋን ዝፍጸም ኣይኮነን። ኣብታ ተጠቃሲት ሃገር ህንዲ’ውን እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘይሕጋውን ባርባራውን ተግባር ተባሂሉ ተኾኒኑን ብዙሕ ተዘሪቡሉን’ዩ።
ኣብ ህንዲ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሂንዱ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ህንዲ ንዘመናት ክካየድ ዝጸንሐ ባህሊ’ዩ። ሳቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰብኣያ ዝሞታ በዓልቲ ቤት እንተስ ብፍቓዳ ወይ ብሓይሊ ምስ በዓል ቤታ ናብ ዓዲ ኩልና ትፋነወሉ ኣገባብ’ዩ። እዚ ሳቲ ዝብል ስም ካብ ሓደ ጣኦት ናይ ሂንዱ ዝመንጨወ ኮይኑ ኣበጋግስኡ ከኣ ብሓንቲ ዳካሻያኒ ተበሃላ እትጽዋዕ ሓያም’ዩ። እዛ መበለት በዓል ቤታ ምስ ሞታ ንወላዲኣ ንዘይምሕፋር ንበዓል ቤታ እምንቲ ከም ዝነበረትን ከም ተፍቕሮን ንምግላጽ ምስኡ ክትመዉት’ያ መሪጻ። ጸኒሑ ግን ከም ባህሊ ተኣታትዩ ኣሽሓት ሓያማት ወሲዱ። እቲ ትኽክለኛ ሳቲ ዝበሃል ኣገባብ በዓልቲ ቤት ሰብኣያ ምስ ሞታ እቲ ሬሳ ክቃጸል እንከሎ ምስኡ ተቓጺላ ሙማት’ዩ። እቲ ምቅጻል እንተይዘፈጺማቶ ወይ ብህይወታ ምስ በዓል ቤታ ትቕበር ወይ ከኣ ተሓኒቓ ትመውት ወይ’ውን ኣብ ቀላይ ኣትያ ነብሳ ተጥፍእ።
እዚ ዝካየደሉ ምኽንያት ብዓይኒ እቲ ሕብረትሰብ ሰብኣያ ክትከናኸንን ብስሚ ጌራ ከይትቐትሎን ከም ነብሳ ከተፍቅሮን ምእንቲ ዝብል ክኸውን እንከሎ ፡ እታ ሓያም ንበዓል ቤታ ዘለዋ ዝለዓለ ፍቕሪ ተርእየሉን መስዋእቲ ትኸፍለሉን ኣገባብ ጌራ ስለእትቆጽሮን፡ በቲ ትወስዶ ስጉምቲ ስድራቤታ ክብረት ስለዝስመዖም፡ ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ መጻምዲ ስለዘይህልዋ ናይ ብሕትውና ናብራ ስለእተሕልፍ፡ እቲ ዝዓበየን በቶም ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ሂንዱ ዝእምነሉን ከኣ እታ ምስ ሰብኣያ ትመውት ሰበይቲ ንኹሉ በዓል ቤታ ካብ ዝገበሮ ሓጥያት ከተንጽሆ ከም እትኽእልን ሒዛቶ ናብ ገነት ከም እትኣቱን ንሳ ንባዕላን ሸውዓተ ትውልዲ ናይ ወለዳ ካብ ሓጥያት ከም ዝድሕኑ ስለዝእመነሉን’ዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ቀጸላታት እቲ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ኣብ ሰበስልጣንን መሳፍንትን ከኣ ብፍላይ ዝካየድ ዝነበረ ኣገባብ ከም ነብሰ ቕትለት ኣይቁጸርን’ዩ። ኣብ ሃይማኖት ሂንዱ ነብሰ ቅትለት ኩልኩል’ዩ። እዚ ኣገባብ እዚ ግን ቁቡሉን ክብሪ ዘውህብን ኮይኑ ንዘመናት ቀጺሉ።
ድሕሪ ሞት ሰብኣያ ነብሳ ዘየቃጸለት ሓያም በቲ ሕብረትሰብ ክብሪ ስለዝንፈጋ፡ ርእሳ ላጽያ ኣብ ረቂቕ ተንኮበት እናደቀሰት ናብራ ብሕሰም’ያ ተሕልፎ። ስድራቤታ ከኣ ከም ዘዋረደቶም ቆጺሮም ይንጽልዋን ኣቓልቦ ይነፍጉዋን። ኣብ ዝሓለፈ ዝመናት ሓያሎ ህንዳውያን በዚ ናይ ሳቲ ኣገባብ ሕጉሳት ከም ዘይኮኑን ከም ዘይሰማምዑሉን ይገልጹ’ዮም። ኣብ ግዜ ሞጉል ተግባራት ሳቲ ባርባራዊ ፍጻሜ ከም ዝኾነ ብሕጊ እስልምናውን ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ክልኩል ከም ዝኾነን ከትርፍዎን ብዙሕ ጽዒሮም’ዮም።
ኣብ 1800 ዓም ብሪጣንያ ንህንዲ ክትገዛ ምስ ጀመረት ዝተመዝገበ ናይ ሳቲ ኣገባብ ኣዚዩ ዘሰንብድን እቲ ቁጽሪ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእልን’ዩ ዝግመት። ካብ 1813-1828 ጥራሕ ልዕሊ 8135 ደቂ ኣንስትዮ ምስ ሰብ ኡተን ተቓጺለን፡ ወይ ነብሰን ኣጥፊኤን ወይ ከኣ ምስ ሰብ ኡተን ተቐቢረን’የን። እዚ ብገምጋም 618 መበለታት ኣብ ዓመት’ዩ ። ኣብ ቤንጋል ዝበሃል ቦታ ኣብ 1823 ጥራሕ 575 ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ባሃላዊ ኣገባብ ሳቲ ኮይነን’የን።
እዚ ናይ 1800 ዓም ኣማውታ ኩሉ ብወለንታ ዝተፈጸመ ከም ዝኾነን ሳሕቲ ግን ብግዴታ ዝፍጸም ከም ዘይሳኣኖን እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ። እተን ፈጸምቲ ብመራሕቲ ሃይማኖት፡ ብእንዳ ወድን እንዳ ጓልን ማለት ነቲ ንብረተን ዝወርሱ ንሶም ስለዝኾኑ ልዑል ምትብባብዕ’ዩ ዝግበረለን። ገለ ገለ’ውን ጽልዋ መዛኑ ከም ዝደፋፍአን ይፍለጥ።
ሳቲ ኣብ 1829 ዓም ብወግዒ ክተርፍ ይተኣወጅ እምበር ጸጸኒሑ ግን ሓደ ሓደ ትርእዮታት የጋጥም’ዩ። ኣብ 1999 ሓንቲ በዓል ቤታ ዝሞታ ሰበይቲ ሃንደበት ዘሊላ ናብቲ ዝቃጸል ዝነበረ ሬሳ በዓል ቤታ ብምእታው ህይወታ ኣሕሊፋ። እዚ ግን ከም ሳቲ ኣይቁጸርን’ዩ ይብሉ እቶም ዝተዓዘቡ ህዝቢ ከምኡ ክትገብር ዝመረቓ ወይ ፍቓድ ዝሃባ ስለዘይነበረ ከም ነብሰ ቅትለት’ዩ ዝሕሰብ ይብሉ። ኣብ ግንቦት 2006 ሓንቲ ጓል 35 ዓመት ሓያም ኣብቲ ዝቃጸል ዝነበረ ሬሳ በዓል ቤታ ዘሊላ ብእታው ነብሳ ኣጥፊኣ። ብ22 ነሓሰ 2006 ኣብ ቢቢሲ ዝተፈነወ ዜና ኣብ ህንዲ ኣብ ሓንቲ ቱልሲፓር ትበሃል ገጠር ሓንቲጓል 40 ዓመት ሓያም ኣገባብ ሳቲ ብምኽታል ነብሳ ከም ዘቃጸለት ይሕበር። ኣብ 2008 ካልእ ጓል 75 ዓመት ሓያም ኣብቲ ዝቃጸል ዝነበረ ወዲ 80 ዓመት ሬሳ በዓል ቤታ ብምእታው ህይወታ ኣሕሊፋ። ብስነኪ እዚ ተርእዮታት ከኣ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ነቲ ፍጻሜ ዘጽንዕ ሕግታት ክወጽእ ተገብረ። በዚ መሰረት ከኣ ነቲ ኣገባብ ሳቲ ምዕዛብ ጥራሕ’ውን ንባዕሉ ብሕጊ ከም ዘሕትትን ዘቕጽዕን ኮነ።
ሳቲ ኣብ ህንዲ ጥራሕ ዝተወሰነ ከም ዘኮነ ቀደም ዘበን ኣብ በዓል ግብጺ፡ ግሪኽ፡ ቬትናም ኔፓልን ካልእን’ውን ይካየድ ምንባሩ ይፍለጥ። ናይ ግብጺ ፍሉይ ዝገብሮ ፎርኦናት ክሞቱ እንከለው ምስ ጊላታቶምን ኣገልገልቶምን ይቕበሩ ምንባሮም’ዩ።
ሳቲ ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን በዓልቲ ቤቶም ዝሞተቶም ሰብ ኡት ይፍጽምዎ’ዮም። ገለ ገለ ኣዴታት’ውን ኣብ ሞት ውላደን ነብሰን የጥፍኣ ወይ የቃጽላ’የን።
እዚ ጽሑፍ ካብ መርበብ ሓበሬታ www.kashgar.com.au ካልእ ጽሑፋትን ዝተተርጎመ’ዩ

15078880_10207744790078220_6989984701422192470_n

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleታሪኽ ንእስነትካ እናሽረፍካ ንንእስነተይ ኣይትሸራርፈለይ
Next Article ትዕዝብተይ ብዛዕባ መጽሓፍ ‘ድምጺ ልቢ’ (2ይ ክፋል)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?