Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ዝባን ጥበብ»ሃመልማሎ ብማጨሎ!

ሃመልማሎ ብማጨሎ!

0
By Mekonnen T. on March 20, 2015 ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ተስፋስላሰ! (Azmarino Hope)
ሙዚቃ ካብ ፍልመ ዴስነት ወይ መፈጠር ሰብ ፈሊሙ ዝነበረን ከም ምዃኑ መጠን ኣነባብራናን ኣተሓሳስባናን እናሰወደ ብዝመጸ ኸኣ ማዕሮ ማዕረኡ ሙዚቃ እውን ክዓቢ ከኣለ። ምናልባሽ ግና ቅድሚ ወዲ ሰብ ኣዕዋፍ ፈሊመንኦ ክዀና ከም ዝኽእላ ኣመት ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣዕዋፍ ሰሚዕካ ዘይስልኪ ሕብረ ዝማረታት ኣሎ። ሰባት ድማ ብግጥሚን ዜማን በቢቋንቁኦም ምስ መሳርሒታት ሙዚቃ ኣዋዲዶም ከሰልጥንዎን እቲ ሎሚ ዘለዎ ቅርጽን ክሕዝ ጀሚሩ። ምንጪ ዝማሬ ማህሌታይ ያሬድ ኣዕዋፍ ከራድዮን ምዃነን ገድልታቱ ኣይሓብአን። ሙዚቃ ንሩሕ ሰባት ሽውሽውታ ዝሑል ንፋስ ምስጢር ህላዌን ኢዩ። ሕሙማት ብሙዚቃ ይፍወሱ። ድኹማት ብሙዚቃ ትንፋስ ይሰርዑ። እንስሳታት ከይተረፉ ሙዚቃ ምስ ዝሰምዑ መግቢ ምምእራር ሓዲጎም መሃነኖም ብጣዕመ ዜማ ይስለብ። ቋንቋ ደቂ ሰባት ኣብ ዓለም ሓበጀራይ እኳ እንተዀነ ንሙዚቃ እተዓደለና እዝኒ ግና ኣእላፍ ማንታ ኢዩ። ሳኦል ነቲ ውሽጡ ይህውኾ ዝነበረ መንፈስ ዳዊት በገና እናሃረመ ሃሴት ልቢ ይድርዖ ምንባሩ እተጻሕፈ ኢዩ። ሙዚቃ ኣብ ከይዲ ሃይማኖት ምስ መጸ ናብ ክልተ ተገምዐ። መንፈሳዊን ዓለማዊን ሙዚቃ ድማ ዀነ። ሓዲኡ ክሓሪ ኣለኒ። ዓለማዊ ሙዚቃ። ዓለማዊ ሙዚቃ ዉህሉል ዜማ᎓ግጥሚ᎓መሳርሒታት ወዘተ ኢዩ።
ግጥሚ ኣብ ሓደ ደርፊ እቲ ዝዓበየ ግደ ዝወስድ ኢዩ። ግጥሚ ምናዳ ኸኣ ኣብ ደርፊ ክስኳዕ እንከሎ ምስ ዜማ ተዋሲቡ ንእዝንን ኣእምሮን ከፋቲ ሸውሃት ዀይኑ ሰባት ንዘደንቖም᎓ንዘሕዝኖም᎓ንዝፈትዎን᎓ንዝጸልእዎን᎓ኮታስ ንግኡዝን ሰባዊ ባህርያት ብግጥሚን ዜማን ኣቢሎም መምስ ናታቶም ህርመታት ኣሰንዮም ይደርፉ። ግጥሚ ኣብ ደርፊ እንተዘይህሉ ነይሩ ደርፊ ስቑንቁን ጥራይ ምዀነ ነይሩ። ስለዚ ግጥሚ ነቲ ዜማ ህይወት ይነጽገሉ እሞ ብህርመት ተዓጂቡ ደርፊ ይቐውም። ክንዲ ዝዀነ ኸኣ ግጥሚ ኣብ ደርፊ ዓበይቲ ብልጫታት ኣለዉዎ። ኣብቲ ደርፊ ብእተላፍኖም ቃላትን ሓረጋትን ዜማ እናፈጠርካ ፍቕርኻ ንምግላጽ᎓ናእዳኻ ምትንባህ᎓ጓሂኻ ንምግላጽ ወዘተ ትግልገለሉ። ዳዊት ኣብ ደርፍታት ትግርይና ደጒሒ እዚ ዘመን ዝዀነ ወኸፍ ኢዩ። እቲ ካብ ወገን ኣይሁድ ወዲ እሴይ ዳዊት ዘይኰነሲ ካብ ወገን ሓበሻ ወዲ ሰለሞን ዳዊት ኢዩ።ዳዊት ሰሎሞን። ሃመልማሎ። ንኺድ ጥራይ….
ቆንጆ በዓልቲ ሃበባ
ተበሃጊት ምጭውቲ ከም ተኽሊ ሕዮባ
ሃመልማሎ ጎይታ ጥበብ ዘወቀባ
ኣንቲ እንበር ዶ ጓል ሰብ ኢኺ ንገርናባ
ሃመልማሎየ
ቅሻረትኪ መመሊሱ እገርመናሎየ።
ኣብዛ ናዕታ እንርድኦ ነገር እንተሎ እቶም ሓረጋት ነፍሲ ወከፎም ሓደስቲ ኣገልጻታት እናተለጋገሱ ዝኸዱ ኢዮም። ኣብ ቀዳማይ ሓረግ “ሃበባ” እትብል ቃል ተፈታዊት᎓ተፈቃሪት᎓ኩሉ ዘኽብራን ዘፍቅራን ስማ ኣብ ኣደባባይ እተፈልጠ ከም ማለት ኢዩ። ስርወ ኣመጻጻኣ እዚ ቓል እዚ ምስቲ ህቡብነት ወይ ኸኣ ዝና ዝሳነ ኾይኑ ብኹሉ ትፍቶ ጽቡቕ ስም ዘትረፈት ዝብል ሕመረት ትርጒም ኣለዎ። ስዒቡ ድማ “ሕዮባ” ኣብ ዝብል ሕዮባ ማለት ኣብ ወርሒ መስከረም ብፍላይ ድማ ካብ በዓል ቅዱስ የሓንስ ክሳዕ መስቀል ኣብ ዘለዉ መዓልታት ደቂ ኣንስትዮ ካብ መሮር ዝኣከባኦ ኣሸንዳ ዝበሃል ሓምላይ ሳዕሪ ካብ ዲና እተባህለ ተኽሊ ኣሊመን ኣብ መዓንጣአን ዓጢቐን ኣብ ግንባረን ከኣ ሕዮባ ዝበሃል ብተፈጥሮ ዚወቀበ ሕብራዊ መልክዕ ዘለዎ ሳዕሪ ወቂበን ንዝሓለፈ ዘመን የመጉሳ ንመጻኢ ሰናይ ትምኒተን ይገልጻ ኢየን። እንበኣር ሕዮባ ካብዚ እንርድኦ እቲ ገጣማይ ተበሃጊት ምጭውቲ ከም ተኽሊ ሕዮባ ክብላ እንከሎ ውቃቤኣን መልክዓን ብኡ ኣቢላ ተሃራፊነታ ንምውሳእን ኢዩ ። “ሃመልማሎ ጎይታ ጥበብ ዘወቀባ” ኣብ ዝብል ሓረግ ሃመልማሎ ማለት ንኸደረይቲ ጓል ዝወሃብ ስያመ ዀይነ ሓበሻዊነት ምስ ከደራይነት ሕብሪን ኣብ ባህልና ዝጸንሐ ኣይ ቀያሕ ኣይ ጸላም እንታይ ደኣ…. ሃመልማሎ ማለት ከደረይቲ ምስ ዝብል ተሪር ቅዋም እምነት ጽባቐ ህዝቢ ሓበሻ ኣዛሚዱ መንነት እታ ምልክዕቲ ጓል ሄዋን ይገልጸልና። ጎይታ ጥበብ ዘወቀባ ክብል እንከሎ ድማ እቲ እንኣምነሉ መለኰታዊ ሓይሊ ንዓኣ ከወቅብን ዝያዳ ኹሉ ብልጽትን ማመትን ገይሩ ልዑል ልግሲ ከም ዝመጽወተላ ናእዳ ተፈጥሮ ይልግስ። s“ኣንቲ ዶ እንበር ጓል ሰብ ኢኺ ንገርና እባ” ምባሉ ዘይጓል ሰብ ከይትኸውን ተጠራጢሩ ዘይኰነሲ እቲ ጽባቔኣ ኣጋንኖኣዊ ኣገላልጻ ተጠቒሙ ሕልፊ ሰባ መልክዕ እተጸንበላ ዘይከም ካልእ ዝብል ባሕሪ ትርጒም ይህበሉ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ናዕታ ድማ “ሃመልማሎየ ቅሻረትኪ መመሊሱ እገርመናሎየ” ኣብ ዝብል ገላጺ ሓረግ ‘ቅሻረት’ ጽባቐ᎓ሻም᎓መልክዕ ግርማ መጎስ ከም ማለት ኢዩ። ስለዚ እታ ዝሰየማ ሓበሻዊት ጓል ጽባቔኣን ግርማ መጎሳን መመሊሱ ኣግራሞት ከም ዝፈጠረሉ ዘውሰኣሉ ኢዩ።
ኣምሳያ ገነት ኤዶም ሓመልሚል ቀለማ
እታ ጸላም ዕንቊ ነብስኺ ኣፍሪቃዊ ደማ
መን ኢዩ እሞ ዘይመባጻዕ ልቡ ከግዝማ።
“ገነት ኤዶም” ብእምነት እቲ ዝያዳ ኹሉ ልሙዕ᎓ፍሉይ ማራኺነት ዘለዎ ኣታኽልቲን ጀራዲንን ዝበዝሖ ውቁብ ቦታ ኢዩ።ስሌኡ ድማ ብኡ ኣቢሉ እውን ክገልጻ ደፋር ብርዒ ወኒኑ። “እታ ጸላም ዕንቊ ነብስኺ ኣፍሪቃዊ ደማ” ዝብል ሓረግ ዝያዳ ኣብ መንነት እታ መልከዔኛ ንዝብላ ጓል ዘጉለሓሉ ኢዩ። ጸላም ዕንቊ ነብስኺ እትብል ማእከላዊት ሓረግ ኣዝዩ ክቡርን ጽሩራዊ ስልማት ዝመለለይኣ ብኣፍሪቃዊነታ እትሕበን ፍሉይ መንነት ዝወነነት ገይሩ ይስእላ። “መን እዩ እሞ ዘይመባጻዕ ልቡ ከግዝማ” ኣብ ዝብል እቲ ኣብ ፍቕሪ ህይወት ዝዓበየ ህያብ ልብኻ ምግዛም ምዃኑ ንምግላጽን ኣእላፍ ኣወዳት ልቦም ከግዝምዋ ሃተምተም ዝብሉላ ማለት ከኣ ክውንንዋ ዝጓየዩላ ሕርይቲ ፍጥረት ገይሩ ድማ ይቐርጻ።
ደረት ትርኢት መልክዕ ከም ጸሓይ ፈለማ
ኣባኺ እንድያ ኣኽቲማ
ደስ ደስ ሃመልማሎየ
ደስ ደስ ኣንቲ ሉል ውቅያኖስ
ደስ ዝብል ግርማ ኣለኪ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ።
“ ደረት ትርኢት መልክዕ ከም ጸሓይ ፈለማ” ኣብ ዝብል ሓረግ እቲ ጫፍ ኣድማስ ትርኢት ሰባት ዝዀነ መልክዕ እተለገሰላ ምጭውቲ ወይ ድማ ሰባት ብሕልሞም ምልክዕቲ ጓል ዝትምነዩሉ ጫፍ ደረት ትምኒት ዝዀነት ምልክዕቲ ኢያ ይብለና። “ጸሓይ ፈለማ” ዝብል ንኡስ ሓረግ ንበይኑ ክርኤ እንከሎ በኳር መሰታ ኣልቦ ዝዀነት ንዓይንኻ እተብቅቕ ህያብ ተፈጥሮ ምዃና ኢዩ። “ሉል” ዝብል ቃል ንበይኑ መዚዝና እንክንርኢ ‘ሰደፊ’ካብ እትበሃል እንስሳ ባሕሪ ዝርከብ ካብ ኣልማዝን ወርቅን ዝያዳ ዝዀነ ክቡር ዕንቊ ኢዩ። ስለዚ እቲ ገጣማይ ንሃመልማሎ እታ ዝኸበረትን ዕንቊ ከም ሉል እትስመን ኢያ ይብላ። “ደስ ዝብል ግርማ ኣለኪ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ” እትብል ናይታ ናዕታ መጠረስታ ሓረግ ከም እትሕብሮ “ጽሕዲ ሊባኖስ” ዝብል ፍሉይ ገላጺ ሓረግ ኣሎ። ሊባኖስ ኣብ ሰሜን ገሊላን ኣብ ምብራቕ ፈንቄን እትርከብ ብኣኽራን እተመልአት ሃገር ኰይና ኣዝያ ብጽሕዲ እትልለ ሃገር ኢያ። መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዝሕብሩዎ ድማ ንጉስ ሰሎሞን ቤት መቕደስ ኪሃንጽ እንከሎ ኣእዋም ቄድሮስን ጽሕዲ ሊባኖስን ብባሕሪ ኣግዒዙ ናብ እስራኤል ክመጽእ ይገብር ምንባሩ ኢዩ። ብፍላይ ጽሕዲታት ሊባኖስ ሓሸራታት ዘይበልዑዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጽኑዕን ውቁብን ጽቡቕ መኣዛ ዘለዎ ስለ ዝነበረ ከም ዝዀነ ይንገረሉ። ንብራናታት ሃገርና ክንውከስ ከለና ኸኣ “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሎባኖስ” ማለት ድማ ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ከኣ ይዓቢ ዝብል ጥቕሲ ካብዚ ንምርዳእ ዝከኣል ጽሕዲ ሊባኖስ ዝያዳ ካልኦት ጽሕዲታት ዉቁብን ግርማ ዘለዎን ጽሕዲ ምዃኑ ነመሳኽር። እቲ ገጣማይ ድማ ነዚ መዘና ኣልቦ ዝዀነ ጽሕዲ ገይሩ ንሃመልማሎ ከጥምቓ እንከሎ መዳርግቲ ዘይብላ ግርምቲ᎓በዓልቲ ሻም᎓ወናኒት ግርማ መጎስ ዝብል ከበሬታዊ ገለጻ የግዝማ ኣሎ ማለት ኢዩ።
ንተኣምር ዶ ይኸውን ኣምላኽ እዚ ሕያዋይ
ፈጢሩኪ ከምታ ኣብ ሰሌዳ ሰማይ
ምድሪ ከተብርህ እተፈጥረት ጸሓይ
ካብዚ ስሙር ዋሕዚ እንርድኦ ነገር እንተሎ እቲ ጎይታ ጥበብ ክብል ተምሳላዊ ኣገላልጻ ተጠቒሙሉ ዝነበረ መለኰታዊ ሓይሊ ግሁድ ብምግባር ኣምላኽ ኢሉ የምጽኦ እሞ ንተኣምር ዶ ይኸውን ፈጠሩኪ ከምታ ኣብ ሰሌዳ ሰማይ ክብል እንከሎ ኣምላኽ ካብ ፍጥረታቱ ኣብሊጹን ኣድሚዑን ንቕያን ትእንግርቲን እታ ብልጽቲ ስርሓቱ ገይሩ ዶ ሰሪሑኪ ይኸውን ብምባል ተጠራጣራይ ኣገላልጻ ይጥቀም። መሊሱ ኸኣ ኣብ ሰሌዳ ሰማይ ዘውዲ ንዝደፍኤት ጸሓይ ገይሩ ኣብ እንኮ ዝፋን ዝነበረት ግእዝቲ ፍጥረት ሓንቲ ሰብ ምስኣ ይሰርዓላ። ምድሪ ከተብርህ እተፈጥረት ጸሓይ ምባሉ ድማ ምድራዊት ምዃና ቁጠባዊ ኣገላልጻ ይጥቀም።
ወይዘሪት ቁንጅና ናትኪ ኢዩ እሞ እዚ መድረኽ
ብዘውድኺ ይመለኽ
ደስ ደስ ሃመልማሎየ ሃሪ ሕዛባ
ደስ ዝብል መጎስ ኣለኪ ከም ንግስተ ሳባ።

”ናትኪ ኢዩ እሞ እዚ መድረኽ ብዘውድኺ ይመለኽ‘ ኣብ ዝብል ሓረግ እቲ ገጣማይ እዚ መድረኽ ክብል እንከሎ ንሓደ ድሩት መድረኽ ኣይኰነን ክገልጽ ዝደለየ እንታይ ደኣ ነቲ መድረኽ ዓለም ከም ድላይኪ ንየው ነጀው በልሉ ኣእላፍ ኣዒንቲ ኣስደምምሉ ዝብል ርጉጽነታዊ እተመልኦ ቃለ ምስክርነቱ ይህብ ። ብዘውድኺ ይመለኽ ዝብል ሓረግ ድማ ኣዒንቲ ፍጡራት ኩለን ንዓኺ መባእ ይህባ ናባኺ ይሰግዳ ዝፋንኪ ይንገስ ብምባል ክብሪ የልብሳ ። ‘ሃሪ ሕዛባ‘ ኣብ ዝብል እውን ሃሪ ኣብ ባህልና ደቂነስትዮ ኣብ ክሳደን ዝኣስራኦ ድሙቕ ጸሊም ማዕተብ ኢዩ። ሕዛብ ድማ መቐነት ኢዩ። ስለዚ ፍጹም ሓበሻዊት ምዃና መስከረ። ‘ደስ ዝብል መጎስ ኣለኪ ከም ንግስተ ሳባ” ዝብል ክንርእዮ እንከለና ንግስተ ሳባ ካብ 1982 ስጋብ 1957 ዓመተ ዓለም ን25 ዓመታት ኣበ ኣቢሲኒያ ዚነገሰት ንግስተ ኣዜብ◊ንግስተ ማክዳ◊ ኣብ ዓለም ኣዝያ ሕፍርትን ክብርትን ዝነበረት ንግስቲ ኢያ። ዳዊት ድማ እዛ ስምይቲ ንግስተ ሳባ ዝረኸበቶ መጎስ ንሃመልማሎ ከጐናጽፋ እንከሎ ንዕዘብ።
ሃመልማሎ ኣብ ቅድሚ ቅሻረትኪ ጣቋ የብሉን መልክዕ ሞናሊዛ
እታ ዓለም ዘዛረበት ቐለምን ብሩሽን ሊዮናርዶ ዝመሃዛ(መጸለል)
ሞናሊዛ እትብል ኣብ ቀዳማይ ሓረግ መጠረስታ ዘላ ቃል እትገልጾ ካብ 1452-1519 ማለት ካብ መፋርቕ 15 ክፍለ ዘመን ስጋብ መፈለምታ 16 ክፍለ ዘመን ከባቢታት ይነብር ናይ ዝነበረ ሰኣላይ ቀባኣይ ምሁር ስነ ቕየሳ ሙዚቀኛ ተማራማራይ መሃንዲስ ክኢላ ስነ ምድሪ ወዘተ ምንባሩ ናይ ዝዝረበሉ ሊዮናርዶ ዲ ሰር ፒሮ ዳቪንቺ እተባህለ ሰብ ስርሓት ዝዀነት ናይ ኩሉ ግዜ ብልጽቲ ስእሊ ኢያ። ኣነጻጻራይ ዝዀነ ገላጺ ኢዩ። መልክዕ ሞናሊዛ ምስ ሃመልማሎ ኪነጻጸር እንከሎ ድማ ጣቋ(ቅውም ነገር ዕሊ የብሉን ኢሉ ንሞናሊዛ ካብ ዝፋና ኣውሪዱ ንሃመልማሎ ቅብኣ ንግስነት ቀቢኡ ኣብ ደረት ጽባቐ የንብራ።
መቑለመት ኣጥባትኪ
መትኮብ ዑፍ እመስላ ተዓዲለን
ዕታሮ ሽምጥኺ እሞ
ቅናት ኰይነ ዶ ኣንቲ ክጥምጠሞ።
‘መቑለመት” ማለት በላሕ ጸሊም ሕብሪ እትውንን እታ ጫፍ ጡብ ኢያ። ኣብ ገለ ኸባቢታት ድማ ንቑርባብሻ ወይ ለቖታ ምስተኣስረ ድሕሪ እታ እሳር ዘላ ጫፍ ከኣ መቑለመት ትበሃል ኢያ። ንመቑለመት ሃመልማሎ እምበኣር መትኮብ ዐፍ እመስላ ክብል እንከሎ መትኮብ ማለት ናይ ሓንቲ ጽብቕቲ ዝብላ ዑፍ ሓርዩ እቲ በሊሕ ኣፋ ከም ማለት ኢዩ። ኣብ ባህልና ንጡብ ደኣንበር ንመቑለመት ፈሊኻ ይድረፍ እኳ እንተዘይነበረ ዳዊት ግና ነዚ ቓል ብምድፋር ገድሊ ብርዒን እንተላይ ቋንቋና ንኽንጥቀመሉ ይድርጉሓልና።
ዓይንኺ ከሳቴ ብርሃን
ምዕጉርትኺ ተምሳል ፍረ ሮማን
ከናፍርኪ ተን ምጭዋት
ከስተማቕረን ዶ ከም ሓለዋት።
ንኣዒንቲ ሃመልማሎ ኪገልጾ እንከሎ ድማ ከሳቴ ብርሃን ኢሉዎ። ከሳቴ ብርሃን ምንጪ ቓሉ ግእዝ ኰይኑ ብርሃን ዝፍኑ ◊ ብርሃን ዘመንጩ ◊ ከም ማለት ኢዩ። ‘ሃመልማሎ” ጸርጊ ብርሃን ኣዒንታ ኣዝዩ ፍሉይ ጩራ ከም ዘለዎ የተንበሃልና። ምዕጉርታ ተምሳል ‘ፍረ ሮማን” ማለት ቀይሕ ዝሕብሩ ፍረ። ተኽሊ ሮማን ቀይሕ ዕምባባን ፍረን ዘለዎ ጽማቚ ፍሬኡ ብዙሕ ዝዀነ◊ ቅራፉ ንፈውሲ ዝጠቅም ዓይነት ተኽሊ ኢዩ።ንምዕጉርቲ ሃመልማሎ ኸኣ ተበሃጊን ተሃራፊን ዝዀነ ፈውሲ ፍቕሪን ኣብ ከንፈር ሰርቢን ኣውሊን ዝፈጥር ግሩም ምዕጉርቲ ገይሩ ብብርዑ ብረቂቕ ቃላት ይስእሎ። ‘ከናፍርኪ ተን ምጭዋት ከስተማቕረን ዶ ከም ሓለዋት”። ኣብ ዝብል ናዕታ ከንፈር መግለጺ ሳሕቢ ፍቕርን ስምዒት ናይ ምምሃዝ ተኽእሎ ዘለዎ ማግኔት ምስትምቓር ፍቕሪ ዝዀነ ክፍሊ ስምዒት ኢዩ። ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ንኸንፈር ሞናሊዛ ንምስኣል ጥራይ 11 ዓመትን 11 ኣዋርሕን ከም ዝወድኣሉ ይዝንቶ። እዚ ዘርእየና ከንፈር ስምዒት ፍቑራት ዘጣምር ፍሉይ ልግሲ ፍቕሪ ከም ምዃኑ መጠን እቲ ገጣማይ ድማ ንኸንፈር ሃመልማሎ ብሃረሮ ክቐርጾ ንዕዘብ። ኣብ ጥንታዊ ስነ ጽሑፋትና እውን ‘ከናፍርኪ ከመ ፍሕሶ ቀይሕ” ዝብል ኣገላልጻ ንኣገላልጻ እቲ ደራሲ ዝያዳ የጉልሖ።
ጓል ዓደይ ኣሽንኳይዶ ሰብ ሕልና ንዓብደልኪ
ብቑንጅናኺ ተሃሚለን ኣዕዋፍ እኳ ዝረግፋልኪ
ሃመልማሎ ተዓዊቱልኪ መጸለል ውይ ክተፍተወካ!
ኣብዛ ናዕታ ኣሽንኳይ ዶ ሰብ ሕልና ነፍቅር ንፍቀር ኣዕዋፍ እኳ ብግርማኺ ተሃሚለን ዝኸባኺ ወይ ድማ ንኽብርኺ ጥዑም ዝማሬ ዝህባኺ ወይ ዘወድሳኺ ኢሉ ካብ ሰባት ሓሊፉ ንጨራሩ ሰማይ ዘስደዐት ኢሉ ተኣምራዊት ፍጥረት ይገብራ እሞ ‘ሃመልማሎ” ተዓዊቱልኪ መጸለል” ኣብ ትብል ሓረግ ድማ እቲ ገጣማይ ሃመልማሎ ዋናኣ መን ምዃኑ ከም ዘይተፈልጠ ይሕብር ግን ከኣ እቲ ዝወሰዳ ግና ክንደይ ርሑው ግምባር(ዕድለኛ) ከም ዝዀነ መስከረ ።
ብሓፈሻ ሃመልማሎ ንሓንቲ ኣዝያ ድምዕትን ምልክዕትን ሓበሻዊትን ምጭውቲ ጓል እተገጥመት ኣድናቘት᎓ ኣግራሞት᎓ ተፈጥሮ ᎓ተምሳሌት᎓ ንጽጽር᎓ ቅንኢ ᎓ምንዮት ወዘተ ዝኸዘነት ደርፊ ፍቕሪ ኢያ።ዳዊት ከኣ ፍሉይ ዕሊ ክእለት ዝወነነ ወኸፍ ኢዩ ። ኣብ ስነጥበብ ትግርኛ ከምጽኦ ሃቂንዎ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ወፍሪ ድማ ይበል ዘብል ኢዩ። እዛ ደርፊ ድምጺ መረዋሕን መጋውሕን ኣብርሃም ገብረመድህን ተጸምቢሩዎ ፍሉይ ፈጠራ ዜማ የማነ ሃይለ ተወሲኽዎ ወጃጀ ጥበብ ዘበለት ገይሩዋ። ንጠቢብ ዳዊት ሰሎሞን ኢድ ይባርኽ ኢድካ ኢደ ሰሎሞን ይግበሮ!

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

October 4, 2020
Read More

ተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት

August 4, 2020
Read More

እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ

December 28, 2016
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?