Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ዝባን ጥበብ»ሃመልማሎ

ሃመልማሎ

0
By Mekonnen T. on March 22, 2015 ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ምሕረትኣብ ማማይ

ምስ ናይ ኣብርሃም ገብረመድህን ዜማታት ብዙሕ ግዜ ተሳልየ`የ ፡ ዝበዝሑ ደርፍታቱ ኣዝየ`የ ዘድንቆም። ብምሒር ምድናቀይ ዳርጋ ዝበዝሑ ደርፍታቱ ብቃለይ ይወጸም`የ ተበልኩ ምግናን ኣይኮነን ። ናብ`ዛ ሃመልማሎ ምስ ዝምለስ ግን ብዙሕ ግዜ ሕንቅል ሕንቅሊተይ`ያ ንዓይ ። ብመጠኑ እቶም ናይ ቃላት ሕንቅሊተይ ሓውና ኣዝማሪኖ ፈቲሑለይ ኣሎ ። ንትንተኔኡ ከየድነቅክዎ ኣይተረፍኩን ክቅጽሎ ድማ ይላቦ ። ግን! ብዙሕ ሕቶታት መጽየሙኒ ፡ ንምንታይ`ዩ ተደልዩ ክንድ`ዚ ወደሳ ፡ ህየሳ ክብሎ ኣይደፈርኩን ። እኳ ድኣ መወዋዒ ኮይኑ`ዩ ተሰሚዑኒ። እቲ ምንታይ ትንተንኡ ዝያዳ ኣብ ቃላት ስለ ዘተኮረ ። ግጥሚ ሽሕ እኳ ብቃላት ዝንደቅ ይኩን `ምበር ፡ ብሓሳባት ዝቆመ ምስ`ዘይ ከውን ኣድማዒ ከም ዘይኮነ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ሓቂ`ዩ ። ግን ከም`ኡ ክኸውን ድዩ ነይርዎ ፧ ንዝብሉ ሕቶታት ንጎኒ ገዲፈ ። ሕደማዊ ግጥሚ ንኸስተማቅሮም ደስታ ይህቡኒ ምስ ምዃኖም ፡ ናብቶም ናይ`ዛ ግጥሚ  ሕቶታትን ናብ`ተን ገለ ገለ ዝተዓዘብክወን ብኣዝዩ ዱሩት ዓቅመይ ገለ ክብል ክፍትን ።

መብዛሕትኡ ኣብ ናይ ሕደማ ግጥሚ ኣብ ባይታ ዘሎ ማለተ`የ ። ዝበዝሓ ናይ ትግርኛ ደርፍታትና ፡ ዜማ ተሰሪሑ`ዩ ናብ ገጣማይ ዝመጽእ ። ገጣማይ ከኣ ነታ ዝመጸቶ ዜማ ብናይ መወድኣታ ናዕታ ዝሃርም ንምድላይ ኣብ ሸኾርተት ዝጽመድ ።  ልክዕ ከም ዳማ  ሰራዊት ንሰራዊት ፡ ንጉስ ንንጉስን ንሰራዊት ። ኣብ`ዚ ድማ ሳልስ ምስ ሳልስ ፡ ሳድስ ምስ ሳድስ ወይ ራብዕ ምስ ራብዕ ወዘተ ፡ እናበለ ንዋሕዚ ሓሳባት ከየድሃበ ናብ ዝመጻሉ ናዕታ ክሃርም እንርዮም ዘለና። ንሱ ጥራይ ከይኣክል ንሓንቲ መስመር  ክልተ ቃላት ደፋኢ ፡ ተቀባሊ ድማ ክልተ ወይ ሰለስተ ቃላት እናገበርካ’ዩ መብዛሓትኡ ዝዕየ ። እዚ ንዜማ መታን ክኣስር ካብ ዘገድዱ ሓደ’ዩ ። ካብ`ዚ ድማ`ዩ እቲ ጸገም ዝጅምር። በዚ ዓይነት ቅዲ (ቫይረስ ክብሎ ክደፍር ፡ ካብ ቅዲ ክብሎ ) ዝተጠቅዓ ውሕዳት ከም ዘይ`ኮና ናይ ቀረባ ትዕዝብትና`ዩ ። እኳ ድኣ ብኣንጻሩ ክኸውን`ዩ ዘለዎ በሃላይ`የ ፡ ግድን ከኣ `ምበር ። እቲ ምንታይ ግጥሚ ንበዓሉ ናቱ ዜማ ስለ ዘለዉ ፡ እኳ ድኣ ተመሊሱ ናብ ናይ ደርፊ ዜማ ንኸተውጽኣሉ ወይ ድማ ንኽትሶኩዖ ስለ ዝሕግዝ።

ኣብ`ዛ ብኣብርሃም ገብረመድህን እትድረፍ ደርፊ ምስ እንምለስ ግን! ብዙሕ ሕቶታት`ዩ ዝልዓለካ ፡ ገጣሚ እንታይ ስእሊ ኣእምሮ`ዩ ኽፈጥረልና ተደልዩ ዘሎ ፧ ምስ እንብል ። ኣብ`ዛ ግጥሚ ተሓቲቱ ዘይተመልሰ   ሕቶ `ተሎ ፡ ጽባቀ ጥራይ`ዩ  ። ግን ጽባቀ ብመንጽር ምንታይ ፧ ግድን ድዩ በቲ ተወኪሎም ዘለዉ ገጸ ባህርያትን ነገራትን ኽውከሉ ነይርዎም ፧ ኣይመስለንን ፧ ንዓይ ከም ኣስተማቃሪ እቶም ዝተሃንጹ ገጸ ባህርያት ተዘይ ኮይኑ ፡ ጽባቀ ናይ`ታ ኽዶጉሕ ተደልዩ  ዘሎ ጎርዞ ክበርሃለይ ኣይከኣለን ። እቲ ምንታይ ውከላውነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማይ ቤት እምበረ መጠን በዚሑ ምስ ምህላዉ ። እዚ ድማ ብገለ ሸነካታ ካብ ጸቢብ ዓብኬል ከም ዘላ ዝእንፍተልካ ። በብሓደ ክትንክፈን ክፍትን`የ ።

ኣብ ቀዳማይ ማይቤት ከም`ቲ ኣዝማሪኖ ዝበሎ  ይሰማምዓሉ`የ ። ገጣሚ ንጽባቀኣ ከይበቀቀ እኳ ድኣ ግነት ሓዊሱ ብውሕሉል ነዲቁዋ ። ከም`ቲ ዝድለ ንጻረ ስእሊ ኣእምሮ ገጣሚ ፈጢሩለይ`ዩ ንዓይ ። ግን ሓደ ክንርድኦ ዘለና ገጣሚ ብካልኣይ ኣካል`ዩ እዛ ማይቤት ኣቂምዋ ዘሎ ፡ ኣብ ካልኣይ ሳልሳይ ክሳብ መወድኣታ ዘሎ ማይቤታት`ከ ብከምኡ `ዶ የሳልየና ይከውን ፧ ንቀጽል . . .

ኣምሳያ ገነት ኤዶም ሓመልሚል ቀለማ

እታ ጸላም ዕንቊ ነብስኺ ኣፍሪቃዊ ደማ

መን ኢዩ እሞ ዘይመባጻዕ ልቡ ከግዝማ

ኣብ`ዚ ውን ገጣሚ ኪኖ ምስ ቀዳማይ ማይ ቤት ተዛማድነት ፡ ፍልይ ዝበለ ናይ ቃላት ተዘይ ኮይኑ ናይ ሓሳባት ዝተፈለየ ኮይኑ ኣይረከብክዎን።  ከም`ቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ኣብዛ ማይ ቤት ውን እዛ ጎርዞ ዛጊት ተወኪላእያ ዘላ፡ ግን ክሳብ መዓስያ ፧ ግድነት ድዩ ከምኡ ተደልዮ ፧ ኣብ ቀዳማይ ማይ ቤት ከም`ቲ ዝድለ ኣዕጋቢ ውከላውነት ኮነ ጽባቀ ዝተዓብለለት ጎርዞ መዓስ ኮን`ያ፡  ካብ ውከላን ግነትን ተምሳሌትን ዝተሓወሶ ክትወጽእ ። ሳልሳይ ማይ ቤት ንኪድ እስከ. . . . ግን! ቅድሚ ምኽያድና ፡ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ጸጉሪ ርእሱ ኣልዒልካ ክትዛረብ ትኽእል ኢካ፡ መሰልካ ውን`ዩ ። ግን ጸጉሩ ጥራይ ከም ዘለዎ ፡ ንምንታይ ትደጋግሞ ከም ዘለካ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ ። ንጸጉሩ ዘቁምዎ ነገራት ምዝርዛር ግን ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ ፡ እዚ ከኣ`የ ኣብ`ዛ ግጥሚ ሲኢነዮ ዘለኩ . . . . .

ደረት ትርኢት መልክዕ ከም ጸሓይ ፈለማ

ኣባኺ እንድያ ኣኽቲማ

ደስ ደስ ሃመልማሎየ

ደስ ደስ ኣንቲ ሉል ውቅያኖስ

ደስ ዝብል ግርማ ኣለኪ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ።

ሕጂ ውን`ዛ ማይ ቤት ከም`ተን ዝሓለፋ  `ተዘይ ኮይኑ ፡ ዘምጻቶ ሓሳባት ኮነ ኣባሃህላታት ኣይርኣየንን ዘሎ ። `ደረት ትርኢት መልኽዕ. . . .` እዛ ኣበሃህላ ብፍጹም ኣይተረርኣትንን ፡ ትርደኣኒ ትመስለኒ ውን የላን ።  እኳ ድኣ ከም`ቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ እዛ ግጥሚ ኩላ ክብል ኣይደፍርን (ክትስራሕ ከላ ስለ ዘይነበርኩ ማለተ`የ) ብፍላይ ኣብ`ዛ ማይቤት ቅድም ዜማ ከም ተሰርሐ እትእንፍት ማይ ቤት`ያ ክብል ይደፍር ። ምኽንያቱ ` ደስ ደስ ` ዝብል ድጋሜ ዜማ ኢና ኣብ`ታ ደርፊ እንሰምዕ ፡ ` ደስ ደስ ` ሳድስ ምስ ምውድኡ እተን ኣብ`ዛ ማይ ቤት ዝሃርማ ብሳድስ ዝውድኣ ዘለዋ ሓረጋት ብዕላማ ዝመጻ ኮይኑ ኣይስምዓንን። እቲ ምንታይ ` ኣንቲ ሉል ውቅያኖስ ` ን `ጽሕዲ ሊባኖስ` ዝብላ ካልእ ኣሳሪ ሓረጋት ኣብ ትሕቲኤን  ገጣሚ ከምጽኣለን ምኽኣለ ፡ ግን እቲ ዜማ ስለ ዝኣሰሮ ብኡኡ ዝተቀየደ ኮይኑ ይስምዓኒ። ሕጂ ሕቶታት ብዙሕ እዮም ዝልዓሉኒ ዘለዉ፡ ግን ሓመልማሎ መን`ያ ፧ ሰብኣዊ ምስሊ ብዙሕ ኣይርኣኩላን ። እንትርፎ ናይ`ቶም ኣጉባዝ ወይ ተሃናኖ ሰባት `ተዘይ ኮይኑ ፡ ናታ ኣይረኣናን ። ንምንታይ`ዩ`ከ ከም`ኡ ተደልዩ ፧ ገጣሚ ናቱ ቅዲ ድዩ ከርእየና ተደልዩ ዘሎ ፧ ዶስ ከም`ቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ  ዜማ`ዩ  ዛጊት ሸኮርተት ዘብለና ዘሎ። እስከ ሓቢርና ንታሕቲ ንውረድ !

ንተኣምር ዶ ይኸውን ኣምላኽ እዚ ሕያዋይ

ፈጢሩኪ ከምታ ኣብ ሰሌዳ ሰማይ

ምድሪ ከተብርህ እተፈጥረት ጸሓይ

. . . .   እዋእ! እታ ደረት ትርኢታ ጸሓይ ዘኽተመት ጎርዞ ድኣ ፡ ኣሻባ`ያ፧ ከም`ታ ኣብ ሰሌዳ ሰማይ ምድሪ እተብርህ ጸሓይ እተፈጥረት ኮይና ። ዶስ ተኣምር ይኸውን ኢልና ኢና ክንሓልፎ ። እዛ ግጥሚ እቲ ቀንዲ ቅላሴኣ ምስ ነብሳ`ዩ ፡ ዋላስ . . . .  ኣብ ታሕቲ ዝስዕብ ብዓቅሊ ንጸበዮ ፧

ወይዘሪት ቁንጅና ናትኪዩ እሞ እዚ መድረኽ

ብዘውድኺ ይመለኽ

ደስ ደስ ሃመልማሎየ ሃሪ ሕዛባ

ደስ ዝብል መጎስ ኣለኪ ከም ንግስተ ሳባ።

እዛ ማይቤት ካብ ቀዳማይ  ክሳብ ራብዓይ ዘሎ  መስመር   ኩሉ ብተናጸል ተሪኢናዮ ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስመር ንኽብሪ ወይ ንዝና ንምግላጽ ዝተተቀመሉ ሓደ ዓይነት ዛዕባ`ዩ  ዘሎ ። ንኣብነት` እዚ መድረኽ ፡ ብዘውድኺ ይመለኽ ፡ ሃሪ ሕባ ፡ ከም ንግስቲ ሳባ ` ዝብላ  ምስ እንርእየን ፡ እዚኤን ኩለን ንሓደ ዛዕባ እየን ዝገልጻ ዘለዋ ። ናይ ቃላት ተ`ዘይ ኮይኑ ናይ ሓሳባት ዘፍሊ የብለንን። ንሰን ድማ ንኽብሪ ኮነ ንዝና`የን ዝገልጻ ዘለዋ። … ታሕተዋይ ማይ ቤት`ከ ፧

መቑለመት ኣጥባትኪ

መትኮብ ዑፍ እመስላ ተዓዲለን

ዕታሮ ሽምጥኺ እሞ

ቅናት ኰይነ ዶ ኣንቲ ክጥምጠሞ።

ዓይንኺ ከሳቴ ብርሃን

ምዕጉርትኺ ተምሳል ፍረ ሮማን

ከናፍርኪ ተን ምጭዋት

ከስተማቕረን ዶ ከም ሓለዋት።

ኣብ`ዛ ማይቤት ምስላ ብኸፊል ዘምጽአት ኮይኑ ይስምዓኒ ። ሓይላ ኣይግድን ፡ ማለት እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ናይ ቀደም ደርፍታትና ድኣ `ምበር ፡ ኣብ`ዚ ግዜ እንኽድገም  ዘሰልኪ ኣባህላታት `ዕታር ሽምጢ ፡ ስየ ቁመታ ፡ ትርምቦ ኣጥባታ ፡ ኣራንሺ ምዕጉርታ . . . ` ኣብ`ዛ ማይ ቤት በርሃው ኢሉ ይርኣየካ። ኣብ`ዚ ውን እዛ ግጥሚ ብከፊል ፎኪሳ ኮይና ትስምዓኒ ። ንምንታይ`ዩ ገጣሚ ኣብ ላዕለዋይ ወላ እኳ ተፈጋጋሚ ሓሳባት ድኣ ይኹን `ምበር ኣዝዩ ደስ ዘብል ኣበሃህላታት ኣምጺልና`ዩ ። ኣብ`ዛ ማይ ቤት ግን ፍልይነት ኣበሃህላ ኣይረኣኩን ።

ጓል ዓደይ ኣሽንኳይዶ ሰብ ሕልና ንዓብደልኪ

ብቑንጅናኺ ተሃሚለን ኣዕዋፍ እኳ ዝረግፋልኪ

ሃመልማሎ ተዓዊቱልኪ መጸለል ውይ ክተፍተወካ!

ሃመልማሎ ኣብ ቅድሚ ቁንጅናኪ

ዋጋ የብሉን መልኽዕ ሞናሊዛ

`ታ ዓለም ዘዛረበት ብብሩሽ

ቀለም ሬናልዶ ዝመሃዛ

መጸለል. . . . .

መዛዘሚ ካብተን ባህ ዝበትኒ ኣብ`ዛ  ግጥሚ`ያ ፡ ግን እታ ናይ ረናልዶ  ቅብኣ መጸለል ድያ ፧ ወይስ ቅብኣ ፧ ንዓይ ከም ዝመስለኒ ቅብኣ `ያ።  ግን ገጣሚ ጌና ካብ ዜማ ስለ ዘይተናገፈ  መጸለል ፡ መጸለል  . . . እናበለ`ዩ ዝዛዝመልና ዘሎ ።  እቲ ምንታይ ፡ ኣብ ዜማ ምስ እትፍትና ንበይና እተህልለካ ምስ ምኳና ።  እዚ`ኣ ውን ዜማ ቅድም ከም ተሰርሐ ኣጸቢቃ እትእንፍት`ያ። ኣብ`ዚ እቲ ዝዓበየ ብልጫ ገጣሚ፡ ነቲ ሳሕቲ ዝድፈር ካልኣይ ኣካል ክሳብ መወድኣታ ብምስላይ ናይ ኣካል ምፍራስ ከየርኣየና ክሳብ መወድኣታ ዘሳሊየና ። ሕቶታተይ ኣብ`ዛ ግጥሚ ጌና ኣይተመለሱን ። ብናተይ ርድኢት ገጣሚ ካብ`ቲ ተደጋጋሚ ናይ ሓሳባት ረጽሚ ኣውጺኡ ፡ ነዛ ሃመልማሎ ሰብኣዊ ምስሊ ተዘልብሳ`ሞ ፧ ክንደይ`ኮን ምስ`ቲ ዘንቀሎ ፍሉያት ሓሳባት ምምዓረት ኮይኑ ይስምዓኒ ።

ከም`ቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ ናይ ትግርኛ ደርፍታትና ካብ ኣብ ሓሳባት ኣብ ዜማ ጥራይ ኣተኪሩሉ ኣብ ዘለዎ ግዜ ፡ እዛ ድርፊ’ውን በዚ ዝበልክዎ ቅዲ ከም ዝተሃንጸት እቲ ናይታ ደርፊ ዜማ ደጋጊምካ ምስ ትሰምዖ በርሃው ኢሉ`ዩ ዝበርሃልካ። ገጣሚ ኣብ ቋንቋ ምልከት ምስ ምህላዉን ምስ ኣዝዮም ደስ ዘብሉ ኣባህላታትን ሓሳባትን ዝያዳ ኣብ ዜማ ከየተኮረ ፡ ኣብ ግጥማዊ እንተ ዘድህብ እዘን ገለ ገለ ክብለን ዝጸንሓኩ ኣበራት ኣይምርኣኩን ።

ብዝኮነ ምስትምቃረይ ነዚ ይመስል የቀንየለይ!

 

213\2015

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሞዴስ (መንዲል ንጽህና) ኣብ ሰሌዳ ሚኒስትሪ ዜና
Next Article ክሊሸ (cliché) – ሓደ ካብ ነውርታት ግጥሚ
Mekonnen T.

Related Posts

ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

October 4, 2020
Read More

ተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት

August 4, 2020
Read More

እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ

December 28, 2016
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?