Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, May 11, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ፔን ኤርትራ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ዶ ይጀምር?

ፔን ኤርትራ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ዶ ይጀምር?

1
By Mekonnen T. on March 13, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብርሃነ ገብረሂወት

ኣብ ጽላል ናይቲ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝቃለስ ፔን ኢንተርናሽናል’ዩ ዝነጥፍ። ዕላማታቱ ውን ካብ ናቱ ዝተፈልዩ ኣይኰኑን። ንኽምስረት፡ ቅዋምን መደብ ስራሕን ከዳሉ፡ ብውሕዱ ናይ 20 ዜጋታት ክታም ክውህለል ኔሩዎ። ተዋህሊሉ ድማ። ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ምሉእ ዝተደኽመሉ ምንዳፍ ቅዋም፡ ምርቃቕ መደብ ስራሕን ክታም ናይዞም 20 ዜጋታትን ሒዙ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ፔን ኢንተርናሽናል ኣብ ቢሽከክ ኪርጊስታን፡ ካብ 29 መስከረም ክሳዕ 2 ጥቅምቲ 2014 ከም ሓዲሽ ኣባል ቀሪቡ። ኣባልነቱ ውን ብወግዒ ጸዲቑ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘሎ ዘይምእሙእ ኩነታት፡ ፔን ኤርትራ ኣብ ስደት ብዘለዉ ዜጋታት ጥራይ’ዩ ቈይሙ ዘሎ። ቤት ጽሕፈቱ ከኣ ብተመሳሳሊ ካብ ሃገር ወጻኢ’ዩ። ከም ተበግሶ ወሲዶም ናብዚ ደረጃ ዘብጽሕዎ፡ መብራህቱ ተኽለጽዮንን ደሳለ በረኸትን፡ ስለቲ ዝወሰድዎ ተበግሶን ዘካየድዎ ጻዕርን ከም ጉንዖ ምስጋና ይግበኦም።

ኣሕጺረ ገሊጸዮ ዘለኹ ንመላለዪ ፔን ኤርትራ ይኣክል’ዩ ዝበልኩዎ’ዩ። ናብ ስርሑን ኣሰራርሓኡን ከተኩር። ንኸተብልሕ ኣብ ካልኦት እትበልሕ ብርዒ፡ ኣብ ገዛእ ርእሳ ውን ክትሰንፍ የብላን። ከምቲ ንቁስሉ እናለሓሰ ዝሕክም ከልቢ ክትከውን ኣለዋ። ንገዛእ ርእሳ ከይበለሐትን ከይሓየለትን ኣብ ካልእ ከተርእዮ እትደሊ ናይ ምስሓል መስርሕ ውጽኢታዊ ክኸውን’ዩ ዝብል ግምት የብለይን። ኣብ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዘለዉ ጉድለታት ክትእርምን ከተመሓይሽን፡ ብመጀመርታ ንገዛእ ርእሳ ክትመሓየሽ የድልያ። ጹማቕ ትሕዝቶ ናይዚ ከቕርቦ ዝደለኹ ርእይቶ ድማ ኣብዚ’ዩ ዝሕቈፍ።

ፔን ኤርትራ፡ ኣብ ቅዋሙ ዘስፈሮም ዕላማታት፡

  1. ምምዕባል ባህሊ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ማዕረ ዕድል ንሓበሬታን
  2. ምርግጋጽ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰላም፡ ምንጋስ ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን፡ ምውጋድ ዓሌታዊ፡ ሃይማኖታዊን ዞባውን ጽልእን ግርጭታትን።
  3. ብመትከል፡ “ሓድነት ኣብ ብዙሕነት” ምምእዛንን ምሕያልን ኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ።
  4. ሓባራዊ ርድኢት ምምዕባልን ምትሕግጋዝን፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኪኖኡን
  5. ምዕቃብ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት፡ ታሪኽ፡ ባህልን ቋንቋን ውሑዳንን ካልኦት ውርሻታትን ወዲ ሰብ ኣብ ግዜ ኲናትን ሰላምን ዝብሉ እዮም።                                                                                                                                                        11047215_785242578230385_965491272_n

ነዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ዕላማታት ከተግብር፡ ፔን ኤርትራ ሓያል ስራሕ ይጽበዮ። ከም ዝዀነ ትካል፡ ማሕበር ወይ ምትእኽኻብ ካብ እግሪ ተኽሉ ብደሆታት ከጋጥምዎ ከም ዝኽእሉ ርዱእ’ዩ። ንዘጋጥምዎ ሕልኽላኻት ክሰግሮም ዘኽእል ብቕዓት የብሉን ኣይብልን። ከንቀሳቕሱዎ ዝተመዘዙ፡ ብደረጃ ትምህርቲ ይኹን ተመኩሮ ቀለልቲ ኣይኰኑን። መብዛሕተኦም ኣብ ሞያታት ጽሑፍ፡ ጋዜጠኝነት፡ ስነ-ጥበብ፡ መጽናዕትን ምርምርን ምስኡ ኣብ ዝተኣሳሰር ሞያታትን ዝነጥፉ ኰይኖም፡ ነቲ ዝድለ ዘሎ ዕላማ ብውልቅን እኩብን ካብ ነዊሕ ክዓዪሉ ዝጸንሑ’ዮም። ኣብ ቅዋም ሰፊሩ ንዘሎ ዕላማታት ክዉን ንምግባሩ እምበኣር ስንፍና ከይህልዎም ኣየጠራጥርን። ይኹን’ምበር፡ ፔን ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ዘርኣዮ ምንቅስቓስ ዘይምህላዉ ዘተሓሳስብ’ዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ኣመሰራርታኡን ኣባልነቱ ኣብ ፔን ኢንተርናሽናልን ብወግዒ’ኳ እንተ ነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ብወግዒ ኣይተሓበረን ዘሎ።

 

ካብ 17 ክሳብ 22 ሕዳር 2014 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ምርጫ፡

  1. ግርማይ ነጋሽ
  2. ደሳለ በረኸት
  3. መብራህቱ ተኽለጽዮን
  4. ሃይለ ቢዘን
  5. ዮናስ ወልደሩፋኤል
  6. ኣብራሃም ተስፋልኡል
  7. ሳልሕ ዑመር ኑር
  8. ኢዮብ ጊላዝጊ
  9. ኣማል ዓሊ
  10. ተስፋለም ሃብተ
  11. ቴድሮስ ኣብራሃም                                                                                                                                       11041416_785242604897049_877042439_n

ኣባላት ቦርድ ፔን ኤርትራ ኰይኖም ተመሪጾም። ብመሰረት ቅዋም ፔን ኤርትራ፡ ዝተመርጹ ኣባላት ቦርድ ውሽጣዊ ምርጫ ብምክያድ፡ ነታ ብኣርባዕተ መሓውር እትቐውም ፈጻሚት ቤት ምኽሪ ፔን ኤርትራ ንስራሕ ድልውቲ ክትከውን ይእዝዝ። ብወገነይ፡ ንስራሕ ድልውቲ ዶ ትህሉ ወይስ ገና ደሃያ የብለይ። ቅድሚ ወርሒ መስከረም 2014 ንዝነበረ ንጥፈታቱ ገዲፍና፡ ፔን ኤርትራ ብወግዒ ካብ ዝምስረት ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ሓፈሻዊ ምርጫ ካብ ዝካየድ ድማ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ደፊኑ ኣሎ። ኣነ ዲየ ርሒቐ ዘለኹ ወይሲ ፔን ኤርትራ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን። ጽሑፈይ ውን ኣካል ናይቲ ንክቐርብ ዝገብሮ ዘለኹ ጻዕሪ ከይኰነ ኣይተርፍን። ሓደ ካብ ዕላማታት ናይዚ ትካል፡ ማዕረ ሓበሬታ ንኹሉ ክሳብ ዝዀነ፡ ብዋሕዚ ሓበሬታ ንኹሉ ክምግብ ዘለዎ ኰይኑ ይስመዓኒ። ኣሰራርሓኡ፡ ኣሳታፍን ብግሉጽነት ዝልለን ክኸውን እብህግ። ዘይከም ኩሎም ትካላት ወይ ማሕበራት፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ፡ ብኣንጻሩ ውን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝመላለስ ዋሕዚ ሓበሬታ ክህልዎ’የ ዝጠልብ። ግሉጹነትን ኣሳታፍን ንዝብሉ ኣምራት ኣሰራርሓ ድማ ሕላገቱ ንክዀኑ ዝያዳ ከስምረሎም እደሊ።

ሓደ ካብቲ ኣብ ፔን ኤርትራ ክውገድ ዘለዎ ኣናብር ወረቐት ናይ ዘይምዃን ባህሪ’ዩ። ብመለክዒ ግዜ ክረአ እንከሎ ሓጺር ኣይኰነን። ክሳብ ሕጂ እንታይ ተጌሩ? ብደሆታቱን ብልጫታትቱን ምስ ሓፈሻዊ ኣባላቱ ክመያየጠሎም ግሉጽ መድረኽ ዝጽበዮ ዘሎ ኰይኑ ይስመዓኒ። ንኣባላቱ ድማ፡ ምስ ቅዋሙ ዓሚቕ ሌላ ክህልወና፡ ኣበይ ኣሎን ከመይ ኣሎን ክንሓትትን ክንከታተልን’የ ዘዘኻኽር። እዚ ምስ ዘይከኣል፡ ፔን ኤርትራ ካብቶም ዝውቀሱ ትካላት፡ ማሕበራት ወይ ምትእኽኻባት ከምልጥ ዘይክእል ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ኣመሰራርታኡን ኣቃውማኡን ክሳብ ሕጂ ክላለየሉ ዘይከኣለ ምኽንያት እንታይ ይኸውን? ወግዓዊ መርበብ ይኹን ገጽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምንታይ ዘይሃንደሰ? ክሳብ መኣስ’ዩ ኣብ ዝባን ውልቀ ሰባት ክሕዘል? ንውልቃዊ ዝናን ዕላማታትን ከይጭወ ውን ስክፍታ ዝፈጥር’ዩ። ካብዚ ስክፍታ ንምግልጋል ድማ ካብ እግሪ ተኽሉ ኰስኳስ ከም ዘድልዮ ለበዋ ኣየድልዮን። ህሉው ኩነታቱ ክፈልጥ እናተጸበኹ ንሎሚ ኣብዚ ክዛዝም።

 

12/03/2015

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቱቱላ ዘበን
Next Article ዛንታ! ብዝስውጥ መደምደምታ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. daniel tesfai on March 13, 2015 12:47 am

    ምናልባት’ዶ ግርማይ ነጋሽ ናብ ጡረታ ክሳብ ዝወጽእ ትጽበ ትህሉ!?

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?