Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, May 12, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ፍረ ናይ’ቲ ኮኾብ

ፍረ ናይ’ቲ ኮኾብ

0
By Mekonnen T. on August 18, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብጥዑምዝጊ ተስፋይ

ሽንቅጥ ተኽለ ሰብነቱን ትርኢቱን፡ ንመንፈስ ዝቕልብ ብሩህ ገጹን ፍሽኽታኡን፡ ንመድረኽ ዝተፈጥረ እዩ ዘምስሎ። መረዋሕ ድምጹን ንማሕበራዊ ኩነት ነቒሶም ናብ ግዳም ዘውጽኡ ደርፍታቱን በሪኽ ዝና ኣጥሪዮሙሉ። ገና ኣብ ንእስነቱ ጥበብ ዝሓረዮ ጥበበኛ። ናይ ትግረን ትግርኛን ብሃር ድምጻዊ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ። ዜና ዕረፍቱ፡ ንልቢ ፈተውቲ ጥበብ ዝበርበረን ዘሰንበደ እዩ ነይሩ። ብጥበባዊ ሓይሊ ሕደማኡን ዜማኡን፡ ንዓዲን ስደትን፡ ንኲናትን ሰላምን፡ ንሕሱምን ጥዑምን እዋናት ብቓላት ዝሰኣለ ድምጻዊ።

ዳርጋ ምሉእ ዕድመኡ ካብ ቀጽሪ ጥበብ ዘይተፈንተተ፡ መልእኽቶምን መቓልሖምን ዘይሃሰሰን ዘይሃስስን ዜማታት ዝወለደ ዋና ጥበብ ነበረ – መምህርን ስነ-ጥበበኛን ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ። ላዛን ሓይሊን ቃናኡ፡ ኣእዛን ዘናድያኦ ምኡዝ ዜማኡ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ስውያዊ ኣገላልጻ ሕደማኡ ኣብ ኤርትራዊ ጥበብ ግንዖ ሃብቲ ወሲኹ ድምቀት ዝቐለመ – ድምጻዊ። ፍቕሪ፡ ምትሕቝቛፍ፡ ስስዐ፡ ሕሰም ንዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሸነኻት በርቢሩ፡ ንፍቕሪ ሃገርን ሃገራዊነትን ኣግሂዱ፡ ንመግዛእታዊ ሃደምደምን ግፍዒን ነጺጉ፡ ናፍቖት ሓመዱን መፈጠሩን ጸንቢሩ…ኣብትዝታብዝሸምም ቃናን ዜማን ምስ ህዝቡ ኣዕሊሉን ንህዝቡ ኣካፊሉን።እዚ ኣብ 12 ታሕሳስ 1939 ኣብ ጊንዳዕ ዝተወልደ መሓዛ ጥበብ፡ ገና ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ እዩ ናብ ኣስመራ ዝመጽአ። ኣብ ውሽጡ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ናይ ስነ-ጥበብ ትዕድልቲ ናብ ግዳም ክነቱግ ከኣ ግዜ ኣይወሰደን። ገና ኣብ ንእስነቱ፡ በቲ ቀዳማይ ቋንቋኡ፡ደርፍታት ወዲ ኣሚርን ካልኦትን ክደግም ጀመረ። ብኡ ንብኡ፡ ምስ ጥበብን ጠበብቲን ጥቡቕ ምሕዝነት ገበረን እጓም ጥበቡ ክዕንብብ ፈለመን። ኣብ መወዳእታ 1950ታት እዩ ምስ’ቲ ፍሉጥን ኣብ ምዕባለ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ልሉይ ተራ ዝተጻወተን ኤርትራዊ ሙዚቀኛ ኣቦበከር ኣሸክሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብትግረን ትግርኛን ደርፍታት ምድጋም ዝቐጸለ።

ኣብ ውሽጡ ዝተደብአ ብርቂ ስነ- ጥበባዊ ተውህቦ ክገሃድ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ኣብ 1962 ኣብ ቤት ትምህርቲ ጃልያ መምህር ተተቑጺሩ ሂወቱ ክመርሕ ጀመረ። ስነ-ጥበባዊ ባህጉ ግን እናሓደረ ክህውጾን ጠቕሊሉ ናቱ ክገብሮን ካብ ምትዅታኹ ደው ኣይበለን። እቲ ድሮ ብደሃዩ ኣእዛን ሰማዕቲ ኩር ከም ዝብላ ዝገበረ መንእሰይ ድምጻዊ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ዓመተ-ምህረት፡ ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ ተጸንበረ። መምህር ኣልኣሚን፡ ንማሕበር ትያትር ኣስመራ ተወሳኺ ሓይሊ ኰነ።መምህርን ትርኑዕ ስነ-ጥበበኛን ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፡ ንኽልተ ቋንቋ ብምልከትን ጥበብን ዘንጎድጎደ ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ። እቶም ቅኔ ዝሓዘሉን ዘይሓዘሉን ደርፍታቱ፡ ኣብ ባይታ ዘይወድቕ ዛዕባ ዘልዕሉን ዝትንትኑን እዮም። ህሉው ኩነትን ነጥቢ ዛዕባን ናይ ምድህሳስ ክእለቱ፡ ልቢ ሰማዕቱ ክረክብ ኣኽኢሉዎ – ድሙቕ ኮኾብ ከም ዝኸውን፡ ምልሕታ ንእስነቱ ብኣጋ ኣሚቱ። ዘልዕሎም ማሕበራዊ ዛዕባታት፡ ካብ ውሽጢ ሕበረተሰቡ ዝተጫጭሑ ምንባሮም ከኣ፡ ምስ ልብታት ሰማዕቲ ክዛረብ ኣኽኢሉዎ።ድልየት ናጽነት ዝእምቱ ደርፍታቱ፡ ናብ ልቢ ዓበይቲን ንኣሽቱን ልሒኾም – መልእኽቲ ነጊሮም እዮም።

ኣብ እዋን መግዛእቲ፡ ኣብ ውሽጢ ስሱዕ ከርሲ ገዛእቲ ከሎ፡ ሓውሲ ጋህዲ ብዝዀነ ቅኔኣዊ ደርፍታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ “ባንዴራና ኣብ በረኻ ከርተት ትብል ኣላ” ይብሎ ነይሩ። ሰማዕቱ እውን ንጥበባዊ መልእኽቱ ቆብ ኣቢሎሞ – ሃገርን ሃገራዊነትን ኣብ ደሃዩን ልቡን ከንብቡዎ ክኢሎም።ብሓንቲ ካብ’ተን ህቡባት ሃገራዊ ደርፍታቱ፦ወላድ ከረን ወአስመራ
ርኤኩማ ምን ገብእ እት ማይ ዘራ ሰላም ቦላ

እግልዬ ፋጥና ዛህራ. . . ዝብል ትሕዝቶ

ዝሓቘፈት፡ ነታ ኣብበረኻታት ኤርትራ እናንበልበለት፡ ዓዲ ንኽትኣቱ ሂወት ዜጋታት ተኽፍል ዝነበረት ሰንደቕ “ሰላም በሉለይ” ብምባል ሃንቀውታኡ ገሊጹ። ነታ ዓዲ ኣርሒቓ ዝነበረት ባንዴራ፡ በቲ ባህ ዝብሎ ስም ሰምዩዋ።

መምህር ኣልኣሚን፡ ብትብዓትን ጥበብን፡ ስለ ሃገሩ ዘይሙ። ሃንቀውታኡን ተስፋኡን ብኽልተ ቋንቋታት ኤርትራ፡ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ከም ዝስኳዕ ገይሩ። ልቡ እትብሎ ዝነበረት፡ ንደቂ ዓዱ ካብ ምንጋር ኣይበኾረን።ሓንቲ ካብ’ተን ናይ’ቲ ሕሱም እዋን ደርፍታቱ፡ ስለ ባንዴራ ኤርትራ ብውስጠ-ዘ ዝበሎ ነበረት።

ደቂ ጐረቤትና መታን ከቃልሉ
ጸብሒ ጾም ይብሉኺ መኣዛ ዘይብሉ
እዚ ግን ብኽያት እዩ ኣይትገደስሉ. ..

.እታ ናይ ሽዑ ኣውሊዕ ባንዴራን እቶም ስሱዓት ጎረባብቲን ኣብ ደርፊ ኣልኣሚን ኣለዉ። “ውዒሉ ሓዲሩ ሓቂ ኣይተርፍን እዩ’ሞ፡ ምንቁሻሽ ጎረባብቲ እዝኒ ኣይንግበረሉ” ዝትርጉም መልእኽቱ ድማ፡ ኣብ ኣእምሮ መንእሰያት ይሰፍር ነበረ። ፍታሕ ናይ’ቲ ግናይ ክስተት ቃልሲ ጥራይ ምዃኑ ዝእምት ስውያ።

ሃገራዊ ደርፍታት ብሃር ድምጻዊ ኣልኣሚን፡ ነቲ ብፍቕሪ ሃገር ዝነድድ ልቡን ሃንቀውታኡን ዝገልጹ እዮም። ኣብ’ቲ መግዛእታዊ ስርዓት ጽኑዕ ናይ ሰንሱር ምቁጽጻር ዝገብረሉ፡ ይትረፍዶ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ኢድ ዘንበረ፡ ነቲ ዋላ ሓንቲ ኢድ ዘይነበሮ ዜጋ ከይተረፈ ዝኣስሩሉ፡ ዝገፍዕሉን ዝቕትሉሉን ዝነበሩ እዋን፡ ብዜማን ግጥሚን ክቃለስ ምትብዑ፡ ሃገራዊነቱን ድልየት ናጽነቱን ዝገልጽ – ከምኡ’ውን ናይ ቃልሲ መንፈሱ ዘግህድ ነበረ። ሃገራዊ ደርፍታት ኣልኣሚን ዓብዱለጢፍ፡ እዚኣቶም ጥራይ ኣይነበሩን። ኣብ ማትኣ ከሎ፡ ካብ’ቶም ሓያሎ ናይ’ቲ እዋን ልቢ መንእሰይ ኤርትራ ዝሰርሰሩን ናብ ቃልሲ ሃጽ ዘበሉን ደርፍታት ናይ’ቲ ጉጅለ ሙዚቃ፡ ደርፍታት ኣልኣሚን ይርከቡዎም።

መምህር ኣልኣሚን፡ ነታ ካብ ወዲ ክልተ ዓመት ኣትሒዙ ብምዉቕ ማሕበራዊ ሂወት ዝዓበየላ ጥንታዊት ኣባ-ሻውል እውን፡ ብምኡዝን ፈኲስን ዜማ፡ ፍቕሩ፡ ትጽቢቱን ሓባራዊ ባህሪኣን ገሊጹላ እዩ። ደርፊ “ዓባይ ኣባ ሻውል” ሓንቲ ካብ’ተን ንነባርነት ደርፍታት’ቲ ብሃር ዝመስከራ እያ። “ዓባይ ኣባ ሻውል” ክሳብ ሎሚ፡ ትዝታታት ደቂ- ኣባ ሻውል እትቕስቅስን ኣብ ኩሉ ወለዶ ኣሰር እናንበረት እትቕጽልን ምዃና ጉሉሕ ህላውነታ ይነግር።

“ደሓን ኩኒ ኣባ ሻውል፡ ሰላም ቅድሚ ምፍራስኪ
ኣደ ኩሉ ድኻ ኣላይት ዘኽታም ነይርኪ
ዓባይ ኣባ ሻውል ሎሚ ክደርፈላ

ከይፈረሰት ከላ ጨሪሳ ብዅላ
ምስ ደስታ ንእስነት እታ ዝዓበኹላ ዓባይ

ኣባ ሻውል ናይ ስልጣነ ጩራ…”
ንስኺ ክትፈርሲ ብዙሕ የሕዝነኒ

ንኽትጽብቕ እያ ግዳ ካብ በሉኒ በቲ ሓደ ወገን ሓዘን ይዀነኒ
በቲ ሓደ ድማ ደስታ ይስመዓኒ፣ በሊ ኣባ ሻውል ብሰላም ፍረሲ
ኣብ ስእሊ ርእየዮ ናይ መልክዕኺ ቅርጺ
ንጽባቕ ኣስመራ ካብ ኩንኪ ክትፈርሲ
ህዝቢ ደስ ኢሉዎ ብዘይሓደ ጣዕሲ፣

ጸብቕለይ ግና ኣንቲ መዕበይተይ ዓባይ ኣባ ሻውል

ኣደ ንእስነተይ ካባኺ’የ ወሲደዮ ዝዀነ

ንብረተይ ሓወልቲ ትኹንኪ እዛ ደርፊ ናተይ ::

ብሓቂ ድማ፡ ከም ትምኒቱ “ዓባይኣባ ሻውል” ሓወልቲ ኣባ ሻውልን ደቂ ዓባይ ሻውልን ክትከውን በቒዓ። ድምጻዊ ኣልኣሚን፡ ንማሕበራዊ መዳያት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምግላጽ ትርኑዕ ሓይሊ ነበሮ። ኣብ ፍቕሪ ኣብ ባህሪ፡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣብ ትንቢት. . . መርሓ ሂወት ክውድን ይህርህር። ብጥበባዊ መንገዲ ይእምትን ይምዕድን። ስስዐን ንዓይ ይጥዓመንን ወጊድ ይብል።

ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኰነን ዝነብር
ክሓስብ ኣለዎ ክግምት ክዝክር/ ከስተውዕል
ሳዕሪ ዘይበቝሎ ጽሙእ በረኻ እሾኽ

ዘይትከሎ ባደን ንልብኻ ዓለም ኣይትግበራ ጥራይ ንበይንኻ.


..
ኣብ ሰማዕቲ ትግረን ትግርኛንዘይሃስስ ስንብራት እዩ ገዲፉ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝነበረሉ፡ ብሰሪ ሃድንን ምክትታልን ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ስደት ከርተት ኣብ ዝበለሉን ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ክነብር ኣብ ዝጀመረሉን እዋናት መልሕቕ ዛዕባታት ዝዀኑ ደርፍታት ካብ ምፍራይ ደው ኣይበለን። ኣብ ናይ ስደቱ ዓመታትን ኣብ ሃገርን፡ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ንሃገሩን ህዝቡን ኣይረሰዐአን። ንፍቕሪ ሃገሩን ህዝቡን ካብ ልቡ ኣየርሓቐን። ናፍቖቱ፡ ተስፋኡን ትምኒቱን ካብ ስግር ሃገር ናብ ደቂ ዓዱ ልኢኹ።

እላማ ትሕለፈኒቱ ገቢእ ዎ ቀበት ስናቸ እትገሴ
ምን እበቅዕ እትሃገ ዎ ምን ይኣምር ኣተንሴ
ትሓልፈኒ ዲብ እብል ወዲብ ኣተንሴ
ሓሊፍ ኣቤት እዱንያ ዎ ኣቤት ትሰኔ
ምን እላ ትኣከ ኢተምትእ ሞላይ እዋን ኣስኔ
ትሓልፈኒ ዲ እብል ዎ ዲብ ኣሰብር
ቅጫ ናሽፈት ምስል ማይ ዲብ እከሰር
ልባስየ ሩቁዕ ድርዕቶ ዓውረት ሰትር
እግርየ እባ ሓፊሱ ኣድማይ ጨርር
ሓሊፍ ኣቤት እዱንያ ይሀው ሚ እባስር. . .

ልቡ ቀንጂሑ፡ ምረት ስደት ከርኢ ዝኸኣለ ነይሩ፣። ዜማን ሕደማን ናፍቖቱ፡ ንልብታት ሰማዕቱ ጸዊዑ፡ ሕሱም ገጽ ስደት ከርእዮም ክኢሉ።

ይቕጽል. . . .
source Hadas Eritrea

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሶቅራጦስ ምእንቲ ሓቂ ዝሓለፈ ፈላስፋ
Next Article  ፍረ – ናይ’ቲ ኮኾብ 
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?