Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጸሓፍቲ፣ ድስፕሊን፡ ምብህሃል…

ጸሓፍቲ፣ ድስፕሊን፡ ምብህሃል…

0
By Mekonnen T. on May 16, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሽሻይ ሽመንዲ
መእተዊ፤

ብፍቕረይ የማን “ግጥሚ ትግርኛ፡ ግዳይ ብርዑ ነናይ ዘውተረ ጸሓፊ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ ምስ ነበብኩ፣ (ስዒቡ ዝቐረበ ብገጠምቲ ጸጋይ መሓርን ተስፊት ኣብርሃምን እውን ነይሩ፣) ነዚ ጽሑፍ ከዳሉ ስለ ዝደረኸኒ፡ ኣቐዲመ ነዚ ምብህሃል እዚ ዘበገሰ ሓው ፍቕረይ የማን ከመስግን እፈቱ። ከምቲ ኣብ ጽሑፉ ጠቒስዎ ዘሎ፡ ቅድሚ ምጅማር ቃልሲ ኤርትራ ንነጻነት ዝነበረ ኣካይዳ ግጥሚ ትግርኛ ዓሚቕ መጽናዕትን ፈተሻን ዘድልዮ እኳ እንተኾነ፡ ምስዚ ዳሕረዋይ ናይ ዘለናዮ ግዜ ግጥምታት ትግርኛ ፈይስቡክ ኣልዒልካ ዝዝረብ ዘሎ ዛዕባ ዝኸይድ ቀሊል ዝመስል ግን ድማ ኣገዳሲን ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎን ኮይኑ ዝስመዓኒ ነገር ክጥቀሶ ዝኽእል ኣሎ እብል ። ልዝበትን ሰላማዊ ምብህሃልን። እዚ ዘይተርፍ መመልከቲቶኻ ናብ ነብስኻ ዝገብር መሕከኺ ነብሲ፡ ነዚ መንቀሊ ኩሉ ዛዕባ ኮይኑ ዝረኣየኒ ስነ-ጽሑፍ ግጥሚ ትግርኛ ኣብ ፈይስቡክ ከመይ ይመስል፧ ከመይ ኣሎ፧ን እንታይ ክግበር ይግበኦ፧ን ዝቕድሞ ኣርእስቲ ከይኮነ ኣይተርፍን ኢለ እውን ስለ ዚኣምን። ሕልፍ ኢለ እውን ነቲ ዳሕረዋይ ዘመነ ጥበብ ገድሊን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ስደት ብዝነበሩ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታትን ክሳብ ፍጹም ምድስካል ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታትን ምስዚ ናይ “ምብህሃል መንፈስ” እናተሓሓዝኩ ሓሳበይ ከስፍርን ክፍትን እየ – ካብ ኣዝዩ ድሩት ዓቕመይ ። ሰናይ ንባብ።

ፍርያት ስነ ጽሑፍ ቅድሚ ቃልሲ ንነጻነትን ድስፕሊን ጸሓፍቱን

ነቲ ምስ መግዛእቲ ጥልያን ዝመጽአ ምትእትታው ማሕተም ኣብ ሃገርና፡ ፈለማ ክጥቀምሉ ዝጀመሩ ደቂ ሃገር ብቑጽሪ ኣዝዮም ውሑዳት ግን ድማ ዘይከም ዋሕዶም ብርኩታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ነበሩ። እዞም ናይ መጀመርታ ነዚ ጸጋ እዚ ክጥቀሙሉ ዝጀመሩ ጸሓፍትና ምስ እንርኢ፡ ብድስፕሊንን ትሕትናን ዝተመልኡ ምንባሮም ፈሪሃ ሰብን ፈጣርን ዝንጸባረቖ ጽሑፋቶም ምስክር እዩ። ብ ደረጃ ጽሑፍ፡ ድምጺን ስእልን ክስነድን ዝጀመረ ስራሓት ስነጥበብ ናይቲ ግዜ እቲ፡ ዋላ ብቐሊል ኣይረኸብን ውሑድን እንተኾነ፣ ጋዜጣታት 40ታት ንፖለቲካዊ ደረጃ ንቕሓት፡ ደርፍታት 60ታት ኣብ ምልዕዓልን ምዝንጋዕን…ዝለዓለ ተራ ተጻዊቶም ኢልካ ኣሕፊሽካ ዝስገር ኣይኮነን። ስነ-ጥበባዊ ንጥፈታት ኣብ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ፡ ነተሓሳስባን ኣነባብራን እውን ከም ዘማእዝንን ከም ዝጸሉን ዘረድእ፣ ዝበዝሐ መልእኽትታቱ ኣብ መነባብሮ እቲ ሕብረተሰብ ዘተኮረ ትምህርታዊ፡ ተግሳጻዊ፡ ሕልናዊ. …ዝገበረ ጽሑፋት እሞ ድማ ዘይወድቕ ከም ናይ እኒ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝጽሕፎም ዝነበረ ጽሑፋት ከፍሪ ዚኸኣለ ዘመን ኢልካ እውን ኣይግደፍን። እንታይ ደኣ!፣ ነቢብና ኣለና፡ ሓሓሊፎም ዝርከቡ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ኣብ ካልእ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ተጠቒሶም እንረኽቦም ብህሎታትን፡ ጸሓፍቲ እቲ ግዜ እቲ ዘውስእዎ ዝነበሩ ላዛታቶም፡ ካብ ጥበቡ ይኹን ካልእ መዓልኡ ፈሊኻ ክትርኢ እንተኽኢልካ፡ እቶም ጸሓፍቲ ንባዕሎም ማዕረ ክንደይ ብ ነቲ ህዝቢ ዝመስል ባህልን ትሕትናን ዝተመልኡ ከም ዝነበሩን ሰናይ መንፈስ ጸሓፍቲ እቲ ዘመን ኣጉሊሑ እዩ ዘርእየካ። ንእግረመንገደይ፡ እቶም ናይ ሽዑ ጽሑፋት ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኮይንካ ክትርእዮም እንከለኻ ዘደንቕ ንኩሉ መዳያዊ ምዕቡል ስርዓተ – ጽሕፈት ዘማልኡ እዮም ነይሮም ክበሃል ይከኣል። ድሒሩ ዝነበረ መድረኻት ዘሊለ ነዚ ምስዚ ናይዚ ሕጂ ዘሎ መድረኽ መነጻጸሪ ክኾነና ዝኽእል ስነምግባራት ጸሓፍቲ ግጥሚ ይኹኑ ካልእ ርእይቶታት ኣረኣኢኻ ማዕረ ክንደይ ፍልልይ ኣለዎ ኣምባቢ ናቱ ኣስተንትኖት ክገብር እገድፎ።

ጥበብ ዘመነ ገድሊን ጽልዋኡን ብ ድስፕሊናዊ መዳይ

እቲ ዳሕረዋይ ዝሰዓበ፡ ጥርናፌን ውዳቤን ዝጸጋኡ ካብ ሜዳ ዝመጽአ ሓይሊ “ጥበብ” ብዘይካ ነቲ ሰውራን ጎስጓሱን ኣብ ሸቶኡ ኣብጺሑ ዓዲ ዘእተወ ክፋል ታሪኽ ስነ ጽሑፍ ምዃኑ፡ እዚ ዘመነ ጥበበ – ገድሊ ንናጽነት፡ ዘይከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ (ኣብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘይተሓጽረ ሕብረ ብዙሕ ስራሓት ዝፈርዮ ዝነበረ ንጥፈታት)፡ ከም ጥበብ መጠን ኣብ መንፈስ ዜጋታት እታ ሃገርን ዝፈየዶ ረቀቕቲ ንወለዶታት ዝኸውን ሰላማውን ደረጃ ኣተሓሳስባን ዘይተራእየሉ እዩ ኢልካ ክድምደም ይከኣል። ከምቲ ማክያቨላዊ ኣተሓሳስባ፤ “እቲ ውጽኢት ነቲ ኣገባብ ምኽኑይ እገብሮ!” ብዝብል ሰውራዊ መረዳእታ ተባዒጡ ዘገልግል ዝነበረ መልክዐ ልቑሉቕ መቓብር ኮይኑ እስመዓኒ። ንሰብኣውነትን ሓርነትን ደቂ ሰባት ፋዕራ ዘይምግባሩ፡ በቲ ሓደ እዋን ንደራሲ በየነ ሃይለ ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ዝደረሳ “ዓቢዱ ዶ ትብልዎ” ንዝተባህለት ቦኽሪ መጽሓፉ፡ ሰውራዊ ጽልዋታት ዝተሰርነቑ ጸሓፍቲ ከም ሓንቲ ዘይትረብሕ ፋንታዝያ ክትግምገም እንከላ ሓደ ኣብነት እቲ ልሙስ ኮይኑ እንሪኦ ዘለና ሃለዋት ስነጥበብና ዝኾነ። ጥበባዊ ስራሓት ናብ መኣዲ ኣነባብራ ሕብረተሰብ ከፍስሶ ዝግበኦ ሰላማዊ ፍሰት ድማ ዝተበትከ። በዚ ጽቡቕ ኣብነት ንዕንወት ዝጀመረ እዩ ድማ ነቲ ጽሑፋት ስነ ጥበብ ሃገርና፡ ኣይ ካብ ዲስፕሊኑ፡ ኣይካብ ሰላማዊ መንፈሱ ኣውጺኡ ነዚ ሕጂ ዘለናዮ ንክትሰምዖ እኳ ዘስገድግድ ባህርያት ጸሓፍትና ዝፈጠረ። እዚ ንጥበብ መሳርሒኡ ገይሩ ዝመጽአ ገድሊ፡ ድሕሪ ነጻነት ን ሕብረተሰባዊ ህንጸት ክንዲ ዝዓዪ ጎስጓሳዊ ኣተሓሕዛኡ ብ ዓይኒ መርፍእ ዘሕልፍ ሰንሰር ሽፕ ወሲኹ ናጽነት ጸሓፍቲ ምኽልኡ ከይኣክል፡ ከም ዕድላቱን ቀረባቱን እዚ ናይ ሎሚ ሰብ ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስነ-ጽሑፋትን ጉዕዞኦምን ብዝሑነቱን ዝጸገወ ክንሱ፡ ነቲ ጸሓፍቲ ነብያት ሕብረተሰቦም ሓካይም ሕማም ሕብረተሰቦም ዝበሃል ኣበሃህላ ዘይቃዶ፡ ዘመኖም ዝሰዓሮም ሓሰውቲ ነብያት ከብሎም ዘድፍር ክኾኑ ዝገበረ። ኣብ ፍርህን ቅልውላው ጉድለት ምትእምማን ዘለዎ ጸሓፊ ከኣ ናይ ምባልን ምብህሃልን ዓቕሚ ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ።

ኣብ ስደት

ኣብ ስደት ዝነበሩ ጸሓፍቲ፡ከምዚ ናይዚ እዋን ዘመነ ፈይስቡክ፡ ኣብ ዝሃለኻ ሃሊኻ መራኸቢ ዝኾኖምን መበሃሃልን ባይታ ስለ ዘይነበሮም ኩሉ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ኣብ ውልቃዊ ጻዕርን ተሰሪሑን ተጻሒፉን እውን እኹል ዝርገሐ ዘይነበሮን ውጽኢት እዩ ነይሩ ክበሃል ይኽእል። እኳ እቶም ኣብ ስራሓት ሙዚቃ ዝነጥፉ ዝነበሩ ይሕሹ እምበር ኣብ ሕትመትን ጽሑፋዊ ስራሓትንሲ ኣይነበሩን ምባሉ ይገልጾ። ዕድል ክንገብር ድዩ ክገብሩ፣ ከም በዓል በየነ ሃይለን ካሕሳይ ጸጉን ዚኣመሰሉ ምስቲ ምዕቡል ስርዓተ ጥበብ ዓለምና ዝጸንሑ እሞ ንዓዶም ናይ ምምላስ ዕድል ገይሮም ኣብ ስደቶም ዘይተረፉ፡ኣብ ስነ-ግጥሚ እውን ዶር ርእሶም ሃይለ ዝዓበየ ኣበርክቶ ገይሩ ካብ ዝሓለፈ ኢልና ክንጠቅስ እንኽእል ኣብዚ ግዜ ብስጋ ዘየለዉ ጸሓፍትናን ሰኣልትናን ኣብታ ዝርካባ ናይ መወዳእታ ዕምሮም ዝገበርዎ ኣበርክቶ ንዕቑር ጸጋታት ጸሓፍቲ ኣብ ስደት ዘርኣየ ዓቢ ኣብነት እዩ። (ግን ኮይኑዎም እዚኦም ጥራሕ ድዮም፧!) ኣነስ እባ ውህሉል ተመኩሮኦምን ኣብ ዝተፈላለያ መርበብ ሓበሬታ ድዩ ካልእ መልክዓት ተዘሪኡ ዘሎ ስራሓቶምን ክንፍትሽን ከነቕልብን እሞ ተበቲኹ ዝጸንሐ ስድራ ጥበብ ዝላለየሉን ብሓባር ዝዋስኣሉን መንገድታት ሃሰው እንተኢልካ፡ ከምቶም ዝጠቐስክዎም ከይጸገብናዮም ዝተኾልፉና ካብ ምዃን ድሒንና ዘይቀሊል ኣበርክቶኦም ምረባሕና እብል። እዘን እንዛተየለን ዘለና ጉጅለታት ፈይስቡክ፣ ከምዚኣቶም ዚኣመሰሉ ኣያታት፡ ኣቦታት፡ ሰብ ተመኩሮን ክጽንበርዎ እምበኣር፡ ዲስፕሊናዊን ጽያፉ ዝኸተተ ባህሊ ምብህሃልን ናይ ምድላው ሞራላዊ ሓላፍነት ክህልወን የድሊ።

ተበግሶን ኣብነትን ድሕረ ነጻነት

ዘሎ’ዩ ዝህሉ ከምዝበሎ መለስ ንጉሰ ህላወ ዕንቱራት ግጥሚ ትግርኛ ንዝደሊ ዘበለ እቲ ዝቐለለን ዝበለጸን ኣማራጺ ኩሉ መዳያዊ ኣበርክቶኻ ዘይምዝንጋዕ ጥራሕ እዩ። እዚ፡ ዘየማትእ ሓቂ ኮይኑ እስመዓኒ። ነቲ ህላውነት ግጥምታትና ሓላፍነት መን’ዩ ዝብል ሕቶ ጸጋይ ዝምልስ ኮይኑ ዝስመዓኒ ኣብነት ክጠቅስ። ዘሎ’ዩ ዝህሉ ዘብል ህላወ ዝተመስከረሉ ውጹእ ስነ-ጥበባዊ ህላወ ናይ መወዳእታ 1990ታት። ተጋዳላይ በየነ ሃይለማርያም፡ ኣብ ፈተና ሞት ዘሎ መንእሰይ ገጣምን ጋዜጠኛን ኣማኑኤል ኣስራትን ኤፍሬም ካሕሳይን(ወዲ ኳዳ) ኮይኖም ኣብ ዝመስረትዎ እሞ፡ ደሓር ናብ መላእ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ኣስፋሕፊሑ መኣድታቱ ዝዘርገሐ “መደብ ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞት” ኣብ ዝዝክረሉ እዋን፣ ብተዛማዲ ኣብ ደሓን ዝኾነ ግዜ ምስ ምንባሩን ምልኣተ ጉባኤ ስነ-ጥበባውያን ካብ ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመን ተመኩሮን ብእንቅዓኡ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ብ “ወርቃዊ ዘመን ትንሳኤ ግጥሚ” ዝዝከር መድረኽ በዞም ዝተጠቕሱ 3 ውልቀሰባት ክብገስን ነዚ ኖብል ዝኾነ ታሪኽ እዚ ሰኒዱ ክርከብን ዝኸኣለ መድረኽ ዓቢ ኣብነት እዩ። ርግጸኛ እየ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ቅድሚ ነዚ ሓሳብ እዚ ምብጋሶም ናይ ምብህሃል ሰናይ መንፈስን ን ርእይቶታት ብ ርእይቶ ናይ ምብዳህ ዓቕምን ዓቕልን ዝነበሮም ምንባሮም።
መድረኻዊ ጽሑፋትን ጸሓፍቱን ድስፕሊንኖምን

ስነ ጥበባውያን ከም ኣካል ህዝቢ ምዃኖም መጠን፡ ንባዕላቶም ከም ህዝቦም ዝንገላትዑሉ እዋን ስለ ዘለዉ(ናብራ ዘይኮነስ መንፈሶም)፡ ነዚ ጌና ንፈይስ ቡክ ሓድሽ ዝኾነ ግጥምታት ትግርኛ ንምግምጋም ዝበጻሕና ኣይመስለንን። ከምኡ እንተኾይኑ ግን፡ መድረኻውያን ግጥምታትና ከም መድረኾም ኣለዉ ኢለ እኣምን። ብሓፈሻ፡ ስነ ጥበብ ኤርትራ ናይ ዝተወሰነ ጸገማት ግዳይ ጥራሕ እዩ ክበሃል ኣይክእልን። ውህሉልን ጽኑሕን ጸገማት ክሳቐ ዝጸንሐ እዩ። ዝበዝሑ ሓደስቲ ገጠምቲ ምስ ግጥምን ዓለሙን ኣብዚ መርበብ እዚ ዝተላለይዎ እዮም። ካብቶም ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዝጸንሑ ሰባት እሞ ዕድል ገይሮም ኣብ ስደት ዝርከቡ ድማ ተበግሶ ገይሮም ውጽኢት ስራሖምን ተመኩሮታቶምን ክገብሩ ኣይኮነን ተመሊሶም ፈጠርቲ ሕንፍሽፍሽ እዮም ኮይኖም ጸኒሖም። ከም መድረኾም ኣለው ዝብሎ ነጥቢ እምበኣር ኣብዚ ክፍተት እዚ ዘሎ ሃጓፍ ይኹን ጸጋ እዩ።

እዚ፡ ንሓይሊ ተበግሶን ቅንዕናን እማን ጥበባዊነትን ንክድገም፡ ነዚ ኣብነታዊ ተበግሶ መወዳእታ 90ታት ኣብነት ዝኾኑ ውልቀሰባት ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ፈይስቡክ ጉጅለታት ብምፍጣር ተበጊሶሙሉ እዮም። እንተኾነ ግን፡ ን ጥበብ በዚ ጸጋ ፈይስቡክ ኣቢሎም ኪኖ ምትእኽኻብ ዝኸይድ ፋይዳ (ከምቲ ምትእኽኻቦም ዝበቅዕ) ኣይተፈየዶን ዘሎ። ቀሊል ተበግሶ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኪንዮ እቲ ጥበባዊ መልክዑ፡ ነቲ ናይ ምብህሃል መንፈስ ክሃንጽ ብዝኽእል (ከምቲ ኣብ ላዕሊ ን ስነ ምግባር ጥበባውያን ቅድሚ ጥበባት ግዜ ቃልሲ ኣመልኪተ ዝበልኩዎ) መሰረተ ዕዮ ክመርሕዎን መጋርያ ጥበብን ብልጽግናን ክገብርዎ ኣይተኻእለን። እዚ ድማ ነቲ ንግበሮ እሞ ኣይነጸብቆ ዝበሃል ምስላ ዘዘኻኽር፡ ካብኡ ሓሊፉ፡ ካብ ዕንወት ናብ ሞት ዝመርሕ ፍጹም ምጅላሕ ጥበብ ዝመርሕ ጠንቂ ኮይኑ፡ ነቶም ነዘን ጉሩፓት ማይ ፍልጠት ክምዕጉለን ዝመጹ ሓደስቲ ድማ ዘይስነምግባራዊ ጠባያት ምምሃር ጥራሕ ብምዃን እዩ። ከም ዘመኑን ካልኣይ ኣማራጺ ዘይብሉን ኣብ ዝሃለኻ ሃሊኻ እትስሕኖን መጋርያ ምብህሃል ዝኾነ ሜዳ ፈይስቡክ ነዚ ታሪኽ እዚ ክደግም ነዚ ደምበታት መበሃሃሊ ብዕቱብ ሒዞም ዘንቀሳቕስዎ ዘለዉ ውልቀሰባት ክምስገኑ ከምዝግበኦም ክርስዕ ኣይግባእን። እንተኾነ ግና፡ ከነመስግንን ባርኔጣና ከነውጽእን ተኸደኑ ክንብልን እንጎስዮ ዘለና ሓላፍነት ግን አሰክፈኒ። ዘይከሓድ ምትእኽኻብ ኣብ ምፍጣር ዝተዓወታ እኳ እንተኾና፡ ፔጅ ይኹን ጉሩፕ ዝፍጠረሉ ምኽንያት ክሳብ ምርዳእ ዚኣብየካ ኪንዮኡ’ውን እተን ዝርካበን ዝጥቀሳ ጉሩፓት ከምቲ ገድላዊ ዘመን ንፍቕርን ርድኢትን ኣተሓሳስባ ወለዶ ዕሽሽ ብምባልን ኣርኣያ ብዘይምዃንን ከይውድኣ እስከፍ።

መድረኻውያን ግጥምታት ሓደስቲ ገጠምቲ፡ ኣብ ዓቢ ሃጓፍ ብጠለይ ኢልካ ክስገር ዝፍተን ኒሕ ኮይኑ እርከብ ግደ ሓቂ። እዚ ድማ ናይዞም ኣብዚ ዓውዲ ወስታታቶም ዝረአ ዘሎ ጸገም ኣይኮነን። ካበየናይ ባይታ ካበየናይ ትሕዞ ስለ ዝተበገሱ እዩ እሞ ብመረረ ልቦም ክጠፍኦም ዝግበር። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ እቲ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዝጸንሐ ዝሕተቶ ወቐሳ እዩ። ነዚ ዘሎ ሃጓፍ ስነጥበብ ንክስገር ከምቲ ኣብ ቅድሚ መንገድኻ ዓቢ ሃጓፍ ምስ ጸንሓካ እሞ ሓይሊ ክህበካን ኮሪዕካን ንድሕሪት ተመሊስካ ሾቢብካ እትሰግሮ፡ ከምኡ፡ መበገስን ጉዕዞን ጥበባትና ከመይ ነበረ፧ ጸገማቱን ብልጸታቱን መወከሲ ክዳለወሎምን ክግበረሎምን ይግባእ። መድረኻውያን ጸሓፍቲ ዓሚቕ ርድኢት ከሕድሩ፡ እቲ ምስዚ ዓውዲ ዝጸንሐ ድማ ካብ መረረ ምደሓነ። እዚ ክኸውን፡ ልዙብ መበሃሃሊ ዓቕሊን ሕድሕድ ምክብባርን ክተማዕብል ምጽዓር ቀንዲ መፍትሕ ይሕዝ። ስለምንታይሲ ቅድሚ ምልኣት ጽሑፋት፡ ምልኣት ጸሓፍቱ ስለዝረአ!

ኣብ መወዳእታ፤

ፍርያት ስነ – ጥበብ፤ ወትሩ ህያው ኮይኑ ዘልኣለማውነት ዝለብሰሉ እንኮ መንገዲ ህይወት ከማዕብልን ከመቅርን ምስ ዝኽእል ጥራሕ እዩ። ካብ ኣፋዊ ጽሑፋዊ ይኹን ክሳብ እዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዋላ ይብጻሕ ን ኣነባብራን ርድኢትን ደቂ ሰባት ናብ ፍጹም ስብእናን ፍቕርን ምዕባለን እንተዘይለዊጥዎስ መጋበርያ መድረኻት ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ስለዚ፡ ጸሓፊ ቀደም ይኹን ሎሚ ሚዛን ዝነብረሉ መድረኽ መዚኑ ክንዲ እቲ ህዝቢ ን ኣብ ስነ ጥበብ ዝነጥፍ ሰብ ዝህቦ ክብሪ ክመልስን ኪኖ ምዝንጋዕን መሪሕ ኮይኑ ኣብ ኣተሓሳስባን ርድኢትን ማሕበረ ሰቡ ክዋጽኦ ዝግባእ ውዕለት ከቐምጥ ይግበኦ። እዚ ዝኸውን ድማ ቅድሚ ኣብ ባሕሪ ጥበብ ክሕምብስ እየ ምባልካ ክማላእ ዝግበኦ ምልኣት ወኒንካ ዲኻ ነብስኻ ምፍታሽ ዘይተርፍ ዕዮ ምዃኑ የግዲ’ዩ። አቐንየለይ።

14 ግንቦት 2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleድንግል ግጥሚ ቀደም ኔሩ
Next Article መዋዕልቲ መዝገብ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?