Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጥሪ ይመጽእ ኣሎ

ጥሪ ይመጽእ ኣሎ

0
By Mekonnen T. on December 24, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ታሕሳስ ይጐዪ’ሎ

ጥሪ ይመጽእ ኣሎ

እኽሊ ዝሸማምት

ሕሩድ ዝገዛዝእ

ኣነ’ለኹ ዝብል

’ታይ ክንሕግዝ ዝብል

ስድራ፣ ዘመድ፣ መቕርብ

ሸበድበድ ’ዩ ዘሎ

ገዛኹም ከ ከም ገዛና ዶ’ሎ?

ታሕሳስ ይጐዪ’ሎ

ጥሪ ’መጽእ ኣሎ

ከምዚ ኸማይ ይኸብደኪ ዶ’ሎ?

ሓላለይ ንዓይስ ጽዕን ኢሉኒ’ሎ

ደድሕሪ ’ባት-ነብሲ ንደግሞ ቃል ኣሎ

ኣብቲ ቃለ-ማሕላ መሰናኽል ኣሎ

“ዘይናተይ ከይምነ፣ ከይምንዝር፣ ከይዝሙ”

ዝብል ኵርኳሕ ኣሎ፤

ታሕሳስ ይሃድም ኣሎ

ጥሪ ይቐርብ ኣሎ

ሓድሽ ህይወት ንሓዲኡ

ሓድሽ ዓመት ንገሊኡ

ንዓይን ንዓኽን ክልቲኡ፤

ሕርይቲ ህይወተይ ብዓቢኡ

ልበይ ዝሓዝኣልኪ ብሙሉኡ

እና ፈተኹኺ ከክንድኡ

እንሆልኪ ውነይ ተጠሊዑ

’ዛ ‘ዝሙት’ ትብል ቃል ሰሚዑ

ኣዳቒቑ ሓሲቡ ዀምሲዑ

ይምሕጸነኪ’ሎ ብኣግኡ።

ግጥምታተይ ካብ ቀደሙ – ብባህሪኡ

ሄዋን’ያ ትንፋሱ – ሄዋን’ያ መልክዑ

ትዕድልታ ምስኣል’ዩ ዘይምኖ ዓለሙ

ስቓያ ምጽሓፍ’ዩ ሓረጋት መቕድሙ።

ቀለም ጸጋታታ በብሕብርታቱ

ገጻት ባህግታታ በብዅርናዓቱ

ዘልኣለም ክነብር ክጽሕፎ – ክስእሎ

ሓንሳብ ወሲነ’የ ንጽባቐ ዓለም ሄዋን ክትውከሎ።

ምናልባት ከም ፍታሕ ሽግረይ ርኢኺ

ከይተቐምጥለይ ‘ገደብ’ ዝብል ቅጥዒ፣

ብመከራ ፍጹም ከይጃጀዋ

ንጽባቐታተን ሓድሕድ ’ናጋጨዋ

ኣብ ጣሻ ኣእምሮይ ስለዝራባሓ

ብሕጂ ዝስእለን፣ ዝጽሕፈን ኣዋልድ

ካብ ከዋኽብቲ ብዕጽፍታት ይበዝሓ።

ደሓር ከኣ….ጠፊኡኪ ዶ

ኣብ ደም ዝሰረጸ ብምንታይ ትኽሕዶ?

ብሕልሚ፣ ብስምዒት፣ ብዝኽሪ፣ ብናፍቖት

ጽባቐአን ምስ ደመይ እልዕጥጦ

ስእለን፣ ሕብረን ግዜ ከየህስሶ

ኣብ ከብሒ ትዝታይ ብኽብሪ አቐምጦ፤

ባህገይ ተመንዩ ሓንሳብ ከይጸገበን

ስኢለ፣ ጽሒፈ

ግድን ብምዃኑ ንምርኢት፣ ንንባብ ከቕርበን

ዕረ ’ናጠዓመኒ ኣሕሊፈ ንበላዒ’ህበን።

እዚ ’ናሃለወ ናይ ብሕተይ ሕጊ

“ኣይትመነ፣ ኣይትዘሙ……” ካልእ ተሪር ሕጊ

ከም ዘይንቕነቕ ገይሩ ኦሪት ካብ ሃንደሶ

ዝኽእሎ’ይመስለንን ፈልየ ክድምስሶ፤

ክላ…..ኣበይ ዘሎ ሕጊ እዩ ኸ!!

መሪሕ ’ናመሰለ ንቕኑዕ ዘጋጊ

መን ኣሎ ብገበን ዝዳረግ ምስ ሕጊ!?

ብሰማይ ይተኣወጅ ብምድሪ

ሕጊ ’ዚመስሓቲ

እዚ መወናወኒ – መዘከሪ!

ክገርመኪ….

ኵሉ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ሕጊ

መቓብር ማለት’ዩ ናይ ዘዝሞተት ሓቂ።

እምበኣር ዝብለኪ ብተደጋጋሚ

‘ቃል-መቕቱል’ ሰሚዕኪ

ንማሕላ ኣሚንኪ ንኸይትቕየሚ

ብርዒ መምስ ሓዝኩ መታን ከይትሓ’ሚ

ዘንተእለት ኣእላፍ ክምነ’የ

ምስ ብዙሓት ክምንዝር ኣብ ግጥሚ።

ቦኽረ ገብረየሱስ

ታሕሳስ 2015

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?