Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”

ጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”

0
By Mekonnen T. on March 14, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መበል 17 ክፋል
ኣብ ሳሎን ኮፍ ምስ በልኩ፡ ሰሚራ ካብ’ቲ ጎቦ ኮይናቶ ዝነበረት ተንሲኣ ኣብ ዓራት ኮፍ በለት። ፍኹስ ኢሉዋ’ዩ ኔሩ። ዕላል መጀመሪ’ዩ መስለኒ
“ከሰላ’ሞ ፈቲኻዮዶ ሞኬ᎒” ሓተትኒ
“ጽቡቕ’ዩ ሰሚራ፡ ርስሓት ገዲፍኪ ደስ ትብል ከተማ’ያ ካብ ኩሉ ከኣ ፉል ከሰላ ዝፍቶ’ዩ” መለስኩላ
ብድሕሪ’ዚ ሓንሳብ ሱቕ በለት፡ ኣነ’ውን ብዛዕባ እንታይ ከዕልላ ከም ዘለኒ ኣይፈልጥኩን፡ ዳሓን ትእቶ ግን ነዊሕ ኣየጸበትንን።
“ስማዕን’ዶ ሞኬ ሓደ ሕቶ’ንድየ ክሓተካ ደልየ” ገጻ ጽውግ ኣበለቶ፡ ዕትብቲ ክትመስል’ያ ትፍትን ኔራ።
“ናይ ዳሓን ᎒ እንታይ ጸገም ኣለዎ ዝምልሶ ጥራሕ ይኹን እምበር” ክትሓተኒ ከም ትኽእል ቀጠልያ መብራህቲ ወላዕኩላ። ብድሕሪ’ዚ ክትሓትት ድልውቲ ኮነት።
“ ሲራክ ብገንዘብ ድዩ ኣምጺኡካ ካብ ኤርትራ᎒” ቁሩብ ኣተንፈስኩ፡ ኣቲ ሕቶ ብዛዕባ ካልእ ዘይምዃኑ ሓደ ሩፍታ ፈጠረለይ። ኣቲ መልሲ ከኣ ፍሉጥ ነበረ። ማለት ብገንዘብ ድዩ ኣምጺኡኳ ስለዝኾነ እቲ ሕቶ ገለ ናይ ገንዘብ ጉዳይ ወይ ከኣ ናይ ጸጥታ ነገር’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ኩሉ ግዜ ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ኣይፋል እታ ዝበለጸት መልሲ’ያ። ነታ መልሲ ብዙሕ ኣይሓሰብኩላን።
“ኖ. . . ኖ . . . ብገንዘብ ኣይኮነን ኣምጺኡኒ ኣጋጣሚ ናይ ኣሕዋት’ዩ ጌሩዎ” መለስኩላ ገጽ ሰሚራ እናረኣኹዎ ክኹላዕ ጀመረ። ለካ ብውሽጣ ዘጨንቓ ገለ ነገር ኔሩ’ዩ።
“ኣነ ኸኣ ምሉእ መዓልቲ ዓቕለይ’ዩ ጸቢቡኒ ውዒሉ ሰባት’ዮም ከምኡ ኢሎምኒ። ኣብ ተሰነይ ከኣ ኣትዩ ከም ዝወጸ ስለዝተሰምዐ ኣዕገርጊሮም’ዮም ክሕዝዎ። ንቑሩብ’ዩ ኣምሊጡዎም። ዎዎ! እንዳ ሻዕቢያ መትሕዚ ዘይብሎም ወሪዱኒ ከጥፍኡኒ ኣብዚ ብሰላም ከይነብር” ኣዚያ ተጨኒቓ ከም ዝወዓለት ተረዳኣኒ። ሲራክ ምስ ክፍሎም ዝምድና ኣለዎ። ካብኡ ናብኡ ከኣ ክፍሎም’ዩ ቀረባ ዘመድ ሰሚራ። ሲራክ ንሰሚራ ብዛዕባይ ክነግራ እንከሎ “ወዲ ሓውቦይ’ዩ” ኢሉዋ። ከም ዝተረዳኒ ሰሚራ ዝኾነ ዝምድና ኣይትፈልጥን’ያ። ወዲ ሓውቦይ ስለዝበላ ጥራሕ ብኸምኡ’ያ ተቐቢላቶ። መን ንመን ወሊዱ ብዛዕባ ወለዶ ትግደስ’ውን ኣይትመስልን። ብወገነይ’ውን ሓተትኩዋ
“ሻዕብያ ደኣ ኣዚኺ ፈሪሕኪዮም ናብ ተሰነይ ክትምለሲ ዲኺ᎒”
“ትጻወት ኣለኻ መኮነን፡ እዚ ከሰላ’ኮ መሕደሪኦም’ዩ እንተደልዮም ዘድልዮም ሰብ ኣትዮም ክወስዱ ይኽእሉ’ዮም ክንደይ ሰብ ድዮም ጨውዮም ወሲዶሞም ዘለው መሲሉኳ” ኣዚያ እናፈርሐት ተዕልለኒ ከም ዝነበረት ኣጸቢቓ’ያ ትፍለጥ።
“ምዃን ሓቅኺ ዶብ እንድ’ዩ ደሓር ከኣ ቀረባ’ዩ” ኣብቲ ዝበለቶ ከም ዝተሰማማዕኩ ገለጽኩላ። ብድሕሪ’ዚ ብዛዕባ ስድራይ ቁሩብ ኣዕሊልና ናብ መደቀስየይ ክኸይድ ከም ዝኾንኩ ነጊረ ተሰናቢተያ ካብቲ ክፍሊ ወጻእኩ። ሰሚራ ቀንዲ ሕቶኣ ስለዝተመለሰላ ግዲ ኮይና ሩፍታ ዓሲሉዋ ነበረ።
ናብ መደቀስየይ ምስ ከድኩ ናይ ሰሚራ ነገር ብዙሕ ኣተሓሳሰበኒ። ሲራክ ብገንዘብ ከም ዘምጻኣኒ ምሕታታ ከኣ ካብ ናይ ጸጥታዊ ጉዳይ ምፍራሓ ናብ ገንዘብ ምስሳዓ ዘዘንበለት ጌረ ተረዳኣኩዎ። ማለት ብገንዘብ እንተደኣ ኣምጺኡኒ ካብኡ ወይ ካባይ ገንዘብ ክትቅበል ዝደለየት ትመስል። እታ ምሸት ኣብ ከሰላ ግዜ ምቕታል ከም ዘየድሊ ዝያዳ ዝነጸረትለይ ምሸት’ያ። ሓደ ዘቕስነኒ ነገር ተደላይነተይ ብደረጃ ንኡስ ዞባ ወይ ዞባ እምበር ብደረጃ ኮር ወይ ከኣ ሃገር ኣይነበረን። ማለት ሓደ ብልዑል ጥንቃቐ ዝድለ ዝነበረ ሰብ ሃዲሙ ኣብ ከሰላ ክዛነን ናተይ ጉዳይን ሓደ ኣይነበረን። ንዓይ ዝከታተሉኒ ዝነበሩ ሰባት ናይ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ሓለፍቲ’ዮም ኔሮም። ንሶም ከኣ ክሳብ ከሰላ ክጎዩኒ ዝነበረ ተኽእሎ ጸቢብ ነበረ። ይኹን እምበር ምልካም’ውን ከጋጥም ይኽእል’ዩ። ንኻልእ ኢሎም ዝሓሰብዎ ወይ ከኣ ገንዘብ ኣለዎ ኢሎም ዝጠርጠሩ ሰባት ክልክሙኒ ተኽእሎ ነበረ።
ረፋድ ምስ ኮነ ዘይከም ናይ ቀደም ሰዓት 9፡00 ኣቢለ’የ ተንሲኤ። ቆየቛ ሰሚራን ቦኽሪ ወዳን ዳርጋ ኣላምር’ዩ ኔሩ ንዓይ። ንሶም ክቋየቑ እንከለው’የ ካብ መደቀስየይ ዝትንስእ። ሰሚራ ብብርቱዕ ክሳብ ትስዕል’ያ ምስ ወዳ ተሓራሪቓ። ሓንቲ መፈከሪቱ ሳዋ’ያ። ክመዚ ኣብ ግዜ ደርጊ ገለ መንእስያት ናብ ገድሊ ክኸዱ ንስድርኦም ዘፈራርሑሉ ዓይነት’ዩ። ናይ ሎሚ ንግሆ’ውን ብምንታይ ተበጊሱ ኣይፈልጥኩን እምበር እቲ ዓብላሊ ዘረባስ ጉዳይ ሳዋ’ዩ ኔሩ። “ሳዋ እንተዘይሰደድክኒ ባዕለይ ክኸይድ’የ” እናበለ’ዩ ዘፈራርሓ ኔሩ። ንሳ ከኣ ክሳብ ክረምቲ ጽናሕ ባዕለይ ተሰነይ ከብጻሓካ’የ ኢያ ትብሎ ኔራ። ብዝኾነ ንዓይ ክሰምዓኒ ስለዝጀመረ ኣነ’የ ነቲ ቆየቛ ኣህዲኤዮ።
ክሳብ ሰዓት 11፡00 ኣቢሉ ዝኸውን ብዘይ ቁርስን ሻህን ኢና ሱቕ ኢልና ኔርና ደሓር ግን ሲራክ ስለዝመጸ እቲ ሒዝካለይ ምጻእ ዝበልኩዎ ገንዘብ ማለት ናይ ሱዳን ገንዘብ ኮይኑ ብሕሳብ ናቕፋ 500 ማለት’ዩ ኣብ ኢደይ ስለዘረከበኒ። ሽዑ ንሽዑ ካብተን ዝሃበኒ ገንዘብ 100 ናቕፋ ትጽብጸብ ንሓው ሰሚራ ሂበ ከምቲ ዝቐደመ መዓልቲ ፉልን ባንን ገዚኡ ከም ዝመጽእ ጌረ ክሳብ ንጸግብ ጥዕምቲ ፉል በላዕና። ሲራክ’ውን ምሳና’ዩ ቆሪሱ። ድሕሪ ቁርሲ ብዙሕ ኣይጸንሐን ገዲፉና ከደ።
ከሰላ ካብ ዝኣቱ ድሮ ራብዓይ መዓልተይ ሓዝኩ። ናብ እንዳ ኢንተርነት ከኣ ንሳልሳይ ግዜይ ክጥቀም ንሓው ሰሚራ ኣምሪሐ ከድኩ። ቀንዲ ደሃይ ብዛዕባ ስድራይ ንምፍላጥ’ዩ ኔሩ። ከም ቀደመይ ናጻ ኣብ ዝጸንሐት ኮምፑዩተር ኮፍ ኢለ ያሁ መሰንጀር ምስ ከፈትኩ ኣብ ኦፍ ላይን ሓያሎ መልእኽቲ ከም ዘለኒ ዝሕብር ምልክት ኣስተብሃልኩ። ተቐዳዲመ ዝኸፈትኩዎ ናይ ዋሓዚት’ዩ ኔሩ። ዋሓዚት ሎሚ’ውን ብስራት’ያ ሰዲዳ። ናጽነት ማለት በዓልቲ ቤተይ ምስ ሰለስተ ደቀይን ንብረታን ድሮ ናብ ኣስመራ መጽያ ኣብ ጸሎት ዝተረኽበ ገዛ ከም ዝኣተወት ዝሕብር መልእኽቲ’ዩ። ዓርከይ ኣብ ቃሉ ጸኒዑ ነቲ ኣውቲስትኡ ብዝቐልጠፈ ናብ ስድራይ ከም ዝስደዶ እሞ እቲ ኣውቲስታ ከኣ ብተብተብ ስድራይ ናብ ኣስመራ ከም ዘህደሞም ሓበረትኒ። ኣብ ምጽዓን ክልተ ኣዕሩኽተይ መምህራንን ካል ኦት ኣብቲ ካንቸሎና ዝነበሩ ሰባትን ከም ዝሓገዙዋ ከኣ ወሰኸትለይ። ተመስገን በልኩ ብልበይ። እዚ ሓደ ዕረፍቲ’ዩ። ሽሕ’ኳ ኣስመራ ንምምሕዳር ይኹን ጸጥታ ሰገነይቲ ዝርሕቆም ኣይኹን መርበባዊ ኣሰራርሓ ስለዘይብሎም ብኡ ጌራ ክትጠፍኦም ዘሎ ተኽእሎ ልዑል’ዩ። ዋሓዚት ካልእ ዝጸሓፈትለይ መልእኽቲ እንተኔሩ ናይ ናይ በዓልቲ ሞባይል’ዩ። እታ ሞባይል ዝሸጥኩላ መሓዛይ ስለምንታይ ከም ዝኾነት ኣይፈልጥኩን ነታ ሞባይል ኣብ ኢዳ ከተእትዋ ዕረፍቲ ኣይረኸበትን። በዚ ከኣ ናብ ኣስመራ መጽያ ካብቲ ዝገደፍኩዎ እንዳ ቤተሰብ ተረኪባታ ናብ ሰገነይቲ ከም ዝተመልሰት ዋሓዚት ሓበረትኒ።
ዝተረፈ መልእኽታት ገሊኡ ካብ ካርቱም ካብ’ቶም ዝቕበሉኒ ሰባት። ገሊኡ ከኣ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኣዕሩኽተይ’ዩ ኔሩ። ክሳብ’ቲ ዕለት ነቶም ኣብ ቻት ዝረኽቦም ሰባት ይኹን መልእኽቲ ዝጸሓሓፎም ሰባት ኣብ ኤርትራ ከም ዘለኹ እምበር ኣብ ከሰላ ከም ዘለኹ ኮይኑ ኣይኮንኩን ዝቐርቦም ኔረ። ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣብ ስነጥበብ ዝፈልጦ ሰብ ንኣብነት ከምዚ ክብል መልእኽቲ ጽሒፉለይ ነበረ።
“ሰላማት ሞኬ ከመይ ኣለኻ᎒ ህይወት ከመይ ኣሎ᎒ ካብ ዘይንጸሓሓፍ ነዊሕ ኮይኑ ተጣፊእና እንታይ ድየ ክብለካ ደልየ መስለካ። እዚ መንእሰይ ሱቕ ኢሉ’ዩ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ። በጃኻ ኢለካ ንስኹም ብዓቕምኹም ነቲ መንእሰይ ከተርድ ኡ ዘለኩም ተኽእሎ ልዑል ስለዝኾነ ካብ ሃገሩ ከይወጽእ መዓድ ዎ። ሱዳን ሎሚ ውሑስ ቦታ ኣይኮነን። ህግደፍ ካብ ከሰላን ካል ኦት ከተማታትን ክንደይ መንእሰያት ገፊፉ’ዩ ናብ ሳዋ ዘእትዎም ዘሎ። ብፍላይ በዓል ከሰላ ወዲ ሸሪፈይ ሸገራብን ከም ድላዮም’ዮም ሰባት ዝገፉ። ስለዚ ሓደራኻ እዚ መንእሰይ ይጠፍእ’ዩ ዘሎ። . . . . .”
ነዚ ዓርከይ እንታይ ኢለ ከም ዝምልሰሉ ሓርበተኒ። ኣብ ሱዳን፡ ሱዳን ንሱዳኑ ከኣ ኣብ ከሰላ’የ ዘለኹዶ ክብሎ በልኩ። እንተኾነ ግዜኡ ስለዘይኣኸለ ከምኡ ምባል ኣገዳሲ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ይኹን እምበር ነቲ ዝበሎ ዘፍርስ ብመጠኑ ብውልቀይ ዝኣምነሉ ነገር ክምለሰሉ ኣለኒ ብምባል
“ ሰላማት ጸግሽ ጽቡቕ ኣለኻ፡ ሱዳን ከምቲ ዝበሃል ብዙሕ ውሑስ ኣይኮነን። ብዛዕባ ግፋ ዝበልካኒ ግን ክቕበሎ ክኸበደኒ’ዩ። እቶም UNHCR እንታይ ዲዩ ስርሖም። ማለት ጸጥታ ህግደፍ ዘድለዮም ሰብ ተሓቢኦም ኣትዮም ጨውዮም ከውጽእዎ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ግፋ ዝበሃል ግን ብወገነይ ኣይቅበሎን’የ። ብዝኾነ ግን ማዕዳኻ ቅቡል’ዩ ተረዲኤዮ ኣለኹ ክብል መለስኩሉ።
ካልእ ኣብ ዓዲ ኣንግሊዝ ኣብ ሎንድን ዝነብር ዓርከይ ከኣ ኣብ ስነጥበብ ኣዚዩ ስለዝግደስ ጠቓሚ’ዩ ዝበሎ መጻሕፍትን ካብ ናይ ቀደም ይኹን ካብ ሕጂ ኣብ መጽሔታት ዝረኸብኩዎ ጽሑፋት ክሰደሉ መስደዲ ዝኸውን ይኹን መግዝኢ ገንዘብ ክሰደለይ ከም ዝኽእል መልሲ ክጽሕፈሉ ይጽበየኒ ከም ዘሎ ጸሓፈለይ።
ሳልሳይ ዓርከይ ካብ ካርቱም’ዩ። ንሱ ድንጉይ ኢሉ’ዪ መሊሱ። ዳርጋ ኣብ ሰሙኑ’ዩ መሊሱለይ። ካርቱም ምስ በጻሕኩ ክረኽቦ መዲበ ስለዝነበርኩ ጎቦ ጎቦ ኢለ’የ ብዛዕባ ካርቱም ሓቲተዮ ኔረ። ካብ ኩሉ ከኣ ጃኬት የድልየኒዶ ኣየድልየንን ንኽፈልጥ ብዛዕባ ኩነታት ኣየር ጸቒጠ ጽሒፈሉ ነበርኩ። ናብ ካርቱም ይመጽእ ከም ዘለኹ ብዘየጠርጥር መንገዲ’የ ሓቲተዮ። ንሱ ከኣ ኣብ መልሱ ኣብቲ እዋን እቲ “ዓጽምኻ ዝሰብር ቁሪ’ዩ ዘሎ ሞኬ፡ ሱዳን መነብብሮ ኣዚዩ ከቢድ’ዩ ካብ ግፋን ምጽንጻንን ህግደፍ ደኣ ተኣሊና ኣለና እምበር ናብራ ካርቱም ክብድ ኢሉ’ዩ” ክብል ጸሓፈለይ።
ብዛዕባ ጃኬት ካብ ተላዕለ። ጉዳይ ቅያር ክዳን’የ ዘኪረ። ካብ ኣስመራ ካብ ዝወርድ ክሳዕ ሕጂ እተን ተኸዲነየን ዝነበርኩ ክዳንውቲ’የ ኔረን። ረቃቕ ሰማያዊ ስረ፡ ቀያሕ ማልያ፡ ቀጠልያ ወታሃደራዊት ጎልፎ፡ ሓንቲ ናይ ውሽጢ ስረን ካናቴራን’የን ኔረ። እቲ ኩነታት ኣብ 1990 ናይ ህዝባዊ ግምባር ክስለፍ እንከለኹ’ዩ ኣዘኪሩኒ። ሽዑ እዋን ከምዛ ናይ ሕጂ ጠልጠል እናበልኩ’የ ከይደ። ሳልሳይ ወራር’ኳ ይሓይሽ ክንከትት እንከለና ዋላ’ውን ኣበይ ንድርብዮ ኣይንፍለጥ መብዛሕትና መምህራን ከም ቱሪትስት ነንእሽቶ ቦርሳ ተሓንጊጥና ኔርና ኢና። እዚ ናይ ሕጂ ግን ካብ ሳልሳይ ወራር’ውን ዝኸፍአ ገድሊ፡ ገድሊ ናብ ስደት’ዩ ኔሩ።
ኢንተርነት ተጠቒመ ምስ ወዳእኩ ከም ቀደመይ ምስ ሓዊ ሰሚራ በታ ንመላለሰላ መንገዲ ጌርና ኢና ናብ ገዛ ተመሊስና። ገዛ ምስ ተመለስና ምልክት ናይ ምሳሕ ምህላው ስለዘይረኣኹ ንሓዊ ሰሚራ ሒዘ ናብ ደገ ተመሊስና ዝብላዕ ገዚእና መጻና። ሰሚራ ምስተን ክልተ መሓዙታን ካልኦት ክልተ ሰብኡትን ቡን ኣፊሊሓ ወጃዕ ትብል ነበረት። ንሕና ኣብታ ኣነ ዝድቅሰላ ክፍሊ ኢና ኣቲና። እቶም ሰብ ኡት ካብቲ ዘዋህለልኩዎ ትዕዝብቲ ሓደ ነታ መልክዐኛ ሕዳርበይቲ ዓርካ ወይ ውሽማኣ ኢዩ። እቲ ዕብይ ዝበለ ከኣ ነታ ክፍእ ዝበለት ሙባራካ ዓርካ ወይ ውሻማኣ’ዩ። እቲ ዕብይ ዝበለ ሰብኣይ ኣብቲ ከባቢ ገዛውቲ ሳሮቶ’ዩ። እቲ ሃብታም በዓል መኪና ዝመስል ግን ካበይ’ዩ ዝመጽእ ኣይረጋገጽኩን። ከም ዝተዓዝብኩዎ ክልቲኦም ኣብ ብርቱዕ ናይ ሃነይነይታ እዋን ዝነበሩ’ዮም ዝመስሉ። እታ ሕዳረበቲ ኣስናናን ሕብሪ ቆርበታን መሀነን’ያ። እቲ ጎበዝ ሃነን እንተበለላ’ውን ዘመኻኽሕ ኣይኮነን እብል ነበርኩ። ሰብኣያ ወይ ዝወለደላ ደኣ ኣበይ ኔሩ’ምበር ኣደ ክልተ ቆልዑ’ያ ግን።
እዋን ቅድሚ ምምሳዩ ካብ ክልተ ሰባት ተሌፎን ተደዊሉኒ ነዊሕ ኣዕለልኩ። ንሓወይን ነቲ ኣብ ካርቱም ዝቕበለኒ ወዲን ናይ ሲራክን ሓዊ ሰሚራን ቁጽሪ ስለዝሃብኩዎም ናብ ክልቲኡ ምስ ፈተኑ’ዮም ረኺቦምኒ። ከምቲ ናተይ ሻቕሎት ንሶም’ውን ኣብ ከሰላ ደው ምባለይ ኣይተበርሆምን። ሓወይ ካርቱም ምስ ኣተኹ ነቲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝሃቡኒ ደብዳቤ ሒዙለይ ዝመጽእ ሰብ ይደሊ ከም ዘሎ ሓበረኒ። ካልእ ንኽቕበለኒ ይቕረብ ከም ዝነበረን ኣመና ከም ዝተሃንጠየን ገለጸለይ። ኣብቲ እዋን ኣብ መሰጋገሪ ቦታ ስለዝነበርኩ ከም ድላየይ ከዕልል ይኽእል ኣይነበርኩን። ነብሰይ ዳርጋ ፍርቃ ናይ ሲራክ’ያ ኔራ። ጋሻ ዓሻ ዝበሃል ለካ ንኸምዚ’ዩ በልኩ። ካላእ መንገድታት ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ሲራክ ስለዘስገርኒ ግን ሲራክ ጥራሕ ናብ ካርቱም ዘእትወኒ ጌረ ይወስዶ ነበርኩ።
ናይ ድቃሰይ ሰዓት ምስ ምስ ኣኸለ ከም ቀደመይ ነቶም ቆልዑ ግዲፈዮም ብግስ ምስ በልኩ ሰሚራ ድሮ ነቶም ኣጋይሽ ኣፋንያ
“መኮነን ሓንሳብ ደልየካ ኣለኹ ናዓ” ብምባል ዳግማይ ናብ መደቀሲ ክፍላ ጸውዓትኒ
“ኢሂ ሰሚራ ዳሓን ᎒” ሓተትኩዋ
“ላ ላ ናይ ዳሓንስ ናይ ዳሓን’የ ሓንሳብ ናዓ” ናብ መደቀሲ ክፍላ ኣተወት
“ወይለይ እዛ ናብ መደቀሲ ናዓ እንታይ’ዩ መልእኽታ᎒” በልኩ ብልበይ
ይቕጽል . . . . . . .
መበል 18 ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 14 መጋቢት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቀንቁኛኣ᎒”
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?