Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጠዓሞት፡ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”

ጠዓሞት፡ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”

0
By Mekonnen T. on April 5, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መበል 24 ክፋል

ካብ በዓል ሄኖክ ሕልፍ ምስ በልና ንሲራክ ኢና ረኺብናዮ። ሲራክ ምስ ዓርኩ’ዩ ናብቲ ቤተ ክርስትያን መጽዩ። ክሳለም ድዩ ክዛወር መጽዩ ግን እዝጊ ዋንኡ። ቤተ ክርስትያን ኣብ ስደት ኩሉ ነገር’ዩ። ድኳን ይኸውን፡ እንዳ ጸሎት ይኸውን፡ መራኸቢ ከኣ ይኸውን። ዓርኪ ሲራክ ህድእ ዝበለት ምልክዕቲ ጓል’ያ። ምስ ካላኣይታ ድዩ ንበይና ደኣ ርግጸኛ ኣይኩን እምበር ከምቲ ናተይ ካብ ካርቱም ተሰነይ ኣት’ዩ ሒዙዋ ወጽዩ። ህይወት ንሲራክ ጸወታ’ዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተሰነይ ዝኣተወሉ ግዜ በዘይካ ከምዚ ናተይ ከፊልና ንወጽእ ሓሙሽተ ሳንቲም ዘይክፍሉ ዓርከ መሓዛ’ውን ተለኪሞም ይወጹ’ዮም።  እቲ ስራሕ መዓንጣ ጥራሕ እምበር ካልእ ጥበብ ዝሓትት ስራሕ ዘይምንባሩ ሲራክ ዘለዎ ድፍረት ተጠቒሙ ዘድለዮ ሰብ’ዩ ሒዙ ዝወጽእ ኔሩ። መንገዱ ከም መንገዲ ጻጸ ሓንቲ’ያ። ብኣኣ ጌሩ ይኣቱ ብኣኣ ጌሩ ከኣ ይወጽእ። ነዛ መንገዱ ኣጽኒዐያ ስለዝነበርኩ ዳሕራይ ግዜ ኣሜሪካ ምስ ኣተኹ ኣብ ኢንተርነት ኮፍ ኢለ ሰብ ኣውጺኤላ’የ። ኣብ ኦሮታ መጥባሕቲ ዝገበረ ሰብ ፈለማ ሓደ ኣዝዩ ዝቐርቦ ወዲ ምሳይ ርክብ ከምዘለዎ ዝፈለጠ “በጃኻ እንዶ ንመኮነን ሕተተለይ ናብ ሱዳን መን ከም ዘውጸኦ᎒” ክብል ተወኪሱዎ ነበረ። ንዕኡ ካብ ናይ ሲራክ ናይ ኣማን ምሃብ ይሓይሽ ምኽንያቱ ኣማን ስርሑ ጽፉፍ ከም ዝኾነን ብመኪና ከም ዘውጽእን በዓል ሄኖክ ስለዝሓበሩኒ ስልኩ ከኣ ስለዝነበረኒ ናይ ኣማን ተሌፎን’የ ሂበዮ። ከም ዝሓሰብኩዎ ከኣ ብጽቡቕ ናብ ሱዳን ኣእቲዩዎ።

ቀጺሉ እዚ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ዝበሃል ክወጽእ ከም ዝደሊ’ዩ ሓቢሩኒ። ብናቕፋ ኮይኑ’ምበር ሰሪሑ ዝሓዞ ሓደ 50,000 ኔሩዎ’ዩ። ኣብዚ’ዩ እምበኣር “ስለምንታይ መስገሪ ትኸፍል ምሽ 3ይ ወራር ኣብ ከባቢ ተሰነይን ዓሊግድርን ተዋጊእካ ኢኻ᎒” ሽዑ ብሓደ ኢና ከቲትና ኔርና። ኣነ ናብ ክሳድ ዒቃ ንሱ ናብ ተሰነይ ከኣ ተፋላሊና። ንሱ

“እወ እቲ ከባቢስ ጽቡቕ ጌረ እንድዮ ዝፈልጦ” ክብል መለሰለይ። ብድሕሪ’ዚ “በል ናብ ተሰነይ ክትወርድ ጸገም ስለዘይብልካ ተሰነይ ምስ ወረድካ ከባቢ ሰዓት 7፡00 ይኸውን ናብ ጎልጅ ገጽካ ሱቕ ኢልካ ተጓዓዝ። ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ምስ ተጓዓዝካ ጉዕዞኻ ኣቋሪጽካ ደቅስ። ንግሆ ምስ ተንሳእካ ቁሩብ ተጓዒዝካ ታባ ዓሊግድር ብሸነኽ የማንካ ክትርእያ ኢኻ። ንታባ ዓሊግድር የማን ተጸጊዕካ ሱቕ ኢልካ ተጓዓዝ። ሽዑ ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት መሬት ሱዳን ክትረግጽ ኢኻ።” በልክዎ። ወዲ ድፍረት’ውን ኔሩዎ። ምስ ግዜ ዘቃላጥፍ ጉዳይ ከኣ ኣይነበሮን። ኣብ ዝጠዓሞ መዓልቲ ተዛንዩ ተሰነይ ወሪዱ ነዛ መንገዲ እዚኣ ተጠቒሙ ብናጻ ሱዳን ኣትዩ። 2000 ዶላር ዝተኸፍለሉ ጉዕዞ ሓንቲ ዶላር’ውን ከይከፈለ ሱዳኑ ቆሩጹ ኣተወ።

ምስ ዑቕባይ ነቲ ቤተ ክርስትያን ሕቖና ሂብና በተን ዝመጸናለን ምኒባሳት ጌርና ኢና ናብ ገዛ ተመሊስና። ኣብ ገዛ ሓደ ንዓይ ዝደሊ ጋሻ’ዩ ኮፍ ኢሉ ጸንሓኒ። ካብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣትሒዙ መጻንዕተይን መማህርተይን’ዩ። ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ዛዚሙ ኣብ እዋን ኩናት ስለዝወደአ ከኣ ከቲቱ ኣብ ሰራዊት እናኣገልገለ እንከሎ ነቲ ኣሰራርሓ ተቛዊሙ ሱዳን ሰጊሩ። ኣብ ሱዳን ዝተወሰነ ኣዋርሕ ጸኒሑ ናብ ሊብያ ቀጺሉ ኣብ ሊብያ’ውን ዝተወሰነ ኣዋርሕ ተቐሚጡ ናብ ዓዲ ጣልያን ክሰግር ኣብ ማልታ ተታሕዘ። ኣብ ማልታ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ጸኒሑ ከኣ ምስቶም ፈለማ ካብ ማልታ ናብ ኤርትራ ብ ኣስገዳድ ተመሊሱ። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ተቐቢሉ ናብቲ ኣዚይ ከቢድ ቤት ማእሰርቲ ምዃኑ ዝንገረሉ መዳጎኒ ደሴት ዳህላክ ኣእትዩዎ። ኣብ ዳህላክን ካልእ ቦታታትን ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ተኣሲሩ ከኣ ከም ብሓድሽ ናብ ሰራዊት ተመዲቡ። ሕጂ’ውን መንፈሱ ኣዓረፈሉን። ስቅያት ዳህላክን ካልእ ቤትማእሰርታትን ከኣ ዝገደደ በሰላ ስለዝገደፈሉ ዳግማይ ጃሎን ማዩ ተሰኪሙ በይኑ ብዘይ ሓደ መራሒ ንመዓልታት ተጓዒዙ ከሰላ ኣትዩ። ብድሕሪ’ዚ ኩሉ ከርተቱ ኢና እምበኣር ኣብ ካርቱም ንራኸብ ዘለና። ሽዑ መዓልቲ ምስቲ መተዓብይተይ ከነዕልል ውዒልና ከነዕልል ሓደርና።

ምስጦፋ ሰኑይ ምስ ኮነ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ናብ ዑቕባይ ተሌፎን ደዊሉ ኔሩ። ጉዳይ ምስላጥ መውጽ ኢ ቪዛ ቁሩብ መዓልታት ክወስድ ከም ዝኾነ’ዩ ሓቢሩዎ። ከምቲ ዝበሎ ነቲ ናይ ኢምግረሽን ዛብጥ ማለት በዓል ጽሩራ ብርጋዴር ጀነራል ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ’ዩ ክረኽቦ። እቲ ኢሚግሬሽን ብዒራቓውያንን ቱርካውያንን ኣዕለቕሊቑ ነበረ። በተወሳኺ ምስጦፋ ኣመኽን’ዩ ገንዝብ ወስኹ ክብል ከም ዝደሊ በርሃለይ። ካብ ዝጠርጠርኩዎ ከይወጻኹ ከኣ ዳግማይ ደወለ።

“ስማዕ እንዶ ዑቕባይ ነዚ መሳለጢ  ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ድጋፍ ወረቐት ይደሊ ኣለኹ፡ ካብቲ ኤምባሲ ኬድኩም ከተምጽኡ ኢኹም” በሎ። ዑቕባይ ኣብ ጥቓይ ስለዝነበረ ንዓይ ሕሹኽ በለኒ። ኣነ ግን ናብ ኤምባሲ ክኸይድ ከም ዘይደሊ ሓበርኩዎ። ኣብ ኤምባሲ  ኤርትራ ዝኾነ  ሰብ ብስገረ ዶብ ይምጻእ ብጂኒ ዕፍሪት ብዘየገድስ ናይ ጣዕሳ ፎርም ብምምላእ ፓስፖርት ከውጽእ ይኹን ናይ ድጋፍ ወረቐት ክርከብ ይኽእል ነበረ። ናይ ድጋፍ ወረቐት ክንደይ የኽፍሉ ኔሮም ኣይፈልጥኩን እምበር ንፓስፖርት 200 ዶላር’ዩ ኔሩ። ትማሊ ትማሊ ዶብ  ክሰገር እንከለኹ እንተዝሕዙኒ ኔሮም ወይ ክቐትሉኒ ወይ ክ ኣስሩኒን ዕድለይ ከሳናኽሉለይ ዝኽእሉ ንዝነበሩ ሰባት ካርቱም ኣትየ ኢለ ናይ ጣዕሳ ፎርም ዝመል ኣሉ ምኽንያት ኣይተራእየንን። እቲ ፖሊሲ ብዝወጻእካ ውጻእ ኣብ ካርቱም ናይ ጣዕሳ መሊእካ ፓስፖርት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ ዝብል ኔሩ ምኽንያት ዓለም ለኻዊ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ነቲ ስደተኛ ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ፓስፖርት ናይ ጉዕዞ ሰነድ ከዳልወሉ ይኽእል ስለዝነበረ መንግስቲ ኤርትራ ገንዘቡ ክእክብ ዝገበሮ ዝነበረ ሜላ’ዩ። ምስጦፋ ባዕሉ ካልእ ኣማራጺ ኣቕረበልና። ንሱ ከኣ 100 ዶላር ክንከፍል እሞ ነቲ ካብ ኤምባሲ ድጋፍ ኣምጽእ ዝብል ዘረባ ክዓብሶ። ንዓይ ዋላ እታ 100 ዶላር ክብርቲ ትንበር ንሳ ወሲኸ ክገላገል ስለዝወሰንኩ “ጽቡቕ ከምኡ ግበር!” በልናዮ። መሳለጢ መውጽኢ ቪዛ ብ100 ወሲኻ ካብ 750 ዶላር ናብ 850 ደየበት። ከም ትዕዝብተይ ኣብ 850 ውን ደው ዝብል ኣይመስልን ነበረ። ማሕላን ምኽኒትን ከም ኣብ ሱዳን ዝሓስራ ርእየ ኣይፈልጥን። ደለልቲ ክምሕሉን ከመኽንዩን’ዮም ዝውዕሉ።

ካርቱም እናለመድኩዎ ምስ ከድኩ ናብ ዝኾነ ቦታ ክንቀሳቐስ ከለኹ ምስ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሰባት ኮይነ’የ። ኣብ ካላኣይ መዓልተይ ናብ እንዳ ፊሽ ዝኸድኩሉ ግዜ ዑቕባይ፡ ‘ቲ ካብ ማልታ ናብ ኤርትራ ዝተመልሰ ወዲ ትምህርተይ ነበር፡ ወዲ ኣሞኡ ንዑቕባይን ክል ኦት ክልተ ኣዕሩኽተይ ምሳይ ነበሩ። እታ ቤት መግቢ ካብቶም ቅድሚኡ ዝረኣኹዎም ሰባት ዝበዝሑ ኣጋይሽ ወሲኻ’ያ ጸኒሓትኒ። ዕለቱ ሰኑየ ሰሉስ ኣቢሉ’ዩ ኔሩ። ፈለማ ኣብቲ እንዳ ሻሂ ዝጸንሑና ሰባት ሰላም ኢልና ሻሂ ሒዝና ምስ ኣዕለልና ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናብ ውሽጢ ሰገርና።  ከም ዝተረዳኣኒ ሓደ ሓደ ሰባት ኣጠምማትኦም ጽቡቕ ኣይነበረን። እንታይ ኮይኖም ግን ኣይተረዳኣንን። ኣብቲ ቤት መግቢ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ጸኒሕና ናብ ገዛና ክንብገስ ክንብል ሓደ ግርህ ዝበለ ድላዩ ዛዝረብ መንእሰይ ቁሩብ’ውን ዝምድና ኔራትና

“መምህር ብሕጋዊ መንገዲ ዲኹም መጺእኩም᎒” ሓተተኒ

“ኢሂ ንጉሰ ሰለምንታይ ደኣ ሓቲትካኒ᎒”  ተመሊሰ ሕቶ ብሕቶ መለስኩሉ

“እንድዒ ትማሊ ዜና ስፖርት እናረኣና እንከለና ንስኹም ካብ ሰገነይቲ ዝሰደድኩሞ ናይ ሰገነይቲ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዜና መጽዩ ኔሩ፡ ዋእ ኩልና ኢና ሰንቢድና” በለኒ። ኣሃ . . .  በልኩ ብውሽጠይ ለካ ገለ ገለ ሰባት ገጾም ዝጸወጉለይ ዝመሰለኒ ሓቀይ’የ ኔረ።

“ኣንታ ንጉሰ ኣነ ደኣሞ ካብ ዝወጽእ ሰለስተ ሰሙነይ እንድየ ቀሪበ ናይ መኣስ ዲዩ እቲ ዜና᎒” ሓተትኩዎ

“ዜና ናይ ደኣ ናይ ፋይናል ግጥም’ዩ ኔሩ ዝሓለፈ ሰንበት ስልኪ ምስ ኣባሓኒ ገጢመን ኔረን” መለሰለይ

ሽዑ እቲ ጉዳይ ከመይ ከም ዝኾነ በርሃለይ። ኣብ ሰገነይቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እቶም ንኡስ ዞባ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ስፓርታዊ ንጥፈታት ምእንቲ ክቃላሓሎም በዓል ቪድዮ ጸዊዖም ነቲ ውድድር ቀዲሖም ንዓይ ይህቡኒ እሞ ኣነ ከኣ ነቲ ውድድር ዜና ሰሪሐ መሊሰ ይህቦም ወይ ከኣ ኣጋጣሚ ናብ እንዳ ዜና ይኸይድ እንተልየ ከኣ ይማላኣሎም። ኣብተን ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝጸሓፍኩለን ናይ ሰለስተ ዓመታት ግዜ ከም ጋዜጠኛ ዘይኮንኩ ከም ናይ ደገ ኣበርካቲ ወይ (ፍሪላንሰር) ኮይነ ዝጽሕፍ ኔረ። ኣብቲ ኣነ ዘይገሸሉ ግዜ እቶም ፈደረሽን ንሓደ ካብ ተማሃሮ ናይ ሻሂኡን ኣውቶቡስ ከፊሎም ናብ እንዳ ዜና ይሰድዎ እሞ እንዳ ዜና ከኣ ነቲ ቪድዮ ተቐቢሎም ነቲ ዜና ብስመይ የንብብዎ ነበሩ። ኣብዛ ናይ ሕጂ ትበሃል ዘላ ከኣ በዓል መምህር ሃይለ ገብሩ ሓላፊ ፈደረሽን ስፓርት ን ኡስ ዞባ ሰገነይቲ ነቲ ውድድር ብ ቪድዮ ቀዲሖም ዜና ባዕሎም ጽሒፎም ስመይ ኣቐሚጦም ብተማሃራይ ጌሮም ል ኢኾሞ ኣለው ማለት’ዩ በዓል ወዲ ገብሩ ሱዳን ከም ዝወጻኹ እንተዝፈልጡ ብውሕዱ ስመይ ኣይገበሩላን እመስለኒ።

እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ይኹኑ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝነበሩ መንእሰያት ካብ ስለያታት ህግደፍ ኣዚዮም’ዮም ዝፈርሑ ኔሮም። ብፍላይ እቲ ወድኻ ወይ ጓልካ ስግረ ዶብ ወጽያ 50,000 ክፈል ዝብል ዝነበረ ኣሰቃቒ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ መብዛሕቶም እቶም መንእሰያት ኣብ ሱዳን ከም ዘለዉ ክፍለጡ ይደልዩ ኣይነበሩን። በዚ ከኣ ብፍላይ ብሕጋዊ መንገዲ ብነፋሪት ንዝመጸ ሰብ ክጥርጥሩዎን ክፈርሑዎን ንቡር ነበረ። ብዝኾነ ምስ ንጉሰ ብኸምኡ ተረዳዲእና ካልኦት ግን እንታይ ዓይነት ርድኢት ኔሩዎም ኣይፈልጥኩን ግን መብዛሕትኦም ብስግረ ዶብ ከም ዝመጻኹ ጽቡቕ ጌሮም ይፈልጡ ኔሮም’ዮም።

ካብቲ ቤት መግቢ ውጽእ ክንብል እንከለና ሻሂ ትገብር ዝነበረት ጓል ምስ ክልተ ኣወዳት ዕግርግር ክብሉ ምስ ተዓዘብኩ ገለ ሽግር ከም ዝተፈጥረ ተረዳእኩ። ከይሓተትናዮም ገዲፍናዮም ክንከይድ ጽቡቕ ስለዘይነበረ እንታይ ከም ዝኾኑ ሓተትናዮም። ፊሽ ማለት ዋና ቤት መግቢ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ብደገ ጸኒሑ ናብቲ ቤት መግቢ እናመጸ እንከሎ’ዮም ኣብ ሓንቲ መኪና ሒዞሞ ከይዶም። ብግምት በዓልቲ ሻሂን እቶም ምስኣ ዝነበሩ ኣዕሩኽቱን እቶም ዝወሰድዎ ሰባት ስለያ ናይ ሱዳን’ዮም። እቶም ሰባት ነቲ ፍጻሜ ለሚዶሞ ዝነበሩ’ዮም ዝስመስሉ። ቅድሚኡ’ውን ወሲዶሞ ኔሮም ኽኾኑ ኣለዎም። እታ በዓልቲ ሻሂ ሸገርገር እናበለት

“ንሑሴን እባ ደውሉሉ ሑሴን’ዩ ናበይ ከም ዝወስድዎ ክፈልጥ ዝኽእል᎒”  ነቶም ምስኣ ዝነበሩ ንሑሴን ዝበሃል ኤርትራዊ ክድውልሉ ሓበረቶም።

ንሕና ክንሕግዞም ንኽእል ነገር ስለዘይነበረ “በሉ የሳልጠልኩም ኢልና” ተሰናቢትናዮም ከድና። እቲ ህይወት ናይቲ ስደተኛ ግን ኣዚዩ ኣሕዘነና።

ይቕጽል . . . . .

መበል 25 ክፋል

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ምስ ህያው ገጸ ባህርያት II
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?