Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ግጥምታትካ ንምንታይ እዮም ዝጽውዑ? ግጥምታት ቦብ ማርሊ የቕንኡኻዶ?

ግጥምታትካ ንምንታይ እዮም ዝጽውዑ? ግጥምታት ቦብ ማርሊ የቕንኡኻዶ?

0
By Mekonnen T. on July 12, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

“ሰባት ብኣተሓሳስባ ኣብ ክልተ ወገን ኣብ ዝምቀልሉ፡ ግድን ምስ ሓደ ኩን ይብሉኻ። ምስ ክልቲኦም እንተዘይኴንካ ድማ፡ ኣብ ጌጋ ሸነኽ ከም ዘለኻ ይገልጹልካ። ግን’ኮ ብርግጽ ሓደኦም እዩ ግጉይ ዘሎ። ኣብ’ቲ ሓጹር ደው እንተበልካ ድማ ክልቲኦም ይትኩሱልካ። ኣነ ግን ብርግጽ ኣብ’ዚ ሓጹር ደው ኢለ’ለኹ። ከፍርሶ እየ ድማ ነዚ ሓጹር።” – ቦብ ማርሊ, 1976

ጃማይካ ብኲናት ሓድሕድ ኣብ እትሕመሰሉ ዝነበረት ግዜ፡ ቦብ ማርሊ ንጥምረት ዝጽውዑ ኮንሰርትታት የዳሉ ነበረ። ኣብ 1976 ግን፡ ሓደ ዓቢ፡ “smile Jamaica” ዝብል ምርኢት ንምድላው ልምምድ እናገበረ እንከሎ፣ ሓደ ዕጡቕ ናብ ገዛኡ ብምእታው ንሰበይቱን መሳርሕቱን ብኸቢድ ኣቑሰሎም። ቦብ ግን ኣብ ቅልጽሙ ጥራይ እዩ ተወጊኡ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ፡ ምስ ቁስሉ ነቲ ዝመደቦ ምርኢት ኣካየዶ። 80 ሽሕ ተዓዘብቲ ከኣ ብናጻ ተሳተፍዎ። እቲ ምርኢት ንጽኑዕ ፍልስፍናዊ እምነቱ፡ ርህራሀኡን ድንጋጸኡን፡ ትብዓቱን ንሰላም ዝነበሮ ጽምኣትን ዘንጸባርቕ ነበረ። እቲ ዕጡቕ ካበየናይ ወገን ከምዝተላእከ’ኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ቦብ ግን ነቲ ሓደ ወገን እናወንጀልካ ነቲ ካልእ ምውዳሱ ኣገዳስነቱ ይርኣዮ ስለ ዘይነበረ፡ መንነት ናይ’ቲ ዕጡቕ ኣየገደሶን። ንዕኡ ዘገድሶ ዝነበረስ፡ ክልቲኦም ወገናት ሓቢሮም ሰላም ክፈጥሩ ጥራይ እዩ። መንነት ናይ’ቲ ጽቡቕ ጌሩ ገጹ ዝርኣዮ ዕጡቕ ምስ ተሓተተ ድማ። “ኣየገድሰንን እዩ። ኣነ ናይ መንግስቲ ወይ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ደጋፊ ኣይኮንኩን። ብመሰረቱ እውን ደላዪ ሰላም ደኣ’ምበር፡ ፖለቲከኛ ኣይኮንኩን። ንሰላም ድማ ዓው ኢለ ክዝምረላ እየ – ክትመጽእ ድማ’ያ። ንሱ እዩ ናተይ ዕዮ” ክብል መለሰ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ንዓዲ እንግሊዝ ተሰዲዱ እንከሎ ኣብ ዝዛዘማ “exodus” (ስደት) እትብል ኣልበሙ ከኣ፡ ንሓድነትን ምረት ስደትን ዓው ኢሉ ቃነየሎም። ብ Time Magazine ድማ፡ “እታ ቀንዲ ኣገዳሲት ኣልበም ናይ’ዚ ዘመን” ዝብል ቅጽል ተዋህባ። ሽዑ ክልተ መራሕቲ ናይ ተቓወምቲ ወገናትን እቲ መራሒ መንግስትን፡ ሰለስቲኦም ብሓባር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ፡ ንቦብ ናብ ዓዱ ክምለስ ተማሕጸንዎ። ናብ ጃማይካ ተመሊሱ ከኣ ሓደ ዓቢ ኮንሰርት ኣዳለወ’ሞ፣ እቶም መራሕቲ ድማ ኣብ’ቲ ምርኢት ተሳተፉ። ናብ መድረኽ ጸዊዑ ከኣ፡ “ነዚ ህዝቢ ከምእተፍቅርዎ ንገርዎ። ፍቕርኹም ብሓድነት ከተርእይዎ ድማ ቃል እተውሉ” ብምባል፡ ሰላም ከምዝበሃሃሉ ገበረ። በዛ ምርኢት እዚኣን ሕሉፍ ስርሓቱን ከኣ፡ ብሕቡራት ሃገራት፡ መዳልያ ሰላም ናይ ሳልሳይ ዓለም ተዋህበ። እዛ ምርኢት’ዚኣ ድማ፡ መኸተምታ ኲናት ሓድሓድ ጃማይካ ምዃና ይእመነላ።
ብድሕሪ’ዚ ቦብ ማርሊ ኣብ ቀጽሪ Harvard University ንሕብረት ኣፍሪቃውያንን ተቓውሞኡ ንኣፐርታይድን ዝጽውዕ ኮንሰርት ኣዳለወ። እታ ምሸት ድማ ብብዙሓት “magical” (እጹብ ተመስጦ ዝምጡ) ዝብል መግለጺ ተዋህባ።
እዚ ኩሉ ዝበለ ቦብ ኣብ ኣኼባታት፡ ቃለ መጠይቓት ወይ ኣብ መደረታት ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ዝፈጸመ ቦብ ብግጥምታቱን ትንግርታዊት ጊታሩን ጥራይ እዩ። ቦብ ብዛዕባ ቃልሲ ክገጥም ከሎ፡ ቀርድዶ ሕረዶ፡ ኣርክቦ ጉመዶ ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ንሱስ ንመሰልካ ተቓለስ ክብል ከሎ፡ ተኩስ ማለቱ ኣይነበረን። ምስ’ዚ ወይ ምስ’ቲ ኣይከውንን እየ ክብል ከሎ ድማ፡ ምስ ዝውስኖ ጠፊእዎ ወይ’ውን ላንጋላንጋ ኮይኑ ምውሳን ፈሪሑ ዘይኮነስ፡ ንክልቲኦም ወገናት ዘለዎ ተቓውሞ እዩ ዝገልጽ ዝነበረ። ኣብ’ቲ ንኽልቲኦም ዝፈሊ ሓጹር ደው ብምባል ከኣ፡ ነቲ ሓጹር ዘፍርስ ግጥምታት ኣፍረየ።
ዝበዝሕ ግጥምታቱ ነቲ ህሉው ቃንዛ እናገለጸ እዩ ንብሩህ መጻኢ ዝጽውዕ። ኣብ’ታ “NO, woman, no cry (ኣይትንብዒ) እትብል ግጥሙ ንኣብነት፡ “ብዙሓት ከፊልና ኢና፣ ኣብ’ቲ ብሩህ ጽባሕ ኴንና’ውን ኣይክንርስዖምን ኢና። ኩሉ ነገር ክማዕራረ እዩ’ሞ ኣይትንብዒ” ብምባል’ዩ፡ ንህልዉን ጽባሕን ዘጣምር። “WAR” ኣብ እትብል ሕደማኡ ከኣ፡ “ንሓደ ክብ ኣቢሉ ንሓደ ዝደቁስ፡ ንሰባት ዝፈላሊ ፍልስፍና ክሳብ ዝሃለወ፡ ኲናት ኣሎ። ማዕረ ፍትሒ ክሳብ ዘይሃለወ ከኣ፡ እዚ ንባዕሉ ኲናት እዩ” ይብል። “WAKE UP AND LIVE” ኣብ እትብል ደርፉ’ውን፡ “ተስእ ተበራበር፡ ብህይወት ድማ ንበር። ህይወት ምልክታት ዝበዝሖ ጽርግያ እያ’ሞ፡ ክትጓዓዛ ከለኻ ሕንፍሽፍሽ ኣይበልካ። ካብ ቅንእን ጽልእን ርሒቕካ፡ ሓሳባትካ ከይቀበርካ፡ ሕልምታትካ ናብ ክውንነት ኣምርሓዮም” ይብል። “ተበራበር ኣንታ ኩሉ ዝክኣለካ ሓፋሽ፡ ዕዮ ይጽበየና ኣሎ፡ ሃየ በብቑሩብ ንስርሓዮ” ብምባል ከኣ፡ “ብሓባር” እትብል ቃል እናደጋገመ፡ በበይኖም ከይብገሱ ይምሕጸን። ዝበዝሑ ግጥምታቱ ከኣ፡ በበይንኻ ኴንካ ዝወሓስ ሰላም ከም ዘየለ’ዮም ዝገልጹ።
ቦብ ማርሊ፡ ንጸላእቱ ክመኽሮም’ምበር ክውንጅሎም ኣይፍትንን እዩ። “እንተጸሪፈዮም፡ መመሊሶም ጸላእተይ ክኾኑ እዮም። ካብ’ታ ዘላትኒ ልቦና እየ ከካፍሎም ዝፍትን” ዝበለላ ቃለ መጠይቕ እውን ኔራ። ኣብ’ታ “GUILTINESS” እትብል ደርፉ’ውን እንተኾነ፡ ነቲ ህዝቢ ንምልባም ደኣ ንዓመጽቲ ይራገም’ምበር፡ ኢዱ ኣወጣዊጡ ዝዘለፎ ኣካል የለን።
“መዓት የውርደሎም ንጨቆንቲ
ጽባሕ ክበልዕዎ’ዮም ናይ ሓዘን ሕብስቲ
እብለኩም ኣለኹ
ንስለ ረብሓኦም ጥራይ’ዮም ዝሓስቡ” እናበለ ግን፡ ነቶም ናይ ሽዑ ገዛእቲ ስርዓታት እናረገመ፡ ነቲ ህዝቢ ከለብሞ ይፍትን።
“Get up, stand up” ኣብ እትብል ውርይቲ ደርፉ ከኣ፡ “ኣንታ ሰባኺ፡ ገነት ትሕቲ መሬት እያ ኣይትበለኒ። ዋጋ ህይወት ኣይትፈልጦን ኢኻ። ደው ጥራይ በል ንመሰልካ” እናበለ፡ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝኣምነሉ ቦታ ገነት ብምንቃፍ፡ “ገነት ኣብ መሬት ድለይዋ፡ ተስኡ ግዳ ንመሰልኩም ሓልውዋ” ይብል።
ኔስታ ሮበርት ማርሊ፡ ዋላ’ኳ ብናይ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ማሕበራዊ ህይወትን ቃልስን ደርፍታቱ ዝፍለጥ እንተኾነ፣ ንጾታዊ ፍቕሪ እውን ሕርሕራይ ጌሩ ገሊጽዎ እዩ።
እዚ ማእለያ ዘይብሎም ሽልማታት ዝዓተረን ብኣፈ-ጨለነት ዘይኮነስ ብልቢ ንሓድነት ዝዝመረን መዛምሩ ሓድነት ክዉን ዝገበሩን ሙዚቀኛ፡ ድምጻዊ፡ ዘያምን ገጣምን ቦብ ማርሊ፡ ነዚ ኩሉ ጥበባዊ ቅያ ክገብር ካብ’ታ እተወልደላ ዕለት ጀሚርካ ናይ 36 ዓመት ዕድመ ጥራይ እየን ኔረንኦ – 06 ለካቲት 1945 – 11 ግንቦት 1981 ዓ.ም። ቦብ ማርሊ፡ እቲ በዓል ተባዕን ርህርህትን ብርዒ!

ኣማኑኤል በርሀ
9ሓምለ2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleደርዘን ሕቶ ንገጠምቲ፡ ፋኑስ ፋኑስ
Next Article ደርዘን_ሕቶ_ንገጠምቲ! ዕላል ምስ ገጣሚ ተስፉ ሓጎስ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?