Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ግጥሚ ከም መድሃኒት

ግጥሚ ከም መድሃኒት

0
By Mekonnen T. on May 30, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣማኑኤል በርሀ

ለይቲ ምድሪ’የ ብቓንዛ ተሲአ። ድሕሪ ቑሩብ ደቓይቕ ዓቕለይ ምስ ወዳእኩ፡ ሓንቲ ቅድሚ 15 ዓመታት፡ ቈናጭለ ዝሸምደድኩዋ ግጥሚ ዓው ኢለ ከንብባ ጀሚረ – ገጣሚኣ’ውን ኣይዝክሮን እየ።

ኣታ ወዲ ቀስ በል – ክንደይ ክጭክን’ዩ
ክንደይከ ይነውሕ እቲ መሳርሒኡ
ኣታ ንቕድም ቀስ ኢልካ ተናኽፎ
ከም ድንዝዝ ምስ በልኩ፡ ንውሽጢ ተሕልፎ፣
እዋይ. . . ! እዋይ መርገም
ጃሕጃሕ ድዩ ክብል ኣታ እቲ ደም?
ቀስ፡ ቀስ፡ ቀስ!
ኤኮ፡ በቲኽካዮ ሰራውራ
ረኺብካያ ኣብ’ታ ኣውራ።
ተመስገን. . . እዋይ ተካል ለይቲ
መጠን ክንድ’ዚ ድዩ፡ እዚ ቃንዛ ኩርምቲ።

ዓው ኢለ እናደጋገምክዋ፡ እቲ twist ending እናስሓቐኒ፡ ዘሊቑለይ ቃንዛ ኩርምቲ። ናይ ብርሃነ ገብረ ሂወትን ናይ ቦኽረን ግጥምታት’ውን ኣብ’ቲ ከብሐይ ኔሩ። ምሉእ ለይቲ ምስ ግጥምታት ከዕልል – ቃንዛይ ረሲዐዮ – ግርም ወጊሓትለይ። ብዘይ እዘን ግጥምታትሲ፡ እንታይኮን ምመሰለት እታ ለይተይ? ብዘይ ግጥሚ ደኣ፡ ሎሚ ለይቲ ኣይምወግሓትለይን።
09/05/2016
***

ግጥሚ ዕንዙዝ ካብ ምዃን ናይ ምፍዋስ ዓቕሚ ከም ዘለዎ እዩ ዝግለጽ። ብዘይካ’ቲ ብቐጥታ ኣብ ሓደ ግጥሚ ዘሎ ፈጠራን ትሕዝቶን፣ ደጋጊምካ ግጥሚ ምንባብ ንናይ ፈጠራ ዓቕምኻ ሓፍ ከም ዘብሎ እውን’ዩ ዝግለጽ። Danielle Ofri ዝብልዋ ሓኪምን ጸሓፊትን፡ “ኣብ ናይ ሕክምና መርመራኮ፡ ውስጠዘታት ኢኻ ክትፈትሕ ትውዕል። ዋላ ምልክታት ናይ ሓደ ሕማም’ውን ብውስጠዘ እዩ ዝርኣየካ። ንሓደ ምልክት ከተነጽሮ፡ ኣብ ውልቃዊ ምልክታት ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ናይ’ቲ ሓኪም እዩ ዝምርኮስ። እዚ ከኣ ምፍታሕ ወይ ምትንታን ውስጠዘታት እዩ። ስለ’ዚ፡ ግጥሚ ንሓካይም ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ንሓደ ሕሙም ካብ ብተራ ዘረባ ክትምዕዶ ወይ ከተጸናንዖ፡ ሞራላዊ ዝኾኑ ግጥምታት ከተንብበሉ ከለኻ እዩ ዝያዳ ተመሲጡ ናብ ውሽጡ ዘእትዎም።” ትብል።

“ኣነ ብተግባር ፈቲነዮ እየ። ዓው ኢልካ ሞራላዊ ግጥምታት ከተንብበሎም ከለኻ፣ ሕማሞም ረሲዖም’ዮም ኣፎም ከፊቶም ዝሰምዑኻ። ይዝከረኒ ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ድኑስ፡ “I’m Gonna Slap Those Doctors” ትብል ግጥሚ ምስ ኣንበብኩሉ፡ ሃንደበት ክስዕመኒ ተሲኡ – ቅድሚኡ ፈጺሙ ካብ ዓራት ተሲኡ ኣይፈልጥን እዩ።” ድማ ትብል። እዛ ናይ Bellevue Literary Review. ዋና ኣሰናዳኢት ዝኾነት ሓኪም፣ እቲ ድኑስ ዝነበረ ሕሙም፣ ብዛዕባ ኣብ ናይ ጥንታውያን ሮማን ግሪኽን ዘንበቦም ገጸባህርያት እናዕለላ፡ ከይተረድኦ ኣብ’ቲ ኮሪደር ነዊሕ ምስኣ ከምዝኸደ ትገልጽ’ሞ፣ ቀልጢፉ ንኽሓዊ እታ ግጥሚ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዝነበራ ትምስክር። ኣብ ብዙሓት መደበራት ሕክምና ከም ዝስርሓሉ ድማ ተዘኻኽር። (How Emotions Affect the Practice of Medicine ኣብ እትብል መጽሓፋ፡ ብዛዕባ’ዚ ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ኣሎ።)

“ዓለም ብዘይ ግጥሚ እንታይ ምመሰለት ካብ ምባል፣ ዓለም ሳላ ግጥሚ እንታይ ትመስል ኣላ ምባል ይቐልል። ግጥሚኮ፡ እቲ እንኮ ብመልክዕ ድምጺ ዝውሰድ መድሃኒት እዩ።” ይብል’ውን፡ ጸሓፍን ፈዋስን Richard Whelan

ግጥምን ቋንቋን ዳርጋ መሳቱ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ። ብዙሓት ሕብረተሰብ ኣብ ግዜ ሓዘን ከም መጸናንዒ፡ ኣብ ፌስታታት ድማ ከም መዳመቒ ዝጥቀሙሎም ያታዊ ግጥምታት ኣለዎም – ካብ ጥንቲ ዝጀመረ። ከም’ዚ ሎሚ ብዙሓት ናይ ስነ ኣእምሮ ሓካይም ክጥቀሙሉ ከይጀመሩ እዮም’ምበኣር፡ ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰብ ብኸም’ዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ከም መድሃኒት ዝጥቀሙሉ ኔሮም።
ኣብ ባህልና ዝዝውተር “ወየ/መልቀስ”፡ ግሩም ኣብነት ፍወሳ ሕዙን-ስምዒት እዩ።

29ግንቦት2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“ምስ ገጠምቲ ክትላለ የብልካን” – ኦሾ
Next Article ኣልዓለኪ፥ ኣንበረኪ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?