Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 29, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ግጥሚ ኣሳሪ ማእሰርቲ!

ግጥሚ ኣሳሪ ማእሰርቲ!

0
By Mekonnen T. on March 18, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ጸጋይ መሓሪ ( ተመርዖ)

ዝኽሪ ውሽጢ ብመጽሓፍ ግጥሚ “ሓወልቲ”

” ኣብ ትቓዝነሉ ኣብ እዋን ቁዛመኻ
ምስለይን ስመይን ዘክሮ’ ሞ ኢኻ
ልበይ ዘይረሳዒ ልበይ ዝልብኻ
ወትሩ ምሳኻ’ሎ ድሓን’ ታይ ግድኻ….’
ነዛ ነዚ ዝኽሪ ኣብ ሂወተይ ክስነድ ዝገበረት መጽሓፍ ንብራኼ ሞራለይ ሂወቱ ኣብ ፈተና ኣእትዩ ዘምጻኣለይ ብኽብሪን ብፍቕርን እናዘከርኩ ፡ ብፍሉይ ድማ ነታ ካብቲ ጸላም ባዓቲ ናብ ብርሃን ዘውጽኣትና 19 መጋቢት 2013 እናዘከርኩ፡ እዛ ዝኽሪ ህያብ ንስድራቤት ፍቕሪ ስድራቤት ሂወተይን ንመናብርተይ ናይቲ ዝዝክሮ ዘለኹ ሂወትን ክትከውን ብምውፋይ ናብ ዝኽረይ ይውሕዝ ኣለኹ።

ጸጥታ ሸላታታት ማይ ስርዋ ሃንደበት ተሳዕረ። ‘ምሳሕ ምሳሕ!” ኣድምጸ መጋባይ። እቲ ይትረፍ ክበልዖ ክርእዮ ዝጽየኖ ዓደስ’ዩ ። ግን ኣብ ግዜ ምሳሕ ዝጽበዮ ነይሩኒ’ዩ ሽዑ። እቲ ኣብዚ ህሞት ከማይ ኣብ ዓዲ ሓርነት ዝርከብ ሂወቱ ንሞራልና ሰዊኡ ፍቕሩ ዝምግበና ዝነበረ ምእዙዝ ድምር በለኒ ምስ ዓደሱ። የማን ጸጋም ቁሊሕ ኢሉ፡ ካብ ማዓጥቕኡ ሰለስተ ውሑድ ገጻት ግን ንማእሰርቲ ዝኣስር ትሕዝቶ ዘለወን መጻሕፍቲ ድርብይ ኣቢሉለይ ከደ። ብሓጎስ ጸገብኩ። ተምበርኪኸ ንላዕሊ ኣምስገንኩ። ንምእዙዝ ዝብለካ የብለይን ብኣምላኽ ርኸቦ በልኩዎ። ‘ ሰብ ዝሰኣነት ሰብ’ ሓጸርቲ ዛንታት ዝሓዘት ብሳሚኤል መንግስትኣብ፡ ‘ዝሑል ኲናት’ ብዓብዱሰላም ዝተጻሕፈት ታሪኽ ጠቀስ ልቢ ወለድ፡ ‘ሓወልቲ’ ብበየነ ሃይለማርያም ዝተተርጎመት ግጥምታት ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ዝሓዘት መጽሓፍ ነበራ።
ኣብቲ ቦታ ክሳራ ዝኸሰብኩዎ እንተዳሃልዩ መጻሕፍቲ’ዩ። ፍቕሪ ሰባት ድማ። ሓይሊ እግዚኣብሄር ድማ ብዓብይኡ። መጽሓፍ ዘምበብኩካ መዓልቲ ካብቲ ዝባኸነ ዕለታት የውጽኣ’የ። ኮነ ድማ እታ መዓልቲ ‘ውን ካብ ብኹን ዕለታት ኣውጽኣኹዋ። ካብ ከም ውላዳ እተሕንቅቐኒ ዩ መጺኡኒ እቲ መጻሕፍቲ።
ዓቕሊ ኣይገብርኩን፡ ምሰሐይን ድራረይን ረኺበ’የ።
ብቀጥታ ናይ ግጥሚ መጽሓፍ ገንጸለኩ።

‘ታይ ኣጉሃየካ ‘ታይ ኣቖጣዓካ
ሕልምኻ ኣይሰመረን? እሞ ‘ንታይ ግድኻ
ዓሚ ዝሓለፈ ኣይትቑጸር ውድቀጥካ
ተስፋ ኣይትቑረጽ ክትምጽእ ‘ያ ጽባሕ
ሽግ ሓጎስ ኮይና ንቕድሚት ክትመርሕ።

ምስ ነበብኩ፡ ምእሳረይ ረሳዕኩ። ፈለግ ሞራልን ተስፋን ኣብ ውሽጠይ ዛረየ። እትው ካብ ዝበልኩሉ ጀሚረ ግጥሚ እቲ ንሓርፋፍ ሂወት ሸላ ማይስርዋ ዝስዓረይለይ ዓርኪ ሂወተይ’ዩ ኔሩ። ሽዑ መዓልቲ ግን ፍሉይ ሓይሊ ውሽጢ ተሰምዓኒ። ፑሽኪን ከምዚ ናትና ሂወት ዝሓለፈ’ዩ። ኣብ ቦታ ክሳራ ዝኸስቦም ግጥምታቱ ‘የ ዘንብብ ኔረ። ወኒ ግጥመይ ተበራበረ። ንጽባሕ ናፈቕኩዋ። ሽግ ሓጎስ፡ ሽግ ሓርነት ሒዛ ደበኽ ክትብለኒ። ገጽ ታ መጽሓፍ ገንጸልኩ። ‘ ንገጣሚ’ ኣብ እትብል ግጥሚ መንፈሰይ ኣቖምኩ።

ትዳነ’ ዶ ንስኻ ትዳኒ እምበሪ
ትስለም’ዶ ንስኻ ኣንታ ዑንቊ ባሕሪ
እሞ ሰባት ዓያሹ ነዚ ዘይርድኡ
ኣብ ቅድሚ ታቦትካ መጺኦም እንተ ተፍኡ
ሕድግ ኣብለሎም ጸወታ ቆልዑ’ዩ።

ብኡነት ሽዓ ሓዲገሎም ነቶም ግጥሚ ኪኖ ሚሳይል ዘባህርሮም ፡ ሓለውቲ መንበር። ኪኖ ሞራልን ተስፋን ጸጋ ሕድገት መሃረኒ ፑሽኪን። ኣፍቃሪን ተኣዛዝን ግጥሚ ምኹን ክንደይ ይምቅር በልኩ። ነቶም ባህረያዊ ሓርነትና ዝመንዝዑና ሓራ ኩኑ በልኩዎም። ሓደግኩሎም ሞ ሰላም ኣእምሮ ረኸብኩ።

ሽዑ መዓልቲ ኣብ ሸላይ ኣይነብርኩን። ብኣኽናፍ ግጥምታት ፑሽኪን ኣብ ሰማይ ሓርነት፡ተስፋን ሞራልን ይበርር ነበርኩ። ምብራር ኣብ ረቂቕ ሰማያት ግጥሚ፡ ኣብ ግጥሚ ኣሳሪ ማእሰርቲ።

ኣብ መንቀራቕሮ ሞት
ዘይወግሕ ድቕድቕ ጸልማት
ኣይፍለጥን እንተ ረኣኹ ዘጭለምልም ተስፋ
ክነብር የ ወሲነ ክሳብ መጨርሽታ።

በዛ ግጥሚ ናብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ተመልስኩ። ናብቲ ብፌሮ ኢደይ ከም ጎማ መኪና ዘተኣስረሉ’ ሞ ዙረት ደመይ ንዝተወሰነ ደቓይቕ ዘቋረጸሉ ጸሊም ምሸት። ‘ሰብ ኣበይ ኣሎ’ እትብል ኣብ 2007 ዝጸሓፍኩዋ ሞ ኣብቲ ምሸት ምኽንያት እቲ ሞት ዝሰዓምኩሉ ህሞት ነብረ። ብሓቂ’የ ዝብለኩም ሽዑ ከይመውት ኣይፈራሕኩን፡ ግን ከም ኣርቲስት እንታይ ሰሪሐ’ የ ክመውት ብምባል ሓሪቐ። ግን ድማ ክሳብ መጨርሽታ ክነብር ደልየ። እዚ ተስፋ ዝተምልአ ድላይ ድማ ነቲ ጸሊም ምሸት ኣብርሃለይ። እቶም ስጋ ዝለበሱ ሰይጣውንቲ ገረፍቲ ኣብ ነብሰይ ክስዕስዑ ከለዉ ጸሎትን ‘ከም ቆሎ መሻላ’ ግጥሚ በየነ ሃይለማርያምን ይደጋግም ነብረኩ ብውሽጠይ። ግጥሚ ሓይሊ ውሽጢ፡ ግጥሚ ኣሳሪ ማእሰርቲ። ካብዛ ግጥሚ ዝፈጠረቶ ኣስትንትኖ ወጽየ ገጽ መጽሓፍ ‘ሓወልቲ’ገንጸልኩ።

ኣብቲ ድቕድቅ ጸላም መልኣከ ሞት ከንጸላልወካ
ተስፋ ንጓሂ ኣዳህሊላ መብረ ክትፈጥረልካ
ኣዒንትኻ ክፈት ጽልምት ኣይበልካ
ጽባሕ’ዛ ጽባሕና ምስ ሓድሽ ተስፋኣ
ቅጭጭ ኣይበልካ ክትወግሕ እንድያ።

ግጥሚ ተስፋ ወለደ። ተስፋ ንሰማያት ጽባሕ ኣጠመተኒ። ኪኖ ሽዑ ዝነበረ ሓበጀረዋይ ሰማይ ሂወት ድማ ነዚ ሕጂ ዘለኹዎ ሰማይ ሓርነት ኣጠመትኒ። ግደ ሓቂ ሕጂ ውን ናብቲ ስፍራ ውጹዓት ምስ ገሽኩ’የ። ናይ ሸላ መናብርተይ ኣብታ ክልተ ስድሪ ዝግፍሓ መስኮት ቆይሞም ንዓለም 180 ዲግሪ ጥራይ እናረእዩዋ ይርኣዩኒ። ግን ኣብቲ ስዓት ዘይነበረኒ ሓርነት ዘርእየትኒ ንግሒ ብመንፈስ ትብጽሓዮም ሕጂ፡

ማዕጾታት ስበሮ ደርብዮ ሰንሰለት
ንእሱርን ኣሳርን ዝሓቁፍ ብማዕረ
ሓርነት የድሂ’ ሎ ደው ኢሉ ኣብ ኣፍደገ።

መጽሓፍ ግጥምታት ‘ሓወልቲ’ ሽዑ መዓልቲ ሓወልቲ ተስፋን ሞራልን ኣብ ውሽጠይ ሃነጸት። ሂወት ምስ ክሉ ገጻታ ኣፍተውትኒ። ንሂወተይ ብተስፋ ኣውሒዛ ናብ ጽባሕ ፡ብካልእ ኣዘራርባ ናብ ሎሚ ኣውሓዘታ። ግጥሚ ወሓዚ፡ ግጥሚ መውሓዚ’ዩ። ሓንሳብ ሓንሳብ ንግጥሚ ክረክብ ናብ ሸላ ማይ ስርዋ ዝኣተኹ ኮይኑ ዩ ዝስምዓኒ።

ኣብ ሂወት ንሂወትካ ኣብ ፈተና ኣእትያ ኣለኹ ዝብለልካ ጸውዕ ኣብ እትበልካ ህሞት እተፍቅሮ ሰብ ኣብ ውሽጥኻ እንድሕር ሃልዩ ንሂወት መልሲ ኣለካ። ፍቕሪ ሳዓሪ ሽግር’ዩ። ፍቕሪ ፈጣሪ ግጥሚ’ዩ። ግጥሚ ድማ ኣሳሪ ማእሰርቲ። ኮነ ድማ ፑሽኪን ከምዚ ኢሉ ገጠመ ሞ ንፍርሒ ሽግር ስዓረ። ንዓይ ውን ጸግኡ ብግጥሙ መቐለኒ።

ኣብ ኣኽራናት ጆርጅያ
ኣብ ጫፍ ኣብቲ ጸውታ
ድቃስ ወሲድዎ
ጸላም ባዕሉ ከውታ
ድምጺ ኣራዊት ነቁዩ
ዘሰምብድ ስምዕታ!!!

እዋእ…
ቅድም ገሪሙኒ ከመይ’ሲ ከመይሉ
ካብ ፍርሓተይ እኮ’ዩ ትብዓተይ ሓይሉ
ብኡ ንብኡ ግን በሪሁለይ ኩሉ

ኣብቲ ውሽጠይ ለካ ንስኺ ኢኺ ኔርኪ
ትጸናጸንዮ ንልበይ ኣድሂኺ
ዘይምፍርሐይ’ሲ እምባኣር ንሱ’ዩ
እሞ ከኣ ጥዑም’ዩ
ኣይፍቕሪ እንድዩ
ከምኡ’ዩ።

ነተን ቀዳሞት ነግሕታት ብቅርጺ ሸላታት ማይስርዋ እናቐይርኩ፡ ነታ ኣብዛ ግጥሚ ዘላ ኣፍቃሪት ድማ ነቶም ኣፍቀርቲ ሂወተይ ብድምሮም፡እናተካእኩ’የ ኣምቢበየ። ሓደ እዋን ውን ኣብታ man searching for meaning እትብል መጽሓፍ ኢማኑኤል ፍራንከል፡ እትፈቅሮ፡ እትናፍቖ ሰብን ንስኻ ጥራይ ክትዛዝሞ እትኽእል ዕዮ ገዲፍካ እንተተኣሲርካ ንዑኡ ትናፍቖ ሞ ንጽባሕ ክትነብር ትህንጠ። እዚ ህንጡየንት’ዚ ድማ ንህልው ህላወኤኻ ዘሎ ጸላም ስዒሩ ብርሃን ጽባሕ ከም እትርኢ ከምዝገብረካ ኣምቢበ ኔረ። ንሱ ካብቶም ምስኡ ኣብ መህለቒ ሰብ ዝነበረ ማዕስከር ሂትለር ዝነብሩ መተእስርቱ ስለምንታይ ነብሰ ቕትለት ዘይፍትኑ ምስሓተቶም ዝረኸቦ መልስታቶም ምዃኑ፡ ኣብታ መጽሓፉ ሰኒድዎ ኣሎ። ኣነ ውን ከምኡ ነበርኩ። ናፍቖት ዘፍቅሮም ስድራቤት ሂወተይ ንጽባሕ ከምዝህንጠያ ኣኽኣለኒ። ስለዚ ምንፋቕ ኣብ ሂወት ኣዝዩ ኣገዳሲ ‘ዩ። ምንፋቕ ንሂወት ዋሓዚት ይገብራ። ኪኖ ሎሚ ናብ ጽባሕ የዛርያ።

ክብሪ ንምእዙዙን ነታ ከም ውላዳ እተሕንቅቐንን ኣፍቃሪት ግጥሚ ይኹን ሽዑ መዓልቲ ተኣሲረ ከለኹ ተፈታሕኩ። ሰይፊ ግጥሚ ንጠነግ ማእሰርቲ በጣጠሰለይ። መንፈስካ እንተቐሲኑ ቃንዛ ስጋ ተሰዓሪ’ዩ። ነዚ ሽዑ ብዝያዳ ኣስተማቐርኩዎ። ንፑሽኪንን ንበየነ ሃይለማርያምን ድማ ብስምቲ ሽዑ ዝፈጠሩለይ ሓወልቲ ሞራል ኣመስገንኩዎም።

ግጥምታት መጽሓፍ ግጥሚ ሓወልቲ ኩሉ ርእሱ ዝኽአለ ሓወልቲ ግጥሚ ዳ ይኹን እምብረ፡ ከምቲ ኮኾብ’ ዉን ካብ ኮኾብ ይበልጽ’ዩ ዝተባህለ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ካብ ዘለዋ ዒስራ ግጥምታት ከም ኣርእስታ ሓወልቲ ዝኾነት ግጥሚ ምስ ነበበኩ፡ ብሓቂ ሞት ከም ኣዳም በልኩ። ከምዚኣ ግጥሚ ምስ ጸፍኩ ብፍላይ እንተኮይኑ እቲ ሞት ትርጉም ዘለዎ’ዩ በልኩ።
ብምውትካ ብጥበብካ ንብሂወት ዘለዉ ግን ብሓርነት ንዝሞቱ ሰባት ሂወት ምሃብ ካብ ዝዓቢ ካልእ ትርጉም ናይ ሂወት እንታይ ክህሉ ኢሉ። በሉ ኣፍቀርቲ ግጥሚ ክሳብ ወነይ ዝነዋንወኒ ወይ ገጻት ዕለታዊ ዝኽረይ ክሳብ ዳግማይ ዝግንጽል፡ ነታ ሓወልቲ ተስፋን ሞራልን ዝሃንጸት ግጥሚ ሓወልቲ ብምግባዝ መሪር ምቁር ዝኽረይ ክዛዝሞ። ግጥሚ ኣሳሪ ማእሰርቲ።

ሓወልቲ

ሓወልቲ ኣቚመ ንባዕለይ ንዝኽረይ
ካብ ናይ ኣሌክሳንደር ዓንዲ’ውን ዝፍለይ
ኩዕንን ውጥሕ ኢሉ ብወጅሂ ዘጌጸ
እሞ ብኢደ ሰብ ከኣ ዘይተሃንጸ
ንቕያ ዘበለ ቀው ኢልካ ዝጥመት
ሰባት ዝነግድዎ ወትሩ ዘንትእለት።

ፈራሲ ኣካለይ’ ንተ ሰፈረ ኣብ መሬት
ክሳብ ዘይተረፈ ተቐናዪ ማለት
ዜማ ግጥምታተይ ከም ናይ ክራር ህርመት
ወርትግ ክነብር’ዩ ከይሞተ ብህየት።

ደቂ ደቆም ንስላቭ ከምኡ’ውን ንፊን
ካልሚክ ‘ ንተ በልካ ጨካን ‘ ቲ ንጉስን
ኣብ ምልእቲ ሩስያ ስመይ ክሃብብ’ዩ
ወዲ ዓዲ ኩሉ ዝናይ ክነግር’ዩ።

ንዝተበደሉ ሓላፋይ ንዘይብሎም
ስለ ዝመጎትኩ ኮይነ ኣብ ክንድኦም
ሞያይ ከፍቅርዎ ክነብሩ’ዮም ገና
ስለ ዘሕደርኩሎም ናይ ናጽነት ቃና።

ጻማ እንታይ’ ለዮ ሞሳ እንታይለሉ
ሕሜታ ወቐሳ’ ታይ ክዝክረሉ
ኣምላኽ ዝፈቕውዶ ግና ክንዲ ኩሉ
ስመይ ክትከል’ዩ ቀጥ ኢሉ ትኽ ኢሉ።

ስም ፑሽኪን እንሆ ሓርነት ኣብ ዝስመየሉ ህሞት ቀጥ ኢሉ ትኽ ኢሉ እንሀለ። “ታሪኽ ሂወት ገጣሚ ኣብ ግጥሙ ኢኻ እትረኽቦ እቲ ካልእ መወሰኽታ ‘ ዩ” ዝብል ኣዘራርባ ብግብሪ ዝነበሮ ገጣሚ ዩ ንዓይ። ካብቲ ስንግጢርነትን ምስሉይነትን ብግጥሚ ዝብህሩሩ ሓለውቲ መንበር ግን ሓወልቲ እቲ ‘ሓርነት ባህረያዊ ጸጋ ወዲ ሰብ’ዩ’ እናበለ ምእንቲ ሓርነት ድማ ክሳብ ኣብቲ ቀዝሒ ሳይበርያ ዝተእስረ ፑሽኪን ኣብዛ መንግስተነታን ሓርነታን ካብ ህዝባ ዝተሰርቃ ዓድና ሓወልቱ ተኺሎም ምህላዎም’ዩ። ምዃን ወኻርያ’ውን ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር’ያ። ግጥሚ ኣሳሪ ማእሰርቲ ምዃኑ ግን ዘልኣለማዊ ‘ዩ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን፡ በብዓይነቱ! (4ይ ክፋል)
Next Article ካብ ከብሒ ግጥምታትና
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?