Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ግድል ኣሎ … ፍታሕ ኣሎ

ግድል ኣሎ … ፍታሕ ኣሎ

0
By Mekonnen T. on September 13, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መሃወኑ’ዩ ጠፊኡዎ

ሓቂ ክነሱ ሓሳዊ በዚሑዎ፡

ይምስራሕ ኣሎ ታሪኽ

ይጥፍጠፍ ይስናዕ

በቲ ሓደ ይምናህ

በቲ ሓደ ይምናዕ።

መርፍእን ፈትልን ዘየዋስብ

ሕሉፍን መጻእን ንኸላግብ፡

ኣበይ ደጀን መዋፈሪ

ኣበይ ርእሲ ኣበይ እግሪ

ዘይፈላሊ፡

ከይሓሓየ ከይበቈጸ

ድሑርን ቅዱምን እናሓናፈጸ

እናወሰኸ ድዩ እናነከየ፡

ኣይብጭብጥን ብሃውሪ

ንዘይወዓሎ ኣሎ የውሪ።

እቲ ስቕታኻ በለው ከለው

ይዕድም ኣሎ ንሃለውለው፡

ኣፍ ከፊትካ ዘይትዛረብ

ምስጢር ሓቚፍካ እትዕዘብ

ክሳዕ መኣስ፧

ምዃን ዓባስ!

ቈሓይቶ እውን መልስ ሕቶ

እትፈትሖ ግድል ኣሎ

እቲ ከርስኻ ዘይትኸፍቶ፧

መቓብር ግብጺ፡ ሓጽቢ ሳፊራ

ኣዳራሽ ሳባ፡ ጽኑዕ ስፍራ፡

ምቕልል ኢሎም ምስ ሰብ ሎሚ

ዘየዋግዑ ወግዒ ጥንቲ።

ሓወልቲ ከስከሰ፡ ሓወልቲ መጠራ

ስልማትኩም ፊደል ዓቢ ግርማ

ትም ዶ መሪጽኩም፧

ጓኖት ፊደል ምስ ረኣኹም!

ንዓኻ’የ ዑና ተኾንዳዕ

እናረኣኻ ሰብ ክግዳዕ፡

ፍኑው ሃውሪ ንኽትቀጽዕ

ሃጓፍ ፍልጠት ንኽትመልእ

ዘይትመክር ዘይትዛተ

ምስ ስእለ-ጥንቲ ናይ ሕሽመለ።

ስሉም በዓቲ

ኣይትስበሮ ኢድ ሰኣልቲ፡

ዓዲ ኣይትውዓል ኣብ ቀብሪ ሓሶት

ኣዘንትወሎም ነቶም ጓሶት።

ከርሲ ሰምበል

ገለ’ንዶ በል

ገጫጭቦም ካብቲ ጸበል!

ተንስእ’ባ ኣዱሊስ

ካብቲ ዓሚቝ ድቃስ፡

ኮቦርታኻ ቀንጥጥ

ጽውጽዋይ ቀቢርካ

ንመሬት ኣንቀጥቅጥ!

ስቕታስ ኣይመፍትሕን

ብዓቢኡ ግን ይኽደን

ከማኻትኩም ከይዕዘም

ከይስዕበኩም ደንደን!

***************

ብርሃነ ገብረህይወት

12/09/2017

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleደርፊ ኣይትተሃመል : ኮሓልቲ መሲለን መንቆርቲ 
Next Article እቲ ብሕጊ እንዳባ ዝምካሕ ነቲ ዓንቀጻቱ’ውን ከኽብሮን ክስረዓሉን ይግባእ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?