Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ግጥምታት»ገጣሚ፡ ንገጸባህርያቱ ብቋንቋኦም እምበር፡ ብቋንቋኡ ከዛርቦም ኣይግባእን

ገጣሚ፡ ንገጸባህርያቱ ብቋንቋኦም እምበር፡ ብቋንቋኡ ከዛርቦም ኣይግባእን

0
By Mekonnen T. on October 15, 2017 ግጥምታት
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሲስ ማሳዋ

ዝኾነ ዕዮ ስነ ጽሑፍ ብቃላት ዝቘመ’ዩ። እቶም ቀንድን ቀዳሞትን ናይ ስነ ጽሑፍ መሳርሒታት’ውን ቃላት’ዮም። ሓሳባትካ ወይ መልእኽትኻ ካብ ውሽጢ ናብ ደገ ብቃላት ይጓዓዓዙ። መጓዓዝያኻ ጽፉፍ ምእንቲ ክኾነልካ ድማ እትመርጾም ቃላት ኣዝዮም ኣገደስቲ ይኾኑ። እቲ ምንታይሲ፡ ኣብ ዘይምዓልኡ ዝወዓለ መሳርሒ ንዕዮኻ ክሸራርፈልካ ወይ’ውን ክድውነልካ ስለዝኽእል። ኣየናይ ቃል ንኣየናይ ሓሳባት ይስከመልካ ብጥንቃቐ እንተዘይተመሪጹ ግን፡ ሓሳባትካ ኣብ ጕዕዞ ክዝረዉ ወይ ክበታተኑ ይኽእሉ። ስለ’ዚ ኢዩ ከኣ ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣመራርጻ ቃላት ወይ ዲክሽን ዓቢ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዘለዎ።

Diction(ዲክሽን)፦ዲክሽን፡ ብ 2 ባእታታት ዝቐውም(ቃላትን፣ ኣገባብ ኣዃኹዓን) ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ኣመራርጻ ቃላትን ኢልና ንትርጉሞ፣ ነታ ቃል ምምራጻን ግቡእ ቦታኣ ምርካባን ማለት’ዩ ኣብ ግጥሚ።

እቲ ቀዳማይ ባእታ ’ቃላት’፦ ኣብ ግጥሚ ክንርእይ ተኾንና እቶም ቃላት ፍኹስ ዝበሉ ድዮም ወይሲ ውስብስብ ዝበሉ ክንፈልጦም የድልየና። ገለ ቃላት ቅልል ዝበለን ንጹር ትርጉምን ክህልዎም ይኽእል። ግሊኦም ድማ ሓንት ቃል ክንሶም ብዙሕ ትርጉምን መልእኽትን ዘለዎም፡ ኽብድ ዝበሉ ክኾኑ ይኽእሉ።

እቲ 2ይ ባእታ ናይ ዲክሽን ’ኣገባብ’፦ ነቶም ቃላት ድሕሪ ምርኣይና፡ ናብዚ ባእታ እዚ መጺእና ድማ፡ እቶም ቃላት ብኸመይ ኣገባብ ተሰዂዖም ከም ዘለዉ ምፍላጥ የድልየና። ገጣሚ ብ 2 ኣገባብ ቃላትቱ ክሰኩዕ ይኽእል። ’ተራ’ ኣገባብ ፥ ከምኡ ’ ውን ’ዘይልሙድ ኣገባብ።
ተራ ኣገባብ ኣሰዃኹዓ ቃላት ኣብ ግጥሚ፡ከምቲ ልሙድ ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን ናይ ሰባት ጌርካ ምስዃዕ ማለት’ዩ። እቲ ’ዘይልሙድ ኣገብ’ ኣሰዃኹዓ ቃላት ኣብ ግጥሚ ንብሎ ድማ ፡ ካብቲ ልሙድ ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን ሰባት ዝወጸ(ዝተፈልየ) ጌርካ ቃላትካ ምስ ትሰኩዕ እዩ። ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን፡ ኣገባብ ኣሰዃኹዓ ደኣ ይፈላለ እምበር እቲ ትርጉም ክጠፍእ ኣይግበኦን። ንኣብነት፦
1) <ተዃሉ ዓድና ፡ በሊዖመን ንጥሪትና> ፡ እዚ ’ተራ ኣገባብ ኣሰዃኹዓ ቃላት’ ክንብሎ ንኽእል።
2) <ንጥሪትና፡ በሊዕመን ተዃሉ ዓድና> ፡እዚ ከኣ እቲ ’ዘይልሙድ ኣገባብ ኣሰዃኹዓ ቃላት ’ክንብሎ ንኽእል።

ዲክሽን ኣብ ግጥሚ ብዝግባእ ምስ ዝዕየየሉ፡ ማለት ኣመራርጻን፣ ኣገባብ ኣሰዃኹዓ ቃላትን፣ ብሓንሳብ ምስ ዝሓብሩ(ዝወሃሃዱ) ፥ ን ገጸባህሪ(ጠባይ) ናይቲ ኣዘንታዊ ተኣማኒ ኣብ ምግባር ዓቢ ግደ ይጻወቱ። ወይ ከኣ ንቃና(tone) ናይታ ግጥሚ ዓቢ ግደ ይህልዎ። ብ ዲክሽን ዝተፈጥረ ቃና ኣብ ግጥሚ ከኣ፡ ን ኣንበብቲ ርጉጽ ዝኾነ ስምዒታት ከም ዘምጽኣሎም ይገብር። ኣንበብቲ ብ ቃና ናይቲ ግጥሚ ኣቢሎም፡ ናይ ናፍቖት ፥ ፍቕሪ ፥ ጽልኢ ፥ ሕርቃን ፥ ሓጎስ ፥ ሓዘን ፥ ጭካነ ፥ ድንጋጸ ፥ ትብዓት ፥ ፍርሒ ፥ ኣግርሞት . . . ወዘተ ስምዒታት ክስምዕም ይኽእል። ብዘይካ እዚ ’ውን ቃና ፡ ስምዒት(ሙድ) ናይ ሓንቲ ግጥሚ ይፈጥርን፣ ኣብ ቴማኣ ’ውን ኣስተዋጽኦ ይህልዎ። ንሓንቲ ግጥሚ ንኽትርድኣ ድማ ይሕግዝ።
እምበኣር ዲክሽን፡ ገጸ ባህሪ ኣብ ግጥሚ ተኣማኒ ኣብ ምግባር ዓቢ ግደ ካብ ሃለዎ፣ ገጣሚ፡ ንገጸህርያቱ ኣብ ግጥሚ ብ ቋንቋኦም ደኣ’ምበር ብ ቋንቋኡ ከዛርቦም ኣይግባእን። ነዚ ድማ ብዝመርጾም ቃላት ክገብሮ ይኽእል።
ንኣብነት፡ ጠባይ ኣብ ሓንቲ ግጥሚ ህጻን እንተ ኾይኑ፡ ህጻን ክዛረቦ ብዝኽእል ቋንቋ ደኣ ክዝንቶ ኣለዎ እምበር ፡ብዝተንቀባረር ቋንቋ ገጣሚ ምስ ዝዝንቶ፡ ተኣማንነት ’ቲ ጠባይ ጠፊኡ ፥ ቃና ደኺሙ ፥ ሙድ ናይ ግጥሚ ተዘሪጉ ፥ ኣንባቢ ኣብ ስምዒት ክኣቱ ተኽእሎ ኣይህሉን። ወይ ’ውን ገጸ ባህሪ ኣብ ግጥሚ ሓደ ሓዘንተኛን ጉህይን እንተኾይኑ፣ ገጣሚ፡ ገጸ ባህሪኡ ሓዚኑን ጉህዩን ምህላዉ ብቋንቋኡ ዘይኮነ ክገልጸልና ዘለዎ ፥ እቲ ጠባይ፡ ብቋንቋኡ ጌሩ ሓዘኑን ጓሂኡን ከም ዝስምዓና’ዩ ከዘንትወልና ዘለዎ።

ካልእ ድማ፡ ጠባያት ኣብ ግጥሚ ኣብ ምዕራባዊ ሃገር ወይ ኣብ ዓረባዊ ሃገር ተወሊዶም ዝዓበዩ ምስ ዝኾኑ፡ ዋላ ’ውን ናይ ትግርኛ ግጥሚ ይኹን፡ እቶም ጠባያት ክዛረብዎ ወይ ክስዕሮም ዝኽእል ናይቲ ዝዓበየሉ ቋንቋ፣ ገለ ቃላት ኣብ ግጥሚ ምስ ዝርከብ፣ ግጥሚ ትግርኛ ናይ ባዕዲ ቃላት ስለ ዝተሓወሶ ከም ኣበር ወይ ድኹም ክፋል ኣይቁጸርን። ብኣንጻሩ ደኣ’ኳ ሓያል ጎኒ ናይታ ግጥሚ ይኾኑ። ምኽንያቱ ብ ቋንቋኦም ገጸባህሪኦም ከተለሊ ስለ ዘኽእሉኻ። ብኡ ኣቢሎም ’ውን ንረብሓታት ዲክሽን ስለ ዘንጸባርቑ ኣብታ ግጥሚ። ስልዚ እምኣር ባዕዳውን ቃላት ዝተሓወሶ ግጥሚ ትግርኛ ፡ከም ድኹም ወይ ክኸውን ዘይነበሮ ኢልና ፍርዲ ቅድሚ ምሃብና ፥ ንገጸባህሪ ናይቲ ግጥሚ ኣለሊና ምስ ኩነታትን ቋንቋን ’ቲ ጠባይ ዝሳነ ድዩ ኣይኮነ ኢልና ነቲ ዛንታ ክንርድኦ ኣለና።

ጽቡቕ ናይ ዲክሽን ኣብነት ክኾናና ዝኽእላ ግጥምታት፦

ቤት ማእሰርቲ

ቤት ማእሰርቲ
እስር ቤት ነበረት
እስር ቤት
ፕሪዝን ነበረት
ፕሪዝን
ካርዜማ ነበረት
ኤርትራውያን ጀጋኑ
እናሓየረት እናሓየረት
ስም ደኣ እምበር ግብራስ ነይቀየረት።

ዶክ. ርእሶም ሃይለ

እብዛ ሓጻር ግጥሚ ዘለዉ ቃላት እንተ ርእይና፡ ” ቤት ማእሰርቲ ፥ እስር ቤት ፥ ፕሪዝን ፥ ካርዜማ” ዝብሉ ቃላት ብ 4 ቋንቋ (ትግርኛ ፥ ኣምሓርኛ ፥ ኢንግልዘኛ ፥ ጥላነኛ) ዝተጻሕፉ ፡ ክንዮ እታ ’ቤት ማእሰርቲ ትብል ሓንቲ ትርጉሞም፡ ንኻልእ ውክልና ተሓሲቦም ዝተመርጹ ፥ ብግቡእ ኣገባብ ዝተሶኽዑ ቃላት’ዮም። ካብታ ’ካርዜማ ጀሚራ ክሳዕ ’ታ ቤት ማእሰርቲ’ ትብል፣ እቶም ሓደ ድሕሪ ሓደ እናተቀባበሉ ንኤርትራውያን ጀጋኑ ዝሓየሩ ገዛእቲ ፦ መግዛእቲ ጥልያን መ. ኢንግሊዝ ፥ መ. ኢትዮጵያን፣ መ. ህግደፍን(ቋንቋ ዝቀየረ ገዛኢ)፡ ብውክልና በብቋንቋ ተገሊጾም ኣለዉ ኣብዛ ግጥሚ። ጥበብ ናይ ገጣሚ ድማ’ዩ እዚ። ኣብዚ እምበኣር’ዩ ሓይልን ጽባቐን ዲክሽን ዝጎልሓልካ።
፨ . ፨ . ፨
2ይቲ፡ < ’ነቦኻ> ትብል ግጥሚ ሳባ ኪዳነ ፡ ዛንታ ሓንቲ ውጽዕቲ(ህጻን ወዳ ሒዛ ትልምን) ኣደ፣ ኣብ መንጎ እታ ኣደን ወዳን ዘሎ ዝርርብ ፡ን ጠባይ ናይቲ ቆልዓ ተኣማኒ ዝገብሩ፡ ዘይ ብቋንቋ ገጣሚት፣ ብልሳን ’ቲ ህጻን ዝዝረቡ ከብድኻ ዝበልዑ ፥ ሂወት ናይታ ግጥሚ ካብ ዝኾኑ ቃላት ’ውን ጥበብ ዝሓለፎም ጽቡቕ ኣብነት ናይ ዲክሽን’ዩም። ገለ ካብ ግጥሚ <’ነቦኻ>፦

“ማማየ’ቲ ጅንሒ ከልኤኪ”
“እንታይ?”
“ከምጂ”
ዝጸምለወ ገጻ ተስፋ ተቐልቂሉዎ
ጻውቱ ርእያ ስሓቕ ክትክውሖ
ኣብ ተጠንቀቕ ኢያ ነይራ
ተዋዲዱ ፍቕራ
ንሱ ከም ናታ ስለ ዝኸኣለ
ፍንጭሕጭሕ እናበለ
“ሽለ ማልያም” ኢሉዋ ኢዱ እናሰደደ. . .

፠ . ፠ . ፠ . ፠

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምስትምቓር ደርፊ ተሓምበለ
Next Article ኣብ ውሽጥኻ ሓደ ጸሓፋይ ኣሎ
Mekonnen T.

Related Posts

ኣበሳ ኵናት

November 28, 2020
Read More

ከመዓልካ ፈጣሪ!

November 22, 2020
Read More

“ኣብኡ ‘ሓይሽ”

November 22, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?