Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ገምጋም መጽሓፍ “መገዲ ዓድና” ብግርማይ ነጋሽ

ገምጋም መጽሓፍ “መገዲ ዓድና” ብግርማይ ነጋሽ

0
By Mekonnen T. on July 9, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብኣብርሃም ተስፋልኡል

ብዝገፍሕ ኵርናዕ እንክርአ᎓ ኣገዳስነት እዛ መጽሓፍ ኣበርክቶ ግርማይ ነጋሽን ኣብቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ምይይጥን ጉዳይን ብናይ ተዓዛብነት ተራ ጥራይ ዘይኰነስ ብንጡፍ ውልቃዊ ተሳታፍነትን ጕንዖ ኣበርክቶን ምዃኑ’ዩ። እዘን ዓንቀጻት ንኤርትራዊ ኣንባቢ ብቐንዱ ኣብ ግምት ኣእትየን ብኤርትራዊ ቋንቋ ምድላወን’ውን ነቲ ቀዲሙ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምርማርን ሕትመታት ዘደንፍዖን ካልኦት ኣሰሩ ክስዕቡ ብግብሪ ዘርኢን’ዩ። ብቛንቋኻ ምጽሓፍን ምዝራብን ኣብ ኤርትራ ከም ዓቢ ብድሆ ደኣ ኣይረአ እምበር (ንምቕጻሉ ከኣ ከምዚ ዝመስል ተበግሶ የድሊ) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ‘ናፍቖትን ዝካሬ መግዛእቲን’ ኢልካ ጥራይ ክመሰል ዝኽእል ተበግሶ ዘደንጹ’ዩ።

ኣብዛ መጽሓፍ ተጠቓሊለን ዘለዋ ጽሑፋት ካብ እግሪ-ተኽለን እከታተለን ጥራይ ዘይኰንኩስ ክሳብ መወዳእታ ቅድመ-ሕትመት’ውን ብቐረባ ስለ ዘሳለኹስ ሕጂ ገምጋም ክጽሕፍ ቅኑዕ ሚዛን ድዩ ዝብል ሓሳብ ቀዲሙ መጺኡኒ። ዳሕራይ ግን ኣብ ምጽሓፈን ዝተራእየ ኣተኵሮን ዝፈሰሰ ጻዕሪን መስካሪ ክንሰይ ኣነ ገምጋም እንተ ዘይጽሒፈ ደኣ ካልእ ንመን ክጽበ ዝብል ሓሳብ ስዒሩኒ። በዚ ድፍኢት’ዚ ከኣ’የ ነዚ ዝስዕብ ገምጋም ዘቕርብ ዘለኹ።

* * *

መጽሓፍ መገዲ ዓድና ኣብ መንጐ ነሓሰ 2014ን ነሓሰ 2016ን ዝተጻሕፋ ሰለስተ መጽናዕታዊ ዓንቀጻት ሒዛ ትርከብ። ከምቲ ደራሲ ኣብ መእተዊ ጠቒሱዎ ዘሎ᎓ “እዚ መጽሓፍ ዝወጸሉ ኣብ ዘሎ እዋን᎓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃራና መገዲታት ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ ፈታኒ እዋን᎓” ብምዃኑ ከኣ ኣተኵሮ እዘን ዓንቀጻት ድማ ብቐንዱ ነቲ ንኤርትራ ኣብ መጻብቦ ሸሚሙዋ ዘሎ ምኽንያታት ብምምርማር መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ኣንፈታት ድማ ይእምታ። እቲ ኤርትራ እትርከበሉ ዘላ ቃራና መገዲ ከኣ ደራሲ ብጻልጣኡ᎓ ኣብ መእተዊ᎓ ብኸምዚ ይገልጾ፤ “ሎሚ᎓ ብዘይካ እቶም ንምልኪ ዘምልኹ የውሃትን ብጥቕሚ ዝተኣሰሩ ባእታትን᎓ ዝዀነ ብኽፉት ዓይኒን ሕልናና ንኵነታት ህዝቢ ኤርትራ ዝዕዘብን ዝከታተልን ሰብ ነቶም ኣብ መንጎ መኣዝናት ጕዕዞ መገዲ ደሞክራሲያን ሰላምን ብሓደ ሸነኽ᎓ መገዲ ዕንወትን ደልሃመትን በቲ ሓደ ሸነኽ᎓ ዝርከቡ ፍልልያት ክርእዮም ዘጽግሞ የለን” (2)።

ቀዳመይቲ ዓንቀጽ “ካህናት ተዛሪቦም፤ ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?” ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 ብኣርባዕተ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ተዳልያ ዝተዘርግሐት ጽሕፍቲ ዓሚቝ ትንታነ ትህብ። እታ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” እትብል ክሳብ ሎሚ ደጋጊማ እትጥቀስ ጽሕፍቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሕሰምን እኩብ ኣደራዕን ብዘየሻሙ መገዲ ሰፊሕ ትንታነኣዊ ገምጋምን ዝሃበት’ያ ነይራ። ግርማይ ነጋሽ እምበኣር–ማዕረ ኣገዳስነት እታ ጽሕፍቲን ደፋር ተበግሶ ኣዳለውታን ዝኸይድ–ተራን ፍሉይነትን እዛ ጽሕፍቲ ብሰፊሑ ተንቲኑ። ኪንዮ’ቲ ንዅሉ ኣንባቢ ግሉጽ ዝዀነ ትብዓትን ውርጹጽ ትንታነን እታ ጽሕፍቲ ግን ግርማይ ነጋሽ ምስ ካልእ ዝዓበየ ዓለማዊ ተርእዮ’ዩ ኣተኣሳሲሩዋ። ምስ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝውቱር ዝነበረን ንሓያሎ ሃገራት ካብቲ ሕሰም ድኽነትን ጭቆና መራሕቲን ዘውጽአ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣተኣሳሲሩ ድማ እቲ ተርእዮ ምናልባት ከምኡ ዝመስል ኣንፈታት ኣብ ኤርትራ ከጋጥም ዝኽእል እንተዀይኑ ይእምት። ዓንቀጽ “ካህናት ተዛሪቦም” ኣብዛ ዝተጠቕሰት ጽሕፍቲ ጥራይ ከይትሓጽረት ሰፊሕ ድሕረ-ባይታ ብዛዕባ ዕስክርና ጣልያን ኣብ ኤርትራ ምስ መጽሓፍ ሓደ-ዛንታ(1950) ናይ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ብምትእስሳር ትዝርዝር። ንመጽሓፍ ሓደ-ዛንታ ከም መበገሲ ወሲዳ ድማ ካብ ፈለማ 1920ታት ጀሚሩ መልክዕን ኣስማትን ጥራይ እናቐየረ ክሳብ ሎሚ ዘየኽተመ ዕስክርና ኤርትራ ትዝቲ።

ግርማይ ንታሪኽ ውትህድርና ኤርትራ᎓ ትንታነ ጽሑፋት ኣቡናት ድሕሪ ምሃቡን ምስ ክልስ-ሓሳባዊ ተርእዮ ላቲን ኣመሪካ ድሕሪ ምንጽጻሩን᎓ ዓንቀጹ ብኸምዚ’ዩ ዝዛዝማ፤ “ምናልባት እቲ ሕቶ ግን ‘እዚ ብካቶሊካውያን ካህናት ተጀሚሩ ዘሎ ኣንፈታት ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዘበስር ድዩ ወይስ ተቐልቂሉ ዝጠፍእ’ዩ?’ ዝብል’ዩ። መልሲ ናይዚ ሕቶ’ዚ ንግዜ ዝግደፍ’ዩ” (41)።

መጽሓፍ መገዲ ዓድና ኣጣቓሊላታ ዘላ ቀጺላ እትርከብ ጽሕፍቲ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” እትብል’ያ። እዛ ጽሕፍቲ ምስታ ዝቐደመት ዓንቀጽ ብብዙሕ መገዲ እትተኣሳሰር ኰይና᎓ ኣብ ተመሳሳሊ ዓንኬል ምስቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝተራእየ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ከኣ እቲ መፍትሒ ብደገን ሃገራት ምዕራብ ዝተስገደድን ብዘባሉ ዝተቐድሐን መንግስታዊ መዋቕር ዘይኰነስ ካብ ውሽጢ ዝብገስን ምስ ህዝቢ ምትእስሳር ዘለዎን ምዃና ትዝቲ። እዚ ንውሽጢ ዝጥምት ኵርናዕ ድማ ነቶም እንትርፎ ብተናጸል ኣብ በበይኑ ናይ ምዝንጋዕ መደባት መራኸቢ-ብዙሃን ኤርትራ ሓውሲ መስተንተኒ ሕሉፍ እዋን ጥራይ እምበር ካልእ ዓሚቝ ኣቓልቦን ንባብን ዘይወሃቦም ሕግታት እንዳባ ብሰፊሕ ትምርምር። “ናብ ነብስና ንመለስ” ኣብ መንጎ በበይኖም ሕግታት እንዳባ ዘለዉ ምምስሳልን ፍልልይን ብኣዝዩ ደቂቕ ኣስተብህሎን ትንታነን ትምርምር ጥራይ ዘይኰነትስ ብኸመይ መገዲ’ኸ ኣብ ዘመናዊ እዋን ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ከም ዘለዎም ኣመታት ትህብ። እዛ ዓንቀጽ ከኣ ሕግታት እንዳባ ከም መመላእታ ዘመናውያን ሕግታት ዘይኰኑስ ቀንዲን መበገሲን ክዀኑ ከም ዘለዎም ትዛዛም።

ሓቛፊት ኣርእስቲ መጽሓፍ ኰይና ተመሪጻ ዘላ ዓንቀጽ᎓ “መገዲ ዓዲና᎓ ብኸመይ ንኸዶ?” እትብል ዛዛሚት ቴማ᎓ ግብራዊን ክልስ-ሓሳባዊን ብቐንዱ ግን ንውሽጢ ዝጠመተ ክዀኑ ዝኽእሉ መፍትሒታት ድሕሪ ምሃብ እቲ ኵሉን እንሓልሞ መገዶ ዓድና ብኸመይ ክንከዶን ክንበጽሖን መርሓ-መገዲ ተጸርግ። እዛ ዛዛሚት ዓንቀጽ᎓ ብኣዝዩ ተሪር ቋንቋን ዘየላቡ ቃናን እቲ ንኽልተኡ ድምበታት–ማለት ናይ ተቓውሞን ደገፍቲ ምልኪን–ሓሊኹ ዘሎ ግዝኣት ኣተሓሳስባን ድሩትነትን ፈቲላ ተቐርብ። እቶም ንዅለንትናዊ ሓርነታዊ ጕዕዞ ዝዕንቅፉ ዘለዉን–ከም ገለ ለውጢ ብወዝቢን ጎነጽን እንተ መጺኡ’ውን ንድሕሪት ክመልሱ ምዃኖም ዘይከራኽሩን ሽዱሽተ ዓበይቲ ኣርእስታት ከኣ ትዝርዝር። ሓያሎ ካብቶም ማሕለኻታት–ብኣገላልጻ ግርማይ–በቲ ምልካዊ ስርዓት ዝተስገደዱ ጥራይ ዘይኰኑስ ብቐንዱ ኣብ ጽኑሕ ባህሊ እቲ ሕብረተሰብ ቦታ ዝጸንሖምን ብተመሳሳሊ ድማ ኣብቲ ኣብ ደገ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ድምበ’ውን ጐሊሖም ዝርኣዩን’ዮም።

ብዝገፍሕ ኵርናዕ እንክርአ᎓ ኣገዳስነት እዛ መጽሓፍ ኣበርክቶ ግርማይ ነጋሽን ኣብቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ምይይጥን ጉዳይን ብናይ ተዓዛብነት ተራ ጥራይ ዘይኰነስ ብንጡፍ ውልቃዊ ተሳታፍነትን ጕንዖ ኣበርክቶን ምዃኑ’ዩ። እዘን ዓንቀጻት ንኤርትራዊ ኣንባቢ ብቐንዱ ኣብ ግምት ኣእትየን ብኤርትራዊ ቋንቋ ምድላወን’ውን ነቲ ቀዲሙ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምርማርን ሕትመታት ዘደንፍዖን ካልኦት ኣሰሩ ክስዕቡ ብግብሪ ዘርኢን’ዩ። ብቛንቋኻ ምጽሓፍን ምዝራብን ኣብ ኤርትራ ከም ዓቢ ብድሆ ደኣ ኣይረአ እምበር (ንምቕጻሉ ከኣ ከምዚ ዝመስል ተበግሶ የድሊ) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ‘ናፍቖትን ዝካሬ መግዛእቲን’ ኢልካ ጥራይ ክመሰል ዝኽእል ተበግሶ ዘደንጹ’ዩ። ናይጀሪያዊ ተመራማሪ ስነ-ቋንቋ ኣዮ ባምቦሸ (Ayọ̀ Bámgbósé) ኣብታ Language and Exclusion: The Consequences of Language Policies in Africa(2002) እትብል መጽሓፉ ከም ዝጠቕሶ᎓ ወግዓዊ ቋንቋ ናይጀሪያ እንግሊዘኛ ከም ምዃኑ መጠን እቲ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር’ውን ክኽተሎ ስለ ዘለዎ᎓ ኣብ መጋብኣያ ኵሉ ምልላስ ብእንግሊዘኛ ክትርጐም ግድን ይኸውን። ባምቦሸ ከም ዝጠቕሶ ድማ ንኣብነት᎓ እቲ ዳኛ’ውን ተዛራቢ ቋንቋ ሃውሳ ክንሱ᎓ ተኸሳሲ ብቛንቋ ሃውሳ እናተዛረቦ ክሳብ ብእንግሊዘኛ ዝትርጐመሉ ከም ዘይሰምዖ ዘሎ መሲሉ ይቐርብ።

እዚ ልቓሕ ቋንቋን ብሰንኩ ዝስዕብ ስእነት ምርድዳእን ብቐንዱ ድማ ነቲ ዝምልከቶ ህዝቢን ተራ ኣባል ሕብረተሰብን ዘይኰነስ–ኣብ ግዙኣት ሃገራት ብሕልፊ እኳ ኣፍሪቃ ዝርአ–ግን ነቲ ህዝቢ’ውን ትዛረብ ዘለኻ እናመሰልካን ብዛዕባኡ እናዘተኻን ኣብ ላዕሊ ጥራይ ዝሕጸር ቋንቋን መራኸቢታትን ምጥቃም’ዩ። ግርማይ ነጋሽ᎓ ውሁብ ምስ ኰነ ቀሊል ዝመስል᎓ ናይ ቋንቋ ምርጫ ምውሳዱ እምበኣር ዓቢ ድፍኢት’ዩ። ምስ ድሩትነት ዝርጋሐ ቋንቋ ትርግኛን ግርማይ ነጋሽ ኣብ ኣካዳሚ ስለ ዝነጥፍ ብዋጋ ናይቲ ብእንግሊዘኛ ምስ ዘሕትሞ ክረኸቦ ዝኽእል ካልእ ረብሓታትን እንኮላይ ምዃኑ ምጥቃስ ግቡእ ይመስለኒ።

ተበግሶ ብቋንቋኻ ምጽሓፍ ግርማይ ነጋሽ᎓ ኣብ ኣሰር ዓበይቲ ሓሰብቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከምእኒ ኬንያዊ ንጉጊ ዋ ቲያንጎ ዝምደብ ኰይኑ᎓ ኣብ ተመሳሳሊ ፍልስፍናን ኵርናዕ ርእየትን ብምምርኳስ ድማ ህዝብታት ኣፍሪቃ ንውሽጦሞ ክርእዩን መፍትሒኦም ካብ ነብሶም ክደልዩን ዝጽውዕ’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ᎓ ቀንዲ ኣተኵሮ እተን ኣብዚ መጽሓፍ ተጠቓሊለን ዘለዋ ዓንቀጻት ንውሽጢ ዝጥምታን መፍትሒ ካብ ውሽጢ ጥራይ ምዃኑ ዝምጕታን።

ምርምራዊ ስራሓት ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ᎓ ነቲ ድሮ ኣብቲ ዓውዲ ምርምር ብኤውሮጳዊ ቋንቋታት በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ብራኸን መዓርግን ዝዳረግ ደኣ ይዅን እምበር᎓ ከምዚ ዝመስል ጽሑፋት ብኤርትራዊ ቋንቋታት ምቕራቡ’ውን ነቲ ቋንቋ ኣብ ምሕያሉን ንዓውዲ ምርምር ኣብ ምድፋኡን ህያው ኣብነት’ዩ።

ምንጪ http://www.peneritrea.com/blog/——1

እዚ ጽሑፍ ካብ መርበብ ሓበሬታ ፔን ኤርትራ ዝተወሰደ ኮይኑ ዕላምኡ ኣንባቢ ምስ መጽሓፍ መገዲ ዓድና በመንገዲ እዚ ገምጋም ክላለ ንምግባር’ዩ።

ነዛ መጽሓፍ ንምግዛእ ኣብዚ ምውካስ ይከኣል

http://africaworldpressbooks.com/megedi-adinaa-the-road-to-the-land-by-ghirmai-negash/

ወይ ድማ

https://www.soyra.net/product-page/%E1%88%98%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B5%E1%8A%93

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleየኑረነቢ ማህደር
Next Article መጽሓፍ ሓደ ፍጥረት፡ ኣብ ክልተ ዓለም
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?