Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዝባን ሽፍትነት!

ዝባን ሽፍትነት!

4
By Mekonnen T. on September 27, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

 

 

በዓል መን ኢኹም፣ ኣይትሓልፉ’ይተሕልፉ

ገና ኸሎ ጕዕዞ ጾርኩም ተራግፉ

ኣብ ቀጢን መንገዲ ግዛዕኩም ተንጽፉ

ንዘዝተኸትረ፣ ንዘዝሓተተ ጓዕጺጽኩም ተዕርፉ

ኣንታ መን ይብሉኹም

ሕግኹም ቀቲልኩም ሽፍትነት ተጽርፉ፧!

እንታይ’ሞ…….ሽፍትነት ዳኣ

ንሕና ሸፊትናዮስ ንስኻትኩም ከኣ፤

ከይሰወድኩም ከም’ዚ ሕጂ

ጭልቃዓት ከለኹም – ህጻውንቲ

ናብ ዓዲ – ከተማ፣ ገለ ምስ ንዛወር

ግርማና ኽርኢ’ንታዋይ ዘይቅልቀል፤

ዘምጽኣና ገይርና

ልቢ ጐራዙ ለኻኺምና

በራእያ በርቂ፣ ስውር ከም ስርኤል!

……….ሽፍትነት ዳኣ

ንሕና ሓሊፍናዮስ ንስኻትኩም ከኣ፤

ኣብ ወልቃይት-ጠገዴ፣ ሰሳሕ ጣሕሸም’ንተ’ይላ

ካብ ሰምሃር ተኲሸና ብመንፈር ንቐትላ

ነብሪ-ጐልጐል ቀዲምና ምሳሕና ንገብራ።

ንሰብስ’ተዀነ………መኣስ ርሒቕናዮ

ሕጉ ዘዘፍረሶ ንሕና ንዃንዮ፤

ንዝተበደለ – ንጉስ ዝዘረዮ

ብወግዕና ግሩም ንዳንዮ፤

ኣብ ሽፍትነት ፍቕሪ ጸጊብናዮ……

ሎሚ ዶ ሕግኹም ሕጊ’ልናዮ!

ቀደም…….ዘኽበረኒ ዘኽበርኩዎ

ዘድሓነኒ ዘድሓንኩዎ

ሓደ ዕለት – ከይተጸበኹዎ

ዘውደ ዓርከይ ጋኔን ተንሲኡዎ፤

ናብ ሃድን ምውፋረይ ኣጻዊዱ

ኣርሒ ላመይ ሰሪቑዋ ኸይዱ።

……..ኣየ ዝሓለፈ……..!

ጸሓየይ ኣብሪቐ

ሽራራይ ዓጢቐ፤

ትዝ ’ናበለኒ ጕልበቱ፣ ሓሞቱ

እና ደንጸወኒ እውን ዕሽነቱ፤

ጸሓይ ከይተሰቕለት ልዕለይ

በሳጕማ ሽፍታ ጠቕሊለ መንገደይ፤

ነጢረ’ኣቱ’ሞ ናብ ደምበ ጥሪቱ

…..ሽፍታ ዶ’ንታ’ምለስ ጥራሕ ኢዱ….

ስለ ንላዘብ ግን ብሕጊ ሸፋቱ

ላመይ ዘሚቱ ኸ’በይ ክኣቱ

ቦታይ ተመለስኩ ሰሪቐ መርዓቱ።

….ዕሕሕ….እንሄልካ ደኣሲ

ሓዳረይ ዘይፈልጦ ሰሪሐላ ኣጕዶ

ዓቢደ’ዕቢደያ……ጸላኢና’ዕበዶ!

ኣካዊነያ’ወ፣ ክልተ-ወርሒ መመላእታ

’ዚ ናይ ስርቅስ ካኣ ገለ’ለዎ’ታ!!

ብዝዀነ……ደበኽ ቢሉ ላመይ ሒጁ

ኣልቂሹ………..ኣልቂሹ………..

ክሓድገሉ፣ ለሚኑ ሳእነይ ተተርኢሹ፤

“ይቕረ ይዅንካ” ብዝበልኩዎ ግን…..

……..እ……..ህ……….ም……….

እንድዕሉ ውሽጠይ ተሓሚሹ

ዓይነይ ውን ብዓቕሙ ተርኪሹ።

ነጊሩኒ – ላመይ ስርርቲ ምዃና

መርዓቱ ውን ካባይ ጠኒሻ ኸም ዘላ

ኣንፊሸሉ ሕብእብእ ዘይብላ፤

ከም’ዚ ቢልና ተቓሊዕና – ተጋሊጭና

ዝወረደ ኽንቅበል ጸጸር ውሒጥና፤

ላመይ ሂቡኒ – መርዓቱ ሂበዮ

እናተጻወትና ሩባ’ሳጊረዮ።

እወህ……………።

ኣብ ሽፍትነት ፍቕሪ ጸጊብናዮ

ፍትሒ ነቢርናዮ

ሎሚ ዶ ሕግኹም ሕጊ’ልናዮ፤

ካብ ቆፎ ሓረስታይ ቀለብ ናይ ዘሕደግኩም

ፍትሒ ናይ ተጕህዩ ሓቂ ቐቀቲልኩም

ንዓኹም ድዮም ኣታ ሸፋቱ ዝብሉኹም፧!

ኦፍቾ ትውዕሉ ኸም መንግስቲ

ባኖ ትኽደኑ ከም መኳንንቲ

ከም ዘይሓነቕናዮ ጐረሮ’ናብስቲ

ሞባእ ትምንጥሉ ካብ ቅናት ኣንስቲ

ካን ዶ’ታ ሽፍትነት ኰይኑ መጻወቲ!!!

ኣንቱም ደቂ ሕጊ – ጸረ ሕጊ…..ዝባን ሽፍትነት

ኣንቱም ኣፈ-ጨለ፣ መጠመቕቲ…..ዝባን ሽፍትነት!

ሽፍትነት ከም’ዚ’ይኰነን

ንማንም ዓምጣሪ መሐምበሲ’ይኰነን፤

ርሻን ተወጢሕኩም ሰብ-ጫካ’ይትምሰሉ

ስለ’ዝሄር ክብሪ’ይትበልሉ!

ኣገሪህኩምና’ምበር ኣይመሳለናኩምን

ሰናድር ኣውሪድና ኣይምሓንገርናኩምን፤

ኣብ ሽፍትነት ምእራግ ነውሪ መሺሉና

ኣካ ኸሓድናዮ ሕግኹም ኣሚንና!

………ኣቻህ!!! ክልተ ጠሚትኩም ኣይትተዓነዱ

ሕጊ’ንተ ደሊኹም ሰብ ምስማዕ ልመዱ፤

እንተ ዘየሎ………….ኡሁዋእ!

ወዛል ሽፍታ የልቦን – ዓሪኹም ዕጠቑ

ምስውስው ኣይኰነን – ከተማ ልቐቑ።

ቦኽረ ገብረየሱስ

መስከረም 2014

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣጆኻ ፒኮሎ
Next Article ሳዕቤነ ከበሳ (The Plateau Effect)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

4 Comments

  1. Anonymous on September 27, 2014 11:13 am

    eway eza gtmi des kitbleka !!! bhaki xbikti .

  2. Anonymous on September 27, 2014 3:53 pm

    .it’s beyond of measure in the essence I 😮 can understand a little bit

  3. shishay gebrehans on October 9, 2014 11:56 am

    ዘይከምተን ዝፈልጠን ነዋሕቲ ግጥሚታትካን!

  4. Anonymous on October 9, 2014 11:43 pm

    ከመይ ኣብ ጸጽባሕ ጥበብ ተወሰኽ. ኣዝያ ትድነቕ ስራሕ፡ ሓይሊ ሓሳባ ኣዝየ ኣድኒቐዮ.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?