Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዝምድና ሶፍያን ዘርኣይ ደረስን ዞማ ዘሞኦም ነቦይ ሳሚኤልዶ ካልእ ?

ዝምድና ሶፍያን ዘርኣይ ደረስን ዞማ ዘሞኦም ነቦይ ሳሚኤልዶ ካልእ ?

0
By Mekonnen T. on January 1, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መኮነን ተስፋይ

ኣብ ዝኾነ ሕበረተሰብ ፈላጢ ወይ ዘመድ ፍሉጥ ሰብ ክኸውን ዘይደሊ ሰብ ውሑድ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ነዚ ዝተዓቡ ኣቦታት ብኣምሓርኛ ከምዚ ክብሉ ይምስሉ “ንዝተሸመ ዘመድ፡ ንዝሞተ ከኣ ገመድ ኣይሰኣኖን’ዩ”። ድምጻዊ ከሓኖ ኣብታ ድሕሪ ዝፈትዎ ዓርኩ የማነ ባርያ ንሓጻር ግዜ ንበይኑ ምስ ተረፈ። ሰባት “የማነ ዓርከይ’ዩ ኔሩ” ክብሉ እንከለው ይሓርቕ ከም ዝነበረን ንገለ ሰባት’ውን “ኣበይ ትፈልጦ ንየማነ?” እናበለ የጓጥጠሎም ከም ዝነበረ ፈለጥቱ ይዛረቡ። የማነ ህቡብ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ዋላ እቶም ብኣካል ረኺቦሞ ዘይፈልጡ ዓርከይ’ዩ ክብሉ ይኽእሉ’ዮም። ዓርኪ ፍሉጥ ክኸውን መን ዘይደሊ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደራሲ ተስፋየ ገብረኣብ “የዘርኣይ ደረስ ታሪክ ግማሽ ተረት” ብዝል ኣርእስቲ ብዛዕባ ጅግንነት ዘርኣይ ደረስ ብኣምሓርኛ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ናብ ትግርኛ ተርጉመ ኣብ ሰኪዔት ሓበሬታ ዛራ ጥበባት ኣስፊረዮ ኔረ። ኣብቲ ጽሑፍ ተስፋየ ገብረኣብ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ምስ ሶፍያ ተስፋማርያም ተራኺቡ ኣብ ዘዕለለሉ እዋን ሶፍያ “ዘርኣይ ደረስ ዘመድይ’ዩ” ኢላ ከም ዝገለጸትሉ ኣብ ጽሑፉ ገሊጹዎ ኔሩ። ሶፍያ ንባዕላ’ውን ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ዘርኣይ ደረስ ዘመዳ ከም ዝኾነ ከም ዝገለጸት’ዩ ዝፍለጥ። ሶፍያን ዘርኣይ ደረስን ግን ኣዝማድ ድዮም ኣይኮኑን ᎒ ንስድራቤት ኣቶ ተስፋጽዮንን ሶፍያን ብቐረባ ዝፈልጡ ሰባት ሓቲተ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ እዚ  ዝስዕብ’ዩ፦

10887944_10205498758849263_127498366_n[1]

ንዘርኣይ ደረስ ዓቢ ሓዉ ተስፋጽዮን ደረስ ዝበሃሉ ኣብ ኣስመራ ፍሉጥ ዝነበሩ ሰብ’ዮም። ኣቶ ተስፋጽዮን ዝወለድዎም ሓሙሽተ ቆልዑ ማለት

  1. ሙሳኤል (ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ተጋዳላይ እንዳ 72 ነበር)
  2. ኢሳያስ
  3. እስራኤል (ስውእ ተጋዳላይ ወዲ ተመንዎ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ’ውን ብኸመይ ከም ዝተሰወአ ይገልጽ’ዩ)
  4. ዮርዳኖስ (ብስም ዮዲት ትፍለጥ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ትርከብ)
  5. ዘርኣይ                                                                                                                                           በዓልቲ ቤት ኣቶ ተስፋጽዮን ደረስ ማለት ኣደ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሓሙሽተ ኣሕዋት ንሶፋያ ተስፋማርያም ቆመና ሓፍቲ ኣዲያ እያ። ብዘይካ’ዚ ኣደ ስውእ ብርጋዴር ጀነራል ኣማኑኤል ሃይለ (ወዲ መምህር ሃይለ) ማለት ሃንጆማ ወዲ ካልእ ሓፍተን ንበዓልቲ ቤቶም ንኣቶ ተስፋጽየን ደረስ እዩ። ስለዚ ሶፍያን ሃንጆማን ደቂ ክልተ ኣሕዋት ክኾኑ እንከለው ዘርኣይ ደረስ ግን ንሃንጆማ ይኹን ንሶፍያ ተስፋማርያም ናይ ስጋ ዘመዶም ኣይኮነን። ኣቦ ሶፍያ መበቆል ዓዶም ደቂ ሽሓይ ዓንሰባ ክኸውን እንከሎ ዘርኣይ ደረስ ግን ሽሕ’ኳ ኣብ ሃዘጋ ይዕበ ዝተወለደሉ ዓዲ ግን ዓዲይሃይስ ዝበሃል ኣብ ኣውራጃ ኣብ ሰራየ’ዩ ( መጽሓፍ ጎመራ ዘርዓይ ደረስ ገጽ 13)
  6. ስለዚ ዘርኣይ ደረስ ንሶፍያ ዘመዳ ዘይኮነ ነቶም ደቂ ሓትናኣ ንእሽቶ ሓውቦኦም እዩ። እንተ ኣብቲ ናይ ስጋ ዝምድና ግን ሶፍያን ዘርኣይ ደረስን ወይ ሃንጆማን ዘርኣይ ደረስን ኣዝማድ ኣይኮኑን።
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጠዓሞት፡ ቢንያም * ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!*
Next Article ጀግንነታዊ ቅያ ሓድጉ ገብረኣብ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?