Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዛንታ ዱባለን ጅግንነት ኣቶ ስብሃቱን

ዛንታ ዱባለን ጅግንነት ኣቶ ስብሃቱን

0
By Mekonnen T. on August 5, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብመኮነን ተስፋይ

እዚ ዛንታ ኣብ 1980ታት ኣብ ሓላይ ትበሃል ዓዲ ሓንቲ ካብ ዓድታት ወረዳ ዓረት (ሓላይ ጅግና ባህታ ሓጎስ ዝወደቐላ ዓዲ እያ) ዝተፈጸመ እዩ። ሓዲ ግዜ ናብ ሓላይ ንስራሕ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ኣብ’ቲ ዓዲ ንገለ ፍልይ ዝበለ ጀግንነት ዝፈጸመ ሰብ ዝተደርፈ ደርፊ እንተሎ ብምባል ንሓደ ዓቢ ኣቦ ሓተትኩዎም፡ እቶም ኣቦ “ዋእ ኔሩወ ምንባርስ እንታይ እሞ ክዓብስ ዋጋ የብሉን” ክብሉ መለሱለይ፡ ክዛረቡሉ ዘይደልዩ ዘረባ ከም ዘሎ ሓዝኩዎም። ሕቶ ኣብ ልዕሊ ሕቶ ምስ ደጋገምኩሎም ግን ነቲ ዛንታ ከዕልሉኒ መሪጾም መስለኒ። ብዝኾነ ኣሚኖምኒ ኢዮም። ጽቡቕ ጌሮም ስለዝፈልጡኒ’ውን ስክፍታ ኣይነበሮምን። እቲ ዛንታ ምስ ሰማዕኩዎን ነታ ደርፊ ምስ ነገሩንን ክስነድ ከም ዘለዎ፡ ዋላ ኣብቲ እዋንቲ ኣይቃላሕ ግዜ ኣብ ዝፈቐደ ክወጽእ እዩ ብምባል ነቲ ዛንታ ብጽሞና ተኸታቲለ መዝገብኩዎ። ንኣዘንታዊ ከኣ ካልእ ሕቶታት እንተልዩኒ ኣብ ሰገነይቲ ተራኺብና ከነዕልል ከም ዝኾና ቃል ኣትየ ተፋነኹዎም።

ዛንታ ኣቶ ስብሃቱ መዓልታዊ ኣብ እእምሮይ እናመጸ ድቃስ ከልኣኒ። እቲ ዘገርም ከኣ ኣብ ኣስመራ ኣብ ትካል ምስልጣን መምህራን እናሰልጠንኩ እንከለኹ ሓደ ቁንጹብ፡ ተሪር፡ ምሉእ ርእሰ ምትእማማን ዝነበሮ መንእሰይ ነበረ። ምስ’ቶም ኣብ ሓላይ ዝረኸብኩዎም ኣቦ ኣብ ዘዕለሉ ዝነበርኩ እዋን፡ “ደቆም ኣበይ ኣለዉ” ኢለ ምስ ሓተትኩዎም እዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ መንእሰይ ሓደ ካብ ደቆም ከም ዝኾነ ሓበሩኒ። ነዚ ዛንታ ዘራጉዱለይ ነገራት ብምስጢር ሓበሬታታት እናኣከብኩ፡ ሓደ መዓልቲ ምስዚ ተጠቃሳይ መንእሰይ ንሱ ካብቲ ዝምህረሉ ዓዲ ናብ ሓላይ ክኸይድን ኣነ ድማ ናብ ዓዲ ቐይሕ ክኸይድ ኣብ ሚኒባስ ተራኸብና። ድሕሪ ቁሩብ ዕላል ከኣ ብዛዕባ ኣቡኡ ክጽሕፍ ከም ዝደለኹን ስእሊ ከምጻኣለይን ሓተትኩዎ። ምስኡ ኣብ ትካል ምስጣል መምህራን ጽቡቕ ሌላ ኢዩ ኔሩና። ንሱ “ጸገም የለን ከምጻኣልካ እየ” ኢሉ ቃል ኣተወለይ። ገለ ገለ ሕቶታት’ውን መለሰለይ። ብድሕሪ’ዚ ድሕሪ ወርሒ ይኸውን ኣብ ሰገነይቲ ምስ ረኸብኩዎ እዚ ወዲ ሰበብ ከምጻኣለይ እዩ ኢሉ ፈሪሑ ግዲ ኮይኑ ሰላም ኢሉኒ ብዙሕ ከየዛረበኒ ተዓዝረ። ካብኡ ኣነውን ብዙሕ ኣይጸናሕኩን ካብ ሃገር ወጽየ። ዛንታ ኣቶ ስባህቱ ጽሒፈ ምስ ወዳእኩዎ ኣብ ዓዲ’የ ገዲፈዮ። ነቲ ጽሑፍ ሒዙ ዝነበረ ሰብ ከኣ ስለዝተኣስረ እቲ ጽሑፍ ኣበይ ኣሎ ክሳብ ሕጂ መልሲ የብለይን። ብዝኾነ እቲ ጽማቕ ናይ’ቲ ዛንታ እዚ ይመስል።

ዱባለ እቲ ኣብ ሳሕል ዝዝንተወሉ ሰብ ኣይኮነን። ኣጋጣሚ ድኣ ብስም ተረኺቦም እምበር። ዱባለ ምስታ ኣብ ዝባን ኣባ ሳላማ ዓስኪራ ዝነበረት ኣሃዱኡ ናይ ደርግ ስለዘይተቓደወ ብሬኑን ሸሪጡን ዓጢቑ ካብኦም ጠፊኡ ኣብ በረኻታት ብርኪቶ፡ ማሓራሳትን ሓላይን ንበይኑ ሸፊቱ ነበረ። ክንዲ ጸድፊ ዝኸውን ጎበዝ መንእሰይ ይትረፍ ብሬን ዓጢቑ ዋላ ከይዓጠቐውን ንዝረኣዮ ዘርዕድ’ዩ ነይሩ። ዱባለ ምስ ሸፈተ ህዝቢ እቲ ከባቢ በብቑሩብ ኢዩ ክሰምዕ ጀሚሩ። ደስ ኣብ ዝበሎ መዓልቲ፡ ካብቲ ዝሕባኣሉ በዓቲ ወይ ስንጭሮ ወጽዩ ናብቶም ሰብ ምሕዳር ብምኻድ ስብሕቲ በጊዕ መሪጹ ሳንጃ ካብ ሰፈራ ኣውጺኡ ኣእዳውን ኣእጋርን እታ በጊዕ ብእግሩ ረጊጹ ምስ ኣኸስተነ። ኣብኣ ከላ ብትን ብትን ኣቢሉ፡ ነቲ ስጋ ብጥርኡ ብዘይ ዋላ ሓንቲ መወሰኻታ ክሳብ ዝበልዕ ጸጊቡ፡ ንማለቱ ንኸልቢ ወይ ንወኻርያ ዝኸውን መዓናጡ ገዲፉ‘ዩ ናብታ መሕብኢኡ ዝሃትፍ። ሓረስታይ ከኣ “ዋይ በጊዐይ” ካብ ምባል ሓሊፉ ዝገብሮ ኣይነበሮን። ካብ ህይወቱ፡ በጊዕ ኣይተዓብዮን እያ። እዚ ፍጻሜ ሓንሳብ ሳልስቲ፡ ሓንሳብ ኣብ ሰሙን እናበለ። ናብ ሸሞንተ ሰብ ምሕዳር በጽሐ። እዚ ማለት ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ መዓልታት ዱባለ ሸሞንተ በጊዕ በሊዑ ማለት’ዩ። ዱባለ ብጀካ እዚ ኣባጊዕ ድኻ ሓረስታይ እናመንዛዕካ ምብላዕ፡ ኣብ ትሕቲገረ ትበሃል ጽምዋ ክሳድ ኣድብዩ ብምጽናሕ ደቂ ኣንስትዮ ይጋሰስን ዕዳጋ ካብ ዝወርዳ ኣስንቲውን ገንዘብን ካልእ ይወስድን ኔሩ እዩ።

ምሕዳር ኣቶ ስብሃቱ ናብ ሸነኽ ምብራቕ ክኸውን እንከሎ ዱባለ ኣባጊዕ ዝዘምተሉ ዝነበረ ቦታ ግን ናብ ምዕራብ ገጹ እዩ ኔሩ። እቶም ሓረስቶት “ኣንታ እዚ ርጉም ወታሃደር እምበር ኣባጊዕና ወዲኡወን” ክብሉ ከለው “ዋይ ኣነ ስብሃቱ ብህይወት ከለኹስ በጊዐይ ክህብ ሰነፋት ናባይ ገጹ እንዶ ኣይመጽእን” ይብሉ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ማእከል ዓዲ ቀብሪ ስለዝተረኽበ ደቂ ሓላይ ኩሎም ኣብቲ ሓዘን ተረኽቡ። ሓያል ውሕጅስ ክንዲ ዘንቆልቁል የንቃዕርር ድዩ ዝተባህለ። ዱባለ ከኣ ድፍረቱ ዛይዱ ብቐትሪ ምድሪ ብሬኑ ሒዙ ናብታ ዓዲ ድርግም በለ። ነቶም ሓዘንተኛታት ረጊጹ ከኣ ትኽ ኢሉ ናብ ህድሞ ኣተወ። ኣትዩ ትምባኾ ክእዝዝ መግቢ ኣምጹኡ ክብል ጀመረ። ደቂ ዓዲ ነቲ ዝኣዘዞም ከምጽእሉ ከለው፡ ከም ገለ እንተዘንግዐ ክጠማጠምዎ ድልዋት ኮይኖም እዮም ዝኣትው ነይሮም። ይኹን እምበር ዱባለ ኣብ ተጠንቐቕ ኢዩ ኔሩ። ዝኾነ ዘምጽእዎ ክቕበሎም እንከሎ ሻምብቆ ብረት ናብኦም ኣቕኒዑ ኢዩ ዘምጽእዎ ኣብ መሬት ኣቐሚጦምዎ ክኸዱ ዝእዝዞም ነይሩ። ዱባለ ዝኣኽሎ በሊዑ ሰትዩ ካብቲ ገዛ መሰስ ኢሉ ወጸ። ደቂ ዓዲ ዝቐረብዎ ጎዞሞ ይኹን ጉራዴ ኣብ መዓላ ከይወዓለ ዱባለ ቁልቁል ናብ ሰምዲ ትበሃል ዓዲ ገጽ ኣምርሐ። ወስ ክብሉ እንተኾይኖም ብሓንቲ ብሬን ዓዲ ምሉእውን ከጥፍኣ ይኽእል ኢዩ። ከዘንግዕዎ ኢዩ ኔሩዎም ክዝንግዕ ከኣ ኣይከኣለን።

ኣቶ ስብሃቱ ምስ በዓልቲ ቤቶም ናብ ግራት’ዮም ወፊሮም ነይሮም። ኣብ ግራት ውዒሎም እናመጹ ከኣ ዱባለ ብቕድሚኦም ክመጽእ ረኣዩዎ። ንሶምን በዓልቲ ቤቶምን ንገዛ ዝኸውን ሸዊት ዕፉን፡ ዓተርን ካልእን ሒዞም ነበሩ። ኣቶ ስብሃቱ እምበኣር “እዚ ዱባለ ዝበሃል እዚ እዩ ጽንዒ ነብሲ” ብምባል ንዝኾነ ነገር ድሉው ኮኑ። ምስ ዱባለ እናተቐረረቡ ምስ ከዱ ኣብ ሓንቲ መገዲ ስነዝነበሩ “ሰላም ጓድ” በልዎ። ንሱ’ውን “ሰላም ኣባቴ” ኢሉ ደው በለ። “እንካ በቆሎ” ኢሎም ዕፉን ሃብዎ፥ ነታ ዕፉን ትቕብል ከብል ከሎ ከኣ ካብ በዓልቲ ቤቶም ዓተር ወሲዶም “እንካ ባቄላ” ኢሎም ስራሕ ኣጽዓቑሉ። ዱባለ በቲ ሓደ ኣቶ ስብሃቱ ዕብይ ዝበሉ ስለዝኾኑ በቲ ካልእ ከኣ ብርህራሄ ስለዝቐረብዎ እዩ መስለኒ ብዙሕ ኣይፈርሖምን። ኣቶ ስባሃቱ ግን ዱባለ ዝዝንግዓላ ካልኢት ይጽበዩ ስለዝነበሩ ነታ ዕፉን ዝሓዘት ኢዱ ዓተር ስለዝደገምዋ ምጥዓም ስኡኑዎ ብሬኑ ናብታ ሓንቲ ኢዱ ኣቢሉ ዓተር ክቕበል ወስ ምስ በሎም ኣብኣ እንከሎ ጉንዲ እዚ ኣላደድዎ። ዱባለ ኣይ ኣመነን ይኸውን ብዝኾነ ጥምጥም ኮይኑ። ኣቶ ስብሃቱ ሓይሎም ኣብ በትሪ ኢዩ ዱባለ ከኣ ብቡኛ ክዘብጦም ጀመረ ንሶምውን ኣይሓመቑን ሓሊኾም ኣውዲቖሞ ኣብ መንጎ እቲ ሻምብቆ ብሬን ናብኦም ከቕንዓ ንሶም ከኣ ኣፍ ሻምብቆ ናብ ላዕሊ ከንቃዕርሩ ሓመድ ተሳሓኑ። ኣብ መወዳእታ በሬን ካብ ክልቲኦም ነጺላ ናብ መሬት ወደቐት። ብድሕሪዚ ብዘይ ብሬን ግጥም ኮይኒኡ ባእሲ ምስ ቀጸለ ዱባለ እዞም ሰብኣይ ኣይምሕሩንን ኢዮም ኢሉ ፈሪሑ ግዲ ኮይኑ ብድድ ኢሉ ህድማ ጀመረ። ኣቶ ስብሃቱ ግን ኣቐዲሞም ወታሃደር ስለዝነበሩ ነታ በሬን ኣልዒሎም ኣብ ዘለዎ ደው ከም ዝብል ገበርዎ። ኣብ መንጎ እዚ ኣብቲ ሓዘን ዝጸናተውዎ ዝነበሩ ሰባት ረዳት መጽዮም ንዱባለ ሓዞ ሓዞ ኮነ። ኣቶ ስብሃቱ መሰል ምሩኽ ብጉብእ ዝፈልጡ ኣቦ ስነዝነበሩ “ሓደ ሰብ ከይሃርሞ ጥራሕ ገመድ ኣምጽኡ” ኢሎም ገመድ ጌሮም ኣሲሮም ናብ እንዳ ዳኛ ኣረከብዎ። ብድሕሪ’ዚ ኣቶ ስባሃቱ ውራይ ቁስሎም ክገብሩ ገዛ ክኸዱ ኔርዎም። ኣብ ገዛ ምስ ከዱ በዓልቲ ቤቶምን ካልእን ነቲ ነቲ ዝተሃረምዎ ኣካላት ብማይ ውዑይ ጌሮም ክደርዙን ክፍውስዎምን ቀነዩ። ንሓደ ዝተወሰነ መዓልታት ከኣ ንእዲ ሓዙ።

ምሩኽ እንታይ ይኹን ?

ደቂ ዓዲ ሓደ ከቢድ ግድል ገጠሞም። ሽፍታ ተታሒዙ ኣብ እንዳ ዳኛ ኣሎ። ግን እንታይ ይፈረድ ዝብል ኣዚዩ ኣዋጣሪ ሕቶ ኮኖም። ናብ ህዝባዊ ግምባር ከየረክብዎ። ደርጊ ወታሃደርና ናብ ሻዕቢያ ኣረኪብኩም ኢሎም ከበሳብስዎምን ምናልባትውን ንኣቶ ስባህቱ ክቐትልዎምን ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ ብዙሕ ምዝታይን ምምካርን ዓዲ ንዱባለ ከም ዘለዎ ቀፊዶም ምስ ብሬኑ ናብ ደርጊ ከረክብዎ ወሰኑ። በዚ ከኣ ንዱባለ ኮብኩቦም ናብ ዓዲ ቐይሕ ዝወስዱ ሰባት ተሓርዮም ዱባለን ብሬኑን ናብ ደርግ ተረከቡ። ደርግ እሞ ናሕሳይ ድዩ። ህዝቢ ሽፍታ ክንዲ ዘምጽኣሉ ከመስግኖም ዝግብኦ ተመሊሱ ወታሃደርና ኣካላቢትኩም ኢሉ ናይ ገንዘብ ካሕሳ ክኸፍሉ ኣዘዞም። ንጉስ ኣይ ኣዝዝ ማይ ኣይሓንዝዝ ድዩ ዝበሃል። ደቂ ዓዲ ዝገብርዎ ኣይነበሮምን ኣቲ ክፈልዎ ዝተባህልዎ ገንዘብ ክኸፍልዎ ነበሮም። በዚ ከኣ ገንዘብ ካብ ህዝቢ ኣዋጺኦም ከፈልዎ።

እዚ ኩሉ ክካየድ ኣቶ ስባህቱ ንእዲ ሒዞም ነበሩ። ኣብቲ ዘተን ምኽርን’ውን ኢድ ኣይነበሮምን። ሓደ መዓልቲ ገና ኣቶ ስብሃቱ ካብ ንእዶም ከይተንስኡ ከለዉ ብኽፍሊ ህዝቢ ናይ’ቲ ከባቢ ተጸዊዖም ሓንቲ ወረቐት ተዋህበቶም። ነታ ወረቐት ሒዞም ከኣ ዓደረሶ ክርከቡ ከም ዘለዎም ተሓበሮም። ሕጂውን ትእዛዝ ምኽባር እዩ። ንጉስ ኣዚዙ። ኣቶ ስባህቱ ቁስሎም ከይሓወየ በቕሎም ሰሪሮም ናብ ዓደሮሶ ከዱ። ኣብ ዓደረሶ ዝነበሩ ተጋደልቲ ሰላምታ ሂቦም ምስ ተቐበልዎም፥ ነታ ሒዞማ ዝመጹ ወረቐት ኣንበቡዋ። ዝምልከቶ ኣካል ተጋዳላይ “ኣቶ ስብሃቱ እዛ ወረቐት እንታይ ትብል ከም ዘላ ፈሊጥኩምዶ? ባዕልኹም መቕተሊኹም ወረቐት ሒዝኩም ትመጹ?” ሓተቶም “ስማዕ ዝወደይ መቕተልየይ ዲያ ኣይኮነትን ኣነ ናይ ሓደራ ደብዳቤ ከፊተ ኣይንብብን እየ፡ ዘቕትል ነገር እንተጌረ ኸኣ ብገበነይ እየ ዝፍረድ” በልዎ ትርር ኢሎም። “እሞ ተኸሲስኩም ኣለኹም፡ ነቲ ዝሓዝኩሞ ኣምሓራይ ናብ ጸላኢ ክርከብ ከም ዘለዎ ንስኹም ኢኹም ሓቢርኩሞም” ዕትብ ኢሉ ተዛረቦም “ኣነ ዳኛ ኣይኮንኩን ናብዚ ውሰድዎ ናብቲ ውሰድዎ ክብል፡ ግቡእ ስለዝኾነ ገበን ዝገበረ ናብ ዳኛ ዓዲ እዩ ዝውሰድ ኣብኡ ወሲደ ኣረኪበዮ’የ ብድርሕሪ’ዚ ግን ዓዲ እንታይ እዮም ጌሮሞውን ዝፈልጦ የብለይን። ትርእዮዶ ኣለኻ እዚ ቁስለይ ከምዚ ኢለ ከለኹ እየ ትእዛዝ ከኽብር ካብ ንእዲ ተንሲኤ መጽየኩም” በልዎ። እቲ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ነቲ ቁስሊ ኣቶ ስብሃቱ ምስ ረኣየ ብሓቂ እዞም ሰብኣይ ቅኑዕ’ዮም ዝብል ግምት ብምውሳድ። “በሉ ኣቶ ስብሃቱ ወዲ እና ኣለና ናብ ገዛኹም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም” ብምባል ኣፋነዎም። ኣቶ ስብሃቱ ከኣ በቕሎም ሰሪሮም ናብ ዓዶም ተመልሱ።

ኣቶ ስብሃቱ ነቱ ጉዳይ ዝገበሩ ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ከም ዝኾኑን ኣቐዲሞም ብትእዛዝ ሓደ ሓደ ነገራት ዘይተቓደው ስለዝነበሩ እዛ ናይ ዱባለ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ከጥቅዕዎም ሓሲቦም ከም ዝነበሩን ኣይሰሓትዎን። ብዝኾነ ኣቶ ስብሃቱ ብጉዳይ ዱባለ ዝተኸሰሱሉ ክሲ ፈሺሉን ካብ ሕማሞም ሓውዮምስ ዱባለ ዘይብሉ ናብራ ምሕዳር ብሰላም ክሰላስልዎ ጀመሩ። ድሕሪ ክንደይ ኣዋርሕ ወይ ሰሙናት ምዃኑ ብርግጽ ኣይፈልጥኩን። ካልእ ኣሰንባዲ ፍጻመ ተረኽበ። ካብ ሳሕል ናብ ከባቢ ጸሮና ተመዲቦም ዝሓልፉ ዝነበሩ ሓደስቲ ተጋደልቲ ኣብ ሓላይ ንሓደ ቁሩብ መዓልታት ኣዕሪፎም ነበሩ። እዞም ተጋደልቲ ሓደ ምሸት ናብ ገዛ እንዳ ኣቶ ስብሃቱ ብምምጻእ ንኣቶ ስብሃቱ “ትደለዩ ኣለኹም” ብምባል ካብ ገዝኦም ወሰድዎም። እቶም ሓደስቲ ተጋደልቲ ከምቲ ደቂ ዓዲ ዝግምትዎ ወይ ዝፈልጥዎ ኣቶ ስባህቱ ትእዛዝ ውድብ ጥሒሶም ኣብ ዓዲ ኮፍ ዝበሉ ብኣባያ ዝፍለጡ ኣቦ ከም ዝኾኑ ስለዝተሓበሩ’ዩ እዮም ከምኡ ጌሮም እዮም ዝብሉ። ብዝኾነ ኣቦ ብዙሓት፡ ደርፊ ዝተደርፈሎም ማራኺ ሽፍታ ጅግና ዝኾኑ ኣቦ በዞም ናብ ጾሮና ዝሓልፉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተቐቲሎም ሬስኦም ኣብ ሕሩስ መሬት’ዩ ተረኺቡ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleብዛዕባ ብርዐይን ልሳነይን
Next Article ምውድዳስን ምሽምጣጥን ማሰኛታት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?