Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዛራ ጥበባት: ማሰኛታትን መላቐስትን

ዛራ ጥበባት: ማሰኛታትን መላቐስትን

0
By Mekonnen T. on October 15, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ማሰኛን መላቓሳይን ኣቶ ተወልደ መዓሾ

1ይ ክፋል

መኮነን ተስፋይ

ማሰኛ ኣቶ ተወልደ መዓሾ በዓል ዓዲ ጮማይ፡ ሰራየ ካብ 1897 ክሳዕ 1977 ብህይወት ዝነበሩ ሓያልን ውሩይን ማሰኛ ኢዮም። ንሶም ማሰ ክብሉ እንከለዉ መጀመርያ ንነብሶም ኢዮም ዝገጥሙላ፡-

ኣነ እንድየ ተወልደ መዓሾ

ከም ከኒና ጣልያን ፈውሲ ዓሶ

ንሕሙም ዘረባ ዝፍውሶ

ወዲቐ ዝትንስእ ከም ኩዕሶ

በቲኸ ዝወጽእ እልፊ ፍሕሶ።

ንዓይ’ዶ ክጠፍኣኒ ዘረባ

ቀዲደ ዝሰፍዮ ከም ዓለባ፡፡

*     *     *

ሓደ እዋን ኣቶ ተወልደ መዓሾ ብገንዘብ ልቓሕ ካብ ትግራይ ኣብዑር ገዚኦም ናብ ዓዶም እናምጽእዎም ከለው ኣብ መንገዲ ሞይቶሞም፡፡ እቶም ኣብዑር መረብ ምስ ሰገሩ ውጽኣት ሓሚሞም ኢዮም ሞይቶም፡ ሽዑ ከምዚ በሉ፡-

ኣብዑር ትግራይ ኣይትርብሑ

ካብ ገዝኦም ክወጹ ዝመስሉ ኣርሑ

መረብ ክበጽሑ ዝጽሕጽሑ

ዓቐበት ዓዲኾተዮ ዘሳፍሑ

ካብ ነብሶም ኣቕርንቶም ዝነውሑ

ሓሪድካዮም ዘይሰብሑ

ግራተይ’ዶ ከረመ ብርዉሑ

ደቀይ ብጥሙዮም ኣኽላባተይ ረብሑ፡፡

*   *     *

ወዲ ሓዎም ዝዘርኦ ዕፉን ምእንቲ መፍለስ ከይበልዓሉ ክሕሉ ክብል ዓሶ ሓሚሙ ሞተ። ኣቶ ተወልደ መዓሾ ኣብ ቐብሩ ከም’ዚ ክብሉ ወየ በሉ፡-

ወዲ ሓወይ ረኸብካ ጸገማ

ኣየ ኣማውታ’ወ ኣየ ግርማ

ኣዴኻ ከለዋ ዝሓመማ

መረብ ወሪደን ዘይዓማ

ክንዲ መርዓኻ ዲዩ ክንዲ ጋማ

ወርሒ ድየን ሰሙን ክቑርጠማ

ለከማኻ ‘ዶ እዘን ርጉማት ሱማ፡፡

*   *   *

ኣብ ከባቢ 1942 ዓ.ም ኢዩ። ኣንበጣ በዚሑሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ህዝቢ ቃቔጣ (ኩብኩብታ) ክቕጥቅጥ ምስ ወፈረ ኣቶ ተወልደ መዓሾ “ኣነ ክንዲ ኩብኩብታ ኮይነ ከልቅስየ” ኢሎም ከምዚ በሉ።

እንታይ ዝገበርኩየ ኣይበላዕኩ ኣይሰተኹ ውላድ ቆልዓ

ትጭፍጭፉኒ ዘለኹም ብእሾኽ ጨዓ

መልእኽቲ ሰዲደ ኣለኹ ኣቦይ ከኣ ይሰምዓ

ዒላማ ተኺሉ ይመጽእ ኣሎ ብጉሕ ጨዓ

ንማይ ጻዕዳ ከም ሓዊ ከባርዓ

ንጣፍ ንዓተር ከም ሓዊ ከባርዓ

ምዕሮ ኣይገድፍን’የ ወላ እንቃዓ

ሽዑ ክኸውን’ዩ ስደት ሓንጊርካ ቖልዓ፡፡

*   *     *

ኣብ ዓዲዃላ ተኣሲሮም እንከለዉ፡ በዓልቲ ቤቱ ነቲ ሓላፊ ካርሼሊ ዝነበረ ጣልያን ሞተት’ሞ ሽዑ “ኣታ ክዛረብየ ኣውጽኡኒ” ምስ በሉ ካብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ብዓጀብቲ ወጺኦም ኣብ ቐብሪ ተረኺቦም፡-

ኣንቱም ሃገር ሰሚዕኩም’ዶ ወረ

ማይ ጻዕዳ ዓደቦይ ሰሚዕኩም’ዶ ወረ

ተወልደ መዓሾ ዘይሎሚ ነይከበረ

ቅድመይን ድሕረይን ክልተ ባሻ ዛግረ

ተወልደ መዓሾ ዘይሎሚ ነይከበረ

እስኪ ንገሩለይ ንደግያት ሃይለ።

ሰበይቲ ዲታ ሞይታ ሰበይቲ እዚ ጎይታና

ኣንስቲ ድጓና ብኸያ ሕዘና

ኣንስቲ ሮማ ብኸያ ሕዘና

ኣንስቲ ዓዲዃላ’ውን ብኸያ ሕዘና

ኣይትተኣጎዳ ከም ኣጣል ገደና

ንዓይስ’ኳ መባልዕተይ ኮይና

ካብ’ዛ ካርሼሊ ወጺኤ ካብ’ዛ ዑና፡፡

ይቕጽል   . . . . . .

2ይ ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 22 ጥቅምቲ

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleወርሕን ጸልማትን
Next Article ገጠምትና ብተሞክሮ’ምበር፣ ብትምህርቲ ወይ ብስልጠና ዝዓብዩን ዝተረኽቡን ኣይኰኑን፤
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?