Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዕላል ምስ ኣደይ

ዕላል ምስ ኣደይ

0
By Mekonnen T. on March 28, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ዓወት መንግስትኣብ

 

ቅድሚ ገለ ዓመታት መጽሓፍ ክጽሕፍ እሓስብ ነይረ። ንሂወት መንእሰያት ኤርትራ ማእከል ዝገበረት መጽሓፍ ስለ ዝነበረት ተሓቢአ እየ ዝጽሕፋ ነይረ። እታ መጽሓፍ ኣይወዳእኩዋን፡ ዝውድኣ’ውን ኣይመስለንን እዩ። ኣይትሕመሙኒ፡ ሓሳባትካ ናይ ምምናው ከባድ ሕማም ኣላትኒ። እዛ ዘካፍለኩም ዘለኩ ጽሕፍቲ ቑንጫል ናይታ ምስኪነይቲ መጽሓፍ እያ።

*****

 

ኣብታ ንእሽቶ ሸሓኒ ኣርባዕተ ፈናጅል ተቐሪበን’ኳ እንተነበራ ኣነን ኣደይን ጥራይ ኢና ኔርና። እታ ዘገም እናበለት ንኻልአይቲ ክትፈልሕ ኣብ ጫፍ ፋርኔሎ ዝተሰኽተተት ጀበና ጸጸኒሓ ‘ቶግ’ ዝብል ድምጺ ተስምዕ ነይራ። ኣደይ፡ ነቲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተማላእኩዎ ኩምራ ኣሳእል ኣብ ምርኣይ ተጸሚዳ ስለ ዝነበረት፡ ነታ ጀበና ኣይተገደሰትላን። ኣብ ምስትምቓር ተዋሒጣ ሓንሳብ ርእይቶኣ ተፍስስ፡ ጸኒሓ ሕቶ ተቕርብ፡ ዝበዝሕ ግዜ ድማ ምስ ገዛእ ነብሳ ተህተምትም ነይራ። ከም ወትሩ ክርድኣ ይኽእል እዩ ዝበልኩዎ ቃላት መሪጸ ሕቶታታ ክምልሰላ እንከለኹ ድኻም ይስማዓኒ ኣይነበረን።

 

“ክንደይ ይነውሕ ኣንታ እዚ ጻዕዳ ሰብኣይ?! እንታይከ እዩ ዝገብረልካ ዘሎ?” ኣደይ ሓንቲ ካብተን ኣብ መመረቕታ ዝተሳኣልኩወን ስእሊ እናረኣየት ተገሪማ ሰሓቐት። ብዛዕባ’ቲ ኣብ መዓልቲ መመረቕታይ ሕዛብ ዘዕጠቐኒ ዘንጋር ሰብኣይ ትዛረብ ከም ዝነበረት ክግምት ኣይተጸገምኩን። ሽዑ መዓልቲ ኣብ ትሕቲኡ ኣትየ ምስ ጠፋእኩ፡ ኣዝዩ ቆማት ሰብኣይ ምዃኑ ክሳዕ ዘማዛዝን፡ ኣብ መዓልቲ መመረቕታይ ዝሓጸርኩ መሲሉኒ ሰምቢደ እየ ነይረ። ነቲ ስምባደይ ንኣደይ ምሰካፈለኩዋ ብምሒር ሰሓቕ ድምጻ ከንቀጥቅጥ እንከሎ ብሓጎስ ተዋሒጠ ኣስተማቐርኩዎ።

 

“ኣንታ ንስኻስ ዘይትዛረቦ የብልካን … ወይለይ! … ካልኦት ጸዓዱ’ውን ኣብዚ እንሄዉለ፡” ፍሽኽታ ኣብ ኩርናዕ ከናፍራ ከይሃሰሰ ኣህተመትመት። “እዞም ኣፍሪቃ ትብሎምሲ ከምዞም ኣብ ተለቪዥን ንርእዮም ጸለምቲ ጥራይ እዮም ዝመስሉኒ ነይሮም። ጸዓዱ እንካ ኣለዉዎም እዮም?!” ነቶም ምሳይ ዝተሳእሉ ጸዓዱ፡ ሓደ! … ክልተ! … ሰለስተ! … እናበለት ክትፈቕዶም ጀመረት።

 

ኣደይ ንገዛእ ነብሳ ከም ጸላም ኣፍሪቃዊት ዘይምሕሳባ ብዙሕ ኣይገረመንን። ‘ንቕሓት ኣለና’ ንብል ኤርትራውያን፡ ንምንታይ ንነብስና ከም ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዘይንርእያ ግን፡ ወትሩ ምስ ኣስደመምኒ እዩ። ሓደ ግዜ ሓንቲ ናሚብያዊት መሓዛይ፡ “ኤርትራውያን ንነብስኹም ከም ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣይትሓስቡዋን ኢኹም፡” ብምባል በዲሃትኒ ነይራ። ናይ ውሽጠይ ብውሽጠይ ቀቢረ፡ ትዕዝብታ ጌጋ ምዃኑ ኣብነታት ኣሰንየ እኳ ክዕምጽጻ እንተ ፈተንኩ ክዕወተላ ኣይከኣልኩን። ሓንቲ ምሸት ኣበራ ዝብሃል ኢትዮጵያዊ ተማሃራይ፡ ሓሳበይ ክቕይር ክሳዕ ዝገብረኒ ድማ እታ ስምዒት “ሻዕቢያ ዘተኣታተዉልና ሕማም” ከይትኸውን እጠራጠር ነይረ።

 

… እታ ምሸት፡ ትያትሮ እያ ነይራ። ኣበራ ብማእከል እቲ ጸዓዱ ተማሃሮ ዝቕመጥሉ ብዓል ክልተ ደርቢ ሆስቴል ይሓልፍ ነይሩ። በዚ መጸአ ዘይብሃል ዝኣጎለ እንቋቊሖ ኣብ ዝባኑን ርእሱን ክሳዕ ዝዓልብ መሬት ኣማን እያ ነይራ። ብድሕሪ እቲ ቅጽበታዊ መጥቃዕቲ ፍንጫል ኮሜት ኣብ ርእሱ ከም ዝዓለቦ ብስምባደ ከቕባሕብሕ ከሎ፡ ሰለስተ ርእሰይ ካብኡ ምሕድግ ኢልና ንርእዮ ነይርና። ምስኪናይ ኣበራ ዘይፈለጠ ኮይኑ እምበር፡ እቶም ተማሃሮ ሓደ ልምዲ ነይርዎም እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት በቲ ከባቢ ንዝሓለፈ ሰብ፡ ሽንቲ ዝመልአ ጎማ፡ ዝኣጎሎ እንቋቚሖ፡ ተረፍ መረፍ መግቢ እናሰንደዉ ምርሳን ኣመል ገይሮሞ ነይሮም እዮም። ኣበራ፡ መን የጥቀዖ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግንዛቡ፡ ነቲ ከባቢ ብታህዲድ ቀውጢ ክገብሮ እዩ ጀሚሩ። ኣብ ዘይሕማሙ ከይበጽሕ ከነታሃዳድኦ እኳ እንተ ፈተንና ክንዕወተሉ ግን ኣይከኣልናን። ኣዝዩ ተቖጢዑ ስለ ዝነበረ ክሳዕ ዝዓፍር ብዘይ ልጓም ካብ ምዝራብ ኣይተቐጠበን። ማይ ከም ዝጠልቀየት ሳሙና ካብ ኣእዳውና ሸታሕ እናበለ ሓንሳብ ከም ‘ዘርኣይ ደረስ’ ክሳዶም ክቖርጾም፣ ጸኒሑ ከም ‘ኣብራሃ ደቦጭ’ ቡንባ ክድርብየሎም ምዃኑ እናክፍክር ሰሓቕ ከይሞልቖኒ ብርቱዕ ጥንቃቐ እገብር ነይረ። እቶም ዕንደራን ጸይቕን ዘይጽልኦም ጸዓዱ ግን ግዲ ኣይገበርሉን። ኣብቲ ዝባን፡ ቅልቅል! ውጥም! እናበሉ ነቲ ክስተት ይዛናግዕሉ ነይሮም። ኣብ ማእከል እቲ ዕግርግር፡ ኩለ እቲ ኣበራ መንነቱ ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ተዛማዲ ቃላት ኣብ ልበይ ካብ ምክዛን ኣይሓመቕኩን። ደጋጊሙ፡ “ኣቱም ረሳሓት ጸዓዱ። ኣነ ከምቶም ካልኦት ጸለምቲ ከይመስለኩም። ኣነ ኢትዮጵያዊ እየ። ኣነ ተራ ጸሊም ከይመስለኩም። ኣነ ኢትዮጵያዊ እየ፡” ይብል ነይሩ።

 

“እዚ ሓቊፍካ ተሳኢሉ ‘ዝንሄለ ጻዕዳኸ መን እዩ?” ኣደይ ሓንቲ ስእሊ ኣቐበለትኒ። መምህረይ ምዃኑ ሓቢረ ናብታ ስእሊ ኣተኰርኩ። ዶ/ር ፍሊፕ በርገር፡ ሓደ ካብቶም በላሕቲ መምሃራን ኮይኑ ንማክሮ ፖሊሲ፡ ብፍላይ ድማ ንፊስካል ፖሊሲ፡ ፈትፊቱ ኣብ ሽኽና ርእሲ ተማሃሮ ዘእቱ ንፉዕ መምህር እዩ። “ነጻ ናይ ንግዲ ዞባ” ብዝምልከት ወረቐት መጽናዕቲ ክሰርሕ ከለኹ ከም ዋና ኣማኻሪየይ መጠን ብዙሕ ሓገዝ ኣበርኪትለይ እዩ። ለባም ክጋገ መራግእቲ ነይገድፍ ከም ዝብሃል ግን፡ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋ ፈጺሙ ምቑጠዐይ ኣይተረፎን። እታ መዓልቲ ኣይርስዓን እየ። ንኣገልግሎት ፖስጣ ኤርትራ ኣመልኪተ ዝጸሓፍኩዎ ጭብጢ፡ ብቐይሕ ቀለም ምልክት ባጫ ስኢሉ ስለ ዝመለሰለይ ብሕርቃን ነዲደ እየ ናብ ቤት-ጽሕፈቱ ከይደ።

 

“ዶ/ር በርገር ኣይተረደአንን፡ እዛ ሓበሬታ እዚኣ ንምንታይ ኢኻ ምልክት ባጫ ስኢልካላ?”

“ይቕሬታ፡ ዳእላ ኮይና’ያ ተሰሚዓትኒ። ኤርትራ ብኣገልግሎት ፖስጣ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ወጽያ እንድያ ትብል? ክኣምን ኣይከኣልኩን።” ከናፍሩ ንታሕቲ ጀሊዑ መናኲቡ ንላዕሊ ሰቒጡ ጠመተኒ።

“ዶ/ር በርገር ምንጪ እኮ ጠቒሰ ኣለኹ”

“ልኡል፡ ኩሉ ኣብ ኢንተርነት ዝረኸብካዮ ምንጪ እኮ ሓቂ ኣይኮነን”

“ፍሉጥ ሊንክ ጠቒሰ ኣለኹ። ኣብታ ዝጠቐስኩዎ ሊንክ ኣቲኻ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ” ኣብ ግዜ ኣፓርታይድ ኣብ ርእሱ ዝኣተወ ንዕቀት ጸለምቲ ይደፍኣለይ ከይህሉ እናሓሰብኩ ክሓርቕ ጀመርኩ።

“ይቕሬታ ልኡል፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝጸሓፍካዮ፡ ኢንተርነት እናኸፈትኩ ከረጋገጾ ግዜ የብለይን”

 

ሽዑ ብቑጠዐ ተደፋፊአ ነቲ ዘኽብሮ መምህር ከቐይም ዝኽእል ከይተረፈ እየ ተዛሪበ። ኣባሓጎታትና ንቑሓት ከም ዝነበሩ ከም ኣበራ እናዓፈርኩ ዓጀው ኢለሉ። ኣብ ዓድና ዘመናት ደው ዝበሉ ኣደነቕቲ ሓወልቲ ከም ዘለዉ ቦታታት እናጠቐስኩ ተንቲነሉ። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ናይ ገዛእ-ርእስና ፊደላትን ሕጊ እንዳ’ባን ከም ዘለዉና ብሓበን ተሪኸሉ። ኣስመራ ትብሃል ምጭውቲ ከተማ ከም ዘላትና’ውን ሕንቅንቕ እናበልኩ ጸውየሉ።

 

“በቃ ኣይትሕረቕ። ነታ ዝጠቐስካያ ሊንክ ክርእያ እየ። ብዛዕባ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣስመራ፡ ድማ ከንብብ እየ፡” ዶ/ር በርገር ፍሽኽ እናበለ ከዛሓሕለኒ እንከሎ ሕማቕ ይስማዓኒ ነይሩ። ካብ ቤት-ጽሕፈቱ ምስ ወጻእኩ ብዘይካ ብዛዕባ መንነተይ ምሕሳብ ካልእ ስራሕ ኣይነበረንን። ጻዕዳ ኣይኮንኩን። ጸሊም ኣፍሪቃዊ ምዃነይ ድማ ኣይረዓምኩን። ኣነ መን እየ?! ኣበራ-ኸ መን እዩ?! ነብስና ምስ ጻዓዱ ኣዛሚድና ክንርእያ እንከለና ጥራይ ድዩ ጸለምቲ ምዃንና ዝስወጠና? ከመይ ከመይ እዩ?

 

“እዛ ቈልዓ ድኣ መን እያ?” ኣደይ ካብ ሓሳበይ መንዚዓ ኣውጻኣትኒ። ነታ ስእሊ ካብ ኢዳ ተቐቢለ ርኣኹዋ። ኣብ ቴብል ማውንተይን (ኬፕ-ታውን) ንምርኣዩ ዘዋናውን ዕንባባ መሮር ዓጂብና ኣብ ሓንቲ ዓባይ እምኒ ተኾይጥና ምስ ሩት ዝተላዓልናያ ስእሊ እያ። ሩት ማዕረ እቶም ዕምባባታት ብፍሽኽታ ተወሊዓ እያ። ንኣደይ መልሲ ከይሃብኩዋ ብትዝታ ናብ ኬፕ-ታውን ገጸይ ኮብለልኩ። ጒራማይለ ህዝቢ፣ ብዕምባባን ለምዕን ዝተሰለመ ምድሪ፣ ቁልጡፍ ደመና ዝጋልበሎም ኳዕናን እምባታት፣ ዘይትምኖ ጸሓይ ትበርቀሉ ደረት ትርኢት፣ ከም ሰማያዊ ኮቦርታ ዕጽፍ-ዝርግሕ ዝብል ባሕሪ፣ ብናጽነት ዝፈሰሰ ስነ-ህንጻ፣ ማእለያ ዘይብሉ ቀመምን መግብን፣ ብኣዒንተይ ሕልፍ ሕልፍ በለ።

 

“መን እያ ስማ?” ኣደይ ብሓሳብ ምጋሸይ ኣስተውዒላ እንደገና ሓተተትኒ።

“እታ ጽላል ዝሰደደትልኪ ጓል እያ። ሩት እያ ትብሃል፡” ነታ ስእሊ ደጊማ ክትርእያ ብምባል ኣቐበልኩዋ።

“ውይለከ ንሳ ድያ?! እስከላ … ጸጒሪ ርእሳ ድኣ ቁሩብ ሓጺሩ እምበር ምጭውቲ ቈልዓ እያ፡” ስምዒተይ ከይትጎድእ እናተሰከፈት ፍሽኽ በለት። ኣዒንታ ናብታ ስእሊ’ዩ ተተኺሉ። ኣደይ ነዊሕ ጸጉሪ ርእሳ ጓል ከም ‘ትፈቱ ስለ ዝፈልጥ ኣብ ጸጒሪ ርእሲ ሩት ኣተኲራ ምዝራባ ኣይገረመንን። ካብ ትዕዝበተይ፡ ሩት ኣብ ምምልኻዕ ዝጠፍእ ብዙሕ ግዜ ኣይነበራን። ጓል ነብሳ ብጽሬት እንተሒዛ ካልእ ባዕሉ’ዩ ዝስዕብ ዝብል እምነት እያ ትኽተል። ኣመሻሽጣኣ፡ ኣኮሓሕላኣ፡ ኣከዳድናኣ፡ ግዜ ዘይበልዕን ቀሊልን እዩ። ነቲ ክነውሕ ተኽእሎ ዘለዎ ጸጒሪ ርእሳ እውን ግዜ ንምቑጣብ እያ ከተንወሖ ዘይመረጸት።

“ተመሊሳ ድያ ምሳኻ?” ኣደይ ብዛዕባ ሩት ዝያዳ ክትፈልጥ ዝደለየ መሰለት።
“ኣይተመልሰትን። ኣብኡ ተሪፋ ኣላ።”
“ኣይወደአትን ድያ?”
“ከምዚ ናተይ ድኣ ወዲኣ እምበር። ክውስኽ’የ ኢላ።”
“ወይለከ ዓሻየ! ኣብ ትምህርቲ ድያ ክትቊንቊን?! ይኣክለኪ ትብል ኣደ የብላን ድያ?”
ሰሓቐይ ክቆጻጸሮ ኣይከኣልኩን። ኣደይ’ውን ኩልፍ ኩልፍ ደኣ ኾይኑ’ምበር ካብ ምስሓቕ ኣይተቖጠበትን።

“ስጋኻ በል!” ፍሽኽ ኢላ ዘረባኣ ቀጸለት።“ ክልተ ዲግሪ ጽዒንካ ድኣ ክውስኽ’የ ይብሃል?! ጓል እንድያ ንሱ ዘይኣኽላ ወደየ?! ሰጥ ኢላ ሓዳራ ዘይትገብር” ትርር ኢላ ወሰኸት። ሩት ኣይትስማዕ! ኢለ እናሓስበኩ እንደገና ሰሓቕኩ። የዋኣያ ኣደይ ኣተሓሳስባ ደቂኣንስትዮ ከም ዝተቐየረ ኣበይ ኢላቶ። እግራ ቤት-ትምህርቲ ከይረገጸ እያ ሓዳር ሒዛ። ኣተሓሕዛ ብርዒ’ውን ኣብቲ መሃይምነት ንምጥፋእ ደርግ ዝኸፈቶ “መሰረተ ትምህርቲ” እያ ተላሚዳ። ክንዮ ተማዊታ ብስማ ምፍራምን ካብ ሓደ ክሳብ ትሽዓተ ቑጽሪ ምልላይን (መስቀሊ ኣውቶቡስን መፍለጢ ሰዓትን ጥራይ እያ ትጥቀመለን) ግን ክትከይድ ኣይከኣለትን። ምስተን ኣደይ ኣበባ ዝብሃላ ሳንዳኣ ትምህርቲ ንምብኳር ዘይኣልመኦ መመኽነይታ ኣይነበረንን። ቀብሪ፡ ተዝካር፡ ጸበል፡ ዑቊብ፡ መርዘን እናበላ ካብ ፍልጠት ይቦኽራ ነይረን።

 

“ግዜ ተቐይሩ እዩ ኣደይ። ሎሚ ሓዳር ድሕሪ ትምህርቲ እዩ ዝስራዕ፡” ሩት ብዛዕባ ፍልጠት ዘለዋ ኣረኣእያ ንኣደይ እንተ ዝነግራስ እንታይ ኮን ምበለት? ሓሰብኩ። “ሄዋን ንምንታይ ይመስለካ ነታ በለስ ፍልጠት በሊዓታ? ክፍእቲ ስለ ዝኾነት? ብቐሊሉ ስለ ትስሕት? ምቑር ፍረ ስለ ትፈቱ? … ጐዶሎ ፍልጠት ጐዶሎ ጽባቐ ምዃኑ ስለ ዝኣመነት እያ በሊዓታ። ጓል-ኣንስተይቲ ብፍልጠት እያ ምሉእ ጽባቐ ትጎናጸፍ። ብፍልጠት’ያ ርእሳ ተቕንዕ። ብፍልጠት’ያ ማዕርነታ ተረጋግጽ።” ዘረባ ሩት ከም መረዋሕ ኣብ ኣእዛነይ ኣጋወሐ።

 

“ንጓልሲ ሓዳር’ዩ ማዕርጋ!” ኣደይ ሓሳባተይ ዘንበበት ክትመስል መርገጺኣ ሰው ኣበለትለይ። ኣበሃህላ ኣደይ ዝብላዕ ነገር ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣስተንተንኩ። ተማሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ እንከለና ደቂ-ኣንስትዮ መምሃራን ተሞኲሮአን ነተን ተማሃሮ የካፍልአን ነይረን። ኣብቲ ኣጋጣሚ እተን መምሃራን ሓንቲ ወርቃዊት ዝብላኣ ምኽሪ ነይራተን፥ “ሓደራ፡ ኣብ ትምህርቲ ጥራይ ከተተኲራ ነቲ ካልእ ሂወት ከይትርስዐኦ።” ሓቅነቱ እንድዒ’ምበር፡ “ካብ ሕጂ ኣትሒዝክን ዓርኪ ሓዛ” ከም ዝበለአን እውን ዝናፈስ ወረ ነይሩ።

 

“ጉዳም ቀጠልያ። ብርሃን ትርኢት። ኣንታ እዚ ዓድናስ እምበር ነቒጹ እዩ፡” ኣደይ ነቲ ለምለም ድሕረ ባይታ ናይቲ ስእልታት እናረኣየት ኣስተማሰለት።

“እንታይ ኮይኑ’ዩ እዚ ዓድና ነቒጹ?” እንታይ ከም ትብል ፈተሽኩዋ።

“ግብርና ከፊኡ …ናይ ስጋ… ስስዕቲ በዚሑ … ፈጣሪ ድማ ከም ግብርና ከይዱና። እንታይ ድኣ!?” እናቖዘመት ስእልታታ ናብ ምስትምቓር ተመልሰት። ዜርና ዜርና ንረዳድኣላ ነጥቢ’ያ ኣልዒላ። “ወዲ-ሰብ ኮቦርትኡ በሊዑ ብዛዕባ ቁሪ ዘእዊ ፍጡር እዩ” ትብል ጥቕሲ ኣብ ምንታይ እየ ኣንቢበያ? ንኤርትራውያን ጽቡቕ ገይራ ትገልጸና ኮይና’ያ ትስማዓኒ። ናብራና፡ ጽምብልና፡ ሰላምና፡ ውግእና ኩሉ መብረሲ ኣከባቢ እዩ። ኣብ መጀመርታ ዕስራ ክፍለ-ዘመን ዓቢ ክፋል ኤርትራ ብጫካ ተሸፊኑ ከም ዝነበረ መን ክኣምን ይኽእል? በራሕ ሰብኣይ ኣፍሮ ነይሩ ኢልካ ምሕሳብ ይቐልል።

 

“እዚኸ መን’ዩ። በጃኻኒኸ፡ ኣሪጉ እዩ ከም ኣዴኻ። ፍሽኽ ድማ ኢሉ፡” ጢል ኣቢላ ሓንቲ ስእሊ ኣርኣየትኒ። ሩት ዝሃበትኒ ስእሊ “ኔልሰን ማንዴላ” እያ። ማንዴላ መለለይኡ ዝኾነ ሕብራዊ ካምቻ ለቢሱ ብፍሽኽታ ኣዕለቕሊቁ’ዩ ዝርአ። ነታ ስእሊ ግምጥል ኣቢለ ርኣኹዋ። ኣብ ዝባን እታ ስእሊ ብኢድ ሩት ብትግርኛ ተተርጒማ ዝተጻሕፈት ጥቕሲ ማንዴላ ኣብ ዓይነይ ኣተወት። “ሓደ እምባ ሓኹርካ ምስ ወጻእካዮ ካልኦት ክሕኮሩ ዘለዎም እምባታት ከም ዘለዉ ኢኻ ትግንዘብ”።

“እዚ ሰብኣይ ኔልሰን ማንዴላ እዩ ዝብሃል፡” ብመባእታ ሌላ ጀሚረ ብዛዕባ ማንዴላ ዝፈልጦ ዘበልኩ ኣቕልል ኣቢለ ኣዕለልኩዋ። ታሪኽ ማንዴላ ግዲ ስሒብዋ ተመሲጣ’ያ ሰሚዓትኒ። ጎኒ ጎኒ እቲ ዕላል ኣብታ ማንዴላ ተኣሲርላ ዝነበረ ሮበን ኣይላንድ ዝተሳኣልኩወን ክልተ ስእልታት ኣርኣኹዋ።
“ኣንታ እዞም ጸዓዱ ክንደይ ይሓስሙ?! ወይ ጉድ! ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ኣሲሮሞ ኢልካ ኣሎ?! ኣነስ ከም’ዞም መልኣኽቲ ኮይኖም እዮም ዝስምዑኒ ነይሮም። እንታይ ክገብሩኸ ናብዚ ኣፍሪቃ ትብሎ መጺኦም?” ነዊሕ ማእሰርቲ ኔልሰን ማንዴል እናኣገረማ ጒህይ ኢላ ሓተትኒ።

“ከምዚ ጥልያን ናብ ዓድና ዝመጽእዎ እዮም መጺኦም።”
“ዶ?! ቈልዑ ከለና ብዓል ኣደይ ‘ናኹራ’ ክብላ ንሰምዐን ኔርና። ጣልያን ኣብኡ ዝኣሰርዎም ኤለትራውያን ኔሮም ይብሃል። ኣበይ ምዃኑ እንድዒ?” ኣደይ ብዛዕባ ናኹራ ትፈልጥ ምጽናሓ እናኣገረመኒ ነታ ክሳዕ ተንፈርፍር ክትደሀ ዝጀመረት ጀበና ጠመትኩዋ።
“እሞ ሕጂዶ ትሕሾም እዞም ርጉማት ጸዓዱ? መን ኢኻ ዝበልካዮ “ማንዲ” ንጉስ ምስ ኮነስ እዛ ኩላ ጻዕዳ ንግፍ ኢላ ሃዲማ ትኸውን እምበር?!” ግምታታ ብምሃብ እወታዊ መልሰይ ክትሰምዕ ተጸበየት። መሰሎም ተሓልዩ ኣብቲ ዓዲ ብሰላም ይነብሩ ከምዘለዉ ክነግራ ከለኹ ኣብቲ ዝዓጠረ ገጻ ግራሞት ክፈስስ ይራኣየኒ ነይሩ።
“እዋእ! ኣንታ ከመይ ዝበሉዎ ሰብኣይ እዩ እዚ? ጻድቕ?!” ኣደይ ንስእሊ ማንዴላ ትኲር ኢላ ድሕሪ ምጥማት ገጻ እስር ኣቢላ ጠመተትኒ።
“ኣንታ ልኡል ወደይ እዚ ናትና ደኣ ከምኡ ዘይኮነልና?” ኣዕሚቛ ድሕሪ ምስትንፋስ ወትሩ ካብ ርእሰይ ዘይትጠፍእ ሕቶ ሰንደወትለይ። ብቑጠዐ ዝገንፈለት ጀበና እንተ ዘይትገላግለኒ ብዘይካ “እህህ …!” ዝብል ቃንዛ-ውሽጢ መልሲ ኣይነበረንን።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleትእምርተ መጠራ
Next Article ምጽንባል ዓለምለኸ መዓልቲ ድራማ ብምምራቕ ተዋሳእቲ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?