Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, May 13, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዋላ ድሕሪ ሞቱ’ውን ዝናፈቕ ስብሓት ገብረእዝጋብሄር

ዋላ ድሕሪ ሞቱ’ውን ዝናፈቕ ስብሓት ገብረእዝጋብሄር

0
By Mekonnen T. on February 10, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ካሳሁን ዓለማአየሁ

ትርጉም መኮነን ተስፋይ

መምህር፡ ደራሲ፡ ኣርታዕን ጋዜጠኛን ስብሓት ገብረእዝጋብሄር ብዙሕ ተዘሪቡሉ’ዩ። “ንነብሱ መሲሉ ዝሞተ” ይብሉዎ ገሊኦም። ኣብ ግዜ ንእስነቱ ናይ ሓያሎ ሃገራት ደረስትን ጸሓፍትን ፍርያት ዘንበበ ብምዃኑ ናይ ንባብ ክእለቱ ንፉዕ ኣዘንታዊ ከም ዝኸውን ጌሩዎ’ዩ። ፈለጥቱ፡ ኣዝማዱ፡ ኣሕዋቱ፡ ኣዕሩኽቱ ኩሎም ሕያዋይ ሰብ’ዩ ብምባል ይጠቕስዎ። ብኣምሓርኛ ምጽሓፍ ዝጀመረሉ ‘ኣደፍርስ” ዘርእስታ ናይ ዳኛቸው ወርቁ መጽሓፍ ምስ ኣንበበ’ዩ። “ከምዚ ዓይነት መጽሓፍ ክጽሕፍ” ኣለኒ ብምባል ምስ ነብሱ ቃል ኣትዩ ሓራ ኮይኑ ሓሳቡ ገሊጹ ሓሊፉ። ንኻልኦት’ውን ሓራ ኮይንካ ናይ መጽሓፍ መንገዲ ጸርጉሎም ከይዱ።

ንደቂ ሰባት ንነዊሕ ሰዓታት ጽን ኢልካ ብጽሞናን ትዕግስትን ናይ ምስማዕ ትዕድልቲ ዝነበሮ ስብሓት ትዕግስቱን ጽንዓቱን ዘስተብሃሉ ሰባት ከም ኣቦና ኢዮብ ብምግራም’ዮም ዝዝክርዎ።

እዚ ዝስዕብ ቃለ መሕትት ስብሓት ፡ ጋዜጠኛ ቴድሮስ ተክለኣረጋይ ኣብታ “ፍልስምና” እትብል መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ይርከብ

@ ወዲ ሰብ ክመውት ዝጅምር መኣስ’ዩ?

ስብሓት ፡

ክውለድ እንከሎ’ዩ ሙማት ዝጅምር። ጽርፍኻ ይበቁል’ዩ ሓቀይ? ግን ከኣ ምስ በቖለ ይመውት?። ጽፍርኻ ክትሰዶ እንከለኻ ኣይስመዓካን’ዩ። ሞትኮ ኩሉ ግዜ ምሳኻ’ዩ። ክትሕጸብ እንከለኻ ቆርበትካ እናተገፈፈ’ዩ ዝኸይድ። ስለዚ እናሞትካን እናተወለድካን ትነብር ኣለኻ ማለት’ዩ።

@ ኣብ ዕድል ወይ ጽሕፍቶ ትኣምንዶ?

እህ ከመይ ዘይኣምን ይኣምን’ወ ። ኣዚየ እየ’ውን ዝኣምን ። ዝገርመካ ኮኾብ ኣብ ዝበሃል ነገርውን ይኣምን’የ።

@ ጽሕፍቶ ወይ ዕድል ብኸመይ ኢዩ ዝግለጸለካ?

ዝግለጽሞ ኣይኮነን፡ ትቕበሎ’ዩ፡ ትረኽቦ’ዩ። እዚ መልክዕካ፡ ቁመናኻ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣይተኾናተርካዮን። መልክዕን ጠባይን እኮ ናትካ ኣይኮነን ዝተዓደለካ’ዩ።

@ ወዲ ሰብ ካብ ዝውለድ ክሳዕ ዝመዉት ኣቐዲሙ ብዝተመደበሉ ጽሕፍቶ ወይ ዕድል እንድሕሪ ኮይኑ ዝጓዓዝ እቲ ጻዕርን ድኻምን እንታይ’ዩ ትርጉሙ?

እዚ ሕቶ ንቡጽእ ኣቦና ኣቡነ ጳውሎስ ኢኻ ተቕርበሎም። ንሶም’ውን መልሲ የብሎምን። መጽሕፍ ክጠቕሱልካ’ዮም እምበር ንሶም ይኹኑ ካልእ ሰብ ዝፈልጥ የለን። ዕለተ ልደትካ ኣይመረጽካዮን፡ ከምቲ ዕለተ ልደትካ ዘይመረጽካዮ ዕለተ ሞትካ’ውን ኣይትመርጾን ኢኻ። ኩልና ንፈልጦ፡ ደቂ ሰባት መጻእትን ከየድትን ከም ዝኾኑ’ዩ። ኣብቲ ማእክል ዘሎ ኢዩ ናትና።

ሓደ ዝፈትዎ ዓርከይ ኣሎ። ነዊሕ ስለዝኾነ “ቃላሚንጦስ” ኢና ንብሎ። ሓደ መዓልቲ እናሰተና እንከለና ኣዚዩ ሓረቐ’ሞ ስርኡ ሰብሲቡ ኣብ እግሩ ዝነበረ ኣዚዩ ገዚፍ በሰላ ኣርኣየኒ። “ረኣዮ በል ከምዚ ዝገበረትኒ ኣደይ ወላዲተይ ኢያ። እዚ ሕጂ ኣደ ትበሃል?” በለኒ። ብዛዕባ ኣቦይን ኣደይን ከኣ ክንገረካ’የ። እዚ ሕጂ ዕድሉ’ዩ ድዩ እንታይ’ዩ? ኣብ ምልክት ሕቶ’የ ክገድፎ። መልሲ የብልናን። ናይ ክልቴና ዕድል’ዩ። ንምንታይ ከምዚ ኮይኑ ስለምንታይ ከምዚ ተፈጢሩ ክንብል የብልናን። ዋላ ሓደ መልሲ ዘለዎ የለን። ብጹእ ኣቦና’ውን መልሲ የበሎምን።

@ ስለዚ ናይ ወዲ ሰብ መንፈዓትን ሕመቕን ኣብ ዕድል ከመይ ኢሉ’ዩ ዝንጸባረቕ?

ኣቐዲመ ነጊረካ እየኮ! ዕድልና ምውላድን ሙማትን’ዩ። ኣብቲ መንጎ ዘሎ ናትና ምርጫ’ዩ። እቲ ጉዳይ ከም ጸወታ ካርታ’ዩ እኮ። ካርታ ምስ ተዓደለካ እቲ ምጽዋት ናትካ ግደ ኢዩ፡ እቲ ክእለት ናትካ ግቡእ’ዩ። እቲ ዝዕደለካ ካርታ ግን ብጽሒትካ ወይ ዕድልካ’ዩ። ስለዚ ክልቲኡ ኢና ማለት’ዩ።

@ ወዲ ሰብ ዕድሉ ክውስን ይእኽልዶ?

ኣንታ ሱቕ ኢልካ ጽሕፍቶ፡ ዕድል፡ ጽሕፍቶ ዕድል ክትብል እኮ ወዲእካዮ እዚ ግዜ

@ ነብስኻ ምስ መን ትምድባ ምስ’ቶም ሓያላት፡ ምስ ድኹማት? ዋላ ምስቶም ግዲ ዘይብሎም ሰባት ?

ኣነ ኩሉ እየ። ንስኻ’ውን ኩሉ ኢኻ።

@ ኣቶ ስብሓት ኣሪግካ ኣለኻዶ ክንብል?

ቅድም ምስ ዘነበ ከነዕልል እንከለና ዝበልኩዎ ነገር ደሓር ተደጋጊሙ ሓቂ ይኾነኒ። እንታይ መሲሉካ ? እታ ትበልዕ ከብድናን እታ ተመዛዝን ሕልናንን ኣይኣረጋን’የን። ሕልናና ኩሉ ግዜ ሓድሽ’ዩ። ከብዲ’ውን ኩሉ ሃባ፡ ኣምጽእ’ያ ትብለካ።

@ ስለዚ ወዲ ሰብ ኣሪጉ ዝበሃል መኣስ’ዩ?

ንሱ ምስ ኣረግኩ ሕተተኒ

@ ኣምላኽ ዓርከይ’ዩ ኢኻ ትብል ሓቂ ድዩ?

ኣዚዩ’ምበር፡ እዚ ግን ናይ ሙሴ ኣምላኽ ኣይኮነን። ናይ ሙሴ ኣምላኽ እንተዝረኽቦ’ውን ኣብ መንገዲ ተሓቢኤ’ መሕለፍኩዎ።

@ ንምንታይ ?

ንሱ’የ እኮ ዝነግረካ ዘለኹ። ኣይፈትዎን’የ ንዕኡ። ምኽንያቱ ኣቦይ ከም ኢየሱስ እምበር ከም ሙሴ ኣይኮነን። ኢየሱስ ኩሉ ነገሩ ፍቕሪ’ዩ። ምፍታው’ዩ በቃ። ሙሴ ግን ምቕጻዕ፡ ምኽልካል’ዩ። ከምኡ ዓይነት ከኣ ኣብዚ ዓለም ብዙሓት’የ ዝረክብ። ንዕኡ ምፍታው ኣየድልየንን’ዩ። ናይ ሙሴ ኣምላኽ ናተይ ኣይኮነን። ንነገሩ ናይ ሙሴ ኣምላኽ እኮ እስራኤል’ዩ ፈጢሩ’ምበር ካልእ ዓለም ኣይፈጠረን። ፈጢረ’ውን ኣይበለን። ናይ ሙሴ ኣምላኽ ሓሪፍ ዝኾነ ንወዲ ሰብ ስለዝሰማማዕ’ዩ።

@ ኣምላኽ ዓርክኻ ከም ዝኾነ ብምንታይ ኢኻ ትፈልጥ?

ኣቐዲመ እኮ ኢለካ’የ። በቲ ዝነበሮ ናብራ፡ በቦይን በደይን። ክላኸፈኒ እንከሎ ናይ ምልኻፍ ኣንጻር ጌርካ ጸሓፎ። ቅድም ሓደ ሓሪፍ መምህር ኔሮምኒ። ኣዚየ ዘድንቖም። የኔታ ገብረመድህን 3ይን 4ይን ክፍሊ ዝመሃሩኒ። ዳግማይ እንተዝውለድ ካብኦም ክውለድ ምደለኹ። ከምኡ ኢለ ጽሒፈ ኣለኹ። ብድሕሪኦም ከኣ ናብ ኮለጅ ምስ ኣተኹ ናይ ታሪኽ መምህርና ኔሮም። ንሶም ከኣ ስነጽሑፍ ምሂሮምኒ። ከምዚ ዓይነት ነገር ኩሉ ግዜ ምስ ኣጓነፈኒ’ዩ። ልክዕ ከምቲ ንጉስ ብዝሓለፎ መንገዲ ሰባት ተኣልዮም ዘሕልፍዎ። ከምኡ’ዩ ንዓይ ኣምላኽ ክሰርሓኒ እንከሎ።

@ እምላኽ ባዕሉ ስብሓት እዚ ሃባ እዚ ወስኽ ስለዘይብለኒ ዓርከይ ኢዩ? ኢሉ ዝሓስብዶ ኣይመስለካን?

ኣምላኽ ስብሓት ዓርከይ’ዩ ኢሉ ክሓስብ ይኽእል’ዩ። ግን ብፍጹም ወስኸኒ ኣይብለንን ኢዩ ኢሉ ኣይሓስብን’ዩ። ሃበኒ ዘይብሎ’ኮ ዝኣኽለኒ ስለዘለኒ’ዩ። ቁሩብ እንተዘጉድለለይ ኣምጽእ ምበልኩዎ ኔረ። ኣይተርፍን’ዩ። ንነገሩ ንሱ ዝኾነ ዝበልካ እንተበልካዮ ኣይሽገርን’ዩ።

@ ናይ ቅድም ቀብዘርዘር በሃሊ ስብሓት ብምንታይ ምኽንያት’ዩ ተቐይሩ ንዴጋዊ ነገር ግዲ ዘይብሉ ክኸውን ጀሚሩ?

እስኪ ድገመለይ

@ ቅድም ስብሓት ዝተኸድኖ ዘይደግም ኣዚዩ ቀብዛር ኔሩ’ዩ ዝበሃል?

ሕራይ፡ ሓቂ’ዩ ጽቡቕ ኣለኻ ኣብ ሓደ እዋን’ዩ

@ መኣስ’ዩ እሞ እዚ ለውጢ መጽዩ?

ክሳዕ ሕጂ ዘይሓተትካኒ ጽብቕቲ ሕቶ’ያ። “ኣብ ህይወት ወዲ ተባዕታይ ግደ ጓል ኣንስተይቲ እንታይ ኢዩ?” ኢልካ እንተሓቲትካኒ ደድሕሪ ፈጣሪ ወረ ካብ ፈጣሪ ንላዕሊ ንፈጣሪ’ኮ ሓደ ሓደ ግዜ እየ ዝዝክሮ። ጓል ኣንስተይቲ ግን ካብ ወላዲተይ ጀሚርካ፡ ደሓር ፍቕሪ ሒዙኒ ተመርዕየ። ኣነ ክሳዕ ወዲ 10 ዓመት ሕፍረተይ መሸፈኒ’ምበር ክዳን ኣይነበረንን። እታ ሓንቲ ክዳንካ ኣዚያ ክሳብ ትኣርግ ምቕያር የለን። ምስ ኣረገት ትድርበ ካልእ ትገብር። ምቕያር ዝበሃል የለን። ከምኡ ኢየ ኔረ ኣነ። ናይ ፈለማ በዓልቲ ቤተይን ኣፍቃሪተይን ሃና ምጽብባቕ ኣመና’ያ ተፈቱ ኔራ። ኣነውን ክጽብቕ ስለትደልየኒ “ ዝደለኽዮ ኣምጽኢ ክኽደን’የ “ እየ ዝብላ። ደሓር ክንፈላለ እንከለና ክራብታታተይ ንዓቢ ሓወይ ወሲደሉ። ክንደይ ከም ዝኾነ ንሱ’ዩ ዝፈልጦ። 22 ክራባታ ኔሩኒ። ድሕሪኡ ግን ምስኣ ምስ ተፈላለና እቲ ምቅይያር ገዲፈዮ። ክዳውንተይ’ውን ነቶም ዘይብሎም ሂበዮም እኸውን። ግን ኣይሸጥኩዎን።

@ እዚ ለውጢ ዘምጻኻ ሞራልካ ኣውዲቕካ ማለት ድዩ?

ብፍጹም! ቅንጣብ ትኹን ናይ ተስፋ ምቑራጽ ኩነታት ኣየጋጠመንን። ዕድል ፈላልዩና እምበር ፍቕርና ኩሉ ግዜ ዘሎ’ዩ። ንጸሓሓፍ ኢና። ድሕሪ ክንደይ ዓመታት መጽያ’ውን ተራኺብና ምቁር ግዜ ኣሕሊፍና ኢና። ንኣብነት ሓንቲ ፓስት ካርድ ሊኢኻትለይ። ኣብ ገበር ናይታ ካርድ “ ምፍቃር ንዝመሃረኒ ሰብ እተዘኻኽረኒ ከተማ” ኢላ ጽሒፋትላ’ላ። ተስፋ ምቑራጽ ዝበሃል የለን። ኣቐዲምና ዕድል ወይ ጽሕፍቶ ዝበልናዮ ኣብዚ’ውን ይሰርሕ’ዩ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዝርዝር ገዳማት፡ ስርዓታት እንዳ’ባ፡ ያታዊ ኣስማትን ኣግራብን
Next Article ናተይ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?