Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Saturday, May 24, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ወግዓዊ ጽንብል

ወግዓዊ ጽንብል

0
By Mekonnen T. on May 15, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ፡ ኣሊሰን ፒርስ
ተርጓሚ፡ ኣማረ ወልደስላሰ

ሻሮን፡ ነቲ ወርትግ ክትክደኖ ዝተመነየቶ ልባስ ወደየቶ። ኣብ ርእሰኡ፡ ዕጣር ዝበሃል ዘይርከቦ ቐይሕ ግን ከኣ ድሙቕ ዝሕብሩ ኻባ ደረበት።
ኵሉ ኣምሓረላ። ምስ ተኽለ-ሰውነታ ስለ ዝተሰማምዐ ድማ፡ ነቲ ኸደራይ መልክዓን ጸሊም ዓይናን ኣድሚቑ ውቁብ ምስሊ መጠዋ።
“ኣደ፡ ኣዝየ ፈትየዮ።” እናተሓጐሰት ንውሽጣዊ ስምዒታ ገለጸት። ኣብ ቅድመኣ ናብ ዘሎ መስትያት እናጠመተትን እናተጠዋወየትን ንቍመናኣ ተዓዘበቶ።
“ስምዒኒ ሕጂ፡ ኣሰራርሓ ጨጕርኺ ኸይጽየቕ ተጠንቀቒ፡” ኻሪ እናኽመስመሰት ንሓንቲ ዊጥ ዝበለት ጨጕሪ ብመትሓዚ ጨጕሪ ጠሚራ ናብተን ዝተኣዅለላ ብጾታ ጸንበረታ።

ሻሮን ነቲ ወግኣዊ ጽንብል ብሃረርታ ተጸብያቶ እያ። ግዜኡ ስለ ዝኣኸለ ድማ፡ ንስምዒታ ኽትቈጻጸር ኣይከኣለትን።
ንሳን ኣደኣን ንምሉእ ግዜአን ኣብ ምጽብባቕ ኣጥፍአኦ። ኣቐዲመን ንጨጕረን ኣመዓራረይ፡ ቀጺለን ኣጽፋረን ተቘርጻ። ድሕረኡ፡ ንገጸን ብመቘንጀዊቶ ኣወቀባ። ኣብ መወዳእታ፡ ሻሮን፡ ልእልቲ ዝዀነት መሰላ።
“ኣመና ጽብቕቲ ቘልዓ ዀይንኪ ምቅርተይ!” ጁባ ዝወደየ ዳን ናብቲ ኽፍሊ ኣትዩ ብተመስጦ ተዛረበ።
“የቐንየለይ ኣቦ!” ሻሮን ብቕልጡፍ ኣሳጕማ ናብ ኣቦኣ ተጸጊዓ ንምዕጕርቱ ሰዓመት። “ኣደይከ ልክዕ ከማይ ወቂባዶ፧”
“እወ፡” ነታ ፈኲስ ጻዕዳ ኽዳን ወድያ ዘላ በዓልቲ እንዳኡ ተመልኪቱ፡ ንሕቶ ጓሉ ብእወታ መሊሱ ኣረጋገጸላ።
“በላ ተዳለዋ።” ተላበወ። “ሕጂ ኽንሰኣል ኢና።” ሓበሬታ ኣቕረበ። “ኵላትና ናብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንኺድ!” ናይ መወዳእታ ትእዛዙ ኣመሓላለፈ።
ዳን ዘምጽኦ ኽኢላ ሰኣላይ ስራሑ ጀመረ። ፈለማ፡ ንሻሮን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ጠጠው ከም እትብል ብምግባር ሰኣላ።
ድሕረኡ፡ ኣባላት ስድራን ወለዳን ተሳእሉ። ሓንሳዕ ሰለስተኦም፡ ካልእ ሻዕ፡ ሻሮንን ኣቦኣን፡ ጸኒሖም ከኣ ሻሮንን ኣደኣን ተሳእሉ።
ኣብ መወዳእታ ዳንን በዓልቲ እንዳኡን፡ ንሻሮንን ነቲ ሰኣሊን ተኸቲሎም ናብ ደገ ወጹ። ኣብኡ ብዝበጽሑ እታ ዝወቀበት ጓሎም፡ ኣብ ማእከል ኣታኽልቶም እናተዘዋወረት ክትሰኣል ከላ ተዓዘቡዋ።
“ካሪ ንምዃኑ ደሓን ዲኺ፧” ዳን፡ ንኣእዳዉ ኣብ መንኵብ እታ ኣብ ሓሳብ ዝጠሓለት በዓልቲ እንዳኡ ኣንቢሩ፡ ሕቶ ኣቕረበ።
“ደሓን እየ።” ናብቲ ብልዕለኣ ዘንጸላለዋ ምልኩዕን ገፊሕን ገጽ ዘለዎ ብዓልቤታ እናጠመተት ኣረጋገጸትሉ። “ጓልና፡ ነዚ ዕድልዚ ብምርካባ እንደኣለይ ተሓጒሰ ዘለኹ።”
ዳን ንመንኲብ በዓል ቤቱ ኣፍኲሱ ደርጸጾ። ብኡንብኡ ኣብ ቤት ትምህርታ ንዝተኻየደ ወግዓዊ ጽንብል ንኽትሳተፍ ዝገበሮ ኸንቱ ፈተነ ቕጅል በሎ።
ኣብቲ ግዜቲ፡ ካሪ ነቲ ብዙሕ ፈተነ ዘካየደ ዳን ኣቕበጸቶ። ሽዑ፡ ብደገደገ ብርእሳ እትተኣማመን ጓል ኣንስተይቲ መሲላ ተራእየት።
ኣብታ ኸተማ ኣብ እትርከብ ካልኣይ ደረጃ፡ ቈልዓ ዝወለደት ተማሃሪት ሓንቲ ንሳ ጥራይ ብምንበራ ግን ቕሳነት ከም ዝነስኣ ምእንቲ ኸይፍለጥ ድማ ተቓለሰት።
እታ ዓመት እቲኣ፡ ንካሪ ኣመና ፈታኒት ግዜ ነበረት። ብዅሉ ምሉ ዝተሓዋወሰ ስምዒት እናሃወጸ ኣጥቂዑዋ።
ሽዑ፡ መምህራንን ተማሃሮን እቲ ቤት ትምህርቲ ብልዑል ኣኽብሮት ጠመቱዋ። ኵሎም ንዘርኣየቶ ሓቦ ፈተዉዎ።
ብሓፈሻ ኣደ ቘልዓ ዀይና ኣብ ገዛ ዝጽበያ ዕማም እናፈጸመት፡ ንትምህርታ ብግቡእ ክትከታተል ብምኽኣላ ኣድነቑዋ።
ይዅን እምበር፡ እዚ ድርብ ሓላፍነትዚ ዘሰከማ ዕጫኣ፡ በብቝሩብ ካብ በብዓይነቱ ማሕበራዊ ንጥፈታት ከም እትርሕቕ ገይሩዋ ነይሩ እዩ።
ፈለማ፡ ከም መንእሰይ መጠን ምስ ብዕድመ መዛኑኣ ምስ ዝዀኑ መንሰያት ከባቢኣ ተጸንቢራ ኻብ ምዝናይ ተቘጠበት።
ኣብቲ ግዜቲ፡ ንሳ፡ ንነፍሳ ኣብ ክልተ ዓለም ከም ዝተንጠልጠለት ፍጥረት ገይራ ቘጸረታ። ካሪ ምስ ኣዕሩኽታ ኽትጽንበር ኣይከኣለትን። ካብ ኣደታት’ውን ረሓቐት። ንሳተን’ውን ኣይቀርባኣን።
ዳን፡ ተማሃሮ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቕድሚ ምእታዎም ኣብ ዘብዕሉዎ ወግዓዊ ጽንብል ንኽትርከብ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ኸእምና ቐሪቡ ነይሩ እዩ።
ንሱ ባዕሉ፡ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኣብ ከምኡ ዓይነት ጽንብል ተሳቲፉ እዩ። በዚ ኸኣ፡ ንሳ’ውን ነቲ ጽንብል ምእንቲ ኽትካፈሎ፡ ተመኵሮኡ እናገለጸ ደረኻ።
ይዅን እምበር፡ ንሳ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ንኣበዓዕላ እቲ ጽንብል ኣመልኪቱ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ንዝፈነዎ ዜና ናብ ገዛ ተማሊኣ ንዕኡ ብምርኣይ ንኸይትሳተፎ ኸም ዝወሰነት ሓበረቶ።
ትሕዝቶ እቲ ዝተፈነወ ዜናዊ ሓበሬታ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ “ርእሰ-መምህር ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መደብ ሳዕስዒት ኣወዳት ተማሃሮን ኣዕሩኾምን፡ ወይ ድማ ኣዋልድ ተማሃሮን ኣዕሩኸንን እምበር ቈልዑ ኽኣትዉ ኣይፍቀድን!” ዝብል ነበረ።
ካሪ ነዚ ሓበሬታዚ ምስ ረኸበት፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ቘልዓ ዘለዋ ተማሃሪት ንሳ ጥራይ ስለ ዝዀነት፡ ንጓላ ምእንቲ ኽትማልኣ ኽፍቀደላ ተማሕጸነቶ።
መምህራ ግን፡ እታ “ቈልዓ ሒዝካ ምምጻእ ኣይፍቀድን!” እትብል ሓረግ ንኻልእ ዘይኰነ ንዓዓ ኸም ዝምልከታ ኣብሪሁ፡ ንምሕጽንታኣ ኣዋደቖ። ንሳ’ውን ነግ ፈረግ ምባል ገዲፋ፡ ናብቲ ተማሃሮ ይዅኑ ወለዲ ብሃረርታ ዝጽበዩዎ ጽንብል ኸይትኸይድ ድማ ኣትሪራ ወሰነት።
ዳንን በዓልቲ እንዳኡን፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣብ ዝፍጸም ጽንብል ክትካፈል እትዳለው ጓሎም ሕጉስ መንፈስ ከም ዝዓሰላ እናተዓዘቡ ኸለዉ፡ ዳን፡ ሕሉፍ ዘኪሩ ሓሰበ።
በዓልቲ እንዳይሲ፡ ኣነ’ውን ከምዚ ሻሮን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዓይነት ዕድል ረኺበ እንተ ዝኸውን ጽቡቕ ነይሩ።” እናበለት ትህሉ እምበር ክብል’ውን ኣስተንተነ።
ኣብቲ ህሞትቲ እታ ብሓጐስ ክትጭንዳሕ ዝደለየት ሻሮን፡ ናብ ገዛእቶም ኣብ ዘእቱ ጐደና እትግስግስ መኪና ኸም ዘላ ብዝረኣየት፡ “ተመስገን ኣምላኸይ! ወያ ጽብቕቲ ሊሞሳይን መጺኣ።” ክትብል ወጨጨት።
ጋን ዝተሰርሐት ካሪ ብወገና፡ እትጽበዮ ሰብ ብምድንጓዩ፡ ኣቕላ ኸም ዝተጸንቀቐ ብዘርኢ መንገዲ፡ ናብ ሰዓታ ጠመተት።
ብዙሕ ከይደንጐየት ድማ፡ “ታይሮን፡ ስለምንታይ ደንጒዩ፧” ክትብል ንሻሮን እናጠመተት ከሻቕላ ንዝጸንሐ ኽስተት ደርጕሐትላ።
ታይሮን ትሑትን ምልኩዕን እዩ። ንሱ፡ ንሻሮን ዓርካ እዩ። ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ እሽንኳይ ኣብ ወግዓዊ ጽንብል፡ ኣብ ንኣሽቱ ቘጸራታት’ውን ንሻሮን ኣሰንዩዋ ዝኸይድን ምድንጓይ ዝበሃል ዘይፈልጥን ብምንባሩ ኵነታቱ ንካሪ ኣሻቐላ።”
“እህ፡ ሎሚስ ኣይመጸንን እዩ።” ሻሮን ብድፍረት መለሰት። “ዘሰንያኦም ኣዋልድ ምስ ዝሰኣኑ ኣዕሩኹ ኽውዕል እዩ።”
“እዋእ፡ ቍሩብ ስነ-ስርዓት ዝጐደሎ ነገር እዩ እዚ።” ካሪ እናተገረመት ተዛረበት። “ብዘይ ኣሰነይቲ ናብቲ ጽንብል ክትከዲ ኢኺ ማለት ድዩ፧” ክትብል ድማ ሕቶ ኣቕረበት።
“እዋእ ኣለኒ። ሎሚ ኽልተኹም ወለደይ ኣሰነይተይ ኰይንኩም ኣብቲ ጽንብል ክትርከቡ ኢኹም!”
“እንታይ፧”
“እወ፡ ሃንደበት ምእንቲ ኽትሰምዕዮን ምኽኒት ምቕራብ ከም ዘይጥዕመክን ገይረ እየ ኣገሪሀኪ።”
ካሪ፡ ብዙሕ ከይደንጐየት ናብቲ ኣብ ጥቓኣ ዀይኑ እናተገየጸ ነቲ ኵነት ዝከታተል ዝነበረ ዳን ኣቃለበት። ብዛዕባ እቲ ኽስተት ዝፈልጦ ምስጢር ኣለዎ ኽትብል ስለ ዝገመተት ድማ፡ “ብዛዕባዚ ውጥንዚ እትፈልጦ ኣሎ ድዩ፧” ኽትብል ሓተተቶ።
“እወ፡ ግን፡ ኵሉ ንሳ ዝመሃዘቶ እዩ ነይሩ!”
“ስምዒ ኣደይ መዓረይ! ኣቦይ ንዝተሳተፎ ወግዓዊ ጽንብል ኣብ ማህደረ-ስእሊ ተመልኪተዮ። ድሕረኡ፡ ንስኺ ዝተሳተፍክዮ ወግዓዊ ጽንብል እንተ ሃልዩ ኸርእየኒ ሓቲተዮ። ንሱ፡ ነቲ ዘጋጠመ ዘበለ ሓቢሩኒ። ስለምንታይ ከምዘይ ተሳተፍኪ ድማ ነጊሩኒ። ሓዚነ” ኽትብል መግለጺ ምቕራብ ጀመረት።
ሻሮን ነዚ መግለጺ እዚ እናኣቕረበት ከላ ኣዒንቲ ኻሪ ንብዓት ቋጸራ። “ደሓን ኣደ፡ ንስኺ ንዓይ ናብ ወግዓዊ ጽንብልኪ ኽትወስድኒ ኣይከኣልክን ነይርኪ፡ ንዓይ ግን ዝዓግተኒ የለን! ምሳይ ከውዕለኪ እየ።”
ድሕሪኡ ኣዒንቲ ኻሪ ንዝዓቘርኦ ንብዓት ከዓውኦ። ምዕጕርታ ጠልቀያስ። ብኡንብኡ ድማ፡ “ሻሮን፡ ንህይወተይ ዝበለጸ ትርጕም ዝሃብክያ ፍጥረት ንስኺ ኢኺ።” ክትብል ሓቘፈታ።
—-000—-

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ወደይስ ኣብ ፈይስ ቡክ ዝበሃል’ዩ ተሰጢሑ ዝውዕል ኢሎሞ”
Next Article ምስጢራዊ ጋዜጠኛ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?