Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ክላሲካዊ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራ

ክላሲካዊ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራ

0
By Mekonnen T. on December 22, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣሰናዳኢ – AMAN TEKESTE W.

 

  1. “ሓደ ዛንታ” – ገብረኢየሱስ ሃይሉ – 1950 ዓ/ፈ

እዛ መጽሓፍ ብ1950 ትተሓተም ደኣ’ምበር፡ ኣቐዲሞም (ብ1927) ጽሒፎማ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ትሕዝቶ ናይዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ሓደ ኤርትራዊ ዓስከር ኣብ ሊብያ ዘሕለፎ ጸገም ብስእላዊ ኣገላልጻ ተቕርብ። ብኣገባብ ኣጸሓሕፋኣ ብጽፈት ቃላታ ኣዝያ ብልጽቲ ዝኾነት ዕዮ እያ። ብግዜ ጥልያን ዝነበረ ኩነታት ኣመልኪታ ዝቐረበት ታሪኻዊትን ናይ መጀመርታ ልብ-ወለድ መጽሓፍ እያ። ኣብ መንእሰይ ዕድሚኡ ወተሃደር ክኸውን ካብ ዘለዎ ድልየት ተላዒሉ ባንዳ ኾይኑ ናይ ዝተቆጽረ ሰብ ተዘንቱ። ንሊብያ ከይዱ ምስ ተመልሰ፡ ወላዲቱ ሞይተን ከም ዝጸንሐኦ፡ ብመገዲ መልቀስ ድማ ጓሂኡን ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ጣልያን ዘሎዎ ኩነንኡን ይገልጽ። ኣብ ዘስካሕክሕ ሽግር ምስ ወደቐ፡ ኣብ ነብሱን ሃገሩን ዝበጽሖ ሽግር ክርድኦ ምኽኣሉ ትሕብር። ብሓፈሻ ናይቲ ታሪኽ ትሕዝቶ፡ ባንዳ ምዃን መንእሰያት ብዘይ ምስትውዓል ዝኣትውዎ ስራሕ ከም ዝኾነ ትገልጽ።

ብዝሒ ገጻት = 73

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም ጴጥሮስ ሲላ /ኣስመራ

 

2. “ወጋሕታ ናጽነት” – ተኽላይ ዘወልዲ – 1954 ዓ/ፈ

እዛ ልብ-ወለድ ዛንታ ብመልክዕ ሓደ ስድራ-ቤት ገይራ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ። እቶም ስድራ-ቤት ብጽቡቕ ኣብ ዓዶም ክነብሩ እንከለው መንግስቲ ጣልያን ክወሮም ከም ዝመጸ፡ ነዚ ወራር ክምክትዎ እውን ፈቲኖም ከም ዝነበሩን፣ እንተኾነ ግን ከም ዘይከኣሉን ተዘንቱ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ከም ዝወደቑ ይገልጽ። ንማሕረስ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ብዙሕ መሬት ከም ዘሕደጎም፣ ካብዚ ቀጺሉ’ውን ብዙሕ ግፍዕን ጭቆናን ይወርዶም ከም ዝነበረ ተረድእ። እቶም ገዛእቲ፡ ጭቃ ዓዲ እናኣዘዙ ደቅኹም ኣምጽኡ እናበሉ ተዓስኪሮም ንሃገር ሶማልያን ሊብያን ይወስድዎም ምንባሩ፣ ኣብኡ ገሊኦም ይሞቱ፡ ገሊኦም ጎደሎ ኣካል ኮይኖም ይተርፉ ምንባሮም የብርህ። ገለ ከኣ ነቲ ናቱ ዕላማ ሓዲጎም ሸፊቶም ሓርበኛታት ኮይኖም ከም እተቓለሱ ይገልጽ። ዕላማ ናይቲ ጽሑፍ ብልብ-ወለድ መገዲ ገይሩ ነቶም ንብዙሕ ዓመታት መዋእሎም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተሳቐዩ ህዝቢ ዝጠፍኤ ሂወትን ንብረትን ክሳብ ክንደይ መሪርን ከቢድን ከም ዝነበረ እትገልጽ እያ። ቅዲ ትረኻኣ’ውን ዝነኣድ እዩ።

ብዝሒ ገጻት = 91

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም ቺቸሮ /ኣስመራ

 

3. “ዓቢዱ ዶ ትብልዎ?” – በየነ ሃይለ – 1965 ዓ/ፈ

እዛ መጽሓፍ ነቲ ኣብ’ቲ ግዜ ዝነበረ ኣተሓሳስባ እተመልክት እዋናዊት መጽሓፍ ዝነበረት እያ። ትሕዝቶኣ ኣብ ሓደ ስድራ-ቤት ዝተፈጸመ ታሪኽ ተዘንቱ። እቲ ከም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ኮይኑ ዝዋሳእ መዝገበ ዝተባህለ መንእሰይ፡ ሽሕ’ኳ ስድራ-ቤቱ ትምህርቱ ወዲኡ ጽቡቕ ስራሕ ክጅምር፣ ቀጺሉ ሓዳር ገይሩ ክወልደሎም ክዘምደሎም ይደልዩ እንተ ነበሩ፣ እንተኾነ መዝገበ ቀንዲ ድልየቱ መርዓ ሓዳር ዘይኮነስ በቲ ዝተማህሮ ሞያ ናይ ኢደ-ጥበብ ስርሓት ከማዕብል ከም ዝደሊ ተዘንቱ። ንስድራ-ቤቱ ከየቐይም ኢሉ እናተማህረ ክእለቱ ስእሊ ምስኣልን ምጽራብን፡ ተምሳል ናይ ዝርኣዮ ዝጸርብ ጥበበኛ እዩ ዝነበረ ይብል። ነቲ ዕዮኡ ብዘይ ዕረፍቲ ካብ ገዝኡ ርሒቑ ብዘይ ዓርኪ መሓዛ ተፈልዩ ይሰርሖ ከም ዝነበረ የዘንቱ። እቶም ዝሰርሖም ዝነበረ ምስልታት ብኽብሪ ዝሽየጡን ኣድናቖት ዝነበሮምን እዮም። እቶም ዝርእይዎ ዝነበሩ ድማ፡ “ዓቢዱ እዩ” እናበሉ የውርይሉ ከም ዝነበሩ ትትርኽ። ሓደ ሰብ ኣብቲ ንዕኡ ደስ ዝብሎ ዝምባለ ጥራይ ኣተኲሩ ክሰርሕ እንተ ተራእየ ናይ ዕብዳን ምልክት እዩ ኢሎም ዝግምቱ ሰባት ስለ ዝነበሩ ነዚ መኣረምታ ዝኸውንን ካልእ ሓሳባትን ሒዛ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ። ብብሉጽ ስነ-ጽሑፋዊ ቅርጺ ዝተነድቀት ድማ እያ።

ብዝሒ ገጻት = 111

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም መንግስቲ /ኣስመራ

 

4. “ወርቅሃ” – መም ሙሳ ኣሮን – 1966 ዓ/ፈ

ዛንታ ህይወት ሓንቲ ወርቅሃ ዝተባህለት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ኣብ ኣመንዝርነት ከመይ ኢላ ከም ዝወደቐት፣ ቤት መስተ ከፊታ ግዝያዊ ሃብቲ ክትገብር ከም ዝኸኣለት ይትርኽ። በዚ ዝጀመረቶ ተግባር ተታሊላ ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ሰብ ሓዳርን ተመሃሮን ነቲ ናታ ኣርአያ ክኽተላ ትደፋፍኤን ከም ዝነበረት፣ ኣብ መወዳእታ ሓደጋ መኪና ምስ ኣጋጠማ ኩሉ እቲ ኣጥርያቶ ዝነበረት ሃብቲ፡ ሂወታ ከተድሕን ዝገበረቶ ሕክምና ተወዲኡ ናብ ድኽነት ኣትያ ዝነበራ ስራሕ ክትቅጽል ከም ዘይከኣለት ተርኢ። በቲ ዘጋጠማ ብስጭት ዝተላዕለ ብተግባራታ እናተጠዓሰት ህይወታ ከም ዘሕለፈት ተዘንቱ።

“ዝኾነ ነይምለስ ጓህሪ ነይኹለስ” ዝብሃል ናይ ኣቦታት ምስላ ኣብዚ ይምሰል። መልእኽቲ ናይዛ መጽሓፍ፡ ስራሕ ኣመንዝራነት ጠንቂ ሕብረተሰብ ምዃኑ፣ ነቲ ብግዚያዊ ሃብቲ ተታሊልካ ኣብ ዘይጽፉፍ ስራሕ ምእታው ዘስዕብ ጸገማት ትገልጽ ልብ-ወለድ መጽሓፍ እያ።

ብዝሒ ገጻት = 119

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም ኮዀብ ጽባሕ /ኣስመራ

 

5. “እምባፍራሽ” – መም ሙሳ ኣሮን – 1967 ዓ/ፈ

እምባፍራሽ ዝተባህለት ብሓይሊ መስተ ተደፋፊኣ ካብ ሰብኣይ ሓፍታ ከም ዝጠነሰት። ዘይተለምደ ተግባር ስለ ዝፈጸመት፡ ካብ ነቐፌታ ንምድሓን ነቲ ሕጻን ኣብ ጀንቢል ጠቕሊላ ኣብ ሜዳ ከም ዝደርበየቶ፤ እቲ ሕጻን ንገበርቲ ሰናይ ውላድ ዘይነበሮም ዓበይቲ ሰባት ተዋሂቡ ከም ዝዓበየ፤ በቲ ዘጋጠሞ ጽቡቕ ዕድል ተማሂሩ ሓኪም (ዶክተር) ከም ዝኾነ ተዘንቱ። እምባፍራሽ ሓሚማ ከይፈለጠቶ ብወዳ ተሓኪማ ከም ዝደሓነት፣ ወዳ ሓዳር ሒዙ ንሳ ድማ ሰራሕተኛ ናይ ገዝኡ ኮይና እናሰርሐት ከም ዝሞተት፣ እምባፍራሽ ከም ኩሉ ሰብ ሓሊፋ፡ ምስጢራ ግን ምስኣ ተቐቢሩ ተሪፉ ብምባል እታ መጽሓፍ ትውዳእ። “ናይ ሓደ መዓልቲ ጌጋ ናይ ዘልኣለም ጣዕሳ” ምዃኑ ተረድእ።

ብዝሒ ገጻት = 94

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም ኮዀብ ጽባሕ /ኣስመራ

 

6. “ማርቆሳይ ወይኒ ምስ ሕምባሻይ” – ኣባ ይስሓቕ ገብረኢየሱስ – 1973 ዓ/ፈ

እዛ ልብ-ወለድ ክልተ ታሪኽ ዝሓዘት እያ። ቀዳማይ ክፍሊ፡ ኣብ ገዳም ተደርብዩ ዝተረኽበ ቈልዓ ብፈለስቲ ከም ዝዓበየ ትገልጽ። ኣብ ትሕቲ ወለዱ ስለ ዘይዓበየ፡ ከምቶም ምስ ስድራ-ቤቶም እናተጻወቱ ዝዓብዩ፡ ዘሕለፍዎ ግዜ ንኸሕልፍ ዕድል ብዘይ ምርካቡ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ጭንቀት ከም ዝነበሮ፡ ናይ ወለዱ እንታይነት ንኽፈልጥ ኣብ ዝነበሮ ጻዕሪ ናብ ሞት ከም ዘብጸሖ ተዘንቱ።

ካልኣይ ክፍሊ፡ ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ዝተጠቕሰ ቈልዓ፡ ናይ ኣዲኡ ታሪኽ ዝምልከት እዩ ዝትረኽ። ብሞት ብዓል ቤታን ወዳ ምጥፍኡን ኣብ ከቢድ ሓዘንን ሽግርን ከም ዝወደቐት ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ታሪኽ ናይ ቃል ኪዳን ክብርን ናይ ውላድ ፍቕርን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይነግር። ኣብዚ ልብ-ወለዳዊ መጽሓፍ፡ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ፡ ተረት፡ ባህላዊ ጸወታ፡ ናይ መርዓን ናይ ሓዘንን ግጥምታት፡ ደርፊ ይርከብዎም። ብቋንቋ ግእዝ ዝተጻሕፉ ብዙሓት ሃይማኖታዊ ጥቕስታት ተጻሒፎም ኣሎው። ብድሕር’ዛ መጽሓፍ፡ ሓያሎ ልብ-ወለዳት ኣሰር ናይዛ መጽሓፍ ተኸቲለን ክጸሓፋ ከም ዝጀመራ ይፍለጥ።

ብዝሒ ገጻት = 305

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም ኢል ፖሊግራፊኮ /ኣስመራ

 

7. “ዘደንቕ ታሪኽ ብርሃኑ፡ ኣድጊ ነይሩ ሰብ ኮይኑ” – ፍስሃየ ሓጐስ – 1966 ዓ/ፈ

እዛ መጽሓፍ ብምትላል ዝፍጸም ተግባራት እትሕብር እያ። ብዛዕባ ሓደ ነጋዳይ ኣብ ንግዲ ዓለም ብዙሕ ግዜ ካብ ቤተሰቡ ተፈልዩ ብምንባሩ፡ ኩነታት ቤተ-ሰቡ እናሓሰበ፡ ኣድጊ ወጢጡ ክኸይድ እንከሎ ሰረቅቲ ኣብ በረኻ ይጸንሕዎ። እቶም ሰረቕቲ ንምኽታሩ ስለ ዘሸገሮም ብሜላ ገይሮም ነቲ ኣድጊ ዝሰሓበሉ ዝነበረት ገመድ ከም ዝፈትሕዎ፣ ሓደ ካብቶም ሰረቕቲ ነቲ ኣብ ክሳድ ኣድጊ ዝነበረት ገመድ ኣብ ክሳዱ ኣእትዮም ከም ኣድጊ ተሳሒቡ ንዓዲ ይኣቱ። እቲ ነጋዳይ ዓዲ ምስ ኣተወ፡ ነታ ኣድጊ እንተረኣየ ሰብ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ፣ እቲ ከም ኣድጊ ኮይኑ ዝጉተት ዝነበረ ሰብኣይ ምንባሩን ብዙሕ ግፍዒ ሽግር ይበጽሖ ከም ዝነበረን ይገልጽ። ሓደ ሓደ መረዳእታታት እውን የቕርብ። ነዚ ዝሰምዐ ህዝብን እቲ ዋናን ብዙሕ ከም ዝገረሞም ይዝንቶ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ እቲ ነጋዳይ ናብ ዕዳጋ ይኸይድ እሞ፡ ኣብቲ ዕዳጋ ነቲ ኣድጊ ከም ዝረኸቦ፣ ዋና እቲ ኣድጊ ከኣ እቲ ዘታለሎ ሰብኣይ ኮይኑ ይጸንሖ። በዚ እታ ልብ-ወለድ ዘደንቕ ብርሃኑ ኣድጊ ነይሩ ሰብ ኮይኑ ኢላ ትድምደም። ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ብግጥሚ ዝተጻሕፈት ዛንታ እያ።

ብዝሒ ገጻት = 40

ኣሕተምቲ =ቤት ማሕተም ኣፍሪቃ /ኣስመራ

 

***

ሃይማኖታዊ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ ክሕተም ዝጀመረሉ ግዜ ብ1866 እኳ እንተኾነ ፋልመይቲ ልብ-ወለዳዊ መጽሓፍ ብሃለቃ ፍስሓ ጊዮርጊስ ዝተዳለወት ግን፡ ኣብ ሃገረ ጥልያን /ሮማ ብ1887 እያ ተሓቲማ። ብዛዕባ ኣብ ኤውሮጳ ዝገበርዎ ጉዕዞ ዝገልጽ ታሪኽ ኮይኑ፡ ኣርእስቲ እቲ መጽሓፍ ከኣ፡ “ወረ መገዲ እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ ነዙ ሃገር እዙይ እውን ብምርኣይ ኣብ ሰብነቱ ጦብላሕ ዝበሎ ጦብላሕታን” ከምዚ ዝብል ኮይኑ፡ እዚ መጽሓፍ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ካብቶም ጀመርቲ ዝኾኑ ካብ ካልእ ቋንቋታት ዘይተተርጎመ እዩ። ካብዚ ብምቕጻል’ውን ሃለቃ ፍስሓ ጊዮርጊስ ብ1890 “እንካብ ዓረብኛ እተገልበጠ ቅያ ቀዳሞት ኣዕራብን እንካብ ኢጣልያ እተገልበጠ ታሪኽ ኣግባጽን” እትብል 44 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ’ውን ኣብ ሮማ ኣሕቲሞም እዮም። ብድሕሪ’ዚ እውን “ዓለም ሰንኪ ክልተ ኣርወ ከም ተባርዐት” ትብል 270 ነግሒ ዘጣመረት ነዋሕ ግጥሚ ብ1916 ተሓቲማ ነበረት።

***

ይ ቕ ጽ ል

 

ምንጪ፥ “ምዕባለ ሕታማት ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ”

ኣብርሃም ነጋሽ – ኣመሪካ – 2016

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleህዝብታት ሓበሻን መበቆሎምን
Next Article ክላሲካዊ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራ (II)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?